Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Saturday, May 24, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»መጽሓፍቲ ትግርኛ ኤርትራውያን ብቕድመ-ተኸተል (1ይ ክፋል)

መጽሓፍቲ ትግርኛ ኤርትራውያን ብቕድመ-ተኸተል (1ይ ክፋል)

0
By Mekonnen T. on March 7, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

AMAN TEKESTE W.

ብቋንቋ ትግርኛ ተደሪሶምን ተተርጒሞምን ዝተሓትሙ መጽሓፍቲ ኤርትራውያን ክንደይ ይበጽሑ? እቲ ዓይነት መጽሓፍቲ — ልብወለድ፡ ትርጒም፡ እኩብ ሓጺር ዛንታ፡ እኩብ ግጥምታት፡ ጥዕናዊ፡ ስነ-ልቦናዊ፡ ትምህርታዊ፡ ታሪኻዊ፡ ማሕበረ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን … ተሓቲሞም ናብ ህዝቢ ዝተዘርግሑ መጽሓፍቲ ክንደይ በጺሕና ንኸውን? ሰነዳት ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ ኤርትራ ቤት-ማሕተም ካብ ዝትከል ኣስታት 150 ዓመታት ኣቊጺሩ ኣሎ። እታ ቀዳመይቲ ቤት-ማሕተም ኣብ ከባቢ ከተማ ምጽዋዕ ብ1867 ከም ዝቈመት ታሪኽ ይነግር። እሞ-ኸ ደኣ ኣብ 150 ዓመታት ክንደይ በጺሕና ኣለና?

 

ሕትመት መጽሓፍቲ ትግርኛ፡ ብሃይማኖታዊ ጽሑፋት ኣቐዲሙ’ኳ እንተ ጀመረ፡ ልብ-ወለዳዊ ድርሰት ግን፡ በታ ኣብ 1887 ዝተሓትመት፡ “ጦብያ ንኢጣልያ መንገዲ ምስ ጦብላሕታቱን” እትብል መጽሓፍ ‘ፍስሓ ጊዮርጊስ’ ከም ዝጀመረ ሰነዳት ይሕብሩ። በዚኣ ዝጀመረ ሕትመት ድርሰት ትግርኛ፣ ኣይጸንሐን ደራሲ ፍስሓ ጊዮርጊስ፡ ደጊሙ “ቅያ ቀዳሞት ኣዕራብን ታሪኽ ኣግባጽን” እትብል ትርጒም መጽሓፍ ብ1890 ኣሕቲሙ። ፍስሓ ጊዮርጊስ፡ ኣብ ዓዲ ጥልያን ይነብር ብምንባሩ፡ ናይ ሕትመን ናጽነት ነይሩዎ እዩ። ብድሕሪ’ዚ እውን ኣብ መጀመርያ 1900ን መፋርቕ 1910ን ከም ብዓል፡ “40 ተረትን ጽውጽዋያትን”፥ “ዓለም ሰንኪ ክልተ ኣርወ ከም ተባርዔት” ዝብላ መጽሓፍቲ ኣብ ሮማ – ኢጣልያ ዝተሓትማ ነይረን እየን። ዋላ’ኳ ልብ-ወለዳዊ ድርሰት ትግርኛ ኣብ ወጻኢ ሃገር ይጀምር እምበር፡ ብሰንኪ ጸቅጢ መግዛእቲ ኢጣልያ፡ መጽሓፍቲ ሃይማኖት ብስዊድናዊትን ካቶሊካዊትን ሚስዮን፡ ስርዓተ-ሕጊ ዓደ’ቦን እንተ ዘይኮይኑ፡ ካልእ ኣይተራእየን። ኣብዚ ክትጥቀስ ዝግበኣ መጽሓፍ፥ “ፊደል ትግርኛ” እትብል ብ1896 ብሓደ ደብተራ ሩፋኤል ዝብሃል ዝተጻሕፈት፡ 55 ጽውጽዋያት፡ 78 ሕንቅልሕንቅሊተይን 471 ምስላታትን ዘጣመረት፡ ዕዙዝ ኣበርክቶ ካብ ዝነበረን መጽሓፍ፡ ብቐዳምነት እትስራዕ እያ።

