Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ምስ መዕበያኻ ጥፋእ

ምስ መዕበያኻ ጥፋእ

0
By Mekonnen T. on December 20, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ሓጺር ልበወለድ ዛንታ

ክብሮም ታደሰ ስብሃቱ

1ክፋል

ኣዝመራ ጽቡቕ ስለዝነበረ ክራማት ከይጸሓየ’ዩ ኣባጅጎ ብሸዊት ዕፉን ረዲእዎም። ከም’ቲ ኣዝመራኡ ክራማት’ዉን ብዘይነጥርን ሾምቦባን፣ ብዘይሓደጋ ዉሕጀን ድንገት ሰብን ስለዝሓልፈ ዓዲ ወዲ ብላታ ክትወፍርን ክትኣቱን “ንዓመታ ከምዚ ዚበለ ክራማት የርእየና” እናኣመስገነት’ያ ንበዓላት ሓንሰ-መስቀለ ብዕምባባታት ገልገለ መስቀለ ፍስሃ እናተሰመዓ ተቐቢላቶ። ሰማያት ብዘይካ ሓሓሊፉ ዝረኣ ደበና፣ ብማይ ክራማት ከምዝተሓጽበ ሓቒቕ መሲሉ ነበረ። መሬት ብዘይካ ነነጢሩ ጥረታት ዝተዘርአ ግራዉቲ፣ ብዕምባባታ ገልገለመስቀለ ትዋሕ ኢሉ ዝስሕቕ ዘሎ ይመስል ነበረ። ቀጠልያ፡ ብብጫ፡ ጻዕዳን ቀይሕን ሕብርታት ዝተሳዕረ ክመስል እና ሃሰሰ ይኽይድ ነበረ። ኣዕዋፍ ሰማይ ብሓሳኹን ሓሸረ መሸርን ጸጊበን ጥዑም ዜማ እንዳዘየማ ካብን ናብን ክሰራሰራ ይረኣያ።

ወዲ ብላታ ጉዳይ ሕሩድ ክገብር ጋሕጋሕ ንግሆ’ዩ እንዳኣጣሉ ከፊቱ። “ሎሚ ዓመት ወጠጦ ዘይብልና ከሪምና። ኣነ ድማ ዘይወዲ ጤልካ ወይ ዘይወዲ በጊዕካ ነዉደኣመት ምሕራድ ዘይብርሃኒ፣ እምበር ሓደ ምክት ወይ ደዓኛ ምገዛእኩ። ኩለን እተን ኣባጊዕ ምልኦ ሒዘን እየን። እታ ኣርሕዶ ጓል ጠቐር ክሓርዳ እምበር?” ሓውሲ ሕቶ ገይሩ ኣድሃየ ናብታ ማይ ወሪዳስ ድሮ መጎጎ ኣርሲና ዝነበረት በዓልቲ-ቤቱ ሓረጉ። መልሲ ስለ ዘይሰምዐ ድማ፣ “ኣቲ ገርናዉ! እቲ ኣእዛንኪ ተለኲቱ ድዩ ሓዲሩ?’’ ጎረባብቲ ክሳብ ካብ ድቃሶም ዝበራበሩ፣ ናብቲ ንሳ ዝነበረትሉ ውሻጠ እንዳጠመተ ድምጹ ክብ ኣቢሉ ደጊሙ ተዳህየ።

“እዋይ ንሳስ ጽብቕቲ እያ ነይራ ንመፍረ ምኾነት፣” መለሰት ካብ ዉሻጠ ብትሑት ድምጺ ብሑቕ እንዳላፈወት።

“ዓዋን! እሞ ነቲ ዒሉ ዶዳ’ኣ ክሓርደልኪ ደሊኽኒ። ልማድ ኣቦታተይ’ሲ ኣይገድፍን። ምዃን ዓሌትኪ-ምሉእ ማሕስእ ኣንቂዕም ዘይፍልጡ’ዶ ንዓኺ ሕዩ ትርጉሙ ክረደኣኪ። ነዘን ጥሪት ሳብ ኣብቲ ቅርዓት ኣብጺሐየን ዝመጽእ ጥራሕ እቲ ከራሩ ቀሪብክዮ ጽንሒ፣” ግርጭ ኢሉ ገንሓ።

