Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, March 9, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»መጽሓፍ “ገሞራው ዘርዓይ ደረስ”

መጽሓፍ “ገሞራው ዘርዓይ ደረስ”

4
By Mekonnen T. on October 5, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email
 መኮነን ተስፋይ
222 ገጽ ዝሓዘት ዕብይ ዝበለት መጽሓፍ “ገሞራው ዘርዓይ ደረስ” ሓያሎ ናይ ቀደም መጻሓፍቲ ብምዕቃብ ዝፍለጥን ኣብ መጻሕፍቲ ፍሉይ ተገዳስነት ዘለዎን ኣብ ከተማ ፖርትላድ፡ ኦሬጎን: ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝቕመጥ ኣቶ መኮነን ዳምጣው ሊኢኹለይ ኣብ ኢደይ በጺሓ’ላ። ፈለማ ንመኮነን ዳምጠው ስለቲ ተገዳስነቱን ንኤርትራውያን ደረስቲ ኣብ ምትብባዕ ዝገብሮ ኣበርክቶን ብስም ኣንበብቲ ዛራ ጥበባት ከመስግኖ እፈቱ።
መጽሓፍ “ጎመራው ዘርኣይ ደረስ” ብሓልዮት ንጉስ ሃይለስላሴ ተመዊላ ብደራሲ ይልማ ማናዮ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ከም ዝኾነት ኣብቲ መእተዊ ይሕብር። ኣብቲ መጽሓፍ ዘርኣይ ደረስ ኣብ ዓዲ ይሃይስ ኣውራጃ ሰራየ ተወሊዱ ወዲ 2 ዓመት ምስ ኮነ ኣቡኡ ስለዝሞተ ኣዲኡ ሒዛቶ ናብ ዓዳ ማለት ሃዘጋ ከም ዝኸደትን ኣብ ሃዘጋ ከም ዝዓበየ። ኣስመራ መጺኡ ቋንቋ ጣልያን ከም ዝተማህረ፡ ኣብ ዓዲ ወግሪ ናይ ክህነት ትምህርቲ ከም ዝቐሰመ፡ ኣብ ጋዜጣታት ኢጣላያ ብዝትፈለለየ ናይ ብርዒ ስም ይጽሕፍ ከም ዝነበረ፡ ጣልያናውያን “መን’ዩ እዚ ሰብ” ብምባል ከም ዝሽገሩ ዝነበሩን ክፈልጥዎ ከም ዘይከኣሉን። ኣብ ራማ ብመምህርነት ተቖጺሩ ይሰርሕ ከም ዝነበረ። ስራሕ ኣቋሪጹ ወዲ 20 ዓመት ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ናብ ሃዘጋ ተመሊሱ ከም ዝተመርዓወ፡ ደሓር ከም ኣተርጓሚ ኮይኑ ካብ ኣስመራ ናብ ሮማ ከም ዝኸደ ይጠቅስ። ነታ ፈለማ ኣብ ኣስመራ ወዲ 20 ዓመት ከሎ ጣልያናዊ ኣማሓዳሪ መቐለ ዝነበረ ኩማንዳተረ እስኩድሪ ሒዙዋ ዝረኣያ ደሓር ኣብ ሮማ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ዝሰቐላ እሞ ዘርኣይ ደረስ ሮማ ምስ ከደ ብጥበብ ዝሰረቓ ጉራዴ ኣሉላ ኣባ ነጋ ዝብል ስም ብኣማሓርኛ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ዘለዋን ኣብ ኩናት ዶግዓሊ 500 ወታሃደራት ጣልያን ዝቖረጸትን ከም ዝኾነት እሞ ዘርኣይ ደረስ ብኣኣ ጌሩ ኣብ ኣደባባይ ብዙሕ ህዝቢ ከም ዝቐተለን ከም ዘቑሰለን። ጣልያናውያን ማዕረ ኢትዮጵያ ወሪራትና ዘስምዕ ዓይነት ስምዒት ከም ዘሕደሩን ንሓድሕዶም ክታኾሱ ከም ዝወዓሉን ብዙሕ ሰብ ከም ዝሞተን። ዘርኣይ ደረስ ን6 ሰዓት ዝኣክል ከም ዘይተተሕዘ ደሓር’ውን ደፊሩ ዝሕዞ ስኢኑ ብ6 ጥየያት ምስ ተሃረመ ከም ዝተተሕዘ እቲ መጽሓፍ የዘንቱ።
20141004_160423[1]
20141004_160704[1]
ዘርኣይ ደረስ ድሕሪ’ዚ ፍጻሜ ኣብ 7 ዓመቱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝሞተ ድማ እቲ መጽሓፍ ይገልጽ። እቲ 172 ገጽ ብዛዕባ ታሪኽ ሂወት ዘርኣይ ደረስ እቲ ዝተረፈ 50 ገጽ ከኣ ንታሪኹ ዝምልከት ኣብ ዝተሰርሓሉ ድራማ ዝተጻሕፈ ናይ ድራማ ስክሪፕት ዝሓዘት መጽሓፍ ሓያሎ ስእልታትን ሰነዳትን ዘለዋ እያ። ኣብ ዝቕጽል ኣዋን ኣንባቢ ምሉእ መረዳእታ ክህልዎ ምእንቲ ስካን ጌርና ብመልክዕ ፒዲኤፍ ኣብ ኢንተርነት ከነውጽኣ ኢና:: ንሕጂ ግን ገበር ናይቲ መጽሓፍን ሓደ ክልተ ገጽ ናይቲ ፍጻሜን ኣብዚ ከቕርቦ’የ። ኣቐዲሙ ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል ኣብዚ ሰኪዔት ሓበሬታ ዛራ ጥበባት “ሓቀኛ ታሪኽ ዘርኣይ ደረስ” ብዝብል ኣርእስቲ ሓደ ዓንቀጽ ጽሒፉ ከም ዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ እዚ መጽሓፍ ነቲ እስጢፋኖስ ዝበሎ ዝብድህ ድዩ ዘራጉድ ናብ ኣንበብቲ ዝሕደግ’ዩ።
20141004_153154[1]
Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Article“ ንውላደይ ሃይማኖቱ ባዕለይ’የ ዘፍልጦ”
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

