Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on March 12, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

መበል 120 ክፋል

ምዕራፍ 17

ህዝቢ ኤርትራ ብገዛእ ቅልጽሙ ዘውዲ ደፊኡ’ዩ ዝርከብ ዘሎ፡ እግዝኣብሔር ከኣ ባሪኹሉ እዩ‘ሞ፡ ነዛ ዘውዲ‘ዚኣ ዝትንክያ ወይልኡ!

 ሓርበኛ ኣቦና ኣቶ ወ/ኣብ ወ/ማርያም 1987

እዋኑ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ደቅና ሎሚ ኣተዉ፡ ጽባሕ ኣተዉ እናበለ፡ ከም ጥንስቲ ጸሓዩ መሊኣ እትበርቀሉ መዓልቲ ዝጽብጽበሉ ዝነበረ ወርሒ’ዩ። ሮዛ ናይ ጓላ ምጥፋአ ክም ንቡር ወሲዳቶ፡ ምስ ሰለሙን ተተሓሒዞም ክመጽኡዋ ብተስፋ አናተጸበየት ከላ፡ ኵነታት ሰመረ ግን ኣየቕሰናን። ንሳልስቲ ደሃይ ኣጥፊኡ ድሕሪ ምቕናይ ብመንገዲ መራሕ ዋህዮኣ፡ ኣብ ናጽነት የራኽበና ዝብል ሓጺር መልእኽቲ ሰዲዱላ። ነቲ መልእኽቲ ብድርብ ስምዒት ተቐቢላቶ። ዘጋጠሞ ሽግር ስለ ዘይፈለጠት ምኽንያት መሰወሪኡ ክርድኣ ኣይከኣለን። ከም ሓዋ ትርእዮ ስለ ዝነበረት ከአ ምሉአ መዓልቲ ቃዚና ወዓለት።

ሓርነት መላእ ኤርትራ ኣርባዕተ ወርሒ ክተርፎ ከሎ፡ ሓደ ተጋዳላይ ካብ ግንባር ሓልሓል ኢዱ ንጸላኢ ሂቡ። ንሰመረ ካብ ታዕሊም ኣትሒዙ ዝፈልጦ ኮይኑ፡ ኣብ ስለያ ክፍለ ሰራዊት ከሎ’ውን ብሓደ ሰሪሖም ነይሮም። ሓደ ንግሆ ኣብ ከባቢ እንዳ ዓሳ ሰመረ ብማዕዶ ምስ ረአዮ፡ ኣብ ከውሊ ኮይኑ ኣተኵሩ ጠሚቱዎ። ብኻልእ ውድባዊ ዕማም ዝመጽአ ከይከውን ስለ ዝጠርጠረ ንኸረጋግጽ ናብ ናይ ቀረባ ሓለፍቱ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ብህጹጽ ትመጽእ ዝብል መልሲ ምስ ዝተላእከሉ ድማ ሃንደበት ንግንባር ደቀምሓረ ተበጊሱ።

ሮዛ ንሰለስተ ወርሒ ዝኣክል ብጽምዋ ተዋሒጣ ኣሕለፈቶ። ሓደ ሰንበት ዓይኒምድሪ ተዓጽዩዋ ምሉአ መዓልቲ ንዑኡ ክትከፍት ምስ ጽርሃ ክትጋደል ወዓለት። ብገለ ነገር ተሓቲሙ ምስ ምስ ኣቕበጻ ግን ንጽባሒቱ ካብ ከባቢ መደበር ሸቃሎ ኣምጺኣ ክተዕርዮ ወሰነት።