ብወገን ዉሽጢ ገዛ ግን ዝተሰምዐ ድምጺ ኣይነበረን።

“ኣዉደኣመት ምድሪ እዚ ጓሳ ስቕ ኢሉ ከይወፍር። መፋወንታ እንተ‘ውጺኺ’ስ ዋላ ንብርሃነ ኣተንስእዮ’ሞ የብጽሓሉ፣” ኣዘዘ ወዲ ብላታ ነቲ ብቑርጽራጽ ታኒካታት ዝተሰርሐ ማዕሶ እንዳኣጣል እንዳኸፈተ።

“እዋይ መጎጎ እኳ ዘየርሰንኩ። ድኻም ናይ ትማሊ ወፍሪ ግዲ ኾይኑስ ድቃስ ጸቒጡኒ። ክሳብ ማይ ዝወርድ ድማ በርሃዉ ኢሉ እንድዕሉ፣” ገበን ከምዝገበረት ነብሳ ስኽፍክፍ እናበላ ብሽቑራረ መለሰትሉ።

“ሓርናኺት! ብነብስኺ ደኣ ፈዛዝ ኮንኪ፣ ዋላ ናብ ገዝኦም ኣብጽሕሉ፣” ኢሉዋ ነታ ኣርሕዶ ኣሲሩ ነተን ጥሪት ኮብኪቡን ወጸ።

ድሮ ጥሪት ኣዋፊሩስ ነታ ኣርሕዶ ዳርጋ ምስ ኣፋረቓ፣ እቲ ሕንቁቕ ብርሃነ ወዱ ኣዐርዩ ዘይበሰለ ዕፉን ዓጀፍ ዓጀፍ ኣንዳበለ ከይረኣዮ ዉትፍ በሎ። “ወዲ ብላታኸ! ኣታ ወዲ ሰበይቲ! በዚ ኻራ ገረ ሰጢየካ ኣይነበርኩን! ኪድ ርሓቕ!” ጨደረ ኣዒንቱ ክነጥራ ክሳብ ዝደልያ፣ ነቲ ሒዝዎ ዝነበረ ስራሕ ኣመንግዩ።

ብርሃነ ግን ነቡኡ ግዲ ከይገበረ ኣብቲ ዝነበሮ ተገቲሩ፣ “እውይ፣ ብርሃና ጓል ጠቐር ጤልና እንድያ ታሓሪዳ!” በለ ነቲ ኣብቲ ድኹዒ ዝዛረየ ደም ኣተኲሩ እናጠመተ።

ወይዘሮ ሓረጉ ካብ ድኻታት ስድራ ዝተወልደት፣ ብሰሪ መልክዓ ግን መዓንጣ ከይቋጸረት’ያ ናብ እንዳ መሳፍትን ሃብታማትን ስድራ ዝኣተወት። “ኣንታ ቆልዓ ንዓ እንዶ ኣይተጻግሞም፣ እንተኾነ ኣይነኣስካን ምሓዝካሎም፣” ኣብ ዉሽጢ ክሽነ ኮይና ጸዉዓቶ ንብርሃነ።

“ኦይ፣ እዚ እንታይ ክሕግዝ፣ ገጹ ከይተሓጽበ’ዩ ከኣ ብንግህኡ ነዚ ዕፉን ተሳሂልዎ። ኣየ ብርሂን ወደይ ኮርዒዳ! ብላዕ ጥራይ፣ ነዘን ዓዲ ሰጥ ሰጥ ከተብለን ኢኻ፣” ኣደናፍዖ ብበሊሕ ካራ ቆርበት ካብ ስጋ እንዳቐለጠ።

