Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, March 10, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ምስትምቓር ግጥሚ : መርዓት ዝረኣየ

ምስትምቓር ግጥሚ : መርዓት ዝረኣየ

0
By Mekonnen T. on August 27, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብሽሻይ ሹመንዲ (Shishai Shumendi)

ገጣሚ ፡ ክብሮም ደሞዝ

“መርዓት ዝረኣየ?” ዝብል ኣርእስቲ ገይራ
ሓታቲት ግጥሚ’የ ክትብል ዝተበገሰት ኮይና ዝተሰምዓትኒ ግጥሚ፡ መሪሓትኒ ናበይ ከምእተብል ክርእያ ፈቲነ ነይረ። ጥፍእቲ መርዓት ብዝረኣኹ፡ ምስትምቓረይ ጎምጅዩ ኣብ ርእየተይ ዝመጽኡኒ ቀዳሞት ሓሳባት እምበኣር፡ ብዘይካ’ቲ ብጽሑፋዊ ቋንቋ ሰፊሩ ዘሎ ናይ ሕቶ ምልክት (?)፡ ዝስዕብ ትሕዝቶኣን ዋሕዛን ከ ነቲ ስምዒተ-ሕቶ ዓቂባቶ ዶ ትኸውን!? ፡ መርዓት ኣብ ትግርኛዊ መቓን ንዘለዋ ክብርን ሚዛንን ርኢኻኸ፡ መርዓት ንእትኣክል ዜጥፈአን ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ ንዝብል ዘሎ ኣዘንታዊ ብኸመይ ሒዛቶ ኣላ? ማለት ስምዒት ምድላይ፡ ስምዒት ክሳራ፡ ስምዒት ዘይምፍላጥ ሃለዋትከ ብግቡእ ተንጸባሪቖም ዶ ኣለው? ነዞም ስምዒታት ንምቕማጥ ከ፡ ምርጸት ቃላት፡ ውከላ፡ ክብን ለጠቕታን ስእለ ተስፋኸ ትፈጥረለይ ዶ ? ካብ ፊደላት ክሳብ ነግሕታትን ኣቛውማን ስርርዕ ማይቤታትን ከ ከመይ ወሪዶምን ወዘተን ዝብሉ እዮም። እዛ ካብ ካልኦት ዓይነታት ዓሌታት ግጥሚ( ገላጺ ግጥሚ፡ ታሪኻዊ ግጥሚ፡ ጅግንነታዊ ግጥሚ…..) ብ “ሓታቲ” ዓይነት መሪጻ ተጻሒፋ ዘላ ግጥሚ፡ ብዘይካ’ቲ ከተማልኦ ዝግበኣ ሓፈሻዊ ባእታታት ግጥሚን ገጣሚ ዝመርጾ መጠመቲ ኩርናዕ ፍሉይ ርእየትን ብሕቶ ከፊታ ብሕቶ ናይ ምዕጻው ዓቕሚ እንተገይራ፡ ኣብ ኣምባቢ ወይ ሰማዒ” ናይ ምፍታሽ” ስምዒትን ድርኺትን ናይ ምፍጣር ሓይላ ብምህራም ፡ ነቲ ሓተትቲ ግጥምታት ዝሓትዎ ቅጥዕታት ኣማሊኦም ምስ ዝህነጹ ምስ ውሽጠ ውሻጠኻ ኣፈታቲሾም፡ ናይ ምሕታት ወንኻ ዝቕስቅሱ ዓይነት ቅዲ’ዮም ዝብል ርድኢት ክትመልኣለይ እጽበ።

ኣብቲ ናሕሲ ሰማይ
ተቐመጥኪ ጸሓይ
እስከ ክሓተኪ እንተለኪ ደሃይ
መርዓት’ያ ስልምቲ
ብምልዮን ኩሕልቲ
ኣምባር ኣብ እግራ
ወርቂ ዘቦ ኣብ ኢዳ
ስውር ኢላትኒ መን ከምዝወሰዳ