 

ድሕሪ ምምጻእ እንግሊዝ ግን፡ ካብ መፋርቕ 1940ታት ክሳዕ ምውዳቕ ሃይለስላሴ (መፋርቕ 1970)፡ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት፡ ሕትመት መጽሓፍቲ ትግርኛ ብዝለዓለ መልክዑ ዝተመስከረሉ እዋን እዩ ዝነበረ። ከም ኣብነት፡ እታ ብ1927 ዝተጻሕፈት “ሓደ ዛንታ” እትብል ኣብ ሓቂ ዛንታ ዝተመርኰሰት ድርሰት ዕስክርና ናይ ገብረየሱስ ሃይሉ፡ ኣብ ከባቢ 1950 እያ ንሕትመት በቂዓ። እዚ ይኹን’ምበር፡ ምስ ምምጻእ መግዛእቲ ደርጊ፡ እቲ ዝዕንብብ ዝነበረ ሕትመታት መጽሓፍቲ ትግርኛ፡ ብሓቂ ንኸባቢ 15 ዓመታት ተቈጽዩ እዩ። ብውሑድ መጠን ግን፡ እቲ ሕትመት መጽሓፍቲ ትግርኛ ኣብ ስደት ይቕጽል ምንባሩ ምጥቃስ ኣድላዩ እዩ።

 

ንሕጂ እምበኣር፡ እተን ካብ 1887 ክሳዕ ሕጂ እዋን (ክሳዕ መወዳእታ 2016) ተሓቲመን ዘለዋ መጽሓፍቲ ትግርኛ ኤርትራ፡ ብዝተኻእለ መጠን ካብ መሓዙት ፈይስቡክ፡ ዌብሳይት፡ መጽናዕታዊ ጽሑፋት፡ ኣኪበ ናባኹም የቕርቦ ኣሎኹ። ኣብዚ 1ይ ክፋል፡ እተን ፋልማይ ድርሰታት ትግርኛ ክዝርዝረን እየ። ኣብ ዝቕጽል ክፋላት ድማ ከከም ዓይነት ትሕዝቶኡን ዓመተ-ሕትመቱን፡ 2ይ – 3ይ ክፋላት እናገበርኩ ከቕርበልኩም እየ።

 

 

*- ቀዳሞት መጽሓፍቲ ትግርኛ (ካብ 1887 ክሳዕ 1941)፤

 

1) “ብዛዕባ መገዲ እንካብ ጦብያ ንኢጣልያ፡ ነዙ ሃገር እዙይ እውን ብምርኣይ ኣብ ሰብነቱ ጦብላሕ ዝበሎ ጦብላሕታን” – ፍስሓ ጊዮርጊስ – (ኢጣልያ – 1887)

2) “እንካብ ዓረብኛ እተገልበጠ ቅያ ቀዳሞት ኣዕራብን እንካብ ኢጣልያ እተገልበጠ ታሪኽ ኣግባጽን” – ፍስሓ ጊዮርጊስ – (ኢጣልያ – 1890)

3) “ፊደል ትግርኛ” – ደብተራ ሩፋኤልን ዶ/ር ቪንክፊስት – (1896)

4) “40 ተረትን ጽውጽዋያትን” – ገብረመድህን ደግነይ – (1902)

5) “ንእሽተይ ትርጉም ኤርትራ፡ (ትግርኛ፡ ኢጣልያ፡ ዓረብ)” – ሓጎስ ተኸስተ – (1903)

6) “ትምህርቲ ቁጽሪ” – ገብረክርስቶስ ተኽለሃይማኖት – (1916)