“ኣቦይ እተን ድጥበሳ ክልተ ሕረደለይ። ነደይ ጥበስለይ ክብላ፣” ሓተተ ነቡኡ ቀዉ ኢሉ ኣንዳተዓዘበ።  “ኣየ ብርሂን ወደይ እዚ’ኣ ደኣ ዝጥበስ የብላን ኣንስተይቲ እያ። ከምቲ ናይ ኣዴኻ ጡብ’ዩ ዘለዋ፣” ጨረቐሉ ወዲ ብላታ ቆርበት ክይቀድድ እንዳተጠንቀቐ።

ሕጅስ ወዲእዋ ይኸዉን’ዩ ኢላ ናብ ኣፍደገ ተቀልቂላ ሓረጉ፣

“ቅንጥብጥብ ኣቢልኩም ኣጥሙኒ’ሞ ቁርሲ ካብኡ ክገብር፣” ኣድሃየት በቲ ልሕትት ዝበለ ቀጢን ድምጻ።

“ቀሪበ ኣለኹ፣ ንዓ ብርሂን ወደይ ኣብጽሓላ፣” ናብቲ ኣብ ሒላብ ፈልይዎ ዝነበረ ስጋ ብካራ ዊጥ እንዳበለ። ብርሃነ ግን ንዕኡ ይዛረቦ ከምዘየሎ ዝኾነ ምላሽ ከይሃበ ደኒኑ ነቲ ረጊኡ ዝነበረ ደም ብጭጋግ ገይሩ ይጽሕትሮ ነብረ።  “ተንስእ እንደታ ኣብጸሓላ!” ጨደረ ብተግባር ብርሃነ ሓሪቑ ወዲ ብላታ። ብርሃነ ግን ወይከ፣ ካብቲ ዝነበሮ ምንቕ ከይበለ፣ “እምቢ ኣየብጽሕን! ባዕልኻ ኣብጸሓዮ፣” ግትር ኢሉ መለሰሉ  ዓይኒ ዓይኑ ብድርቅና ኣንዳጠመተ።

“ሙሽሙሽ፣ ግደፎ፣ ንዒቲ ባዕልኺ ዉሰድዮ!” ዓዉ’ሉ ብሓዉሲ ምጉጣጥ ኣድሃያ ንሓረጉ። “ሕራይ! እዛ ህጻን በኽያ እንድየ ከጥብዋ ጸኒሐ፣” ኢላ ምስ ብሑቓ ስራሓ ኣመንጒያ ናብ ግዳም ወጸት። “እንታይ ክንዲ ዓሰርተ ክኸዉን’ዩ። ዘይትድስቕዎ ግዳ ከምኡ ክገብር ከሎ” በለቶ ንእግረ መንገዳ ነቲ ዳርጋ ደሪቑ ዝነበረ ደም ድኹዒ እንዳኸደነት።  “ኪዲ‘ንዶ ስራሕኪ ግበሪ። ንዓኺ’ዩ ምድሳቕ ዘድልየኪ። ወጃብ! እዚ ኣንበሳ ወደይሲ ክውቃዕ። ሓቀይዶ ብርሂን ወደይ?” ዓጀዉጀው በለ ቅኑዕ ከምዘሎ ድጋፍ ካብ ወዱ እንዳተጸበየ። “ደሓን ከምዚ ገርካ ዉላድ እንተኮይኑስ ንርኢ፣” ኣስተንተነት ብዉሽጣ ብክልተ ኣእዳዋ ድብር ኢሉ ስጋ ዝመልአ ሒላብ ካብ ምድሪ ኣንዳኣልዓለት።

ወዲ ብላታ ድሮ ነታ ኣርሕዶ ወዳዲኡስ ኣእዳው ተሓጺቡ ናብ ክሽነ እንዳኣተወ፣ “ኣቲ ቀልጥፍና እንዶ ክሳብ ሕዪ ከይቀረብኪ? ፈዛዝ!” ብሓዉሲ ሓይሊ ቁርሱ ኣዘዘ። ሓረጉ ሸበድበድ እንዳበለት ኩምር ዝበለ ቅልዋ ስጋ ምስ ሽክና ብራሕ ቀረበትሉ። “እስከ ርኢናልኪ፣ ኣዉደኣመት ምድርስ ብራሕ፣ ስዋ ኣምጽእልና!” ደጊሙ ኣዘዘ ወዲ ብላታ፣ ኣጎዛ ኮርኲሕዎ እንዳመቻችአ።