ኣዘንታዊ፡ መርዓቱ ኣብ ዘላቶ ጠፊኡዎ፡ ካብ ቀረባ ክሳብ ርሑቕ ደልዩ ዝሰኣና’ዩ ዝመስል። ምስ ምሉእ በዓል ኣካል እዛ ግጥሚ ብምንጽጻር፡ “መርዓት ዶ ሪኢኺ?” ኢሉ ክጅምራ ዝነበሮ ሕቶ፡ መርዓት ዝረኣየ? ኢሉ ምጅማሩ እኳ እንተዘይተቐበልክዎ፡ ኣብ ዝቐጸለ ትሕዝቶ’ዛ ግጥሚ ዘይደገሞ ጌጋ ብምዃኑ ክቕጽል ኢለ’ለኹ። ላሕ ኢሉ፡ ዓቕሉ ምስ ጸበቦ ናብ ምህትፍታፍ ዝኸደ ብዝመስል፡ ን ሓንቲ “ጸሓይ” እትበሃል ግእዝቲ ነገር ይሓትት ኣሎ። ኣብዘን ሸሞንተ ቀዳሞት ነግሕታት እዛ ማይቤት(Stanza)፡ ኣምበብቲ ምስ ገጸ ባህርያት እዛ ግጥሚ ንከላሊ ዘኽእል ሓበሬታታት ተዋሂቡና ኣሎ።

1 ኣብ ሰሌዳ ሰማይ ንእትርከብ ጸሓይ ከምእትርእን እትሰምዕን ናይ ሰብ ባህሪ ኣልቢሱ ብዘርኢ ኣገባብ ሰባዊ(Personification)-ተሓታቲት፡

2 እታ መርዓት ክትከውንን ዘይክትከውንን ብ “መርዓት” ተወኪላ ዘላ- ዝተሰወረት፡

3 ኣዘንታዊ ንባዕሉን።

ኣብ መዛዘሚ እዛ ማይ ቤት ዘላ” ስውር ኢላትኒ መን ከምዝወሰዳ” እትብል ሓረግ ምስ ረኣኹ ግና፡ እዛ ሓረግ ነቲ ላሕ ከምዝበለ ዘስምዕ ደረቕ” እስከ ክሓተኪ. ..” ኢሉ ዝጀመረላ ናይ ክሳራ ስምዒቱ ዘርግፈላ ዘሎ ኮይኑ ዝስመዓካ ኣበጋግሳ ሕቶ መዕረፊት ኮይና፡ “መን ከምዝወሰዳ” እትብል መወዳእታኣ ግና ጸሓይን መርዓትን ኣዘንታውን ንበይኖም ኮይኖም ዝውድእዋ ግጥሚ ከም ዘይኮነት ተአንፍተለይ ኣላ።

ብፍታዋ ኣይብሎን ‘ዚ ዘሎ ኣለዎ!
ነዚ ጨና ነብሰይ ጉድ እንድያ ክትፈትዎ
ኣቤት’ባ ኣብቲ ንእዲ
ኣቤት ኣብቲ ማእሲ
ማህቆቓ ፈጢራ ሽመተይ ክትሓሲ
ትልሎ ብቓንዛ ትፈሓስ ብሰሓቕ
እና ሰዓምካያ መሊሳ ትናፈቕ