7) “ዓለም ብሰንኪ ክልተ ኣርወ ከም እተባርዔት” – ታሪኽ 1ይ ኲናት ዓለም – ዘይተፈልጠ – (1916)

8) “ስርዓት ካርነሽም” – ማኪያ ኤ. ካቫሌሪ – (1910/1918)

9) “ስርዓት ናይ ሃብተስሉስ ናይ ገብረክርስቶስ ናይ ደቅተሽም” – ማኪያ ኤ. ካቫሌሪ – (1910/1918)
10) “ሕጊ ስሓርትን ላምዛን ወቀርትን ዳምባን” – ማኪያ ኤ. ካቫሌሪ – (1910/1918)
11) “ሕጊ ሎጎን ጭዋን” – ማኪያ ኤ. ካቫሌሪ – (1910/1918)

12) “ዛንታ ሃዘጋን ጸዓዘጋን” – ዮሃንስ ኮልሞዲን – (1912)

13) “መጽሓፍ ፊደል ሓበሻን ኢጣልያን” – ካቶሊካዊት ሚስዮን – (1931)

14) “መጽሓፍ መወልዳን” – ግርማጼን ገብሩ – (1936)

 

*- ካብ 1942 ክሳዕ 1955 ዝተሓትሙ፤

15) “ሓንቲ ኤርትራ” – ወልደኣብ ወልደማርያም – (1942)

15B) “ጋዜጣታት — መልእኽቲ ሰላም፥ ኣስመራ፥ ናይ ዕለት ወረ ኤርትራ፥ ናይ ኤርትራ ሰሙናዊ፥ ኢትዮጵያ፥ ዘመን፥ ዕለት ሰንበት፥ ሕብረት፥ ድምጺ ተቐማጦ ኣስመራ፥ ደሃይ ኤርትራ፥ ብርሃን፥ ፍኖተ-ብርሃን፥ መብራህቲ ኤርትራ፥ መልእኽቲ ሰላም፥ ኣንድነትን ምዕብልናን” – ካብ መጀመርታ 1940ታት ዝጀመራ፡ ኣብ ምንቅቓሕ ጽልዋ ዝነበረን ጋዜጣታት እየን።

16) “ናይ ሕርስን ሕማም ደቂ-ኣንስትዮን ክንክን ቈልዑን” – ትሬዛ ፓምኩስት ዲፒርቲስ (1942)

17) “ሓጺር መጽሓፍ ንባብ ትግርኛ፡ 44 ዛንታታት” – ይስሓቅ ተወልደመድህን – (1944)
18) “ኣካላት ሰብ” – ይስሓቅ ተወልደመድህን – (1944)
19) “ሓጺር ኣስተዋጽኦ ጂኦግራፊ ኣፍሪቃ” – ይስሓቅ ተወልደመድህን – (1944)

20) “ምዕዶ ዕድመን፣ ንሀገርና ጠቅሚ እንገብረሉ መንገዲ መግለጺ” – ማሕበር ፍቕሪ ሃገር – (1944)

21) “ስርዓተ ኣድከም ምልጋእ” – መሓሪ ዓንደመስቀል – (1944)

22) “ስርዓት ኣድግና ተገለባ” – ካህናትን መኳንንትን ንጥንታዊ ሕጊ እናተኸተሉ ዘቈምዎ – (1946)

23) “ስርዓት ሎጎጭዋ – ብሰፊሑ” – ካህናትን መኳንንትን ንጥንታዊ ሕጊ እናተኸተሉ ዘቈምዎ – (1946)

 

24) “ዝናን ተረትን ምስላታት ቀዳሞት” – ያዕቆብ ገብረየሱስ – (1947)

25) “ብርሃን ሕልና” – ተኽለሃይማኖት መንግስትኣብ – (1947)

26) “ናይ ፊደላትና ምርምርን ሓጺር ኣማህራን” – ገብረኢዮሱስ ሃይሉ – (1949)

