Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ምስትምቓር ግጥሚ “ኣሎና ከኣ ንብል!”

ምስትምቓር ግጥሚ “ኣሎና ከኣ ንብል!”

0
By Mekonnen T. on July 6, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ፍቕረይ የማን

ኣብቶም ንሂወት ወዲ ሰብ ዘማእዝኑን ዘማእክሉን ዓውድታት ማለትስነ ጥበብ፡ ስነ ፍልጠት፡ ስነ ሃይሞኖትን ካልኦትን፡ ስነ ጥበብ መሪሕ ቦታ ሒዙ ንዘመናት ይቕጽል ኣሎ። እቲ መሰረት ኩሉ ነገር ዝኾነ መጽሓፍ እምነት ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት እኳ ስብከታቱ ብመንገዲ ዝተፈላለዩ ስነ ጥበባዊ ስርሓት እዩ ዘቕርብ። ስነ ጥበብ እምበኣር ኣብ ሂወት ሕብረተ ሰብ ይኹን ውልቀ ሰብ ዝጻወቶ ኩሉ መዳያዊ ግደ  ዓቢ እዩ። ብርድኢተይ ብዘይ ስነ ጥበብ ሂወት መቐረት ኣይምሃለዋን።

ስለዚ እምበኣር ንስነ ጥበብ ዝሰርሕዎ ሰባት ስነ ጥበባውያን ስለዝኾኑ፡ ግደ ስነ ጥበባውያን ኣብ ሕብረተ ሰብ እንታይ እዩ ክኸውን ዘለዎ ክብል እየ። ትጽቢተይ ኣብ ሓደ ስነ ጥበባዊ በብመድረኹ ክፈላልዮ ይደሊ። ምኽንያቱ ከም ኩሉ ዓውድታት ስነ ጥበብ ውን ብመድረኽ ዝጽሎን ንመድረኽ ዝጸሉን መሲሉ ስለ ዝስመዓኒ። ስነ ጥበባዊ ፍርያት ኣብዚ መዓላ እዩ ክውዕል ዘለዎ፡ ከምዚ እዩ ክኸውን ዘለዎ ኢልና ክንዛረብ ኣጸጋሚ እኳ እንተኾነ ህሉው መድረኽ ምርኩስ ብምግባር ከምዚ ይጽበ ክንብል ግን ባህርያዊ እዩ።

ዋጭዋጭታ ሓዘን ኣብ ዝመልኣሉ ብዛዕባ መቐረት ሳዕስዒት ዝዛረብ ፍርያት፡ ነቲ ብኽያት ዘዳምቕ ኣውያት ኣብ ቦታ ስነ ጥበብ ክምድቦ ይጽግመኒ ኣነ። እቲ ቀዳማይ ሞራል ስለዘይሕሉ እቲ ካልኣይ ፈጠራ ስለዘይብሉ። ከምኡ እናበልና ምስ እንቕጽል፡ ዝተገብረ ዝገልጽ ዘይኮነ ዘርኢ(ፍሉይ ኩርናዕ መሪጹ)፡ ኣርእዩ ሕቶ ዘለዓዕል፡ ነቐፌታዊ ኣተሓሳስባ ዘማዕብል፡ ዝጉስጉስ ዘይኮነ ጐስጐስቲ ዝፈጥር፡ ሻራዊ ዘይኮነ ንኹሉ ጸላዊ፡ ዝኸድን ዘይኮነ ጥራሕካ ከምዘለኻ ኣርእዩ ንኽትክደንን ከይትኽደንን ንዓኻ ዝገድፍ፡ ዘላቕስ ዘይኮነ ዘጸናንዕ ፍርያት ንዓይ ብሉጽ ስራሕ ኮይኑ ይረኣየኒ። ከፊላዊ ትጽቢት ናይቲ ብዙሕ ምዃኑ እዩ እዚ።

በዚ መንጽር እንክንሪኦ፡ ስነ ጥበባውያን ጸግዒ ማንም ዘይኮኑ፡ ንኣገልግሎት ገለ ወገናት ዘይውዕሉ፡ ንረብሓ ዘይግዝኡ፡ ክብሪ ሞያኦም ዘቐድሙ ክኾኑ ትጽቢት ይገብር።