አቲ ስራሕ ብስለስተ ሰባት ድሕሪቐትሪ ተጀሚሩ። ካብ ጥቓ ዓይኒምድሪ ብምጅማር፡ አበይ ተሓቲሙ ከም ዘሎ ንክረኽቡ ነርባዕተ ሜትሮ ዝኣክል ርሕቀት ምስ ፈሓሩ፡ ኣታኽልቲ ኣብ ዘለዎ ቦታ በጽሑ። ኣማራጺ ስለ ዘይነበሮም፡ ንገለ ክፋሉ ኳዓዒቶም ከባላሽዉዎ ግድነት ነይሩ። ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ልምልም ዝበለ ቦታ በጽሑ’ሞ ፍርቂ ሜትሮ ኣቢሎም ድሕሪ ምዅዓት፡ ዘይንቡር ኵነታት ኣጋጢሙዎም ብስክፍታ ነንሓድሕዶም ተጠማሚቶም ትም በሉ። ድራሮም ዝምእርሩ ናይ ውዕለት ሰራሕተኛታት ስለ ዝነበሩ ስርሖም ድሕሪ ምውዳእ፡ እዝን እትን ከይበሉ ገንዘቦም ተቐቢሎም ክኸዱ ተሰማምዑ።

ሰዓት ሓሙሽተ ኣኺሉ ሮዛ ካብ ስራሕ ተፈዲሳ ምስ መጽአት፡ ዝዓበየ ስራሕ ወዲኦም ክመዳምዱ ጸንሑዋ። ክሳዕ ዘድህዩዋ ኣብ ሳሎን ኣትያ ቡን ኣብ ምቕላው ኣተወት። ጀበና ኣውሪዳ ምስ ጽርሃ ቡን ክትሰቲ እናተቐራረበት ከላ፡ ውዕለቶም ክትከፍሎም ኣድሃዩዋ። ብገፈጥመፈጥ ተሓቲሙ ዝነበረ ዓይኒምድሪ ብግቡእ ከም ዘዕረዩዎ ድሕሪ ምርግጋጽ ከኣ ሕሳቦም ሂባ ኣፋነወቶም። እኳ ደኣ፡ ንሓደ ካብኣቶም ጸጸኒሑ ኣብ ዘጋጥም ከምኡ ዓይነት ስራሓት ይተሓጋገዛ ስለ ዝነበረ፡ ሞቕሽሽካ ኢላ ብላዕሊ ክልተ ቕርሺ ሂባቶ። ወዲ ሰላሳ ዓመት ዝቀራረብ ቀልጻማ መንእሰይ ኮይኑ፡ ገጹ ግን ጽምእ ዝበለ ነይሩ።

እቲ መንእሰይ ምስ ብጾቱ ተበጊሱ ከብቅዕ፡ ድሕሪ ርብዒ ሰዓት ናብ ሮዛ ተመልሰ። እቕሓ ዝረስዐ ጥራይ’ዩ መሲሉዋ ነይሩ። ንሱ ግን ገጹ ኣሲሩ፡ “ሓንሳብ ክዛረበኪ ደልየኪ ነይረ፡” በላ ብትሑት ድምጺ።

“ናይ ደሓን?” ኢላ ንደገ ወጽአት።

“እሕሕ” ዝብል ድሚጺ ኣስሚዑ፡ “ኣይትሓዝለይ ደኣ’ምበር ነቲ ሳልሳይና ብዙሕ ኣይኣምኖን’የ። ከምዚ የጓንፍ’ዩ ኢለ ስለ ዘይሓሰብኩ ግን ምሳና ክሰርሕ ተማሊአዮ መጺአ” በላ። ኣብ ገጹ ውጥረት ይንበብ ነይሩ።

ዘረባኡ ግር ኢሉዋ፡ “ደሓን፡ ጸገም የሎን” በለቶ።

ብግቡእ ከም ዘይተረድኣቶ ፈሊጡ፡ “ህይወትኪ ኣብ ሓደጋ ከይወደቐ ከሎ ነፍስኺ ክተውጽኢ እየ ዝሕብረኪ ዘለኹ። ምኽንያቱ እዚ ዝብለኪ ዘለኹ ወዲ ኣብ ክንዲ ክድረር ምሳና ዝኸይድ፡ ዘይኣመሉ ተሃዊኸ ኣለኹ ኢሉ ሓዲጉና ብታክሲ ከይዱ’ሎ። ጠርጢረዮ ስለ ዘለኹ ሃየ ተቐላጢፍኪ ካብ ገዛ ርሓቒ” በላ።

