Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ህዝብታት ሓበሻን መበቆሎምን

ህዝብታት ሓበሻን መበቆሎምን

0
By Mekonnen T. on December 17, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ኤፍሬም በየነ

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘምልኣኒ እልቢ ዘይብሉ ቅጥዕታት ኣብቲ “ብሄር?” ዚብል ሕቶ ትግርኛ ኢለ እየ ዝመልኦ። ገለ ካብ ካልኦት ብሄራት ዝኾኑ ኣሕዋትና ነቶም ንርእስና ከም ትግርኛ እንቖጽራ “ሓበሻ” ኢሎም ከም ዚጠቕሱና ካብ ዘስተውዕል ነዊሕ ገይረ ኣለኹ።

ዘይተጸበኽዎ ግብረመልሲ ወይ ዘረባ ኪገጥመኒ እንከሎ ግና ኣመል ኮይኑኒ “ኣየ ሓበሻ!” ኢለ እየ ዝግረም። ሓደ ሓደ ግዜ ናብቲ ኣብ መንደቕ ገዛና እተሰቕለ ኣትላስ ቅርብ ኢለ ነተን ሃገራት በጻብዕተይ እናዳህሰስኩ፡ ካብዚ ኹሉ ዓለም’ሲ ከመይ ኣቢለ ኣብዚ ዓሊበ ወይ ተፈጢረ? ኢለ እግረም። ሽዑ ብዛዕባ ባንግላዴሽ፡ ሮሂንግያ፡ ኣፍቃኒስታን፡ ህንዲ ክሓስብ ኣይደልን እየ። እታ ኣዚያ ተምሳጥ ዘሕደረትለይ ዝተኻሕደ ወለዶ እትብል ግጥሚ በዕውቀቱ ስዩም እናሰላሰልኩ  “ኣንታ ኣምላኽ ንምንታይ ኣብዚ መሬትዚ ክፍጠር ገበርካኒ” ኢለ አማርር።

ኣብዛ መሬትዚኣ ተፈጠርኩ ደኣ  እምበር ካብ ሽቑረራ፡ ካብ ስእነት፡ ዘይደለኽዎ ክገብር ካብ ምግዳድ ዝቐሰንኩላ ግዜ ኣይዝከርንን እዩ። ኣብዚ ከምዚ ሃዋሁ እንከለኹ ኣብ ከባብና እንተረኣኹስ ኣብ ኩሉ እዩ ሓዊ ቃልቃል ዚብል፡ ወይ ኣብ ኪፍንጀር ደቓይቕ ዚቖጽር ዘሎ ፈንጂ ኮፍ ከም ዝበለ ኮይኑ ይስመዓካ። ኮንዶኾን እዚ ሓበሻ ዝበሃል ህዝቢ ብሰላም ክነብር ዘይተዓደለ ኮይኑ ደኣ? ኢለ ከኣ አስተንክር።

ከማይ ሓበሻ ዝብሎም ደቂ ሃገረይ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጾም “ሓበሻ ኣይኮንኩን ኤርትራዊ እየ!” ዚብል ጭርሖ ለጢፎም ምስ ረኣኹ ግና መንዩ ደኣ ሓበሻ? ዝብል ሕቶ ኮርኲሑኒ።

ንምዃኑ መንዩ ሓብሻ መንዩኸ ሓበሻ ዘይኮነ? ኣብ ዊኪፔድያ “ሓበሻ ተባሂሎም ዝጥቀሱ ህዝብታት ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝርከቡ እንተላይ ኣምሓራ፡ ትግራይ ትግርኚን ትግረን ኮይኖም ኣምሓራን ትግራይ ትግሪኚን ካብ 332 AD ጀሚሮም ብዓብላሊ ሰዓብቲ ኦርየንታል ክርስትና እዮም። ትግረ ግን መብዝሕትኦም ሙስሊም እዮም። ኣምሓራን ትግራይን 33% ካብ ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘቑሙ ኮይኖም፡ ተዛረብቲ ሴማዊ ቋንቋ ዝኾኑ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ህዝብታት ጉራጌን ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኢትዮጵያ ዘለዉ ህዝብታት ሃረሪንውን ብምኽንያት ዘለዎም ዱልዱል ታሪኻዊ ምትእስሳር ኣብቲ ግፍሕ ዝበለ ትርጉም ናይዚ  ሓበሻ ዚብል መጸውዒ ዚጠቓለሉ እዮም። ብሓፈሻዊ ኣረዳድኣ ግን ሓበሻ ዚብል መጸውዒ ንዝኾነ ካብ ኢትዮጵያ ወይ ኤርትራ ዝኾነ ኪውክል ዝኽእል ኮይኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ኦሮሞን ህዝብታት ደቡብን ኣብ ኤርትራ ከኣ ከም ራሻይዳን ኩናማን . . . ዝበሉ ገለ ብሄራት ንርእሶም ኣብዚ መጸውዒ ኣየጠቕልልዎን እዮም።” ይብል።

