Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Friday, May 30, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ባህልን ያታን»መጽሓፍ፡ ሕጊ እንጋንኣ፡ ስርዓት ዓጽሚ ሓርማዝ

መጽሓፍ፡ ሕጊ እንጋንኣ፡ ስርዓት ዓጽሚ ሓርማዝ

0
By Mekonnen T. on November 26, 2020 ባህልን ያታን
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email
ሕጊ እንጋንኣ ስርዓት ዓጽሚ ሓርማዝ
ኣባ ተኸስተ ብርሃን ገ/መድህን ገዳማዊ ካፑቺን
እዚ ጽሑፍ ኣብ መቕድም መጽሓፍ ሕጊ እንጋንኣ ሰፊሩ ዝርከብ ጽሑፍ’ዩ
እዚ ብትግሃት ኣባ ሰለሞን ገብረክርስቶስ፡ ብሰፊሕን ጥንቁቕን መጽናዕቲ ተዳልዩ ዚቐርብ ዘሎ ጽሑፍ፡ ስርዓት እንዳባ ሃገርና ከመይ ዝበለ ጽፉፍ ሕጊ ምዃኑ ዚገልጽ’ዩ። ሓደ ካብ’ቲ ብዝበለጸ ኣገባብ ስልጣኔ ሓደ ሃገር ዝገልጽ መሓበርታ ሕጊ ኢዩ፡ እዙይ’ን ታይ ናይ ሓደ ሕዝቢ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ዚግለጸሉ ሕግታቱ’ዩ።
በ’ዚ፡ ሃገርና ናብ ዝበለጸ ዘመናዊ ስልጣኔ ዚጎዓዘሉ ጊዝያት’ዙይ፡ ጥንታዊ ሕግታቱ ሸለል ከይበለ ምስ’ቲ ዘመናዊ ዝትስጉምቲ ኣሰማሚዕካ ምምልካቱ ጠቓሚ’ዩ። እዙይ ከኣ፡ እቲ፡ ሓድሕድ ዘመናውያን ገስገስቲ ምዃኖም ንምግላጽ ኪብሉ ንገዛእ ሕዝቦም “ድሑር” ዚበሃል ቅጽል ምልጣፉ ዘይግቡእ ጥራሕ ዘይኮነስ ጽዩፍ ምዃኑ ዝገልጽ’ዩ። ንገዛእ እቲ ርእሱ ብጅግንነቱ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብሕግታቱን ብጽፉፍን ረዚንን ስነ ስርዓቱን ኣካይዳኡን ካብ ከባቢኡ እንተዘይልዒሉ፡ ትሒቱ ዘይረአን ዘይግመትን ሕዝብኻ ተመሊስካ “ድሑር” ዝብል ቅጽል ከተልግበሉ ከሎኻ ንገዛእ ርእስኻ ዜነውር ነውሪ ኢዩ።
ስርዓት እንዳባ ሕዝብና፡ ብሕዝቢ ኪዝውተር ጸኒሑ፡ ሓጋጎል ጸራቦን ተባሂሎም ብዚስመዩ ብ ኣኼባ ዓበይቲ ዓዲ ተመርሚሩ ተመሚዩ ተጻሪዩ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ከም ሕጊ ምዃኑ ተፈሊጡ ተኣዊጁ ሕዝቢ ዝምርሓሉ ሕጊ ኢዩ። እዞም ሓጋጎን ጸራቦን ተባሂሎም ዚፍለጡ ዓባይቲ ዓዲ ወይ ሽማግለታት ብሓቂ ዘይተጻሕፈ መዝገብ ፍልጠት ዝኾኑ ውሩያት ሰባት ኢያቶም።
ሓቂ ከኣ መዛግብ ታሪኽን መዛግብ ትውፊትን ብምዃኖም፡ በቲ በሊሕን ጥሙትን ረቂቕ ኣእምሮኦም ዝተደነቑ ሰባት ብምዃኖም፡ ኣሚኖምሎም፡ ወጻእተኛታት ዳህሰስቲ መልክዐ ምድርን ደረስቲ ታሪኽን ደረስቲ ልምዲ ሕዝቢን ዝተጠቕመሎም ኣረ’ኳ ደኣ ዝተበለጹሎም ዝቐድሑሎም ዘይነጽፍ ዔላታት ታሪኽ ሃገር ኢያቶም።