ተባዕታይ ባህሪ ሒዙ ዝጓዓዝ ኣዘንታዊ፡ ዝሕሰ ሽመቱ ካብ ሕፍረቱ ዝሓልፍ ኣይኮነን ኢልካ እንተዘይኣጸጊዕካዮ ትርጉም ቃላቱ ኪንዮ ዓቕሚ መዝገበ- ቃላትካ ኮይኑ ከሸግር ዝኽእል መስለኒ። እምበኣር ኣብዚ ማይቤት እዚ ምስ መርዓቱ ዘለዎ ምትእስሳር ብ ዕምቆተ ፍትወተ ስጋ(ወሲባዊ) መልክዕ ከርእየና ዝፈተነ ኮይኑ ይስመዓኒ። ጨና ነብሰይ ኢሉ ዝጀመረ ንእድን ማእስን እንተበጺሑ፡ ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ ናብ ዝብል መደምደምታ ክትበጽሕ ትደናደን። ከምኡ እንተኾይኑ፡ ነቲ ብመሰረት ባህልና ንከተንብቦም ደስ ዘየብሉ ወሲባዊ ቋንቋ ንምግላጽ ዝተጠቕመሉ ቴክኒክ ቃለ-ሽፋን( Euphemism ) ኣድኒቐዮ ። ጉዳዩ ብዛዕባ ሓንቲ ሰባዊት መርዓት ድዩ ዋላስ ብ መርዓት ዝተወከለ(Symbolic figure) ካልእ ነገር ኣሎ ብኣግኡ ክፈልጥ እኳ እንተዘይከኣልኩ፡ ኣብዛ ማይቤት ከምዚ ልዕል ኢለ ጠቒሰዮ ዘለኹ ወሲባዊ ጠቀስ ቃላት ገይሩ ኣውሪዱዎም ምስ ምህላዉ ናብ ሰብ ክወስደኒ’ዩ ዝመስል።

ኣብቲ ቋንቋ ርእሲ ኣኼባ ናይ ውሉድ
ኩሉ ነብሱ የሕሲሩ ንዕኣ ይንእድ
ኣብቲ ኣሰር ሽማ ኣብቲ ሓረግ ወለዶ
ኣብ ጥምቀታ ኣብቲ ናታ ጽሕፍቶ
መን’ሞ ዘይምነ መርዒት ደሓን ትእቶ

ሕልኽልኽ ዝበለ ሓሳባት እዛ ማይቤት ክተሓዘለይ ኣይከኣለን። ብ መርዓታ ዝጠፍአት ወይ ትኹረተ-መርዓት ጥራይ ዝብል ርድኢት ግዲ ኣሕዲረ ጸኒሐ ፡ ኣኼባ፡ ኣየኖት ውሉድ? ጥምቀትን ጽሕፍቶን ዝዋሰበሉ ነጥቢ? ንምንታይ ከምዝመጽኡ ተሓናፊሹኒ። ከም ካልኦት ማይቤታት ኣይፎኸሰትንን። ውልቃዊ ምስትምቓረይ ክሳብ ዝኾነ ግና፡ ጸሓፊ ኣብ ርእሱ ንዝተራእዮ ስእሊ ኣብ ጽሑፍ ከቐምጦን ንላዕለዋይን ታሕተዋይን ዓቕሚ ኣስተማቐርቱ ኣብ ሚዛን ዘየእተወን ክብል ክሓልፎ መሪጸ። መርዓት’ያ ኢለ ወሲደዮ ዝነበርኩ ግዳ ተመሊሰ ክጠራጠር ገይሩኒ ኣሎ።

በሊ ጸሓይ ነዚኣ’የ ኣጥፊአ
ኣብቲ ንግስነትኪ መን ኣሎ ዝርአ?
እንታይ ግድኺ! ከለኺ’ኳ ፍጹም
ምናልባት ግን ‘ቶም ዝለኣኽክዮም
ጉጅም ክብሉ ሓለዋ ዘንጊዖም
ኣጥፊኦማ ኣለዉ መርዓት ካብዛ ኢዶም