ሮዛ ዘረባኡ ስለ ዘይተረድኣ ንሓበሬታኡ ብዙሕ ትርጕም ኣይሃበቶን። ምኽንያቱ ገለ ምስ ጸላኢ ዝተሓባበሩ ከም ደፋእ ዓረብያ፡ ረፋዕ ኮይኖም ዝሰርሑ ተጋሩ፡ ንብረቱ ክዘምቱዎ ንዝተመነዩ ገዛ ንዋና ኣልዕል ኣቢሎም፡ “ብመንግስቲ ትድለ ስለ ዘለኻ ተቐላጢፍካ ነብስኻ ኣውጽእ፡” ብምባል ገዝኡ ሓዲጉ ከም ዝሃድም ድሕሪ ምግባር፡ ነቲ ብዘይ ሰብ ዝተረፈ ቪላ ከም ድላዮም ይዘምቱዎ ከም ዝነበሩ ትሰምዕ ነይራ እያ። ብተወሳኺ እቲ መንእሰይ፡ ዓዱ ኣብ ከባቢ ስመዣና ስለ ዝነበረ፡ ካብ መልሓሱ ትግራዋይ ኮይኑ ስለ ዝተሰምዓ ኣይኣመነቶን። ኣብ እእምሮኣ ገዛይ ክዘምት ዝደለየ ሌባ እዩ፡ ዝብል መልእኽቲ ጥራይ’ዩ ዝድውል ነይሩ። እንታይ ከም ተመኽንየሉ ምስ ሓንጐላ እናተማጐተት ከላ ጽርሃ ብመስኮት ተቐልቂላ፡ “ኣብሻይ ሮዛ፡ ቴለፎን!” ኢላ ስለ ዘድሃየታ፡ “መጻእኩ፡” ኢላ ነቲ ወዲ ኣብ ኣፍደገ ሓዲጋቶ ንገዛ ኣተወት።

ጽርሃ፡ ንሮዛ ምስቲ ወዲ ክትዛረብ ከላ ብመስኮት ክትከታተላ ስለ ዝጸንሐት፡ “እዚ ወዲ ደኣ እንታይ እዩ ክብለኪ ጸኒሑ?” ክትብል ተወከሰታ ከም ህውኽ ኢላ። ቀትሪ እናሰርሑ ከለዉ ክልተ ሰለስተ ግዜ ከሕሸዅሽዂ ስለ ዝሰምዓቶም ብዓይኒ ጥርጣረ እያ ክትጥምቶም ውዒላ። እቲ መንእሰይ ዝበላ ምስ ገለጸትላ ንሮዛ ብዓይኒ ተሓባባሪት ህግሓኤ ትጥምታ ስለ ዘይነበረት፡ “እዚኣቶም ገዛ ሰብ ክዘምቱ ዝደለዩ ሰረቕቲ’ዮም ዝመስሉ፡ ኵነታቶም ባህ ኣይበለንን፡” ብምባል ኣብ ሓሳባ ከም ትጸንዕ ገበረታ።

ሮዛ ናብቲ ጠጠው ኢሉ ብዓቕሊ ዝጽበያ ዝነበረ መንእሰይ ምስ ተመልሰት፡ “ስምዓኒ ዝሓወይ፡ ካብ ሓልዮት ተበጊስካ ከምኡ ትብለኒ ትህሉ። ኣነ ግን ዘሰክፈኒ ወይ ኣብ ነፍሰይ ዝጥርጥሮ ነገር የብለይን። ስለ’ቲ ሓልዮትካ ድማ የቐንየለይ፡” ኢላ እንግድዓኣ ሂባቶ ብግስ በለት።

