Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on December 13, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

መበል 106  ክፋል

ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ፡ ሰማይ ብጸሊም ደበና ተሸፊኑ ክዘንብ ዝቀራረብ ዘሎ ይመስል ነበረ። ሮዛ ኣንቃ ዕሪራ ንሰማይ ድሕሪ ምጥማት ጽርግያ ሰገረት። ነዊሕ ከይከደት መራሕ ዋህዮኣ ኣርከባ። ብዛዕባ’ቲ ተስፋ ዝህብ ጥሉል ክራማትን ቀንጠመንጢ ናይ መነባብሮን እናዕለሉ ኣብ ኣፍደገ ገዛኣ በጽሑ። ቅድሚ ሰሙን ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ኣዘራሪቡዋ ስለ ዝነበረ ሓድሽ ነገር ክትሰምዕ እናተሃንጠየት ገዛ ኣትያ ኣብ ሶፋ ኮፍ በለት።

“እሞ ብዛዕባ’ቲ ብቐዳማይ ዝተዛረብናሉ ጕዳይ’የ መጺአ ሮዛ። ብምርድዳእና መሰረት ከኣ ጸኒዕኪ ክትህልዊ ተስፋ’ገብር፡” ኢሉ ዘረባኡ  ጀመረ መራሕ ዋህዮኣ። ኣብ ከባቢ ፊያት ንእስ ኢሉ ጋራጅ ዝነበሮ ኣዝዩ ህዱእን ርጡብን ሰብ’ዩ ነይሩ። ሮዛ ንማለቱ ውድብቲ እያ’ኳ እንተ ተባህለት ዓቢ ስራሕ ፈጺማ ኢልካ ትዛረበሉ ነገር ግን ኣይነበረን። እተድመዓሉ ግዜ ግን ኣኺሉ።

“እቲ ዕላማ ሓንሳብ ኣትየዮ’ንድየ። ቀሊሉ ከቢዱ ኣብ ኢድ ጸላኢ ዘውድቐኒ ነገር እንተ ተረኺቡ ሞት ከም ዝስዕብ ይርድኣኒ እዩ። ስለዚ ኣብ ሕጂ በጺሐ ንድሕሪት ዝብለሉ ኣብነት የብለይን። ዘይክእሎ ስራሕ እንቋዕ ኣይኮነ’ምበር እዝስ ዓቕመይ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ፡” በለቶ ዝስዕብ ዘረባ ክትሰምዕ እናተጸበየት።

“እምበኣርከስ ነቲ ብጻይ ኣብዚ ሳልስቲ ሒዘዮ ክመጽእ ስለ ዝኾንኩ እታ ዝድቅሰላ ክፍሊ ኣዳልውያ ኢኺ። ንምጽርራይ እንተ ዘይኮይኑ ብጀካኡ ካልእ ሰብ ክኣትዋ የብሉን። እታ ኣንደር ግራውንድ ገዛ ድማ ንፍሉይ ስራሕ ክደልያ ስለ ዝኾነ ካብ ሕጂ ኣትሒዝኪ ድልውቲ ግበርያ።”

“ናይታ ኣንደርግራውንድ እንተ ኾይኑ ገለ ጋዕገልጠም’ያ ሒዛ ዘላ፡ ግዜ ኣይትወስድን’ያ ከጸራርያ እየ። እታ መደቀሲኡ ግን ኣቦስቶ ገይረያ’ለኹ።”

“ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ መንነቱ መታን ከይጠራጠር ከኣ ካብ ኣዲስኣበባ ዝመጽአ ናይ ቀረባ ቤተሰብ ተመሲሉ’ዩ ክኣቱ። ወላ ደቅኺ ብኸምኡ ክርድኡዎ’ዩ ዘለዎም፡” ድሕሪ ምባል፡ ንገዛኣ ኣብ ዝመጽኣሉ መዓልቲ ባህርያዊ ዝመስል ኣገባብ ኣቀባብላ ክትጥቀም ከም ዘለዋ ብሰፊሑ ዘርዘረላ።