እቶም ንሓምሳ ዓመት ሃገርና ዘገዝ ኡ ጣልያን ኮኑ እቶም ንዓሰርተ ዓመት ኤርትራ ዘመሓደሩ ንስርዓት እንዳባ ሃገርና ዓቢይ ዋጋን ሕሉፍ ኣቓልቦን ኣውደቑሉ። በ’ዙይ ዝኣክል ኣብ መንጎ ደቀባት ዚለዓል ምጉትን ክርክርን ዚፈርዱ ደያኑ፡ ደቀባት ኮይኖም ብመሰረት ስርዓት እንዳባ ይፈርዱዎ ነበሩ። ሰበ ስልጣን ጣልያን ኮኑ እንግሊዝ፡ ነቲ ስርዓት እንዳባ ከምዘሎ ኪስርሓሉ ወሲኖም ነበሩ፡ ክንልውጦ ወይ ከነመሓይሾ ዚብል ሓሳብ ኣቕሪቦም ኣይፈልጡን።
ስርዓት እንዳባ ተደብቲሩ፡ ማለት ኣብ ደብተር ተጻሒፉ፡ ንሓለዋ ንሓደ ገዳም፡ ወይ ንሓደ ዓቢይ ቤተክርስትያን፡ ወይ ከኣ፡ እዙይ እንተዘይጠዓመ፡ ንሓደ ብዓበይቲ ዓደ ዝተመርጸ በዓል ሕድሪ ይወሃብ ነበረ። በዓል ሕድሪ ንዝተቐበሎ ደብተር ሕጊ ከም ብሌን ዓይኑ ይጥንቀቐሉን ይሕልዎን ነበረ፡ ከይጠፍእ፡ ከይስረዝ፡ ከይድምሰስ፡ ማይ ከይነጥቦ ከይነኽኦ ብሕሉፍ ጥንቃቔ ይሕልዎ ነበረ። በ’ዙይ ዝኣክል ሓደ ደብተር ሕጊ እንዳባ ንምርካብ ኣዚዩ ጽንኩር’ዩ፡ ብሓቂ ኣድካሚ ኢዩ። ንክንደይ ክትውከስ፡ ንክንደይ ክትልምን፡ ንክንደይ ኢድ ክትነስእ፡ ግዳ ንሓደ ዕላማ ኪበሃል፡ ሓደ ሽቶ ኪወቅዕ ኢሉ፡ ተስፋ ከይቆረጸ ዚጽዕር ሰብ ኣብ መወዳእታ ከይተዓወተ ኣይተርፍን።
ኣባ ሰሎሞን ገብረክርስቶስ፡ ገና ንእስነቱ ዘይጸገበ ለይለይ ዚብል ንኡስ ገዳማዊ ካፑቺን ዲ ፍራንቸስኮስ፡ ዘይደክም፡ ዘይሰልኪ፡ ተመራማሪ፡ በዙ’ይን በ’ቱይን፡ ላዕልን ታሕትን ተዋናጪፉ ኣብ መወዳእታ እታ ምቅርቲ መፈጸምታ ድኻሙ ዝኾነት ዓወት ኪጭብጥ ከኣለ፡ ደብተር ሕጊ እንጋንኣ ስርዓት ዓጽሚ ሓርማዝ ኪህዝ፡ ኪምርምር፡ ኬጽንዕ፡ ቀጺሉ ከኣ ብመጽሓፍ ኬቕርብ ከኣለ። ዓቢይ ዓወት! ናይ ብርቱዕ ጸዓት፡ ናይ ኣድካሚ ጻዕሪ ምቁር ዓወት፡ ብናይ ስርዓት እንዳባ ኣዘራርባ፡ ሃብሮም፡ ጨለ፡ ዜብል ዓወት !! እዚ፡ ድኻሙ ከቢድ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ፡ ሓድሓደ ጊዜ ተስፋ ቆሪጽካ፡ ኩሉ ጠንጢንካ፡ ዛሕ ኣቢልካ ንምግዳፉ ዚፈታተነካ ጊዝያትን ኩነታትን ዜጋጥመካ ኢዩ፡ ግዳ ነ’ዚ ጥቕጥቕ ዝበለ ሓጹር ሓሊፍካ፡ ዘሊልካ ተሳኪርካ እቲ ዝመከትካሉ ሽቶ ክትወቅዕ ክትክእል እንከሎኻ ሓጎስ ወሰን ዘይብሉ ይኸውን።