እቲ ወዲ ግን ንጹህ ኤርትራዊ ስለ ዝነበረ፡ ካብ ምንታይ ተበጊሳ ከምኡ ትብል ከም ዘላ’ውን ስለ ዝተረድኦ፡ “ስምዕኒ ዝሓውተይ፡ ብጌጋ ኣይትረድእኒ። ሎሚ ኣብ ቀጽርኺ ክንኵዕት ከለና ሬሳ ስለ ዝረኸብና’የ ከምኡ ዝብለኪ ዘለኹ። ስለዚ ነፍስኺ ንምድሓን ተጓየዪ!” ምስ በላ ብበርቂ ከም ዝተሃርመ ሰብ ኣብ ዘላቶ ተዓኒዳ ተረፈት።

ኣብታ ሓጻር ህሞት፡ ኣብርሃም፡ ኤልሳ፡ ኣስናቀ፡ ንጀርመን ዝሰደደታ ወርቂ ሰንሰለት፡ ሰመረ ኣብ ቅድሚኣ ከም ዓቢ ስእሊ ግትር በሉ። እቲ መርድእ ዘስምዓ ወዲ ክወጽእ ከሎ ንማዕጾ ናይቲ ቀጽሪ ገም ምስ ኣበሎ፡ ካብ ዝነበረቶ ኵነተ ኣእምሮ ብምውጻእ ከም ጥይት ተተኵሳ ኣብ ሳሎን ኣተወት። ኣወል ቡን ተረሲዑ ገዛ ዕግርግር ኣተዋ። እዝን እትን ከይበለት ንጽርሃ ገዛ ክትሕልው ሓቢራ፡ ዝርካቡ ገንዘባ ጠርኒፋ፡ ንግዜኡ ዝኾና ክዳውንቲ ተማሊኣ፡ ምስ መለስ ወዳ ተበቈጸት። ናበይ ከም ተብል ከይፈለጠት ብኵርናዕ ገዛኣ ተጠውየት። ንገለ ካልኢታት ኣብ ወሰን ጽርግያ ምስ ተጸበየት ንሓንቲ ብኤክስፖ ዝመጽአት ታክሲ ደው ኣበለታ። ኣብ ታክሲ ድሕሪ ምድያብ በዓል ታክሲ፡ “ናበይ?” ምስ በላ ብዘይ ልባ፡ “ኮምቦኒ!” ዝብል መልሲ ሃበቶ።

ኣብታ ንነዊሕ ዓመታት ዝተፈልየታ ገዳም ብሰላም በጺሓ ጕዳያ ንሓለቓ ገዳም ምስ ገለጸትላ፡ ሓንቲ ንእሽቶ ክፍሊ ተዋሂባታ ንግዜኡ ትንፋስ መለሰት። ክሳዕ ዝደለየቶ እዋን ቀሲና ክትጸንሕ ከም ትኽእል ተሓቢሩዋ’ኳ እንተ ነበረ፡ ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ኣብ ጐድኒ ማርያምግቢ ከም ዘላ ፈለጠት። ሕጂዶ ይመጽኡኒ ደሓር? እናበለት ብራዕዲ ተዋሒጣ ክተንቀጥቅጥ ጀመረት። ናብ መራሕ ዋህዮኣ ቴለፎን ክትድውል ስለ ዝተረበጸት፡ ንሓለቓ ደናግል ናብ ጸሎት እናኣተወት ከላ ኣብ ገበላ ደው ኣቢላ፡ ቴለፎን ክትድውል ክም ዝደለየት ሓበረታ።

ኣብታ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ብቈልዓኣ ከላ ከም ድላያ ዝዓንደረትላ ቤትጽሕፈት ሶር ካተሪና ዝነበረት ክፍሊ ምስ ኣተወት፡ ኣብ ፊታ ናብ ዝነበረት ኣብ መንደቕ ዝተንጠልጠለት ዓባይ ስእሊ ሶር ካተሪና ኣዒንታ ተኺላ ጠመተት። ድሕሪ ሞት ሶር ካተሪና ኣብታ ክፍሊ ክትኣቱ ናይ መጀመርያ ግዜኣ ነይሩ። ኣብራኻ ማይ ኮይኑ ምእዛዝ ኣብዩዋ ናብታ ሰለስተ ሜትሮ ርሒቓ ዝነበረት ቴለፎን ምስጓም ተሳእና። ኣዒንታ ብደዋ ንብዓት ጀረብረብ ከብላ ጀመራ። ብኡ ንብኡ ሸፋሕ ሸፋሕ ዝብል ንጸሎት ናይ ዝኣትዋ ደናግል ድምጺ ምስ ሰምዐት ካብ ዝነበረቶ ኵነተ ኣእምሮ ወጺኣ ናብታ ኣብ ልዕሊ ጠረጴዛ ዝነበረት ቴለፎን ብቐስታ ብምስጓም ናብ መራሕ ዋህዮኣ ስልኪ ደወለት።