4 Comments

  1. robel on October 5, 2014 10:21 pm

    😛

  2. እስጢፋኖስ ገ/ሚካኤል ተሞልሶ on October 7, 2014 11:30 am

    ኣነ ንባዕለይ ኣብ ሮማን ሚላኖን በጺሐ እቲ ዘርኣይ ደረስ ውዒሉዎ ዝተባህለ ቦታ ስኢለዮን ንገለ ሰባት ከጻርዩለይ ሓቱኢተን ኣለኹ። ኣነ መጽሓፍ ገሞራው ዘርኣይ ደረስ እንታይ ከም ዝብል እፈልጥየ፡ መንእሰይ ከለኹ ብመጠኑ ርእየዮ ስለ ዝነበርኩ። እቲ ሕቶ፡ መጽሓፍ ዘርእእይ ደረስ ካብ ጭብጢ ድዩ ተጻሒፉ፡ ንታሪኽ ኢትዮጵያ ንኵሕሓልን ኤርትራውያን ኢትዮጵያዊ ስምዒት ኣለዎም ንምባል ኣብ ዝብል ነጥቢ ዝተኰረ እዩ። ነዚ ድማ ኣብ ሃገረ ኢጣልያ ዝርከቡ ጽሑፋትምበር ኢትዮጵያውያን ብዝጥዕሞም ዘውረዩዎ ወይ ድማ ኤርትራውያን ብንብሎ ክኸውን ኣይክእልን። እቲ ሓቀኛ ታሪኽ ቀስ ኢሉ ክገሃድ ስለ ዝኾነ ኣይንተሃወኽ።

  3. shishay on October 8, 2014 9:55 am

    ቀዲሙ ብታህዋኽ ርእይቶ ካብ ዝሃቡ ሰባት ሓደ ኢኻ፡ እቲ “ሓቀኛ ታሪኽ ዘርኣይ ደረስ” ኢልካ ዘውጻእካዮ ጽሑፍ፡ ከም ቀዳማይ ቅድሚ መጽናዕቲን ጭብጢታትን ስለ ዝወጸ! እዚ ሕጂ ተካይዶ ዘለኻ መጽናዕቲን ምርምርን ፈለማ ቅድሚ ነቲ ጽሑፍ ምውጻእካ ክኸውን ነይርዎ ይመስለኒ፡ ብዝኾነ፡ ሕጂ’ውን ማይ ኣይሓለፎን ታሪኽና ንኹልና ስለ ዝምልከት ተገዲስና ክንሓተሉን ዝከኣለና ክንጽዕርን ዘዘኻኽር ስለ ዝኾነ ጽቡቕ እዩ።

  4. እስጢፋኖስ ገ/ሚካኤል ተሞልሶ on October 8, 2014 5:36 pm

    ሎሚውን ተወሳኺ ፍልይ ዝበለ ታሪኽ ዘርኣይ ደረስ ረኺበ ኣለኹ። ካብ መን እንተበልኩም ካብ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መምህር ታሪኽ ዝነበሩ ኣባ ተወልደ። ንሶም ድማ ኣባ ዶመኒኮ ዝብሃሉ ካህን ብንእስነቱ ከሎ ንዘርኣይ ዘፍልጡዎን ኣብ ኢጣልያ ከሎ ምስኡ ዝጸሓሓፉ ዝነበሩን ከም ዘዕለሉዎ ሓቢሮምኒ ኣለዉ። ነዚታት ምስ ስእሊ ዘርኣይ ደረስ ኣሰንየ ኣብ ዛራ ጠባብት ከስፍሮ እየ። ዛጊት ካብ ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ እሞ ይፈልጡ ካብ ዝብሃሉ ሰባት፡ ምስ ስእሊ ናይ ፒያሳ ቬነዝያን ናይ ዘርኣይ ደረስ ስእሊ ምስ መማህርቱን እዩ። ነዚ ድማ ንግዱሳት ከቕርቦ እየ። ክሳብ ሕጂ ሰለስተ ተመሳሳሊ ግን ከኣ ነቲ ናይ ኢትዮጵያ መግለጺ ዝጻረር ሓበሬታ ናይ ዘርኣይ ደረስ ተረኺቡ ኣሎ። ገና ብሕጂ’ውን ተወሳኺ ክርከብ እዩ።

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?