እዚ ናይ ዓሙቕ ሰራውር ዝገተረ ስልጣኔ ሕዝብና ሳዕቤንን ውጺትን ዝኾነ ስርዓት እንዳባ ኮነ ስልጡን ሕጉ፡ ታሪኽ ኮነ ትውፊት ሕዝብና፡ ምስ’ቲ “ዓደየ ዓዲ ጀጋኑ” ኢሉ፡ ደቂ ሓራስ ነብሪ ዜብል ጀግንነት፡ ኩሉኹሉ ተጣሚሩ ብሕድሪ ዝተመሓላለፈልና ርስቲ ኣቦታትና፡ ዋርሳ ኣቦሓጎታትና ኢዩ።
ስለ’ዚ፡ እዚ ደብተር ሕጊ ስርዓት ዓጽሚ ሓርማዝ ብምርካብ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እቲ ብጽፉፍ ኣገባብ ቀሪቡ ዘሎ ትሕዝቶኡ፡ ከም ኡ እውን እቲ ተወሳኺ ናይ ስርዓት እንዳባ መዝገበ ቃላት ዝምስገንን ዚድነቕን ስራሕ’ዩ።
ኣስመራ 26 ለካቲት 1993
ቀጺሉ ዝቐርብ ጽሑፍ ገለ ክፋል ካብ ትሕዝቶ እቲ መጽሓፍ’ዩ
1ይ ክፍሊ
ወግዕን ያታን ሕዝቢ እንጋንኣ
1ይ ምዕራፍ፡ ሕዝቢ እንጋንኣ
እዞም እንጋንኣ( እንጎ፡ በላዒ፡ ዝብኢ በዓል ብዙሕ ጥሪት ንዓ) ዚበሃሉ ሕዝቢ መሰረት ወለዶም ካብ ዐሌት ላዕለዋይ ሳባ እዮም። ኣብ ታሕታይ ወለዶ ግና ደቂ ገብሩ ኣደናይ ወይ ገብሩ ሀዳናይ እዮም ዚበሃሉ።
ገብሩ ሀዳናይ ምስ ኣሕዋቱ ኣብ ስርኹሶ ንብዙሕ ዐመታት ተቐመጠ። ካባኡ ናብ ሓዞ ወረደ። ካብ ሓዞ ሰቡን ማሉን ኣኪቡ ናብ የሕስኣ መጺኡ ኣቡኡ ተቐመጠ። ኣብ ኣሕሰኣ ከኣ ንሰለስተ ደቁ ንዑቕባንኪኤል፡ ንፍረንኪኤል፡ ንተስፋንኪኤል ወለደ። እዞም ሰለስተ ኣሕዋት ካብ ኣሕስ ኣ ናብ ዓይላ ጉንደት መጺኦም ኣብ ኡ ሰፈሩ፡ በዚ እዋን’ዙይ ጉንደት ዱር ጸሊም ህሮርማ በረኻ ህልም ዝበለ ገረብ እዩ ዝነበረ።
ፍረንኪኤል ካብ ዓይላ ጉንደት ካብ ኣሕዋቱ ተፈልዩ ኣብ ዝባን ሰራየ ምስ በጽሐ ዳብሮተይ(ዚጸዑኑ ኣብዑር) ኣብዮሙኒ ኢሉ ኣብ ኡ ተቐመጠ። ደቂ ፍረንኪኤል ኣብ ዐዲ ሓርካይ፡ ዐዲ ቀለቶ፡ ዐጸፋንፋን፡ ዐዲ ሓሰሮ፡ ታኺታ ይርከቡ።
ተስፋንኪኤል ግና ኣብቲ እዋንቲ ዓይላ ጉንደት ህሮርማ በረኻ ዝነበረ ዐድታት ሰሪሑ ክጣየስ ፈተወ። ደቁ ኣብ ዓዲ ደራጉዲ፡ ዐዲ ሃብስሉስ፡ ዐዲ ሽመኸል፡ እንዳ ምሕረት፡ ጻዕዳ ክስታንን፡ ዓይላ ጉንደትን ይርከቡ። ዓይላ ኣብ ሓሙሽተ እንዳ ይኽፈል፡ ጉንደት ከኣ ዕስራን ትሽዓተን ዕደታት የጠቓልል።
ዑቕባንኪኤል ብዙሕ ዘመናት ይገብር ካብ ሓው ተስፋንኪኤል ካብ ዓይላ ጉንደት ተፈልዩ ሰቡን ማሉስ ኣኪቡ ብኹዶፈላሲ፡ ብሸኻ-ወድብስራት፡ ብተራ እምኒ ኣቢሉ ናብ እንዳባድረይ ኣብ’ዚ ሕጂ መሬት እንጋናኣ ተባሂሉ ዚስመ ዘሎ ቦታ መጺኡ፡ ንእ ኡን ንደቂ ደቁን ኪኸውን ርስቲ ተረስተየ።
ከም ጽዋ መጠን ፈለማ ዑቕባንኪኤል ካብ ጉንደት ቅድሚ ምንቃሉ ክልቲኦም ኣሕዋት ዑቕባንኪኤልን ተስፋንኪኤልን ኪፈላለዩ ከለው፡ “ኣታ ንስኻ ንዓላኻ፡ ኣታ ንስኻ ንዓይላኻ” ተባሃሂሎም ብምኽሪ ተፈላለዩ እናተባህለ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ብሰብ መጋርያ ይዝንተወሎም።
