Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ወግዒ ምስ ኮኾብ ድምጻዊ ኣብራር ዑስማን

ወግዒ ምስ ኮኾብ ድምጻዊ ኣብራር ዑስማን

0
By Mekonnen T. on April 2, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ሃብቶም ደበሳይ

1ይ ክፋል

ኣብራር ዑስማን ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ኤርትራዊ ሙዚቃ ነጥበ-መቐይሮ ክኾኑ ዝበቕዑ፡ ብሓይሊ ስራሓቱ ኣብ ልቢ ብዙሓት ቦታ ዝፈጠረ፣ ብዝተኸተሎ ፍሉይ ቅዲ ንብዙሓት ጀመርቲ ሙዚቀኛታት ዝጸለወ፡ ኣብ ስራሓቱ ተባላሓትነትን ምህዞን ዘዘዉትር ኤርትራና ካብ ዘፍረየቶም ድምጻዉያን ሓደ እዩ። ድምጻዊ ጥራይ ኣይኮነን ግን፡ ገጣሚ፡ ዘያሚን: ኣወሃሃድን እዉን እዩ። ዳርጋ ኩሎም ደርፍታቱ፡ ኣብ ግጥሞም፡ ዜማኦም፡ ኣብ ምዉህሃዶም እዉን ዝለዓለ ኢድ ኣለዎ።

ደርፋታቱ ንምስራሕ ዜጥፍኦ ግዜ ምስ ረኤኻ፡ ምንጪ ጽባቐ ናይ ደርፍታቱ ንምፍላጥ ኣየሸግርን። ከተዕልሎ ከሎኻ ምቕሉል እዩ፡ ጥዑማት ቃላት ክሓሪ ጉድ እዩ። እቶም ጥዑማት ቃላት ከኣ የዘውትሮም ግዲ ኮይኑስ ኣዕሩኹ እዮም፡ ኣብ ቀረባ እዮም ዝጸንሕዎ። ስለ’ዚ ከተዕልሎ ከሎኻስ ገለ ካብ ደርፍታቱ ትሰምዕ ዘሎኻ እዩ ዝመስለካ። እቲ ዳርጋ ኣብ መብዛሕቶኦም ስነ-ጥበባዉያን ሃገርና ዝዝውተር ብዛዕባ ነብስኻ ዘይምዝራብ ባህሊ ኣብ ኣብራር እዉን ከምኡ እዩ። ኣብ ዝገበርናዮ ሓጺር ዕላል ብዙሕ ብዛዕባ ነብሱ ነጊሩኒ ኣይብልን። እቲ ዝበለኒ ግን እዚ ዝስዕብ እዩ።

መዓስን ብኸመይን ኢኻ ንሙዚቃዊ ተውህቦኻ ኣለሊኻዮ? ጽልዋ ዘሕደረልካ ኸ?

ኣብራር፡-ካብ ዝፍጠር እዩ። ካብ ንእስነተይ ኣብ ኣስመራ እዩ ጀሚሩ እቲ ስምዒት። መጀመርያ እቲ ሓፈሻዊ ሃዋሁው፡ ኣተዓባብያ ናይ ገዝውትና፡ ደሓር ብሓፈሽኡ ምስ’ቲ ናይ መነባብሮ፡ ምንቅስቓስ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ናይ ኤርትራ፡ ዝያዳ ምትእስሳር ፈጢሩ ማለትዩ;;

መጀመርያ ስምዒት ይህልወካ፡ ድሕሪኡ ነቲ ስምዒት ናብ ሞያ ከተሰጋግሮ ዝደፋፍኣካ ነገር እንታይ ኔሩ?
ኣብ’ቲ እዋን’ቲ እንታይ ዓይነት ደርፍታትዩ ንዓኻ ዝምስጠካ ነይሩ? ዝያዳ ናይ በዓል መን ደርፍታት’ዩኸ ነይሩ? በዓል መንከ ጸልዮሙኻ?

ኣብራር፡- ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ኣስመራ፡ እቲ እዋን ሓያል ብምንባሩ፡ ብዙሕ ደርፍታት ይወጽእ ነይሩ። ከም ኣብ በዓል ቤት ሻሂ ሂወት፡ ቤት ሻሂ እንዳ ጸሃየ፡ ኣብ እንዳ በዓል ሃጸያዊ ዝስማዕ ዝነበረ ደርፍታት፡ ኣብ ኩሉ መዳይ ስነጥበብ ኣብ ደርፊ ኣብ ተዋስኦ ኣብ ኩሉ። ምስ’ቲ ዝነበረ ኩነታትሲ ኣዝዩ ምዕቡልዩ ነይሩ፡ ሰብ ብጣዕሚዩ ዘስተማቕሮ ነይሩ ንዓይ እዉን ከም ኩሉ ሰብ ስምዒት ፈጢሩለይ።

ካብ’ቲ ሽዑ ዝነበረ ደርፍታት፡ ኩሉ መንእሰይ ዝቑዝመን፡ ዘስተማቕረን ካብ ዝነበረ ኣየኖት ትዝክር?