ኣብ ዊኪ ዘንበብክዎ ተዋሳኺ ንባብ ረኺበ ምእንቲ  ከራጉዶ ኢለ ገለ መጻሕፍቲ ሃሰስ በልኩ።

ሪቻርድ ፓንክረስት ኣብ መእተዊ ናይ እታ The Ethiopian Royal Chronicles እትብል ኣብ 1967 ዓ.ም ዘሕተማ መጽሓፉ ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ “ሳባውያን ህዝቢ ደቡብ ዓረብ ኣብ ሞንጎ ሳልሳይን ሻብዓይን ዘመን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ዝነበረ እዋን ቀይሕ ባሕሪ ብምስጋር ኣብ ከበሳታት ኤርትራ ከም ዝሰፈሩ ከም ዝኣምኑ ጽሒፉ ኣሎ። እቲ መሰረቱ ኣብዚ ፍልሰት ዝገበረ ኣኹስማዊ ግዝኣት ወይ ኢምፓየር ናይ ባዕሉ ፍሉይ ስልጣነ ኣማዕቢሉ ነበርቱ ብተዛማዲ ዝማዕበለ ኣገባብ ማሕረስ የዘውትሩ ኣብ ልዕሊ ምንባሮም፡ ምስ ኣብ ከባቢ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበራ ሃገራት ሰፊሕ ንግዳዊ ልውውጥ ይገብሩ፡ ብተወሳኺ ብእምኒ ብሉጻት ሃነጽትን ነዳቖን ምዃኖም ኣመስኪሮም ነበሩ።

ኣኽሱማውያን ነዚ ሎሚ ግእዝ እንብሎ ቋንቋን ፊደላቱን ዘማዕበሉ ኮይኖም፡ ግእዝ ካብቲ ሴማዊ ቃንቋ ሳባውያን ብዙሕ ዝተለቀሐ ይኹን እምበር ፡ ብቛንቋ እቶም ኣቐዲሞም ኣብዚ ገማግም ኣፍሪቃ ዝነብሩ ዝነበሩ ህዝብታትውን ኣዝዩ ተጸልዩ እዩ።” ይብል።

 

ካልእ ብዛዕባ ኣመጻጽኣ ህዝቢ ሓበሻ ጠላሕ ዝብለኒ ብኣባ ይስሓቕ ገብረየሱስ ኣብ 1992 ዓ.ም “ፍረዱ!” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተሓትመት መጽሓፍ ዘንበብክዎ ከኣ ከምዚ ዚብል ይርከቦ፥

“ኩሎም ተመራመርትን ምሁራትን ከም ዚሰማምዕሉ፡ ደቡብ ዓረብ ማለት እዚ ናይ ሎሚ የመናት፡ ካብ ሰሜን ዓረብ ፍልይ ዝበለ፡ ነሓድሕዱ ግን ብቐረባ ዝተቐራረበ ላሃጃታት ዚዛረቡ፡ ሴማውያን ዝተባህሉ ነገዳት ይነብሩሉ ነበሩ። ኣብ ሴማዊ ዓለም ከኣ ርእሱ ዝኸኣለ፡ ካብቶም ካልኦት ሴማውያን እውን ዝተፈለየ ኣሃዱ ያኢ የቑሙ ነበሩ። ኣገዳሲ ዝኾነ ናይ ንግድ ምንቅስቓሳት ከኣ ኣማዕበሉ። ኣውራ ናይ መገዶም መስመር ናብ ምብራቓዊ ገማግም ማእከላይ ባሕሪን ናብ ከባቢ ፈለግ ኤፍራጥስን ዝቐነዐ ነበረ። ጸኒሖም ንግዶም ናብ ዓዲ ህንዲውን ከይተረፈ ኣቕንዕዎ።

እዚ ናይ ማእከላይ ባሕርን ናይ ዓዲ ህንድን ንግዳዊ ርክቦም፡ ምስ ዓበይቲ ስልጣነታት ኣላለዮም እሞ፡ ፍረ ጽልዋታቱ እውን ኣርኣየ።ኣብ 9ይ ዘበን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣቢሉ ኣብ የመን፡ ብሲቪላውን ፖለቲካውን ኣወዳድባ ዝተፈላለየ ደርብታት ዘለዎ ርሻናት፡ ዝተራቐቐ ስርዓተ መስኖ፡ ኮታ ሓደ ናቱ ጠባይ ዘለዎ ክብ ዝበለ ስልጣነ ድሮ ዓምቢቡ ነበረ።