ሓደ ሓደ ሊቃውንቲ ከም በዐል ፓሌራ ግና ሕዝቢ እንጋንኣ ኩላቶም ደቂ ዑቕባንኪኤል ኣይኮኑን ይብሉ። ገለ ደቂ ጸንዐደግለ ኣለው ገለ ገለ እዉን ካብ ቤት ጭዋ ሓማሴን ተፈንጪሎም ዝኸዱ ይርከቡ እዮም። ስለ’ዙይ እንጋናኣ ብዝተፈላለዩ መበቆል ዐሌት ዘለዎም ዝቆመ እዩ ይብሉ። ሓቆም ከይኮኑ’ውን ኣይተርፉን እዮም። እዚ ነገር’ዙይ ኣብ ትሕቲ “እምኒ ምድሪ እንጋና” ዚብል ኣርእስቲ ኾነ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ገጻት ሓቂ ከም ዝኾነ ክንርዳእ ንኽእል።
ዛንታ ታቦተ ኢየሱስ
ዑቕባንኪኤል ሰቡን ጥሪቱን ታቦቱን ካብ ሸኻ ወዲ-ብስራት ተላዒሉ ናብ ምድሪ እንጋንኣ ኪመጽእ እንከሎ ምድረሰማይ ስለ ዝዐረቦ ኣብ ተራእምኒ ሓደረ። ታቦቱ፡ ታቦተ-ስላሴ ኸኣ ኣብ ቤተኽርስትያን ኣእተዎ። ኣብ ቤተኽርስትያን ተራ እምኒ ክልተ ታቦት ብማዕረ ተነብሩ። ታቦት ስላሴ ናይ ዑቕባንኪኤል ታቦተ ኢየሱስ ናይ ተራእምኒ። ንለይቱ ወዮ ንዋየ ኣልባስ ኮነ ግምጃ ካብቲ ሓደ ታቦት ናብቲ ሓደ ታቦት ተገዓዐዘ። ምስ ነግ ሀ ሰብ ዑቕባንኪኤል ታቦትና ረኺብና ቢሎም ነቲ ታቦት ኢየሱስ ሒዞምዎ ከይቀልዕዎ ክሳብ እንዳባ ድሩይ መጹ። ኣብኡ ምስ በጽሑ እንተረኣይዎ ታቦት ኢየሱስ ኮይኑ ጸንሖም። ድሓን ዘይ ኩሉ ታቦት ኣምላኽ እዩ ኢሎም ታቦቶም ገቢሮም ሓዝዎ። ናይ ተራእምኒ ታቦት ግና ታቦት ስላሴ ኾይኑ ተሪፉ። ሕዝቢ ተራእምኒ ግና ንሕና ታቦተ ስላሴ ዝሓዝና ኣቡነ ብጹዕ ኣምላኽ እንዳ ብጹዕ ኣምላኽ ሰራየ ዝገድሙ ብዘበን ንጉስ ናዖድ 1495-1508 ቅድሚ 480 ዓመት ምስ ሰበኹልና እዩ እናበሉ ኣቦታትና የዘንትውልና ነበሩ ይብሉ። እዚ ኸኣ ምስ መጻሕፍቲ ታሪኽ ቁሩብ ዚጋጠጎ ይመስል። ከመይ ተራእምኒ ብዑቕባንኪኤል ጥቁር ኣያ ከቲማ።
Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleከመዓልካ ፈጣሪ!
Next Article ኣበሳ ኵናት
Mekonnen T.

Related Posts

እቲ ብሕጊ እንዳባ ዝምካሕ ነቲ ዓንቀጻቱ’ውን ከኽብሮን ክስረዓሉን ይግባእ

October 9, 2017
Read More

እንዳ ደጊያት ባህታ ሓጎስ በዓል ሰገነይቲ

September 20, 2014
Read More

ናብራ ዝኽሪ

September 11, 2014
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?