ኣብራር፡- እወ ንኣብነት ኣበባ ዓደይ ናይ በረኸት መንግስትኣብ፡ እዚ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጽእ ዝነበረ ናይ ጓይላ ደርፍታት፡ ኣብ ኣስመራ፡ ናይ በዓል ዑስማን ዓብደልርሒም በዚ ሎሚ እዋን፣ መምህር ኣልኣሚን ዝደረፋ ናይ ኣካል ቪታሚን፣ ናይ በዓል ባርያ ኣስመራ፣ ወደባት ዓደይ፣ ናይ በዓል ኣስገዶም፡ ጉማ ሓምራ ላመይ፡ ኮታ ኩሉ’ቲ ናይ በዓል የኑስ ኢብራሂም ዋላ’ኳ ተሓቲሙ እንተ ዘይወጸ በዓል ሩት፣ ካብ’ቲ ኣብ ኣስመራ ዝድረፍ ዝነበረ ደርፍታትዩ ኔሩ ማለትዩ። ናይ በዓል ተኽለ ተስፋዝጊ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ ንባዕሉ። ተማሃሮ ኣብ ዝነበርናሉ ግዜ’ስ፡ ሙዚቃ ናይ ምስትምቓር ጽቡቕ ዕድላት ነይሩና ማለትዩ፡፡

ኣብቲ ግዜ’ቲ ናይ በዓል ዘርኣይ ደረስ ባንድ ደርፍታት ከ ነይሩ ድዩ?

ኣብራር፡- እወ ናይ በዓል ዘርኣይ ደረስ’ውን ነይሩ’ዩ። ሕጂ ይዝከረኒ፡ ንገዛውትና ኩሉ ግዜ ብጁንየር ክለብ ኣቢለ እሓልፍ ስለ ዝነበርኩ፡ ልምምድ ኣብ ዝገብሩሉ ግዜ እግረ መንገደይ ኩሉ ግዜ ኣብ ሕጓ ኾይነ ተመሲጠየ ዝሰምዖም ኔረ፡፡ ኣብ እቲ ግዜ እቲ፡ ናይ ምርኢታት መዋዓዉዒ፡ ኣብ ኮምብሽታቶ፡ ኣብ ጨርቂ ተጻሒፉ፡ ካብ ሓደ ስግር ናብ’ቲ ሓደ ስግር ናይ ጽርግያ ኣብ ከባቢ ኣምባሳደር ዘሎ ሕጂ ከባቢ ካቴድራለ ኣብኡ’ዩ ዝጥቃዕ ኔሩ፡ እቲ ኣርእስቲ ናይ ተዋስኦታት፣ ኣስማት ናይ ደረፍቲ ወዘተ። ዝበዝሕ ግዜ እቲ ተዋስኦታት ብሙዚቃ ይስነ ስለ ዝነበረ፡ ነቶም ኣብኡ ዝሳተፉ ዝነበሩ ደረፍቲ ንምርኣይ እቲ ሰብ ኣዝዩ ኣዝዩ’ዩ ዝህንጠ ነይሩ ማለትዩ፡፡ በዓል ሓረስቶት፣ ተቐማጦ ሰብ ክራይ፣ ኩሉ ኩሉ ኮታ ዝድርበ ኣይነበሮን፡፡

ec6a2234-5c17-4347-9115-834af6b83d88

ኣብ ኣስመራ ከለኻ ምስ ገለ ባንድታት ተሓዊስካ ዝገበርካዮ ወይ ውን ናትካ ገለ ዝሰራሕካዮ ስራሓት ይህሉዶ ይኸውን ዋላስ ካብ ኣስመራ ምስ ወጻእካዩ እቲ ናትካ ዕዮ ዝጅምር?