27) “ስዋሱው ትግርኛ” – ማቲዎስ ሓጎስ – (1951)

28) “ሓደ ዛንታ” – ገብረየሱስ ሃይሉ – (1950)

29) “ትግርኛ ንጀመርቲ 3ይ ሕታም” – ወልደኣብ ወልደማርያም – (1951)

30) “ሓጺር ዛንታ ህይወት ፍራንቸስኮ በዓል ኣስዚ” – ገብረሚካኤል ወልደገርጊስ – (1951)

31) “ትንሳኤን ዓወትን፣ ንእግዚኣብሐር ዝሰኣኖ ነገር የልቦን – ጸጋኢየሱስ ኢያሱ – (1953)

32) “መባእታ ቁጽሪ ብትግርኛ” – ይስሓቅ ተ/መድህን – (1953)

33) “ወጋሕታ ናጽነት” – ተኽላይ ዘወልዲ – (1954)

34) “ካብ ይቕሬታ ንላዕሊ” – ጸሃየ ኣብርሃ – (1954)

 

*- ካብ 1956 ክሳዕ 1966

 

35) “መጽሓፍ ፊደል፡ ቋንቋ ትግርኛ” – ወልደኣብ ወልደማርያም – (1956)

36) “ዓርኪ ተምሃራይ” – ስዊዲናዊት ሚስዮን – (1956)

37) “መዝገበ ቃላት ትግርኛን ኣምሓርኛን” – ዮሃንስ ገብረእግዚኣብሄር – (1956)

38) “ናይ ኢትዮጵያ ሕጊ መንግስቲ – መንግስቲ ኢትዮጵያ – (1956)

39) “ታሪኽ ኢትዮጵያ” – ማቴዎስ ሓጎስ – (1956)

40) “መርሓ ኪዳን፡ ብዛዕባ ሕጸን ምልሶትን ኣኽብሮ ወለድን” – በርሀ ኣርኣያ – (1956)

41) “ወግዒ ቀዳሞት” – ተኽላይ ዘውዲ – (1957)

42) “ዛንታ ህይወታውያን” – ኣስፍሓ ካሕሳይ – (1957)

43) “መንገዲ ምስ ወዲ ዓዲ” – ተስፋሚካኤል ገብረክርስቶስ – (1957)

44) “ገንዘብን ኣተሓሕዝኡን” – ገብረእግዚኣብሔር ኣድሓኖምን ዘውደ ካሕሳይን – (1957)

45) “ሮቢንሶን ክሩሶ” – መም/ ሙሳ ኣሮን – (1958)
46) “ቀቢረዮ በሉኒ” – ደበሱ ኣበባ – (1958)

47) “ፍቕሪ ኣደ” – ፍስሓ ተስፋጋብር – (1958)

48) “ካብ መርዓ ወለላ” – ትዃቦ ኣረስዕ – (1958)

 

49) “ስዋሱው ትግርኛ፡ ንመጀመርያ መጽሓፍ ስዋሱው” – ኣባ ያዕቆብ ገብረየሱስ – (1959)

50) “ዝተዋጽአ ታሪኽ” – ሃይለ ተስፋይ – (1959)

51) “ሓሳባት ደቂ-ሰብ ተለዋዋጢ እዩ” – ተስፋዝጊ ገብረእግዚኣብሄር – (1960)

52) “ህንጻ መንግስቲ ናይ ኤርትራ” – ምስሌነ ሕቡራት መንግስታት – (1960)

53) “ስራሕ” – ገብረትንሳኤ ሓጎስ – (1961)

54) “ካብ ቡቕሊ ክሳብ ቀውዒ” – ተኽለሃይማኖት መንግስትኣብ – (1961)

55) “መጽሓፍ ክንክን ጥዕና” – ገብራት ወልደሚካኤል – (1961)

