Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Thursday, May 29, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on December 2, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

መበል 103  ክፋል

ካስትሮ፡ ዓይኒ ምስ ሓዘ መብራህቲ ክሳዕ ዝውላዕ፡ ኣብ ኣፍደገ ሶቬቱ ደው ኢሉ ነቶም ውራይ ኣትዩዎም ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዝነበሩ መንእሰያት ይዕዘብ ነበረ። ድሮ ባሕቲ መስከረም ስለ ዝነበረ እቲ ርባ ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኣጣል ብዝሓርዱ፡ ባህላዊ ምድላዋት ብዝገብሩ፡ ስዋ ናብ ናይ መዘናግዒ ቦታ ብዘመላልሱ ተጋደልቲ ምንቅስቓስ ጽዒቑዎ’ዩ ውዒሉ። ካብ ባሕቲ መስከረም ዝዓቢ በዓል ስለ ዘየሎ፡ ተጋዳላይ ዝርካቡ ትሕዝቶኡ ብምንጋፍ ብዓቢ ድምቀት’ዩ ዘብዕላ። ሳላ ጥሪት ዝተሳእነ ኣይነበረን ኣጣል ተሓሪደን ስዋ ይስተ፡ ሰሚናራት ይካየድ፡ ጥይት ከኣ ይትኰስ። ነፍስወከፍ ብጻይ ድማ ነቲ ዓቢ በዓል ኢሉ ኣጽርዩወን ብዝቐነየ ሚላኖን ክሽዅን ማዕሪጉ ይውዕል። ግጥምታት ሰሚዑ ተዋስኦታት ድሕሪ ምዕዛብ ከኣ ንኽብርቲ ባሕቲ መስከረም ቴፕ ወሊዑ ክስዕስዕን ክጻወትን ወጋሕ የብላ።

ዝበዝሕ ኣባል ኣብ ከባቢ ምግብና ላዕልን ታሕትን ይብል ነበረ። ካስትሮ መብራህቲ ምስ ተወልዐ ገዝኡ ዓጽዩ ናብ ምግብና ገጹ ኣምርሐ። እቲ ቦታ ብስእልታትን ጭርሖታትን ተሰሊሙ ነበረ። ገለ ሰባት ስዋ ሒዞም ከዕልሉ ከለዉ፡ ክልተ መኣዲ ድሮ ከብዶም ክመልኡ ጀሚሮም ጸንሑዎ። የማነ ጸጋም ጠሚቱ፡ ኣቦይ ተኽለ ምስ ካልኣዮም ብሸነኽ ጸጋም ኮፍ ኢሎም ምስ ረኣዮም ኣብ ጐድኖም ተቐመጠ። ዕላል ሒዞም ከየድሃቡሉ ስለ ዝጸንሑ፡ “ኣስጊልና ጸኒሕና ኮፍ በል ከይበልናካ’ታ ካስትሮ፡” ኢሎም ንማለቱ ፍሕትሕት በሉ ክልቲኦም። ዕላሎም ብዛዕባ’ቶም ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ዝተወዝዑዎም መንእሰያት’ዩ ነይሩ።

“እዚኣቶምስ ሳዕስዑ ደኣ በሎም። ማእቶት ኣላ እንተ ተባሂሎም ርእሶም እዮም ዝሓምሙ፡ ስዋ ኣላ እንተ ሰሚዖም ግን ቅድሚ ሰብ ኵጢጥ ኢሎም ይጸንሑኻ። ሰትዮም ስነሰርዓት እንተ ዝገብሩ’ኸ ጸሊእካዶ! እዚ ትርእዮ ዘለኻ ቈልዓ ጥራይ ኣለዎም ስርንቕ ዘይብል፡” በሉ ኣቦይ ተኽለ ከም ርስን ኢሎም። ድሮ ምስ ካልኣዮም  ጀሚሮሞ ዝጸንሑ ዕላል’ዩ ነይሩ።

