Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ግጥምታት»ሃገረሰብ ዓደይ!

ሃገረሰብ ዓደይ!

0
By Mekonnen T. on November 13, 2020 ግጥምታት
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email


መወናወኒ ሩባይ፡ ተፈታዊ ሳዕረይ ሰላም እብለካለ’ኹ
ናይ ስራሕ ድሌትን ፍሉሕ ስምዒትን ጸጥ ዝበለ ሂወትን ብኣኻ ገዚኤ’ለኹ!
ዕድመይ ዕድመ ሩባ፡ ዝወረደኪ መርድእ ከይሰምዖ
ብመልክዕ ተፈጥሮ ህይወተይ ሓጺረ እልክዖ
ኩሉ ኣረሲዕክኒ ንስምዒተይ ይግስጾ፡ የቖጥዖ!
ናትኪ’የ እብለኪ’ለኹ ናይ ሲያርጻድ ግምቢ
እወ ብናይ ሓጥያት ካባ ለዊጠኪለ’ኹ!
ሕሰም ኣይትርከቢ።

ቀበጥበጠይ ፈንጠዝያ ሓዊሰ
እዚ ግቡዝ ስሕተተይ መከራይ ዘቕመሰ
እነኹ እቕንዞ ዝርንዛሕ እናነባዕኹ
ብናይ ቀልዓለም ሓጎስ ቀይረኪ’ለኹ።

ጸጥ ዝበለ ቆጥቋጥ ፡ ዝለምለመ ቦታ ሰላም ዝዓለቦ
ስንፍና ብነጻ ናይ ሓሳብ ዕርክነት ዘሸንበቦ
ኮንቱነተይ ኣብ ዝፈለጥክሉ
ኣገናዕ እብለኪ’ለኹ
ናትኪ’የ እብለኪለኹ!

እዚ ናይ ገደና ግራት በትክልቲ ዝጸለመ
ዝሑል ኣየሩ፡ መኣዛ ዕንባብኡ፡
መንፈስካ ሰሓቢ ዕውዶዕውዶ ሩባ
እንተተዓጢንካዮ፡
በቶም ሓሰር ጌርካ ኣብቲ ሰፊሕ ሜዳ
ንመንፈስ ይዕብሉኽ ካብኡ ዝመጽእ ሽታ
ከም ኩሕሊ ዝጸሪ ጽባቐ ዘሰንብድ
ነኣሽቱ ወሓዝቲ እናኣሕሾኽሾኹ፡
እቶም ዓበይቲ ማዕበሎም ክነጒድ
ናብ ሜዳ ክፈሱ ሰብ ብጽባቐ ክዓብድ!

ትንፋስ ዘለዎም ናይ ተፈጥሮ ኣሳእል ጐነይ ከቢቦሞ
እቶም ሰመያዊ፡ ዝመልኡ ሓጽብታት ዓይነይ መሊኦሞ
ሰብ ጻዕዳ ባንዴራ፡ ገፈፍቲ ዓሳ ምስ ጃልባኦም
ከንሳፍፉ ሓሓሊፎም
ኣብቲ ኮረቢት ሓጽቢ ሕልፍ ኢልካ
ዝተተለሙ ግራውቲ፡ ተሰሪዖም መስርዕ
ካብ ርሑቕ ይርኣዩኒ፡ ንሱርካ ዘናፍቕ!

ነኣሽቱ ኣጓዱ፡ ኣብ መሬት ተተኺሎም
ኣብቲ ረግረግ ቦታ ኩድም ኩድም ኢሎም
ኣፍራስ ክጋልቡ፡ ዘገርም ክትርእዮም!

ካብ ናይ እኽሊ ቆፎ፡ በነን ዝብል ትኪ
ንፋስ ዘዝሮ እንዳ ጣሓኒት እኽሊ
ኮሊለ ክጥምት ዝኸበበኒ ኹሉ
ስራሕ ኮነ ደስታ ልበይ ዘይዓግበሉ
ኣነ ኣብዚ ቦታየ! ብሓቂ ዝህሉ
ካብ ህውከትን ስቃይን ነጻ ወጺኤ ዝገላገለሉ!
ውሽጣዊ ፍስሃ፡ ብተመስጦ ስምዒት ኣሃዱ ዝብለሉ።

ብንጹህ መንፈሰይ ናይ ተፈጥሮ መልክዕ
ከም ሕጊ ፈጣሪ ዝሸማደድክዎ! ከም ልክዐ ልክዕ
ኣነ ኣብዚ ሓሰር መሰር፡ ቁጥመ-ቚጥሚ፡
ካብ ኮነ ተገብረ እዝነይ ዝዓጸኹ
ካብ ዘይኮነ ሃጠውቀጠው ልኮተ ልሳን
ናይ ኒኽኒኽታ ልማኖ፡ ካብ ልበይ ከጥፍኦ
ዝጸዓርክሉ ቦታ።

ኣነ ኣብዚ ዶብየ ! ቃል ዝኣተኽዎ ዘይቀንዐ ዕድል
ስራሕ’ቶም ጨቖንቲ፡ ናይ ሰነፋት ስራሕ!
በደል ኣብ ርእሲ በደል
ናይ ኮንቱ ዝንኦም ትኸል ንቐል።

ጥንታውያን ፈላስፋታት ኣብዚ ተሓተቱ ስምዑ ክሓተኩም
ኣብዚ በዓል ግርማ ብሕትውና ከቢቡኒ ኣብ ዘለዎ ቦታ ኮይነ ክሰምዓኩም
ሓንሳብ ብድድ በሉ
በሉ መልሱለይ! ረጊአ ጽን ክብሎ
ቃልኩም ክደሃየኒ ይስምዓኒ’ሎ!