በዚ ዝጠቐስክዎ ከፊላዊ ምኽንያታት ኣቢለ ናብ ህሉው መድረኽ ኤርትራዊ ሕብረተ ሰብ ምስ መጻእኩ ከኣ ኣብ ስነ ጥበባውያን ሃገርና ዘለኒ ትጽቢት ይንጽረለይ። እንታይ ክገብሩ ይግብኦም እንታይ ከ ይገብሩ ኣለዉ? ኢለ ሕቶ ብምልዓል ኣብዚ ቅንያት ንትጽቢተይ ዝመስል ትሕዝቶ ናብ ዘለዋ ግጥሚ ክሰግር ይደሊ።

“ኣለና ከኣ ንብል” ግጥሚ ብርሃነ ገብረሂወት።

እዛ ኣብዚ እዋን እዚ መድረኻዊት ኣብ መጻኢ ውን ብኻልእ መልክዕ ወላ ኣብ ስድራ ቤት ይኹን ኣዕሩኽ ኣትያ ተራ ከተርኢ እትኽእል ግጥሚ፡ ምስሊ እዚ እዋን ሂወት ኤርትራዊ ተርኢ ጥራይ ዘይኮነት፡ ነፍሲ ወከፍ ጉጅለኣዊ ምንቅስቓስ ይኹን ውልቀ ሰብ ነፍሱ ክፍትሽ እትቕስብ ግጥሚ ኮይና እየ ረኺበያ። ድሕሪ ነፍሰ ተፍትሽ ዝውሰድ ባዕላዊ ይኹን ጉጅለኣዊ ስጉምቲ ንምርጫ እትገድፍ ዘይሻራዊትን ዘይኣሻራዊትን ግጥሚ ብምዃና ከኣ ብቕዕቲ ስራሕ ኮይና ትስመዓኒ።

ኩለ-ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ ኩነታትና ዓንዩ፡ እቶም ንዕኡ ዘንቀሳቕሱ ኩለንታናዊ ጅማውቲ ጠብዮም፡ ቅድሚ እዚ ወለዶ ዝጀመረ ሓዘን ነፍሲ ወከፍ ቤት ምዕራፍ ኣብዩ፡ ከም ሕብረተ ሰብ ኣብ ቅድሚ ማሕበረ ሰብ ዓለም ክብሪ ኣልቦ ኮይንናሉ ኣብ ዘለና እዋን፡ እዚ ግጥሚ ከምዚ ትብለና።

“ጅማትና ጠምብዩ

መዓንጣና ንድሕሪት ተጠውዩ

ከም ሮዶ ቆሪና ሓዘን ምውጻእ ኣብዩ፡

ኣሎና ከኣ ንብል

ህላወና ይቝጸር ምስ ህላወ

ክብርና እናጸምለወ

ኣብ ሓዊ እናተለልወ!”

ንኣባይ ዘይትምነዮ ሂወት ኣባናን ብኣናን ንባዕልናን ምዃኑ ከተራኣየና ከኣ፡

 

 

“እናፈለጥና፡ ዝዘራእናዮ ከም ንዓጽድ

ዝሃብናዮ ከም ዝህበና ግራት

መመሊስና ንወጽእ ካብ ሓዲድ፡

ንበታተን ከም ዘንቈረ ንህቢ

ንጐጃጀል ምእካብ ንኣቢ።”

ኢላ ከኣ ንክውንነት ባዕላውነትና ተርእዮ። ነዚ ኢና ንመስል እንተይልና ክንኮኖ ዝግበኣና ደኣ እንታይ እዩ? እዛ ግጥሚ መልሲ ኣለዋ። ኣብ ውሽጢ ሕብረተ ሰብ፡ ስድራቤት ይኹን ካልእ ማሕበራዊ ጥርናፈ ዘለዎ ሂወት ዝመርሕ ሰብ ክህልዎ ዘለዎ ምስሊ ብኸምዚ ትገልጾ።

 

“ከም ማእዶ ተጠሚርና

ኣብ ርሱን ከይነዅድድ

ደም ስኒ ውሒጥና ከይንተኣባበድ

ካብ ውሽጥና ተሰዲድና

ገለና ንስደድ ገለና ነሳድድ፡፡”

እወ! ደም ስኒ ካብ ጡፍ ትብሎ ትውሕጦ ይበዝሕ። ናትካ ስለዝኾነ። ኣንጉዕ እዛ ግጥሚ እዚ ኮይኑ ይስመዓኒ። ንፋቶ ንጻላእ እቲ ናትና ናበይ ኢና ክንጉሕፎ? ብዘይ ሓባራዊ ምትእብባድ ከ ሽግራትና ብኸመይ እዮም ክፍትሑ!? ሓደ ነቲ ሓደ እናሳደደ ኣብ ምፍድዳይ ሕነን ምዝራእ ጽልእን ዲና ክንነብር ዝግባእ? እንታይ ድዩ ህላወ ከም ሕብረተ ሰብ!?