“ስራሕ ከይለመዱ ስለ ዝጸንሑ ከምኡ ክኾኑ ግድነት’ዩ፡ በብቝሩብ ግን ኣቦስቶ ክመጽኡ’ዮም። ሰውራ ንመን ዘይሰሓለ፡” ክብል መለሰሎም ካስትሮ ድምጹ ኣትሒቱ። ብዛዕባ’ቶም መንእሰያት ዘረባ ክለዓል ከሎ ኣቦይ ተኽለ እናነቐፉ ጥራይ ስለ ዝዛረቡ ሰብ ክሰምዖም ኣይደለየን።

“እቲ ስነስርዓት ዘይምግባሮም እዩ’ኮ ዘዛርበና ዘሎ ካስትሮ። ኣብ በዓል ሸቃሎ ንሕክምና ኬድካ ኔርካ’ምበር፡ እቲ ትርእዮ ዘለኻ ዘጋፍ፡” በሉዎ ብኢዶም ናብ ሓደ ድልዳላ መንእሰይ እናመልከቱ፡ ‘ጀነረተር ተወሊዓ ክትሓድር ኣለዋ፡’ ኢሉ ክንደይ ህውከት ፈጢሩ። ሕጊ ከትሕዙዎ ፈቲኖም ምስ ኣበየ ኸኣ ተሓጋጊዞም ኣሲሮሞ። እዚኣቶም ገና ኣይፈለጥካዮምን ዘለኻ፡” ብምባል ካስትሮ ጦፍ ከይዱ ከሎ ዘጋጠመ ፍጻሜ ገለጹሉ።

“ብሓቂ ከምኡ ኢሉ? ጀነረተር ደኣ ስለምንታይ ተወሊዓ ትሓድር’ሞ?” ክብል ሓተቶም። ወላ’ኳ ብመጠኑ ሰሚዑዎ እንተ ነበረ፡ እንታይ ከም ዝብሉ ክሰምዖም ስለ ዝደለየ’ዩ ተወኪሱዎም።

“ክትኩሳ’ምበር ቶግ! ከብላ፡” በሉ ስምዒት ሓዊሶም።

“እዚ’ኳ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ፡” በሎም እናሰሓቐ።

“ኣነ’ኳ ፍርቂ ለይቲ ከይኣኸለ’አየ ክድቅስ ኢለ ከይደ። እዞም ቈልዑ ከም ዘዕለሉኒ ግን ሰዓት ሰለስተ ናይ ለይቲ ምስ ኣኸለ፡ ጀነረተር ረሲና’ላ ክትጠፍእ’ያ ኵሉ ሰብ ነናብ መደቀሲኡ ተባሂሉ። ዝበዝሕ ሰብ ዕሚም እናበለ ዲሲፕሊን ኣኽቢሩ ነናብ ቦትኡ ክኸይድ ብድድ ከሎ፡ ንሱ ግን እንታዋይ ሰብኣይ’ዩ ዘጥፍኣ? ኢሉ ክንደይ ዕግርግር ፈጢሩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ሰሚዕካዮ ትኸውን ተኣሲሩ። ቍሪ ምስ ተሓልበ ግን ስኽራኑ ነፊሱሉ፡ ‘ብጾት ጌጋይ ተረዲኡኒ እዩ በጃኻትኩም ፍትሑኒ፡” ክብል ተመሻኺኑ’ ኢሎምኒ። እዚኣቶም ንበይኖም’ዮም ካስትሮ። እምበርዶ ንሓዋሩ ሰብ ክኾኑ እዮም?” በሉ ኣቦይ ተኽለ ካብ ታኒካኦም ስዋ ጽጽው ኣቢሎም ኣፎም ድሕሪ ምድራዝ።

“ክዕረዩ እዮም ግዲ የብልካን፡” መለሰ ኣብ ጐድኖም ዝነበረ ብጻይ።

ካስትሮ ጽን ኢሉ ክሰምዖም ጸኒሑ፡ “ስማዕ’ንዶ ኣቦይ ተኽለ፡ ብዛዕባ’ዞም መንእሰያት ክለዓል ከሎ ኵሉ ግዜ ሓደ ጐድናዊ ፍርዲ ክትህብ’የ ዝሰምዓካ። መንቀሊ ናይቲ ነገር ፈሊጥካ ኣብ ክንዲ ምዝራብ ከማና ዘይኮኑ ትብል እንተ ዄንካ ትጋገ’ለኻ፡” ኢሉ ዘረባኡ ኣብ መደምደምታ ከየብጽሐ ኣብ መኣዲ ክቐርቡ ስለ ዝተነግሮም፡ ዝጀመሮ ዘረባ ኣቋሪጹ ምስኣቶም ኣብ መኣዲ ቀረበ።