56) “ናይ ምስትውዓል ዋጋ ሞያ” – ሓይለኣብ ገብረእግዚኣብሄር – (1961)

57) “ዓለም ትሽዓተ” – ቀለታ ኪዳነ + ገ/ሚካኤል ገ/ገርግስ – (1962)

58) “መሰረት ጥዕና” – ጳውሎስ ገብረሚካኤል – (1962)

59) “መሰረት ዓሌት ሕዝቢ መረብ ምላሽ” – ገብረኢየሱስ ኣባይ – (1962)

 

60) “መን’ዩ በደለኛ” – ኣርኣያ በላይ – 1963

61) “ሓፈሻዊ ሕግን ናይ ፖሊስ ተግባርን” – ጀነራል ተድላ ዑቁቢት (ኪዳነ በርሀ፡ ዘርኣይ ሃ/ስላሴ፡ ተ/ሚካኤል ገ/መድህን) 1963

62) “ምቁር መርዚ” – በርሀ ኣርኣያ – (1964)

63) “ካብ ዓሳ ምግፋፍ ሰብ ምግፋፍ” – ሚካኤል ብርሃነ – (1964)

64) “ዛንታ ኢትዮጵያ” – ጳውሎስ ዘፈሩ – (1964)

65) “ካብ ኣረሙኝ ሳልሳይ ዳዊት” – ብርሃነ መስቀል ዓንዶም – (1964)

66) “ዓቢዱ-ዶ ትብልዎ?” – በየነ ሃይለ – (1964)

67) “ጐደና ትምህርቲ፡ መጽሓፍ ፊደል” – መም/ ሙሳ ኣሮን – (1964)

68) “ስለምንታይ ሓደ ካብ ናይ የሓዋ መሰኻኽር ዘይኮንኩ” – ኤልያስ ጊላዝጊ – (1965)

69) “ዓለም ከይነዓቅካ ጽቡቕ ኣይስራሕን ሞት ከይዘከርካ ፈጣሪ ኣይፍራሕን” – ብርሃነ መስፍን – (1965)

70) “ልብን ሳዕርን እናሓደረ ይበቁል” – ኣስረስ ተሰማ – (1965)

 

71) “ዕድል ድኻ ተማሃራይን ሃብታም መምህርን” – ዓንደሚካኤል ማሉ – (1966)

72) “ዘደንቅ ታሪኽ ብርሃኑ፡ ኣድጊ ነይሩ ሰብ ኮይኑ” – ፍስሓ ዮሃንስ – (1966)

73) “ሽግረኛ ይዕወት እዩ” – ታረቐ ንጉሰ – (1966)

74) “ወርቅሃ” – መም/ ሙሳ ኣሮን – (1966)
75) “ሕልሚ ድኻ” – ፍስሃየ ሓድጉ – (1966)

76) “ንዓ ናባይ፡ መንገዲ ሓጎስን ሃብትን ትደሊ ዲኻ?” – የዕብዮ ዑመር (ኣባሓበሽ) – (1966)

77) “ሕርሻ” – ሓይለ መለኮት ካ ዳሚያኖ – (1966)

78) “መዓዛታት መግብን ኣተዓባብያ ሕጻንን” – ዛፈወርቅ ፍስሓ – (1966)

79) “ጥንታዊ ምሳሌ ናይ ኢትዮጵያ” – ሞጎስ ዑቕባገርጊስ – (1966)

80) “ኣምሓርኛ ተማሃሩ” – ዘካርያስ ገ/ስላሴ – (1966)

81) “ሜሪ ጆንሶን” – ዮሴፍ ሃብተሚካኤል – (1966)

82) “ናይ ኣቦታት ጥንታዊ ምሳሌ” – ሊቀ መዘምራን ሞጎስ ዑ/ጊዮርጊስ – (1966)

 

*- ካብ 1967 ክሳዕ 1970

83) “መጋረጃ፡ ናይ ደም ጽሑፍ” – ኣስረስ ተሰማ – (1967)