“እስከ ክሓተኪ…” ብዝብል ዘይትሑት ቃና ኮይኑ ዝተሰመዓኒ ግን ከኣ ነድሪ ሃለዋት ምስኣን ዶ ይኸውን ኢለ ዝተቐበልክዎ ነግሒ ዝጀመረ ኣዘንታዊ፡ “በሊ ጸሓይ…” እናበለ ብዘስቆርቁር ቃና( Tonality) ረብሪቡ ናይ ዝልምን ዘሎ መንፈሱ ዘርእየኒ ዘሎ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። “እንታይ ግድኺ ከለኺ’ኳ ፍጹም” ክብል እንከሎ፡ ኪንዮ እምነቱ ዘሎ ቃና፡ ንምብራኽን ምውራድን ስምዒታቱ መደራዕታ ኮይኑ ኣብ ዝስመዓኒ ዘሎ ዜማ ከምዝፍለጠኒ ገይሩ ተዓዊቱ ኢለ። ካብ ራብዓይ መስመር’ዛ ማይቤት ዝቐጸለ ግና፡ ብዘይካ ጸሓይ ዝለኣኸቶም ሓለውቲ ከምዘለዉ ጸምቢሩ ጠባያት ምውሳኹ፡ ቀጥታዊ ዝርርቡ ምስ ጸሓይ ምስ ምጽንሑ፡ ትልእኾም ይሃልዉዋ ኣይሃልዉዋ፡ ብሓደራ ተረኪባታ ዝነበረት መርዓት ምዃና ዘምስል፡ ኣጥፊእካ ምድላይ ክትብሎ ዘድፍር ኣጋጣሚ ጎፍ ኢሉኒ። ፡ ተኽእሎ ኣጋጣሚ ከይፍጠር መታን፡ ሌላ ምስ’ዞም ሓለውቲ ኣቐዲሙ ኣብ ቀዳማይ ማይ ቤት ክኸውን ነይርዎ።

ኮኾብ’ኳ ኣበይ’ልዎ ለዋህ
ወርሒ ግን ኣይግድን’ዛ ሓሳድ ቀናእ
እናከተብረቕርቕ መርዓተይ ክትርእያ
ኣስተብሂለላ’የ ክንደይ ግዜ ኮርያ!
ትንዕ’ውን ትብል’ያ ጽባቐ ክትልቃሕ
ትቶኻቱኽ ከኣ
‘ቲ ዛዕጎል፡ ዑንቂ፡ ‘ቲ ወርቂ ክመቕራሕ
መርዓተይ ክትውቅብ ኣይብላን’ዩ ጠላሕ

ኣብዛ ማይቤት’ዚኣ፡ ነቶም ኣብ ሰማያዊ ምከና ከም ውሁብ ኣብ ርእስና ዝቕጀሉና ወይ ዝመጽኡና ሰማያውያን ባእታትታት ከም ከዋኽብቲ፡ ወርሒ ዝኣመሰሉ ክጽምብረልና ይረአ። ዝጠፍአት መርዓት፡ ሓሳድ ከምዝነበረታ፡ ንሳ ከኣ ወርሒ ምዃና፡ ምስቲ ብዓንተቦኡ’ውን ወርሒ ብስነ-ፍልጠታዊ ስነ መጎት ካብ ጸሓይ’ያ ብርሃን ትወስድ ዝብል ውሁብ ርድኢት ኣተኣሳሲሩ፡ ነዚ ስነ-ፍልጠታዊ ሓቂን ስምዒት ጠርጣርን ብሓደ ኣእማኒ መልክዕ ከምዝቐረበ ገይረ ወሲደዮ። ወርሒ ቀናእ ኮይና፡ ዘይቀንእ ኮኾብ’ውን ምህላዉ ጥራይ ከርእየኒ ደልዩ እንተዘይኮይኑ፡ ብንጽል ኣቐሚጥዎ ንዘሎ ኮኾብ ከእምነኒ ብዘየኽእል መንገዲ “ለዋህ” ኢሉ ምቕማጡ ኣይተረደኣንን። ካልእ፡ ንሚዛን ጽባቐን ኣድላይነት መርዓቱን ኣብ ዝርዝር ስልማት ኣውሪዱ፡ ምስኡ ንዝጸንሓኒ ምድንጋጽ ከፍኩስ ተሰሚዑኒ። ብዓቢኡ መርዓት’ያ ጠፊኣኖ!!