ኣቦይ ተኽለ ስብሒ በዚሓታ እናበሉ ቍሩብ ድሕሪ ምብላዕ፡ መኣዲ ንዘቐረበ ጸዊዖም፡ “ንዓ ‘ዝወደይ ሃብሮም፡ እዚኣ ቅብኢ በዚሑዋ ስለ ዘሎ ክበልዓ ኣይክእልን’የ። ኣብ ንእሽቶ ብያቲ ስብሒ ዘይብሉ ርኢኻ ከምታ ናይ ኵሉ ግዜ ደኣ ግበረለይ። ቀስ ኢለ ኣብ ገዛይ ክምገባ እየ፡” በሉዎ።

ኣመል ኣቦይ ተኽለ ስለ ዝፈልጥ፡ “ሕራይ” ዝብል መልሲ ሃቦም። ብዛዕባ ምግቢ ዝመጽአ ጥዑምፈተ እዮም። ኣብ መራፊት ከለው እቲ ምግቢ ጽቡቕ ስለ ዝነበረ ሽግር ኣይነበሮምን። ዝበዝሕ ግዜ ድማ ምስ ሓፋሽ ዘይኮነ ምስ ከምኦም ዕብይ ዝበሉ ሰባት’ዮም ዝቕረቡ ነይሮም። ንዓራርብ ምስ መጽኡ ግን ብዘይካ ሕሩድ ኣብ ዝህሉወሉ ግዜ ኣብ ምግብና ገጾም ቀሪቦም ኣይፈልጡን ነይሮም። ምስቲ ዕብየቶምን ኣብ ስራሕ ድፍእ ክብሉ ምውዓሎምን ግን ሓላፍን ተራን ሸለል ይብሎም ነይሩ። በዚ ተተባቢዖም ኣብ ዓዲጥልያን ዝነበረት ጓሎም ጸጸኒሓ ብእትሰደሎም ቍሩብ ዶላር ሳልሳ ወዲ ሳልሳ፡ መረቕ ደርሆ መሳሊ እናዓደጉ ባዕሎም ነፍሶም ይኣልዩ። ሳሕቲ ኸኣ ንምግብና ሓፋሽ ገለ ገንዘብ ሰው የብሉ። ዝበዝሕ ግዜ ሓንሳብ ንመዓልቲ’ዮም ዝበልዑ። ካስትሮ፡ “ጥዑም እናፈተኻ’ንዲኻ ኣቦይ ተኽለ፡” ኢሉ ክጨርቀሎም ከሎ፡ “ኣየ ካስትሮ፡ ከምዚ ክትብል ከለኻ ፕሪሞን ሰኮንዶን ዝቐረብካ ትመስል። ደሓር ከኣ ጥዑም ዝጸልእ ፍጥረት ኣምላኽ ከም ዘየሎ ፍለጥ። ነዚ እንደምነሽ ትብሉዎ ፍሩስካ ክንበልዕ ዘይኮነ፡ ጥዑም ክነምጽእ ንቃለስ ከም ዘለና ተረዳእ፡” እዮም ዝብሉዎ ነይሮም።

ድራር በሊዖም ምስ ወድኡ፡ ንዝኾነ ዘረባ ሸለል ኢሎም ስለ ዘይሓልፉ፡ “በል’ስከ ቀጽል ዘረባኻ። ተጋጊኻ ኢልካኒ ኔርካ። ኣበይ እየ ተጋግየ?” በሉዎ።