“ኣታ ቆልዓ ናዓ ምሳይ ቁረስ፣” ጸወዖ ነቲ ኣብ ደገ ጸሓይ ዝጽሎ ዝበረ ብርሃነ።

“እዋይ ከምኡ እንዶ ኣይትግበሩ። ኣትሪፈሉ ኣለኹ ኣብዚ፣”

ነቲ ሞጎጎ ጉድጉዶ ክትስንድወሉ ዝሓሰበት ኣቋሪጻ።

“ኣቲ ኣዉደኣመት ምድሪ ከተሕምኒ ኢኺ ደሊኺ መስለኒ? በዚ ወደይ ኣይትምጽእኒ እንዶ ኣይበልኹኽን ሽሕ ግዜ። ንፋዕ ዝወደይ ኣምጸኣያ’ታ ድኳኻ።” ንሓረጉ ምግናሕ ኣቋሪጹ፣ ነቲ ብጉያ ናብቲ ክሽነ ህሩግ ኢሉ ዝኣተወ ብርሃነ እናቀባጠረ።

ሓረጉ ከይመለሰት ዋኒና ክትገብር ናብ ዉሻጠ ተመልሰት።

ካብቲ ኣብ ክንዲ ጎምቦዞ ዝኸዉን ሽክና ዓፍ ዓፍ ዝብል ዝነበረ ስዋ ጎርዳዕ ጎርዳዕ ኣቢሉ ምስ ኣዉረደ፣ “ነዚ ክትጾምቂ ዲኺ ትማሊ ምሸት ናብቲ መደቀስየይ ከይመጻኺ ዝሓደርኪ?” ንወዱ ካብቲ ዝመተሮ እና ኣኾለሰ ብገናሒ ድምጺ ኣቆናጸባ። “ኣይ ኣይኮንኩን፣ ጽምቋ ዉድእ ምሰኣበልኩ’ስ እታ ማማይ ቀጨዉጨው’ላ ድቃስ ኣብይዋስ ከደቅሳ ኢለ ብጎቦ ምስኮንኩ፣ ከይተረደኣኒ ድቃስ ጠሊሙኒ፣” መለሰት ሓረጉ ብትሑት ድምጺ ሽጉርቲ እንዳቐርደደት። “ወጋሕታ’ኸ እንትዴኺ ረኺቡኪ?” ጥቕላል ኩላሶ ኣብ ኣርሓ ኢዱ ተሰኪሙ ደጊሙ ሓተተ። “እዋይ፣ ኣርፊደ ተሲአ እንዳበልክኹም። ስራሓቲ ቐንዩ ኮይኑ ድማ ማይ ወዲእና ናብ ሩባ ከይደ።” ኣመኻነየት ገበን እዳተሰመዓ። “ወሽላኽ! ዕባራ ምኽኒትሲ ትኽእልሉ ኢኺ፣” ጉዳይ ቁርሱ እንዳገበረ ኣቑረምረመ ወዲ ብላታ።

ሓረጉ “እዋይ ዓላ ዘይብሉ ናብራ! ከምዚ ኢልካስ ክሳብ መዓስ?” ብንሱ ዘይሰምዖ ድምጺ ብውሽጣ  ኣቑረምረመት።

ነቲ ኣብ ገበራ ጌሩ ዝቐረበላ ስጋ ገላቢጣ ኣንዳረኣየት ከኣ “በሉ ቅድሚ ምውጻእኩም እዚ ዓጽሚ እንዶ ከትኩትለይ?” ፍርሕ እንዳበለት ሓተተት። “ንስኺ’ኸ እንታይ ክትባቑጢ ኢኺ ኣነ ዓጽሚ ዝኽትክተልኪ? ከይደ ደኣ ኣብቲ ቅርዓት ዓዲ ይጽበዩኒ’ለው፣” ሊሉዋ ምስ ኣዕሩኽቱ ተባህለ ክብል ንደጊኡ ተዓዝረ።