“ኣሎና ከኣ ንብል!”

ጸገም ንዘምጽእ ክርዳድ ኣለሊና ከይንኣሊ፡ ናትናን ዘይናትናን ከይንፈሊ ብጸላእ ሰናያት ክንምእከል እንከለና ኣንፈትና ከምዘጥፋእና እዩ ዘርኢ። ኣእምሮና ምማይ ጠፊእዎ፡ ንዝመጸ ሕማም ምፍልላይ ንቃላዕ ምህልውና ንምርኣይ እዛ ግጥሚ ከምዚ ትብለና።

“ሚሐና ከየለሊ ንእኽልን ክርዳድን

መንፊትና ከይፈሊ ሓሩጭን ሓሰርን

መዅባዕትና ጠፊኡዎ ጽራይን ግለትን

ኰይኑዎ ቋንቋና ጽያፍን ቅለትን!

 

ከይንተኣማመን ንከሓሓድ

ከይንተኣባበድ ንሰጓጐድ።”

ህሉው መደረኽና ዘመልክቶ ሓቂ ‘ኣነ ኣነ’ ዝብልን ንዕኡ ውን ብዘይ ጽፈት ከተግብር ዝፍትንን ምዃኑ እዘን ልዒለን ዘለዋ ነግሕታት ትዕዝብተን የርእያና። እቲ ዘገርም ግን ኪኖ እዚ እዩ። ሰላም ኣብዘይብሉ ፍትሒ ምንዳይ!። ሰላም እንተዘየለ ፍትሒ ኣበይ እያ ክትስራሕን ክትሰርሕን? ቀዳምነት ክርከብ ዘለዎ ሰላም ድዩ ፍትሒ? ሰላም ኣብ መንጎ ዜጋታት ምስ ዝህሉ ዶ ኣይኮነን ብዛዕባ ፍትሒ ክዝረብን ክስራሕን ዝከኣል?  ዓማጺ እንተሎ ክትብድሆ ፈለማ ሰላም ዶ ኣይኮነን ክህልወካ ዘለዎ? ኣብ መንጎ ዜጋታት ሰላም ኣብዘይብሉ ፍትሒ መን እዩ ክሰርሓ?

ትዕዝብቲ እዛ ግጥሚ ነዚ ስጊንጥራዊ ኣደላልያ ፍትሒ ከምዚ ይብሎ

“ኣሎና ከኣ ንብል!

ኣብ ቅርዓትና እንከሎ ኣማራጺ

ፍትሒ እናለመንና ኣብ ቅርዓት ዓማጺ

ሰላም እንከላ ኣደኣ ንፍትሒ

ንዓኣ ኣሳጒግና ንጓላ እነድሂ!”

ብሓቂ እወ ኣደ ፍትሒ ሰላም እያ ክትከውን ዘለዋ። ዜጋታት ኣብ መጎኦም ሰላም፡ ብሕድገታትን ደም ስኒ ብምውሕሓጥን ዝመጸ ሰላም ምስ ሃለወ እዮም ክራትዑ ዝኽእሉ። ብምስጓጉን ምስጉጓድን፡ ብጽያፍ ቃላትን ምፍርራሕን ዝመጽእ ሰላም ከኣ የለን። ደም ስኒ ውሒጥካ ሕድገት ጌርካ እምበር።ኣሎና ከኣ ንብል፡

በሪ ህላወና እናተዓጽወ

በሪ ጥፍኣትና እናተራሕወ

ህላወና ይቝጸር ምስ ህላወ፡፡

ኣሎና ከኣ ንብል

እናተጓዓዝና ናብ መቓብር!