84) “እምባፍራሽ” – መም/ ሙሳ ኣሮን – (1967)

85) “ሓየሎም ወደ’ስመራ” – ይስሓቕ ዮሴፍ – (1967)

86) “ሓንቲ ጓል ኣፍቂረ” – ቀሺ እምባየ ህብትዝጊ – (1967)

87) “ጥሪ ዕብዲ” – በርሀ ኣርኣያ – (1967)

88) “ወጠጦ እንዳ’ቦይ ዓንዱ” – በርሀ ኣርኣያ – (1967)

89) “ኣይንፈላለ” – ምስግና ተኸስተ – (1967)

90) “ናይ ምስጢር ደብዳቤ” – ዑቕባይ ወልደገብርኤል – (1967)

91) “ናይ ምስጢር ማህደር” – ዑቕባይ ወልደገብርኤልን ኣሰፋው ተኸስተን – (1967)

92) “ክሓልፈልና-ዶ እምበር’ዩ” – የዕብዮ ዑመር (ኣባሓበሽ) – (1967)

93) “ሙንፍሊት” – ተስፋዝጊ ገብረእግዚኣብሄር – (1967)

 

94) “ራህዋ ድሕሪ ስቃይ” – ሓየሎም ኣድሓነ – (1968)

95) “ዋይ ኣነ ደቀይ፣ ሰኣን ምምካት-ዶ” – ኣበባ ተስፋገርግስ – (1968)

96) “ባዕሎም ይፍረዱኺ” – ተስፋማርያም ወልደጊዮርጊስ – (1968)

97) “መን’ዩ ዘድሕነኒ” – ይትባረኽ ገብረትንሳኤ – (1968)
98) “ምሸት ምሸት መርዓ” – ኣብርሃ ገብረህይወት – (1968)

99) “ኣይወረስኩን” – ኣለምሰገድ ተስፋይ – (1968)

100) “ንውሉዱ ምኽሪ፡ ንወለዱ ዝኽሪ” – ሃይለ ዘወልዲ – (1968)

101) “መጋረጃ፡ ዝተሓዝለ ሰብኣይ” – ኣስረስ ተሰማ – (1968)

102) “ኣይነበርኩን” – ኣርኣያ በላይ – (1968)

103) “ንመን እየ ዝነግሮ” – ኣበባ ተስፋገርጊስ በዓታይ – (1968)

104) “ገርሲት ሩባ ሞት” – ይስሓቅ ኣብርሃም – (1968)

105) “መርሃ ህጻናት፡ ትግርኛ ኣምሓርኛ መዝገበ ቃላት” – በርሀ ወ/ማርያም – (1968)

106) “ዕግርግር ደቡብ ሱዳን” – ኣብርሃ ገብረሂወት – (1968)

107) “ሓደ ኤርትራዊ” – ይስሓቅ ዮሴፍ – (1968)

108) “ሕንዛም ፍቕሪ ህድኣት” – ይስሓቕ ዮሴፍ – (1968)

109) “መስገደላት ፍቕሪ ሕርይትን መሪር ሳዕቤናቱን” – ይስሓቅ ዮሴፍ – (1968)

 

110) “መንክር ክትስሕቁ ዶ ምደለኹም” – ኢያሱ ኣስፍሓ – (1969)

111) “ክልተ መፋትሕ” – ኣስረስ ተሰማ – (1969)

112) “ሓደ ወዲ ኣፍቂረ” – ቀሺ እምባየ ህብትዝጊ – (1969)

113) “ፍቕርን ዝኽትምናን” – ዮሃንስ ወንድማገኝ – (1969)

114) “ሮምዮን ጁሌትን” – ዮሴፍ ሃብተማርያም – (1969)

115) “ከነዋግዓኩም” – ዑቕባዝጊ የዕብዮ – (1969)