እዋን ምሳሕ ምስ ኣኸለ ወዲ ብላታ ብክልተ ኣጋይሽ ተዓጂቡ ተመልሰ። “ሓረጉ ኣለኺ ዶ? ዓበይቲ ኣጋይሽ ሒዝናልኪ መጺና፣” ጸዉዐ ገና ኣብቲ ዓንቀጽ ከሎ። ለቢሳቶ ዝነበረት ልግብጋብ ዝበዝሖ ክዳን እንዳ ኣሰከፋ ሓጺር ሰላምታ ድሕሪ ምልዉዋጥ፣ ብጉያ ካብ ዉሽጢ ገዛ ኣጎዛታትን ቁራጽ ማእስን ኣምጺኣ፣ ነቲ ኣብቲ ገበላ ዝነበረ መደብ ኣነጻጸፈቶ። ማይ ቅርብርብ ኣቢላ ድማ “በሉ እቲ ኣእጋርኩም ማይ ኣፍስስሉ፣” ኢላቶም ስዋ ከተምጽእ ንውሽጢ ገዛ ኣተወት።

ኣጋይሽ ተሓጻጺቦም ናብቲ ዉሽትጢ ህድሞ እቱዉ ከይበሉ “ምሳሕ በሊ ቀልጥፊ ቀርብልና … ”  በለ ወዲ ብላታ ዘረብኡ ከይወድአ ከኣ  “ኣንታ ወዲ ብላታ ኣይትሃዉካ እንዶ! ደሓር ካኣ ገና ብንግሁኡ እንድዩ ዘሎ፣” ኩልፍ ኣበሎ ሓደ ካብቶም ኣጋይሽ። “ግደፍ ደኣ፣ እዚ’ኣ ኣትኪኻትኒ’ያ፣ ከምዚ ኣድጊ ቻ እንዳበልካ’ያ እምበር ክትዝሕል መዓት’ያ፣” መለሰ ነብሪ ጎኒሑ ዝመጸ ክመስል ንፍሕፋሕ ኣንዳበለ።

ሓረጉ ዘረባ ሰብኣያ ቅጭ ግዲ ኣምጺኡላ ኮይኑ፣ ኣብ ሞንጎ ዘረበኦም እትዉ ኢላ፣ “ኣዉደኣመት ምድሪ ደኣ ናበይ ጌሽኩም ጸኒሕኹም?” ሓተተት ነቶም ኣጋይሽ። “እተን ሓማት ተበርህ ሓፍተይ፣ ዓባይ ሓብቱ ምዃናያ፣ መዓልታት ከምዝተወደአን ኣብዛ ኣዉደኣመት ዓሪፈን፣” መለሰ ወዲ ባላምባራስ ካብቶም ክልተ ኣጋይሽ እቲ ብዕድመ ዕብይ ዝበለ

“እዋይ ይፈልጠን እንድየ። ጥዕምቲ ሰበይ … ’ ዘረባኣ ከይወደኣት ከላ “ኣቲ ክንደይ ትልፍልፊ ኢኺ ኣጋይሽ ኮፍ ኣቢልክስ ክንድዚ ዓጀዉጀዉ፣” ብነድሪ ኮለፋ ወዲ ብላታ።