እዚ ምስዘይከውን ዝስዕብ ግን እንታይ እዩ? መጠንቀቕታ እዛ ግጥሚ ንጹር እዩ። በሪ ህላወ ተዓጽዩ በሪ ጥፍኣት ይገፍሓሉ ኣብ ዘሎ እዋን ምንባርና ትርጉም ኣልቦ እዩ። መዓልቲ ይነውሕ እምበር ከም ኩሎም ብሰንኪ ሓድነት ዝጠፍኡን ዝጠፍኡ ዘለዉን ህዝብታት ነበረያ ነበረ ምዃንና ዘይተርፍ እዩ። ምስልና ነዚ ይመስል። እሞ ደኣ እንታይ ንግበር!? ህላዌና ብምንታይ ነውሕሶ? ኣብ ኣእምሮ ኩላትና ክለዓሉ ዘለዎም ትሕዝቶ እዛ ግጥሚ እዮም።

እዋን ዝጠልባ፡ ውህደት ዝመልአት፡ ገላጺት ዘይኮነት ኣርኣዪት ግደ ሓደ ስነ ጥበባዊ ኣብ ሕብረተ ሰብ ምስ ህሉው መድረኹ እንተንጸባርቕ ግጥሚ ኮይና ረኺበያ። ምጣነ ቃላት፡ ቅርጽን ጥምረት ኣንፈት ጉዕዞኣን ከኣ እቶም ካልእ ጽባቐ ዝፈጥሩላ ረቛሒታት ኮይኖም ይስምዑኒ። ጠመተ ኩርናዕ ገጣማይን ኣረኣእያ ኣብ ጠመትኡን ውን ካልእ ብልጭኣ እዩ። “ሓባእ ቁስሉ ሓባእ ፈውሱ” ዝብል ምኽሪ ሓዘል ኣባታዊ ምስላ ብግቡእ ዝገለጸ መስለኒ። ቁስልና እዚ ይመስል። ፈውስና ነናዲ!። ግቡእ ምሳሌኣዊ መግለጺ ካብ ቀንዲ ረቛሒታት ግጥሚ እዩ። ጸግዒ ማንም ከይሓዘ ማእከል ህዝቡ ንምዃን ዘርኣዮ ፈተነ ግን እቲ ንዓይ ዝያዳ ዝመሰጠኒ እዩ።

ኣሎና ከኣ ንብል

ጅማትና ጠምብዩ

መዓንጣና ንድሕሪት ተጠውዩ

ከም ሮዶ ቆሪና ሓዘን ምውጻእ ኣብዩ፡

ኣሎና ከኣ ንብል

ህላወና ይቝጸር ምስ ህላወ

ክብርና እናጸምለወ

ኣብ ሓዊ እናተለልወ!

 

እናፈለጥና፡ ዝዘራእናዮ ከም ንዓጽድ

ዝሃብናዮ ከም ዝህበና ግራት

መመሊስና ንወጽእ ካብ ሓዲድ፡

ንበታተን ከም ዘንቈረ ንህቢ

ንጐጃጀል ምእካብ ንኣቢ።

 

ከም ማእዶ ተጠሚርና

ኣብ ርሱን ከይነዅድድ

ደም ስኒ ውሒጥና ከይንተኣባበድ

ካብ ውሽጥና ተሰዲድና

ገለና ንስደድ ገለና ነሳድድ፡፡

 

ኣሎና ከኣ ንብል!

 

ሚሐና ከየለሊ ንእኽልን ክርዳድን

መንፊትና ከይፈሊ ሓሩጭን ሓሰርን

መዅባዕትና ጠፊኡዎ ጽራይን ግለትን

ኰይኑዎ ቋንቋና ጽያፍን ቅለትን!

 

ከይንተኣማመን ንከሓሓድ

ከይንተኣባበድ ንሰጓጐድ።

 

ኣሎና ከኣ ንብል!

 

ኣብ ቅርዓትና እንከሎ ኣማራጺ

ፍትሒ እናለመንና ኣብ ቅርዓት ዓማጺ

ሰላም እንከላ ኣደኣ ንፍትሒ

ንዓኣ ኣሳጒግና ንጓላ እነድሂ!

 

ኣሎና ከኣ ንብል፡

በሪ ህላወና እናተዓጽወ

በሪ ጥፍኣትና እናተራሕወ

ህላወና ይቝጸር ምስ ህላወ፡፡

ኣሎና ከኣ ንብል

እናተጓዓዝና ናብ መቓብር!

 

ብርሃነ ገ/ሂወት

27/06/2015

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?