“ግርም! ተረዲኡኒ’ሎ፡” በለቶ እናሰሓቐት።

ቅድሚ ምኻዱ፡ “ረሲዐ’ባ ነይረ፡ ሰመረ’ዩ ዝብሃል ከይትርስዒ፡” በላ።         ኣብ ሳልስቱ፡ “ምስ ሰመረ ንመጽእ ስለ ዘለና ተቐሪብኪ ጽንሒ፡” ኢሉ ንሮዛ ብቴለፎን ድሕሪ ምሕባር  ብታክሲ ንቲራቮሎ ተበገሰ። ተሳፊሮምላ ዝመጽኡ ታክሲ ካብ እንዳ ሮዛ ርሕቕ ኢላ ኣውረደቶም። ሰመረ ጸሊም መነጽር ወድዩ፡ ሳንጣኡ ተሓንጊጡ ደድሕሪኡ እናሰዓበ ኣብ ቀጽሪ ገዛኣ በጽሑ።

ሰመረ፡ ኣብ ኣስመራ’ኳ እንተ ዓበየ፡ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ወዲኡ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ካብ ዝዋፈር ግን ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ብሕትን መንግስታውን ትካላት ኢትዮጵያ፡ ከም ክኢላ ናይ ኤለትሪክ ዝሰርሐ ተጋዳላይ እዩ። ቀንዲ ስሙ ቦኽረ ኮይኑ፡ ድሕሪ ታዕሊም ኣብ ቦጦሎኒ ሸውዓተ ከሎ ጸረኣብዮት እናበለ ይጻረፍ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ክፍለ ሰራዊት ተስዓን ሽዱሽተን ክሳዕ ዝውዛዕ በዛ ሳጓ’ዚኣ እዩ ዝፍለጥ ነይሩ። ድሕሪ ወፍሪ ባሕረነጋሽ ካብ ግንባር ሓልሓል ተሳሒቡ ናይ ስለያን ጸረስለያን፡ ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣጽዋር፡ ነታጕ ምጽዋድ፡ ካርታ ምንባብን ምድላውን፡ ሬድዮ ርክብ፡ ምስባርን ምድላውን ኮድ፡ ምስ ሰብ ናይ ምልላይን ምርኻብን ሜላ፡ ናይ ሰባት ስምዒትን ድሌትን ምፍላጥ፡ መባእታዊ ስነልቦናን ወዘተ ተማሂሩ ኣብቲ ግንባር ሰሪሑ።

ብድሕር’ዚ ኣብ ምስጢራዊ ስራሕ ንኽዋፈር ኣብ ገዳርፍን ከባቢኡን ንኽልተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንኢትዮጵያ ዝመላለስ ነጋዳይ ዙርያ ተመሲሉ ብወገን ዓብደ ራፍዕ ንመተማ ብምእታው፡ ብጎንደርን ባህርዳርን ኣቢሉ ናብ ኣዲስኣበባ ኣምሪሑ። ኣብኡ ዝተዳለወሉ ናይ መንበሪ ወረቐት ሒዙ ንገለ ኣዋርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ ነኣስመራ መጺኡ። መልክዑ ቀይሕ ርቕቕ ኢሉ፡ ለማሽ ጸጒሩ፡ ቍመቱ ማእከላይ ኮይኑ፡ ብናይ ጸላኢ ብሄራዊ ኣገልግሎት መታን ከይሕተት በዓል ኣዝማ ምዃኑ ዝገልጽ ወግዓዊ ናይ ሓኪም ካርድ ዝነበሮ’ዩ። ነዚ ንኽጥዕሞ ድማ ሕሙማት ኣዝማ ዝጥቀሙሉ መድሃኒት ዝሓዘ መሳርሒ (ቬንቶሊን ኢንሄለር) ካብ ጁባኡ ፈልዩ ኣይፈልጥን ነይሩ።

ሮዛ ድምጺ ደወል ምስ ሰምዐት፡ “መን’ዩ ዝኹሕኩሕ? ክፈትዮ’ስኪ ጽርሃ፡” በለት ኣብ ክሽነ ኮይና። ጽርሃ ዘብዘብ ኢላ ማዕጾ ድሕሪ ምኽፋት ነቶም ኣጋይሽ መሪሓቶም ክትኣቱ ከላ ሮዛ ኣብ ኣፍደገ ሳሎን ጸኒሓ ንኽልቲኦም ርእይ ምስ ኣበለቶም፡ “እዋይ ሰመረ ሓወይ!” ኢላ ናብኣቶም ብምስጓም ንሰመረ ሓኒቓ ክትስዕሞ ጀመረት። ንፍረወይንን መለስን ኮነ ኢላ ቀሪባቶም ስለ ዝጸንሐት ድማ “ሰዓሙዎ  ኣኮኹም ሰመረ እዩ፡” በለቶም።