116) “ማሕበር ሰራሕተኛታት እንታይ እዩ?” – ብርሃነ መስቀል ዓንዶም – (1969)

117) “ህይወት ቅድስቲ ሪታ” – ካቶሊካዊት ሚስዮን – (1969)

118) “ድንገተኛ ፍቕሪ ንጽህቲ” – ይስሓቅ ዮሴፍ – (1970)

119) “ጽቡቕ ውሳኔ” – ንጉሰ ሃይለ (መንስዓይ) – (1970)

120) “ኣይበደልኩን” – ሚካኤል መሓሪ – (1970)

121) “ዘይሕበል ፈራዲ” – ዮሴፍ ሃብተሚካኤል – (1970)

122) “ንስኻን መሬትካን” – ኣስረስ ተሰማ – (1970)

123) “መጽሓፍ ንባብን ኣስተዋጽኦ ፍልጠትን” – መንግስቲ ኤርትራ – (1970)

124) “ሓድሽ ሕጊ ተዝካር ዜናኡን ትርጉሙን ምስ ኣብ ዝሓለፈ 40 ዓመታት ዝነበሩ ሕግታት ስርዓት እንዳ’ባ – ዘውደ ካሕሳይ – (1970)

125) “ታሪኽ ኢትዮጵያ ምስ ሕጽር ዝበለ ዛንታ ዓለም” – ያይንሸት ገብረእግዚኣብሔር – (1970)

 

*- ካብ 1971 ክሳዕ ምውዳቕ ሃ/ስላሴ 1974

126) “እንተዝፈልጥ ኔረ” – ኣስመሮም ሃብተማርያም – (1971)

127) “ንኻልኦት ኢልካ ዝኾዓትካያ ጉድጓድ ባዕልኻ ትኣትዋ” – ሓድሽ ወልደገርግሽ – (1971)

128) “ሞተር፡ መሰረት ሓይሊ” – ዮሴፍ ገብረእግዚኣብሔር – (1971)

129) “መኻን መዓልቲ” – ሚካኤል መሓሪ – (1972)

130) “ማክበት” – መም/ ሃይለ ተስፋዝጊ – (1972)

131) “ዘይወዓልኩዎ ቅትለት” – ልጃም ይስሓቕ – (1972)

132) “ኩሉ ሓላፋይ እዩ ናይዛ ዓለም ነገር” – ጠዓመ ፍትዊ – (1972)

133) “ጥንታዊ ወግዕን ስነ-ስርዓት ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ” – ያዕቆብ ገብረየሱስ – (1972)

134) “ትውልዲ ለጓን ዘኦም ወርቅ” – ቦኽረጽዮን ማሕጸንተማርያም – (1972)

135) ሰማእታት ካታኮምቦ – ቀሺ እምባየ ሃብትዝጊ – (1972)

136) “ማርቆሳይ ወይኒ ምስ ሕምባሻይ” – ኣባ ይስሓቅ ገብረእየሱስ – (1973)

137) “ትጽቢታዊ ተስፋ” – ምሕረትኣብ መብራህቱ – (1973)

138) “ጥንታውን ዘመናውን መርዓን መውስቦን ኤርትራ” – ዘውደ ካሕሳይ – (1974)

139) “ሓንቲ መፍትሕ ንግዜያውያን ሰባት” – ግርማይ ኣርኣያ – (1974)

 

ይ ቕ ጽ ል !