‘ሞ በሊ ጸሓይ ከምቲ’ኳ ሰብ ጥበብ
“ኣብ ትሕቲ ግዝኣትኪ እንትርፎ ዝጭብጭብ
ሓድሽ ዝበሃልሲ ክንደየናይ ከይርከብ”
ዝበልዎ
ነቲ ኣበጀዲዳ ናብ ሽፎን
ነቲ ጭንግዓታ ናብ ቁኖ ሎሚ ዘበን
ልኻይ ርእሳ ኣብ ዘይቲ ኣቃጢኖም
ነቲ ኣንባር ዝብጦ ፋሽን ኢሎም
ከይምስርሕዋ’ሞ’ቲ ወጅሃ ከይድወን
መርምርለይ ደኣ ንሳ ከይትኸውን

ብቀጥታ ምስ ጸሓይ እናተዛረበ ክንሱ፡ ኣብ ምልክት ጥቕሲ ኣእትዪዎ ዘሎ -…….ግዝኣትኪ….. – ዝብል ብ “ጸሓይ” ተኪአ ድሕሪ ምርኣይ፡ ነቲ ነዊሕ ዘሳለየኒ ናይ በሓቂ መርዓት ድያ ዋላስ ውከላ ዝብል ሕቶይ ዝመለሰ ኮይኑ ተራእዩኒ። ከይምስርሕዋ ክሳብ ዝበለ ህያው ስጋዊት መርዓት ኣይኮነትን ማለት’ዩ። እንተዘይኮይናኸ እንታይ እዩ እቲ ተወኪሉ ዘሎ? ጌና ናይ ሕቶ መንፈሳ ኣየጥፈአትን ዘላ እዛ ግጥሚ።

ከምኡ እንተገይሮም ግን ኣብቲ መርእየታ
ፍሉይ ሓበሬታ
ኣብ ትሕቲ ሕምብርታ
ልዕሊ ቀርቃሪታ
ገጽ ትርኢት ውሉደይ
ጻዕዳ ብሮት ኣላታ

ምሉእ ብምሉእ ናብ “ወሳዲ ኣለዋ” ዘውደቖ ሓሳቡ፡ ንጸሓይ ተወሳኺ ፍሉይ ሓበሬታ(ጻዕዳ ብሮት) መርዓቱ ብምሃብ’ዩ ዝዛዝማ ዘሎ።

ሓፈሻዊ መዛዘሚ ርእይቶይ

እዛ ግጥሚ፡ ሓታቲት ግጥሚ ኮይና ጀሚራ ብምውዳኣ፡ ስምዒታት ክሳራን ነድርን ልመናን ደላዪ ሃለዋት ክብ ለጠቕ እናበለት፡ዝመሰጠንን መንቀዲ ምስትምቓረይ ዝኾነ ካብ ሕቶ ናብ ሕቶ ከተብለኒ ምኽኣላ ፡ ብጉድለት መሰረታውያን ጠለባት ጥረ ነገር ግጥሚ ከም ረምታ፡ ናዕታ፡….. ዘይትረአ ምዃናን ወዘተን ኣዎንታዊ ሸነኻታ ክኸውን ከሎ፡ ኣሉታዊ ሸነኻታ ድማ፡ ግድፈት ፊደላት፡ ስርዓተ ነጥቢ፡ ገጣሚ ኣብ ስእለ ኣእምሮኡ ንዝነበረ ሓሳብ ክገልጾ መታን ክሕግዞ ዘይከኣለ ዘይንጹራት ሓረጋት ምጥቃም፡ ሃንደበትን ክተተኣሳስሮም ዘይሕግዙኻ ገጸባህርያትን ዝኣመሰሉ ነይሮም እብል።

ምንጪ፡ ምስትምቓር ግጥሚ ናይ ፈይስ ቡክ ገጽ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleክንዮ’ቲ ስደት
Next Article ዑቚባኻ ባሕሪ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?