ሰመረ ብወገኑ፡ “ክንደይ ደኣ ጐቢዞም?” ኢሉ ንኽልቲኦም ምስ ሰዓሞም ደድሕሪኣ ናብ ሳሎን ሰዓበ።

“ቀልጥፊ’ስከ ናውቲ ቡን ቀርቢ ጽርሃ፡” በለት ሮዛ ዓቢ ጋሻ ከም ዝረኸበት ሸበድበድ እናኣርኣየት። ጽርሃ ቡን ክትቈሉ እናተዳለወት ከላ፡ “በዓል ኣያይከ ደሓንዶ’ለው? እነ ደኣ እንተ ደንጐኻ እታ ግናይ ኣዝማዶ ጀሚራቶ ኢለ ካን ተሻቒለ’ንድየ፡” በለቶ ተዋስኦኣ ብምጅማር።

ሰመረ ጸላም መነጸሩ ኣውጺኡ፡ “ደሓን’ዮም ብዙሕ ሰላም ኢሎምኺ፡” ድሕሪ ምባል ገጹ ብመሃረብ እናደረዘ፡ “ገዛ ተጋግየ ኰለል ክብል’ንድየ ውዒለ። እዚ ሓወይ ግን ዓወን ዓወን ክብል ምስ ረኣየኒ ደሓን ይእቶ መሪሑ ኣምጺኡኒ፡” በለ ብኢዱ ኣብ ፊቱ ተቐሚጡ ናብ ዝነበረ መራሕ ዋህዮኣ እናኣመልከተ።

መራሕ ዋህዮኣ ትቕብል ኣቢሉ፡ “ሳንጣ ሒዙ ኰለል ክብል ምስ ረኣኹዎ ጋሻ ምዃኑ ፈሊጠዮ። መስኪናይ ጸሓይ እናዘበጠቶ ነዛ ቲራቮሎ ብምልእታ እዩ ኰሊሉዋ፡” በለ ዘረባ ንኸጠዓዕም።

ሰመረ፡ ንፍረወይኒ ክጥምት ጸኒሑ ኢዱ ኣብ ጁባኡ ብምእታው፡ “እንኪ ፓስተ ወይ ገለ ነገር ዓድጊ፡” ኢሉ ቅርሺ ኣውጺኡ ሃባ። ምስ መለስ ተመራሪሖም ከኣ ንድኳን ጐየዩ። ሰመረ ክልተ ሳዕ፡ “ሑእ ሑእ፡” ኢሉ ድሕሪ ምስዓል፡ ናይ ኣዝማ መድሃኒት እትነጽግ መሳርሒቱ ብምውጻእ ኣብ ኣፉ ኣቕሪቡ ንማለቱ ክልተ ሰለስተ ግዜ ፊፍ ኣቢሉ ተጠቕመላ።

ሮዛ፡ ጀበና ክተገናፍል ጸኒሓ፡ “እዋይ ሓወይ! ቀቲላትካ’ንድያ። ኣዝማ ዝብሉዋስ ክንደይ ኮን ትሓስም! ኣይ ጨው’ንዲያ ኣፍርያትካ፡” በለቶ።

ኣብ ኣዲስኣበባ’ሞ ኸኣ ካን ሞይተ እየ ነይረ። ንዘይመውት ፈውሲ ኣለዎ  ከም ዝብሃል ግን ድሕሪ ክንደይ ሓደ ንፉዕ ሓኪም ደሮናን ጭቃን የሕመኒ ከም ዘሎ ተረዲኡዎ። ሓቁ’ዩ ኸኣ፡ ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ገዛውትና ከም ገለ ዶሮና ወይ ጭቃ እንተ ገይሩ ፈፈው’ያ ተብለኒ ነይራ። ከም መፍትሒ ኸኣ ኣስመራ ክኸይድ ሓቢሩኒ። ሕጂ’ኮ ናይዚ ክራማት ግዲ ኾይኑ፡ ኣስመራ ድማ ከም ኣዲስኣበባ ጭቃ ስለ ዘይብሉ ዳርጋ ሕሙም ኣይበሃልን’የ። ተማሒረ ኢኺ ትርእይኒ ዘለኺ።”

“ዓዲ ጥዕናኻ ይግበረልካ፡ ጥዕና’ዩ ልዕሊ ዅሉ።”