 

መወከሲን ዝተሓባበሩን፤

እዚ መጽሓፍቲ ትግርኛ፡ ካብ መጀመርያ ሕታሙ ክሳዕ እዚ እዋን ምዝርዛር፡ ውልቃዊ ሓሳብን ጻዕርን እኳ እንተዀነ፡ ይውሓድ ይብዛሕ ኣበርክቶ ዝነበሮም ውልቀ-ሰባት ኣሎዉ፤

 

Mahre Abram፥ ማማይ ምሕረትኣብ፥ ምሕረት ኣምላኽ፥ ደምሳስ ጸጋይ፥ ናቱ ወለላ መርበብ-ሓበሬታ፥ ደንደን ሰሎሞን፥ ማይኮ ተኽለ፥ ሓበን ተኽለ፥ ሜሮን ዓጽመገርግሽ፥ ሚካኤል ፍጹም፥ ሙኒር ሰዲግ፥ ሲራክ ኣብርሃም፥ ወሓዚት ኣብርሃም፥ መንገሻ ሃብተ፥ ሓበን ፍትሓዊ፥ ከማል ዓሊ፥ ተኽሊት ከሰተ፥ ሰሎሞን ተኸስተ፥ ክፍላይ ጋይም ኪዳናይ፥ ሓጎስ ፍስሃ፥ ወዲ-ገረብ-ወዲ-ዓዲ (ሃብቶም)፥ ባሕሪ ሓድጉ፥ ዳዳ ቀላቲ፥ ከሰተ መዓሾ፥ ገባር ሃብተ፥ ሃብቶም ወልደዮሃንስ፥ ኣንቶንዮ ተስፋይ፥ መኮነን ተስፋይ፥ ፊሻለ ተስፋይ፥ ኰኾብ ተስፋልደት፥ ተኽሊኖ ኣፈወርቂ፥ ሜላ-ኣተዓባብያ (ተስፎም)፥ ግን-ዓለም፥ ለ-ቲና፥ መርሃዊት ኣብርሃ፥ ዮናስ ገብራይ ሚነይ፥ ወዲ-ኤሪ-ሳውዝ፥ ከም-ዓለመይ፥ ወጊሑ ዋሕሶም ተስፋማርያም፥ ኣልኣዛር እያሱ፥ ነገደ መብራህቱ ሰረቐ፥ መርሃዊ-መራ፥ ኣባድ ሽመንዲ፥ ኢልያስ ሓሰን፥ ገዛ-ማንዳ፥ ተስፋይ ገብረየሱስ፥ ኣብርሃለይ ተስፋሁነይ፥ ሓድሽ ኣብርሃ፥ ሳሚ ሰስ፥ እምነት ሲነዶስ፥ እሙን እዩ ኣምላኸይ (ሚለይ)፥ ዳዊት ዑቕባማርያም፥ ትግስቲ ክፍሎም፥ ወዲ ኣስፈሃ፥ ዓንዶም ላይነ፥ ቴድሮስ ጸጋይ፥ ሽሻይ ሹመንዲ፥ እዮብ ቲ-ከይ፥ ካሕሳይ መሓሪ፥ ማቲዎስ ዘርኣይ፥ መርሃዊ ተኽለ፥ ታደሰ ክፍለ፥ ኢመር-ኢንጆይ፥ ዳዊት በራኺይ፥ ኤልሻዳይ መስፍን፥ ሃብቶም ኪሮስ፥ በረኸት የማነ፥ ተሜ ኤማ፥ ኤሳው ሃይለ፥ ቴድሮስ ኣፈንጉስ፥ ሓሚድ መሓመድ፥ ሓበን ተመልሶ፥ መድሃኔ በረኸት፥ መድረኽ ኣብርሃም፥ ተኽለዝጊ፥ ስምኦን ገ/ትንሳኤ፥ ሕሩይ ብርሃነ፥ ጠቢብ መሲናስ፥ ባና-ሰላም

 

www.africantriangle.com

Facebook: Eritrean Books Page

መጽናዕታዊ ጽሑፍ – ኣብርሃም ነጋሽ

 

07/03/2017

*********

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleዕላል ምስ ሰለስተ ዕውታት ውድድር ግጥሚ 4ይ ዓመት ኣብ ዛራ-ገጠምቲ
Next Article መጽሓፍቲ ትግርኛ ኤርትራውያን ብቕድመ-ተኸተል (2ይ ክፋል)
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?