 

እቶም ደፋራት ባሕረይናታቱ ምስ ገማግም ኣፍሪቃውን ኣላለይዎ።ምስ ግዜ ናይ ምጅላብ ክእለቶም እውን ምስ ተመሓየሸ ከኣ ደቡብ ዓረባውያን ንምብራቕ ኣፍሪቃ ተዘርግሕዎ። ኣብ ቀዳማይ ዘበን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ እኳ ኣብ ናይ ሎሚ ታንዛንያ ከም ዝጎይተቱ ይፍለጥ።

ካብ ሓያሎ ዘበናት ቅ.ል.ክርስቶስ ከኣ፡ ደቡብ ዓረባውያን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዓብሊሎም ነበሩ።ኣብ ከባቢ ሹግሹግ ዓሰብ ዝነበረ “ሳባ” ኣብ ግራር ዝነበረት “ሰባት” ካብ ዓጊግ ንደቡብ ዝነበረት “ሰባይቲኮ”ን ወዘተ ዝብሃላ ሳባውያን ከተማታቶም ምዕቡላት ነበራ። ህይወትን ትንፋስን ናይዝን ካልእ ከምኡ ዝበለ ባሕራዊ ከተማታትን ከኣ፡ ኤርትራዊ የብስ ማለት፡ ቅድም ጎላጉል ጸኒሑ ከኣ ከበሳታት ኤርትራ ነበረ።

ጉጭ ሓርማዝ፡ ገላዩ፡ ዕጣን ወዘተ. . .እቲ ዝግፈጥ ዝነበረ ቀንዲ ቀንዲ ተነጋዲ ሃብቲ ነበረ።

 

ምብራቓዊ ቆላታት ኣብ ዚዝሕለሉ ከበሳ ዚውዒ፡ ከበሳ ኣብ ዚዝሕለሉ ወቕቲ፡ ቆላታት ዚውዒ ስለዝኾነ ከኣ፡ ደቡብ ዓረባውያን ንኸበሳውን ፈለጥዎ። ዋሕዚ የመናውያን እናጸዓቐ ከደ። ኣብ ከበሳ ከኣ ሕርሻውን ንግዳውን ወተሃደራውን ንቑጣታት ኣቖሙ። ናብቲ ዝያዳ ዕጣናት ጉጭ ሓርማዝን ዚረኽቡሉ፡ ንምዕራብ ክሳብ ዶብ ኒል ተዘርግሑ።

ደቡብ ዓረባዊ ሕመረታት ከኣ በብቑሩብ ሰሰነ’ሞ፡ ንደቡብ መረብን በለሳን ኣቢሉውን ተጋፍሐ። ብቑጽሪ ብምብዝሖምን ምስ ደቀባት ብምድቓሎምን፡ ንኣፍሪቃ ከም ዓዶም ወሲዶማ ብነገዳት ቆሙ። ብሴማውያን ናይ ደቡብ ዓረብ ዝቖመ ገዛኢ ደርብን ብደቀባት ዝቖመ ግዙእ ደርብን ከኣ ተፈጥረ።

 

ህስስ ዝበለ ስእለ ስልጣነ ደቡብ ዓረብ ኣብ ኣፍሪቃ ተተኽለ። ነቶም ገዛእቲ ነገዳት ዓብሊሉ ንግስነት ዝመስረተ ሓያል ደቡብ ዓረባዊ ነገድ፡ ሓደ ካብ “ሄሎያ” ዝተባህለ ነገድ ነበረ። ካልእ ኣገዳሲ ነገድ’ውን ነገድ “ግእዝ” ኣብ ሽመዛና ዝሰፈረ ነበረ።

 

ደቡብ ዓረባውያን ነቲ ዝሓዙዎ ምድርታት ንመዘከርታ ምድርታት ዓዶም ይሰምይዎ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ከይተረፈ፡ ኣብ ኤርትራ ይኹን ኣብ ትግራይ፥

 

-ሓውዛን  ዝነበረ  ሓውዜን

-ሰሓርታን  }}     ሰሓርቲ

-ሳርዋን     }}     ሰራወ፡ ሰራየ

-ሊበን      }}     ሊባን

-ኣሕስያሕ  }}     ኣሕሳኣ፡ስያሕ ወዘተ ዚበሃል ንረክብ።

 

ደቡብ ዓረባውያን መራሕቲ ነገዳት እቲ ብሰብን (ግልያታት)ብኻልእ ሃብትን ዝቖመ ግብሪ እናዋጽኡ ናብ መቦቆላዊ ዓዶም ምልኣኽ ዚስርሖም “ተገውቲ” እውን ስለዝነበሩ፡ ብደቡብ ዓረባዊ ቋንቋ ነጋሲ፡ ኣብ ስሳነ ከኣ “ነገስታት” ወይ ነጋስያን ይበሃሉ ነበሩ።