መራሕ ዋህዮኣ ድሮ ካብ ስርሑ ተፈዲሱ ንወዱ ከጻውት ስለ ዝጸንሐ፡ ቴለፎን ባዕሉ እዩ ተቐቢሉዋ። ሮዛ ዘጋጠማ ነገር ድሕሪ ምግላጽ ክብቲ ዘላቶ ቦታ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ክውጽኣ ኣትሪራ ተማሕጸነቶ።

ኣብ ዘላቶ ቦታ ክትጸንሕ ምስ ሓበራ፡ “ኣበይ ከም ዘለኹ እናሓበርኩኻ ከመይ ጌርካ ከምኡ ትብለኒ’ለኻ? በጃኻ ቀልጢፍካ ርድኣኒ፡” ኢላ ተረረት።

ንሱ ግን፡ “ኩሉ ተረዲኡኒ’ሎ ሮዛ። እቲ ዝበለጸ ምሕባእ ዘይምሕባእ’ዩ ዝብል ኣዘራርባ ኣሎ። ምሉእ ምሸት ካብ ከባቢ ገዛኺ ጀሚሮም ክሳብ ከባቢ ኤክስፖ፡ ወሰን ኢሎም ክፍትሹ እዮም ኣምስዮም። መታን ካብ ኣስመራ ከይትወጽኢ ድማ ኩሉ ብሎኮታት ኣስመራ ከም ዝልኩትዎ ፍለጢ። ኣብ ትኣትውዮ ዝብሃል ገዛውትን ኣብ እንዳ ኣዝማድክን ክፍትሹ እዮም። ኮቲ ነስመራ ክልተ ኣስመራ ከም ዝገብሩዋ ርዱእ’ዩ። ናብ ኣፍደገ ገዛኦም ትመጽኢ ኢሎም ግን ከቶ ኣይክጥርጥሩን’ዮም። ስለዚ ካብ ዘለኽዮ ቦታ ንላዕሊ ዘተኣማምን ውሑስ ቦታ የሎን። ስለዚ፡ ኣጆኺ ኣይትፍርሒ፡” ኢሉ ኣተባብዓ። ወላ ብምሉእ ልባ እንተ ዘይኣመነቶ ናብ ተብሎ ስለ ዘይነበራ ከብዳ ሓቝፋ ሰለም ከየበለት ሓደረት።

ብኸምዚ መዓልቲ ናጽነት ክሳዕ ዝኣክል ንሰለስተ ቕነ፡ ክዳን ደናግል ተኸዲና ምስ ወዳ ኣብ ገዳም ኮምቦኒ ተሰዊራ ኣሕለፈቶ። ሮዛ ብዘይካ ምጥርጣርን ፍርሕን ካልእ ጸገም ኣይነበራን። ምስ ኣዕሩኽቱ ጸወታን ጕያን ዝለመደ መለስ ግን ኣብ ጸቢብ ደምበ ከም ዝተዘርዐ ብተይ ብዙሕ ተጣሪዑ። ወዲ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ዝቐረበ እኹል ቈልዓ ስለ ዝነበረ ግን ፈትዩ ጸሊኡ ነቲ ዘጋጠመ ሽግር ተረዲኡ ክዕገስ ግድን ኮይኑዎ።

መበል 121 ክፋል

ይቕጽል

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleውልቃዊ ግምገማ ደርፊ ክሊፕ “እሙን ዓርከይ”፤
Next Article ኣብ ዓዲ ጓና
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?