“እወ፡ ከምዚ ዘይገበሩ ከምዚ ዘይኮኑ ቅድሚ ምባልና፡ ከምቲ ንደልዮም ዘለና ክኾኑ ብመደብ ዝዀስኰሶም ኣካል ኣሎ ድዩ? ኢልና ክንሓትት ኣለና። እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ኣበይ ነይሮም? ደርግ ሃገራዊ ስምዒት መታን ከይሓድሮም ኣብ ዘይዕድመኦም መስተን ሽጋራን ከም ዘዘውትሩ፡ ኣብ ዙረትን ዕውልናን ከም ዘድህቡ፡ ኪነት እናበለ ጕዳይ ትምህርቶም ከም ዝርስዑ ገይሩዎም’ዩ ጸኒሑ። ስለዚ ሃንደበት ናብ ተሪር ቀይዲ ክኣትው ከለው ኵሉ ነገር ክጋጨዎም ከም ዝኽእል ምፍላጥ የድሊ። እቲ ጕዳይ ከምዚ ካብ ኮነ፡ ኣብ ክንዲ ዅሉ ግዜ ምሕማዮምን ምምንጫቶምን ቀስ ኢልና ክነረድኦም ክንፍትን ኣለና። ደሓር ከኣ እቲ ግዜ፡ ቀደምን ሕጂን ነናቱ ምዕባለ ከም ዘለዎ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።”

“ንሱ ደኣ ጽቡቕ ኣለኻ። ንዘረባ ዘረባ የምጽኦ ኮይኑ ከም ገለ ምስ ኣልዓልናዮም ኣብቲ ኵሉ ኣቲና’ምበር፡ ቀስ ኢሎም ኣብ ቃልሲ ከም ዝህነጹ መዓስ ጠፊኡኒ። እንተኾነ ዓቢ ክዛረቦም ከሎ ክሰምዑዎ ከም ዘለዎም ሕብር ደኣ  ኣብሉዎም። እምበር ዓይኒ ጸላኢኦም ይደፈን ነዛ ሩባ ኣማሚቖማን’ድዮም። ግን ባህረይ ጠፊኡካዶ፡ ከምታ ትፈልጠኒ ጌጋ እንተ ቶግ ምባል’ዩ ኣመለይ።”

“ከምኡ እንተ በልካ ክንረዳዳእ ኢና። ካባና ብዙሕ ነገር ስለ ዝጽበዩ እንተ ኽኢልና ነፍስወከፍና በብዓቕምና ኣጆኹም ክንብሎምን፡ ኣብነት ክንኮኖምን’ዩ ዘለና። ከም መንእሰያት መጠን ተሰከምቲ ሕድሪ ስለ ዝኾኑ፡ ብፍላይ ንስኻ ብዛዕባ መግዛእታዊ ታሪኽ ብዙሕ ፍልጠት ስለ ዘለካ፡ ታሪኽ ሃገሮም ክትገልጸሎም ይግብኣካ። ደርጊ ታሪኽ ናይ ሰለስተ ሽሕ ዓመት’ዩ ምሂሩዎም።”

“ኣየ ካስትሮ! ሓደ ሓደ ግዜ ዘረባኻ ዝኾነ ጕድ’ዩ ከስሕቐኒ። ኣብ መራፊት ናይ ማኦ’ባ፡ ናይ ሳን ያትሰን’ባ እናበልካ ላሕ! ክተብለና ከለኻ፡ ‘ታሪኽ መዓስ ስኢንና ታሪኽ በዓል ደጊያት ባህታ፡ ራእሲ ወልደንኪኤል፡ ራእሲ ተሰማ ዘይትምህሩና’ እንተ በልኩኻ፡ ‘ተሰራዕ! ምስ ግዜን ኵነታትን ክትመሃሮ ኢኻ’ ትብለኒ ኔርካስ፡ ሕጂ ግልብጥ ኢልካ ናይ ፖለቲካ ኮሚሽነር ክትገብረኒ’ምበኣር ደሊኻ? ወይጉድ ደቀይ! በል ከምታ ኣብ መራፊት ይህበኒ ዝነበርካ መልሲ፡ ተሰራዕ! ትብል ቃል’የ ዝምልሰልካ።”