ስልጣን ንጉስ ሳባ ኣብ ዓዲ ዓረብ ይዓርብ፡ ናይ ኣፍሪቃ ደቡብ ዓረባውያን ከኣ ብርእሶም ሓዲሮም ነጻ ይኾኑ እሞ፡ ሓደ ነጋሲ ንኹሎም ነገስት ጠርኒፉ “ንጉሰ ነገስት” ብዚብል ንግስነት ይምስርት። ነገሰ ዚብሃል ግሲ ካብ ተገወ ናብ “ኣዘዘ” ዚብል ትርጉም በብቑሩብ ተለዊጡ ማለት’ዩ። ንጉሰ ነገስት ካብ ነገድ “ሓበሻት” ጥራይ ይወጽእ ስለዝነበረ ከኣ፡ እቲ ንግስነት ሓበሻት ይበሃል ነበረ። ኣብዚ ዞባዚ “ዓረብያ፡ ባቢሎንያ” ወዘተ. . . ከም ዝበሃል ከኣ “ዓድ ሓበሻት” እውን ምእንቲ ምባል “ሓበሽያ” ተባህለ። ኣብቲ ዝተናውሐ ኣጠቓቕማን እተን ክልተ ዳሕረዎት ድምጺ (ሺያ) እውን “ሻ” ብዚብል ድምጺ ስለ ዝተጠርነፈ “ሓበሻ” ተባህለ። ብፈረንጂ እውን “ኣቢሲኖ፡ ኣቢሲን፡ ኣቢሲንያ” ስለዚ ከኣ፥

ካርሎ ኮንቲ ሮሲኒ ከምዝብሎ “ኣቢሲንያ ካብ ሓበሻት ማለት ኣብ ትግረ ካብ ዝዓብለለ ስም ሓደ ሴማዊ ህዝቢ ዝመጸ እዩ። ብታሪኻዊ ምኽንያት ካብቲ ናይ ቅድም ዶባቱ እናስፋሕፍሐ ከደ  ኣራረየ፡ ኣጠራቐመ፡ ካብ ዝብል ናይ ዓረብ “ሑበሻ”  ማለት፡ ደቅ ሓደ ነገድ ንዘይኮኑ ሕውስዋስ ህዝብታት ዝባሃል ዘረባ ከኣ መሰረት የብሉን።”

ናይ ሓበሻት  መጠረሽታ ማእከል ኣኽሱም ትበሃል ነበረት። ኩሉ ግዝኣት ኣኽሱም፡ መንግስቲ ኣኽሱም ከኣ ግዝኣት ሓበሻ፡ መንግስቲ ሓበሻ እዉን ይበሃል ነበረ። ንግስነት ኣኽሱምን ዋናታቱን ሓበሻን ግን ገለ ገለ ከም ፊደል ቋንቋ፡ ውሑድ ሓወልትን እምነ ጽሑፍን ኣቕራሽን ከም ሓድጊ ገዲፎም፡ ካልእ ኣሰር ዝበሃል ከይሓደጉ ኣብ መስርሕ ታሪኽ ቅሂሞም በነኑ።

ኣብ 1929 ዝተጻሕፈ ኤንቺክሎፐድያ 1ይ ቅጺ ገጽ 79  “ንነዊሕ ግዜ ኣውሮጳውያን ደቡብ ዓረባዊ ዋሕዚ ስድራታት እናዛሕተለ፡ ዓረባዊ ባእታ ብኩሻዊ ባእታ ዝያዳ  እናተመጽየ ከደ። ሓፋሽ ኩሽ ንውሑዳት ገዛእትን ሓናፍጾምን እናመሳሰለ ከደ። ኣኽሱም ኣብ ዝዓረበትሉ ግዜ እዚ ምምስሳል ተዛዚሙ ነበረ።

ናይ ሎሚ ሓበሻ እምበኣር ሴማዊ ባህሊ ብምቕባል ዘሕበሽበሹን ብዘሕበሽበሹ ተጸልዮምን ተሓዊሶምን ዘሕበሽበሹ ደኣምበር ኣብ ዝሃለው ሃልዮም እቶም ናይ ብሓቂ ሓበሻ ኣይኮነን። ናይ ሎሚ ሓበሻ መብዛሕት ኦም  ወይ ኩሎም ብኩሻውያን ህዝብታት ዝቖሙ እዮም”

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleከመጉሰኪ’የ
Next Article ክላሲካዊ መጽሓፍቲ ትግርኛ ኤርትራ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?