ኣወል ቡን ተቐዲሓ ምስ ተሰትየት መራሕ ዋህዮኣ፡ “በሉ ኣነ ክገድፈኩም ሕጅስ። ደሓን ወዓሉ፡” ኢሉ ተፋነዎም። ቡን ክሳዓ ትለዓል ንሳ ባዕላ ዝፈጠረቶ ናይ ኣስመራ ንሱ’ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ዘቕረቦ ናይ ኣዲስኣበባ ዕላሎም ወድኡ። ብድሕሪኡ ሳንጣኡ ኣልዒላ መሪሓቶ ኣብታ ዘዳለወትሉ ክፍሊ ኣተወት። ሓንቲ ምጥንቲ ዓራት፡ ከብሒ፡ ጠረጴዛ ምስ ኵርሳ ዝሓዘት ክፍሊ እያ ነይራ።

ሰመረ ብሓቂ ከምኡ ኣይተጸበየን። ንሰሙን ዝኣክል ምስ ከባቢኡ ድሕሪ ምልላይ፡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ኣብ ሓደ ጋራጅ ከም ናይ ኤለክትሪክ ክኢላ ስለ ዝተቘጽረ ንግሆ ወፊሩ ምሸት ክኣቱ ጀመረ። ንሮዛ ጠባያ ከጽንዓ’ውን ግዜ ኣይወሰደሉን። ብኸምዚ በብቝሩብ መዓልታዊ ንስራሕ ዘድልዮ ነገራት ሒዙ ብምምጻእ ነታ ኣንደር ግራውንድ ገዛ ንስራሕ ድልውቲ ገበራ። ኣይደንጐየን ኣብቲ ከባቢ ከም ክኢላ ክፍለጥ ስለ ዝጀመረ፡ ኩላቶም ጐረባብቲ ንቐሊል ኤለትሪካዊ ይኹን ናይ ቴፕ ወይ ሬድዮ ብልሽታት ንሰመረ ምጽዋዕ ስራሕና ኢሎም ተተሓሓዙዎ። ንሱ’ውን ተመቕሊሉ እናቐረበ ነቲ ወርቃዊ  ዕድል ጽቡቕ ገይሩ ተጠቕመሉ። እዚ ምስቲ ሰንበት ሰንበት ካብ ቤተክርስትያን ዘይፍለ ምዃኑ ተደሚሩዎ፡ ብምሉኡ ነባሪ ናይቲ ከባቢ ከም ሓደ ብዙሕ ጥዕና ዘይብሉ ሰብ፡ ግን ከኣ ኣዝዩ ብሩኽን ወዲዝጊሄርን ፈለጦ። እዚ ድማ ኣብ ምስጢራዊ ስራሓቱ ጽቡቕ ጉልባብ ፈጠረሉ። ልዕሊ ኹሉ ግን መለስ ኣዝዩ ፈተዎ። ፍረወይኒ እንተኾነት’ውን ካብ ስድነታን ቀልባዕባዓን ምሉእ ብምሉእ ተኣሪማ’ኳ እንተ ዘይተባህለ፡ ንሱ ካብ ዝመጽእ ኣትሒዛ ክትጐርሕን ሜላ ክትጥቀምን ስለ ዝጀመረት ንወላዲታ ብዙሕ ለውጢ ዝገበረት ኮይና ተሰምዓታ። ብመጠኑ ድማ ቀሰነት።

ካብዚ ዝተበገሰ፡ ሮዛ ካብ ውድባዊ ዕማሙ ንላዕሊ ኣብ ማሕበራዊ ህይወታ ዝያዳ ትጥቀመሉ ዘላ ኾይኑ ይርድኣ ነበረ። ኣብ መንጎኦም ናይ ሓውን ሓውትን ፍቕርን ሓልዮትን ማዕበለ። ብፍላይ ሰመረ፡ ብንጽህናኣን ግርህነታን ኣዝዩ ፈትዩዋ። ሮዛ’ውን ጎር ዝኾና ሰብ ረኺባ ካብ ጽምዋን ተነጽሎን ተገላገለት። ክልተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ድማ ሮዛን ሰመረን ንርኣዪኦም ጓኖት ዘይኮነ፡ ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝፋለጡን ኣመና ዝፋተዉን ኣሕዋት ይመስሉ ነበሩ።

ይቕጽል

Chapter 14

መበል 107  ክፋል   ዝመጽእ    ረቡዕ

 

*        *        *

 

 

 

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleመጽሓፍ “መባእታ ሰዋስውን ስነ-ጽሑፍን ትግርኛ 2015”፣ ማእከል ልዝብዶ ክርክር፧
Next Article 5 buildings with amazing design you should visit this year
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?