“እዋእ በስመኣብ እባ በል። እንታይ ኮንካ ኢኻ ክንዲዚ ጸርጸር ትብል? ቀስ ኢልኪ ጓለይ ስርሒ፣ ስዋና ቀሪባትልና እንድያ ዘላ። ጥዑም ስዋ’ኳ! ይበል! ደሓር ከኣ እቲ ማማይ ኣብዛ ዝባና ኮይኑ ምስራሕ ከሊእዋ። ጓል ድዩ’ኸ ወዲ? ኣዉርድዮ እንዶ ክንሓቑፈልኪ፣” ንመጀመርያ ተዛርበ ናብ ውሻጠ እንዳጠምተ እቲ ትም ኢሉ ክዕዘብ ዝጸንሐ ካልኣይ ጋሻ።“ወዲ ብላታ’ኸ! ሰብኣይ ዶ ቆልዓ ይሓቁፍ’ዩ? ከም ቆልዓ ምሕቛፍ ጌሩ ዝጽላኣኒ ነገር እኳ የለን። እሞ ድማ ወዲ ኸይከዉንሲ ጓል።” ዘረባ ከይቅድምዎ ብታህዋኽ ዓይንዓይኖም እንዳጠመተ ለፍለፈ ወዲ ብላታ ። “ኤእ ኣይዘረባን! ዉላድካ ደኣ መን ክሓቁቑፈልካ ደሊኻ?” ሓዉሲ ሕቶ ገሩ ኣብ መንጎ ኣተወ ወዲ በሮምቦራስ።  “ኣብ ዓልየትና ሰብኣይ፣ ቆልዓ፣ ብፍላይ ከኣ ጓል እንተኾይና ኣይሓቁፍን’ዩ።” መለሰሎም ሸክና ስዉኡ ካብ መቐመጢኡ ብጸጋማይ ኢዱ እንዳኣልዓለ።

እቲ ካልኣይይ ጋሻ ኣብ ጭሕሙ ዝተጸየቐ ዓፍራ ናይቲ ሓዲሽ ስዋ ብጸጋማይ ኢዲ እንዳ ሓበሰ፣ “ሓቅኻ ኣይዘረባን፣” ንወዲ በሮምቦራስ ዝድግፍ ዘሎ ክመስል ድንን እናበለ። “ኣይፍለጥካዮን መስለኒ እዚ ማይቤትና፣ ንሕና’ኮ እንዳ ብላታ፣ እንዳ ደግያትን እንዳ ደጀዝምችን ኢና። ኣብዚ ገዛ ሰብኣይ ቆልዓ ክሓቁፍ ተሰሚዑ ኣይፈልትጥን። ኣነ’ዶ ሕጂ ክጅምሮ ኾይነ?” መለሰልሎም ብወለድኡ ኩርዓት እንዳተሰመዖ።

ወዲ በሮምቦራስ በቲ ዝርርብ ቅጭ ግዲ መጺእዎ ኮይኑ ነቲ ኣርእስቲ ጉስይ ኣቢሉ፣ “ኣቲ ሓረጉ እንታይ ደኣ ሓሚቕኪ? እዚ ኩሉ ጉብዝናንኺ ናበይ ከይዱ? እቲ ዛዉዛዋ ጾግርኺ ኣንታይ ነጽይዎ? ጽባቐ ገጽኪኸ እንታይ ደዊንዎ ጓለይ?” ካብኡ ኣይሕለፍ ግዲ ኢሉዎ ኮይኑ ንወዲ ብላታስ ድርዳር ሕቶታት ኣቕረበላ ብርሑቕ ዓጽመ ስግኡ ትብጸሖ ሓረጉ። “ሕመቕ’ዩ ሕመቕ፣ እምበር ኣብ ኣንዳ ብላታ ዝኣተወት ደኣ መመሊሳ እንድያ ትኹላዕ፣” መለሰ ወዲ ብላታ ከይቅድምዎ እዳተሃወኸ።