ኣብራር፧ ኖኖ ኣብ ገዛና ንኣብነት ናይ ሙዚቃ ዝምባለታት የርኢ ኔረ። ስድራይ ውን ይፈልጡ ነይሮም። ኣብ ገዛውትና ‘ውን ንኣሽቱ ነገራት ነይሩ፡፡ ኣዕሩኽቲ ነይሮሙኒ ንኣብነት ከነጽንዕ እንተ ከይድና፡ ግጥሚ ንገብር, ዜማ ንገብር፡ በዓል ታደሰ ዝበሃሉ ፋምፋም ዝጻወቱ ነይሮም፡ ገለገለ ንጥፈታት ኣብ ዋይ.ኤም.ሲ.ኤ ነይሩ ከምኡ ውን ናይ ስካውት ክለብ ንጥፈታት ነይሩ። ብዕሊ ግና ኣብቲ ግዜ’ቲ ንዳግማይ ትንሳኤ ማትኣ ተባሂሉ ገለ ምቅርራባት ይግበር ነይሩ፡ ሽዑ ምስ በዓል ዘርእዝጊ ገለ ተፋሊጠ፡ ንክደርፍ ዘተባብዑኒ ሰባት ነይሮም ሽዑ፡ ሓጺር ግዜዩ ደኣ እምበር ጽቡቕ ምኾነ ኔሩ።

ክትወዳደር ዳሕራይ ኣብቲ ናይ ማትኣ ንክትኣቱ ማለት ድዩ?

ኣብራር፡- ንማትኣ ጸዊዖሙኒ ነይሮም ኣብ 73/74 ማለትዩ፡ ንትንሳኤ ማትኣ ተባሂሉ፡ በዓል ዘርእዝጊ ዘለውዎም፡ ተመስገን፣ ዑመር ጊታሪስታ፣ ሕጂ ላስ ቬጋስ ዘሎ፣ ፏኣድ ዓብዱ፡ ተመስገን ሓዊ ኣኽሊሉ ዳኒኤል፡ ሓደ ካልእ ሓንፈጽ ‘ውን ኔሩ መስለኒ፡ ብዝኾነ ንሕናሲ ኣብ’ቲ ኣፍደገ ኾይንና ንሰምዓሉ እዋንዩ ነይሩ ማለት’ዩ፡፡ ከምኡ ገለ ገለ ንጥፈታት ኔሩ፡ ብርግጽ ብዙሕ ግዜ ዝዛረበሉ ነጥብታት ኣይኮነን፡ ዳርጋ ብዙሕ’ውን ኣይተዓወተን።

ብድሕሪኡ ንሜዳ ዲኻ ከይድካ? እቲ ዝረኣ ናይ ስነ-ጥበብ ንጥፈታትከ ኣብ ሜዳ ድዩ ጀሚሩ?