“ኣይትዋዘ፡ ብቕንዕና’የ ዝዛረበካ ዘለኹ። እቲ ቅድም ትብሎ ዝነበርካ ሕጂ ብመጽሓፍ መልክዕ ተሓቲሙ ትርእዮ ኣለኻ’ንዶ። ስለዚ፡ እዞም መንእሰያት ዘይተረድኦም ነገራት ምስ ዝሓቱኻ ብዕላል መልክዕ ክተረድኦም ከለኻ ክርስዑዎ  ኣይክእሉን’ዮም። ደሓር ከኣ እዚ ተዘርጊሑ ዘሎ ኣፈናዊ ጽሑፍ’ምበር ተጻፊፉ ዝተወድአ መጽሓፍ ከም ዘይኮነ ኣይትረስዕ።”

“ናይ ብሓቅኻ ዲኻ ትዛረብ ዘለኻ ካስትሮ? ሃለው ክብል ብሱልን ጥረን ክዛረብ’ምበር ቁምነገር ክገብር ትሓስበኒ? ደሓር ከኣ ፍሉጥ’ዩ ኣብ መንጎ ከሕርቑኒ እዮም፡ መጽሓፍ ክድርብየሎም’የ። ይፍትሓላ’ዚኣስ።”

ኣዋርሕ ድሕር’ዚ ፍጻሜ’ዚ፡ ካስትሮ ምስ ካልኣዩ መስመር ሓይሊ ኤለትሪክ ክዝርግሕ ናብ ኣዳራሽ ካልኣይ ውድባውን ሓድነታውን ጉባኤ ተበገሱ። ኣብ ምላሾም ኣብ መፍረ መድሃኒት ስዋ ክሰትዩ ተኣልዩ። በጋጣሚ ስዋን ዕላልን መቂሩዎም ንሓደ ሰዓት ድሕሪ ምዕላል፡ “ንኺድ በል ነብሲ፡” ኢሎም ብግስ በሉ።

ኣንዒንቱ ተኺሉ ክጥምቶም ዝጸንሐ ብርሕ ኢሉ ተጋዳላይ ደድሕሪኦም ብምስዓብ፡ “ሓንሳብ ክረኽበካ ደልየ ነይረ ብጻይ፡” በሎ ንካስትሮ።

ብስራሕ ዝደለዮ መሲሉዎ፡ “መርሓባ ብጻይ፡” ኢሉ ደው በለ። ንዝበዝሑ ኣባላት ከሚሽን መፍረ መድሃኒት ይፈልጦም’ኳ እንተ ነበረ፡ ንዑኡ ግን ከለልዮ ስለ ዘይከኣለ ብስራሕ ዝደለዮ ጥራይ መሰሎ። ኣብ ጥቓኡ ምስ ቀረበ፡ “እሂ ደኣ?” ኢሉ ብሰላምታ ኢዱ ጨበጦ።

“ኣብ መንጎ ዕላልካ ከይቈርጸካ ተሰኪፈ እየ’ምበር ምስዚ ብጻይ እትው ክትብል ከለኻ ኣትሒዘ እየ ኣለልየካ። ምናልባሽ ገጊኻኒ ትኸውን፡” በሎ ናብ ኣምሓርኛ ብዝዘንበለ ትግርኛኡ።

ካበይ ከም ዘምጽኦ ጠፊኡዎ፡ “ገግየካ’ለኹ፡” በሎ።

“ኣነ’ውን ኣብ ቀብሪ’ቦኻ ምስ ርኣኹኻ’የ።”

“ናይ ሽዑ እንተኾይኑስ ሓቅኻ፡ ገግየካ ጸኒሐ።”

“ብዙሕ ስለ ዘይቀየርካ ኣይገገኹን። ብዝኾነ በላይ ንጉሰ እብሃል ዓርኪ ዶክተር ኣብርሃም’የ” በሎ። ከይተረድኦም ድማ ነዊሕ ኣዕለሉ።

መማጽእቲ ካስትሮ፡ “ንኺድ’ባ ካስትሮ፡” ኢሉ ምስ ሃወኾ ግን ኣብ ጉባኤ ክራኸቡ ተሰማሚዖም ተፈላለዩ።

ይቕጽል

 

መበል 104 ክፋል   ዝመጽእ    ሰንበት

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleከመዓልካ ፈጣሪ!
Next Article ዝኽሪ ዓሚ : ናፍቖት
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?