“ወዲ ብላታ፣ ሓረጉ እኮ ከምዚ ሎሚ ከይኮነ፣ ‘ኣታ መን ወሰዳ’ እንዳበልና ከለና፣ በየን ከምዝመጹ ኣቦይ ብላታ፣ መንግስተ ሰማያት የዋርሶም፣ ቦግ ኣቢሎማ። እምበር ኣብ ዓድናስ ደለይታ ብዙሓት’ዮም ነይሮም ። እታ ወዲ ማይ ምራድ ኣይህክያ፣ ጸሃያይ እንተበልካ ግራት በይና ገፍ ኣቢላቶ ትዉዕል፣ ዕንጨይቲ እሞ ከምኣ ትስከም ጓል በፍጹም ኣይነበረትን።” ወዲ በሮምቦራስ ዘረብኡ ከይወደአ ከሎ ኣብ ሞንግ ጦብሎቕ ኢሉ ወዲ ብላታ፣ “ቸላእ ቸላእ፣ ዓርከይ ሰብ ተጋጊኻ ከይትህሉ። ነዚኣሲ ከምኡ ትብላ ኣለኻ? ኩሉ ከይፈለጥና’ባ እዚ ኣቦና ምስ ገለ ኣጻሚዱና። ትሪኢ ኣለኻ፣ ኣቦይ ቅድሚ ምምርዓወይ’ዩ እዚ ክልተ ባብ መረባዕ ሰሪሑለይ። ኣብዚ ዓድና ክልተ ርዕሩዓት መረባብዕ’የን ዘለዋ። ንሰን እኳ ሕቖኻ ሴርካ ኢኻ ትኣትወን። መን ኣላ ኣብ ከምዚ ዓይነት ገዛ ዝኣተወት? ከምዚኣ ዕድለኛ’ኳ የላን። ስቕ ደኣ በሉ። ስዋና ጥራሕ ንስተ።” መቐመጭኡ እንዳጣጥሐ ብኩርዓት ኣፎም ከም ዝሕዙ ገበሮም።

እቶም ኣጋይሽ የቕልበሎም ከምዘየለ ምስ ኣረጋገጹ፣ ነንሕድሕዶም ትጥምምት ኣቢሎም፣ ወዲ በሮምበራስ ዓይኑ ጽቕጥ ከብል ከሎ፣ እቲ ካልኣይ ጋሻ ድማ ኣፉ ከም ናይ ኣዋልድ ርምጥጥ እናበለ በትሩ ካብ ጸጋምይ ሰለፉ ኣልዒሉ ናብቲ ምድርቤት ዲግ ዲግ ኣበለ።

ኣብ መንጎ ብርሃነ በቲ ኣዲኡ ጠቢሳ ዝሃበቶ ከብዲ ጤል ኣፉ ተዂላ ምምሳሉ ከይኣክል፣ ኣብ ጎዱፍ ክጻወት ስለዝጸንሐ ተጨማሊቑ ወዘልዘል ኢሉ እናጎየየ ናብቲ ገዛ ህሩግ ኢሉ ኣተወ። ወዲ በሮምቦራስ፣ “መርሓባ ወዲ ዓርከይ። ሰብኣይ ኣኺልካ። ነዓ በል ሰዓመና፣” ብኢዱ ኣሰንዩ ጸዉዖ። ኩሉ መዓጓጉርቱ ተጸያይቁ ስለዝነበረ፣ “ወይለይ ወዲ ዕርከይ … ” ከምስምብድ ኢሉ፣ ኣብ ምዕጉርቱ ክስዕሞ ዝሓሰበ ኢዱ ኣብ ርእሱ ትንክፍ ኣቢሉ ጥራሕ ኣፋነዎ ወዲ በሮምቦራስ። እቲ ካልኣይ ጋሻ’ዉን ብተመሳሳሊ ንብርሃነ ኣብ ርእሱ ትክፍ ኣቢሉ ንገዛእ ኢዱ ስዒሙ፣ ስዉኡ ብእግሩ ከይክዕወሉ ሽክንኡ ሓፍ ኣቢሉ መንገዲ ጸረገሉ።

ሓረጉ ምሳሕ ቅርብርብ ኣቢላ፣ “ብርሂን ወደይ ንዓ ንቐደም ኢድካ ክሓጽበካ’ሞ፣ ኣእዳዎም ከተሕጽቦም፣” ተወከሰቶ ፍሽኽ እናበለት። “እምቢ ኣየሕጽብን።” ንቁልቁል ዝኣፋ መለሰላ።

2ይ ክፋል ይቕጽል

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleናይ ሎሚ ናይ ኣፍርቃ ኩሻውያን
Next Article ምስ መዕበያኻ ጥፋእ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?