ኣብራር፡- እወ። ንሜዳ ናብ ተ.ሓ.ኤ ተሰሊፋ። ሽዑ ካብ ከተማታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝስለፉ ማእለያ ኣይነበሮምን፡ሽዑ ድሮ ግጥምታት ዜማታት ምውጻእ ጀሚረ ኔረ። ከም መዛሙር ዘውጻእክዎ ኣዝዩ ብዙሕ ነይሩ ሕጂ ኣይዝክሮንየ፡ ዳርጋ ብምሉእና ኢና ንደርፎ ነይርና ክሳብ ናብ ታዕሊም ንበጽሕ፡ ድሕሪኡ ውን ኣብ ክፍሊ ታዕሊም ከለና፡ ኣብ ርብዳ (ባርካ) ከባቢ ሳዋ እዩ ኔይሩ መዓስከር ናይ ውትህድርና ማለትዩ፡ ኣብኡ ውን ብዙሓት ተዋሳእቲ፡ ብዙሓት ደቂ ኣስመራ፡ ብዙሓት ከምኡ ዓይነት ዝንባለ ዝነበሮም ነይሮም ማለትዩ። ተዋስኦ ክንገብር ጀሚርና። ሽዕኡ ቬኑስ ባንድ፡ ምስ እቶም ኩሎም ናይ ኣስመራ ደረፍትን ዓበይቲ ስነ-ጥበበኛታትን መጺኦም ስለ ዝነበሩ፡ ንምርኢት ናባና ይመጹ ነይሮም፡፡ ሽዕኡ ኣብ ሜዳ ድሮ ነቲ በሽሓት ዝቑጸር ተሰላፊ ብምትሕቁቓፍን ፍቕርን ምዝንጋዕ ተጀሚሩ። ስነ-ጥበብ ስንቂ ስለ ዝኾኖ ድማ፡ እንደገና ባዕልና ተበጊስና ተዋስኦ ክንገብር ጀሚርና ፡፡ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ በዓል ቄሳር መዋእል፡ በዓል ወዲኒን ካሎኦት ማእለያ ዘይብሎምን ሎሚ ኣብ ዘለውዎ ደሓን ይሃልዉ: ነይሮም። እዚ ማለት ግን ቅድመና ስነ-ጥበባዊ ንጥፈት ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን፡ ብጭራዋጣ ዝጻወቱ ዝደርፉ ኔሮም። በዓል ሮመዳን ገብረ ወዲ ሓቢብ ተዋሳእቲ ኔሮም ክሎኦት እዉን ሕጂ ኣስማቶም ዝረሳዕክዎ ኔሮም።
ብድሕርዚ ናብ ድምጻዊ ብኸመይ ተሰጋጊርካ?
ኣብራር፡- ዳሓራይ ተዋሳኣይ ኮይነ። ሽዑ ደርፍታት ውን ክደርፍ ጀሚረ ማለትዩ። ብድሕሪኡ እቲ ኣብኡ ዝገብሮ ዝነበርኩ ንጥፈታት ድፍኢት ጌሩለይ፡፡ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ዝዕለሙ መንእሰያት ብጣዕሚ ተሓጋገዝቲ ነይሮም ። ቦታይ ውን ክረክብ ከም ዘለኒ ደፋፊኦሙኒ። ማለት ኣነ ብዙሕ ብኸምኡ ይሓስብ ኣይነበርኩን። ብርግጽ ሙዚቃ ይፈቱ ነይረ ግን ከምኡ ከኣ ብረት’ዉን ይፈቱ ነይረ። በቃ ኣብ ሰራዊት ክኽይድ ጥራይዩ ነይሩ ድሌተይ። ብዝኾነ ካልእ ዝዓበየ ሕልሚ ድማ ነይሩኒ። ብኡ ብኡ ናብ’ቶም ዓበይቲ ምኩራት ደረፍቲ ዝነበርዎ ሓሊፉ: ሽዑ ብኡ ኣቢለ ንሙዚቃ ዝነበረኒ ፍቕሪ እናዓሞቐ ክኸይድ ጀሚሩ። በቃ ዕድለኛ ኮይነ ነቶም ኩሎም ይትረፍ ንክርእዮም ንክሰምዖም ውን ሃረር ዝብሎም ዝነበርኩ በዓል በረኽት መንግስተኣብ፣ ዑስማን ዓብደልርሒም፣ የማነ ባርያ፣ ሱልጣን ያሲን፣ የኑስ ኢብራሂም፣ በዓል ነጋሽ ተኪኤ፣ ደሓን ይሃልው፡ በዓል ዘርእንጊ፣ ተወልደ ረዳ፣ በዓል እምባየ ሃብትኪኤል፡ በዓል ወዲ ገብሩ ካል ኦት’ውን በዓል ሮሞዳን ሓጅ፡ ማእለያ ዘይብሎም ካብ ናይ ቀደም ተቓለስቲ፡ ደረፍቲ፡ ተዋሳእቲ ዝነበሩ ክጽምበር ክኢለ።

መጀመርያ ምስኣቶም ምስ ተጸምበርካ ናትካ ደርፊ ሒዝካ ዲኻ ቀሪብካ?

ኣ ብራር፡- እወ ናተይ’የ ደሪፈ። መጀምርያ ምስ ምዃኑ ድማ ከቢድ’ዩ ነይሩ።

ናትካ ደርፊ ምስ ደረፍካ ከመይ ተቐቢሎሙኻ?

ኣብራር ፡- በቲ ሰራዊት ጽቡቕ ተቐባልነት ረኺበ፡ ብድፊኢት ስለ ዝመጽእኩ ንሱ እዉን ሓጋዚ ኔሩ። በቃ ሽዑ መቸም በቲ ዝነበረኒ ዓቕሚ ኣትየ፡ ብርግጽ ጽቡቕ ዕድል’ዩ ነይሩ።ካብ’ቶም ዓበይቲ ደረፍቲ ክመሃር ጀሚረ። እቲ ትጽቢት ተማሊኡ። ካብኡ ሀ ኢሉ ዝጀመረ ጉዕዞ እነሃልካ ክሳብ ሎሚ ታተ ንብለሉ ኣለና ማለትዩ።

ይቕጽል
2ይ ክፋልን መወዳእታን ዝመጽእ ሰኑይ 4 ሚያዝያ

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleእቲ ዝፈሸለ እከይ ፕሮጀክት ኢሰያስ
Next Article ዘብዐኛ ዒራዒሮ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?