ስንፍና ትብዓተይ ጨምዲዱ ንዝሓዞ ሕልመይ፡
ቀዲምዎ ድምጽኹም! ኣስሪሑኒ
ኣብ ልበይ ዓሊቡ፡ ንቅሓት ፈጢሩለይ
ወኒኹም በጺሑኒ!
እዚ ናትኩም ጥበብ ሰሪጹ ኣብ ሂወተይ
ኣብ ልበይ በቊሉ በሲሉ ኣብ ኣካላተይ።

ኩሉ ጽቡቅ እንከሎ…………
ህይወተይ ዘቕሓሮ፡ ንልበይ ዘሕዘኖ፡ ክፉእ ነገር ኣሎ!
ሰብኣዊ እንታይነተይ፡ ኩሉ ኣጽኒዕዎ’ዩ፡ ብሓዘን ተሴሩ
ኩሉ ብምርኣዩ፡ ውርደት ድንቁርና ንሃገር ወሪሩ!
ንብዓት ከም ውሕጅ ክረምቲ፡ ኣንጀብጂቡ ክውሕዝ
ዶግዓን ዋይዋይታን ፡ እዝኒ ለሚድዎም፡
ሰማዒኦም ክጠፍእ! ክድንዝዝ
ፍጡር ንምጭፍጫፍ፡ ኣብ ደም ንምሕንባስ
ዕድል ዝመልመሎም ሓሰማ ዱር
ሰብኣዊ ርህራሄ ቕንጣብ ዘይብሎም!

እቲ ስርሖም ምግዱር
ደቀባት ኣራዊት፡ካብ ጫካ ዝመጹ ደም ውሒጦም
መስገደዲ ጮግራፍ ኣብ ኢዶም ጨቢጦም
ጉልበት ወዲ ድኻ፡ ግዜኡን ገንዘቡን
ጌረሞ ንውልቆም!

መሳኪን ሓረስቶት፡ ብማሕረሻ ናይ ሰብ፡
ወትሩ ተደፊኦም ሕቆኦም ጐቢጡ
እዚ ቐጢን ባርነት! ምስ ትልሚ ክዳፋእ ዘጢጡ
ዕድመኡ ተጎቲቱ፡ መጥፋእቲ ደቀባት፡
ብቐጢን ጎይታነት፡ ማይ ቀጠነ ክብሉ፧
ግፍዖም ተራእዩኒ ዝያዳ ጐሊሑ!

ኣብዚ ናይ ስቃይ ጉንዲ፡ ኣርዑት ናይ ባርነት
ካብ ዝባን ሓረስቶት፡ ከይወረደ ይመውት
ተስፋ’ውን ከይገብሩ፡ ክምነዩ ምንዮት፡ ዘይብሎም ፍቓድ!
ቅልቅል ቅልቅል እንተበሉ ሓደስቲ ዕንባባታት ዓንቢቦም ይረግፉ
ምዕንባብ ይዕንብቡ፡ ክትርእዮም የህርፉ
እንተኾነ ነቶም ሕንቁቓት፡ መዝሓሊ ስምዒት ኮይኖም’ዮም ዝተርፉ!
ነቶም ዝሸምገሉ ፡ ንወለዶም
ደገፍቲ ንምዃን፡ ዕዳኦም ንምኽፋል
ኣጉባዝ መንእሰያት፡ ናይ ስራሕ የማናይ ኢድ
ካብ ቤቶም ወጺኦም፡ ከርተት ዝብሉ
ስራሕ ክቑጸሩ ኣብ ጨው ቀትሪ
ንምብዛሕ እኮዩ ናይ ዓሳክር ቁጽሪ!

እንታይ ኔርዎ ልሳነይ፡ ግርማ ሞጐስ ረኺባ
ልቢ ሰብ ፈንቂቓ፡ እንተኣተወት ከፊታ፧!
እዛ ጸባብ ኣፍልበይ፡ ደቂቕ ንቅሓት ፈጢራ
ምቅጻል ገዲፋ፡ ንምንታይ ኣይተዓደለትን
ትንፋሰይ መንጪታ ፍጡር ከተርግእ፡
ሓይሊ-ቓል ኣውጺኣ!፧ ተርጊኣ ተርቢዓ!

እርኢዶ እኸውን!፧ ብጾት! ህዝቢ ነጻ ኮይኑ ከይጨነቖ
ኣርዑት ናይ ባርነት ካብ ክሳድ ሰብ ወጺኡ፡
ተሴሩ፡ ወዲቑ ክርሕቆ
እርኢዶ እኸውን፧! ነጻነት ደሚቓ ከተብርህ፡
ኣብ ሃገረይ መሬት፧
ዝደመቐ ብርሃን ነጊሁ ክቕልቀል
እርኢዶ እኸውን ብሓቂ…………፧

ግጥሚ፡-ኣሌክሳንደር ፑሽኪን(1819)
ትርጉም፡- ወዲ ኣቢብ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሓዳሚን ድምጻዊን – ጎፍ ንጎፍ
Next Article ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ
Mekonnen T.

Related Posts

ኣበሳ ኵናት

November 28, 2020
Read More

ከመዓልካ ፈጣሪ!

November 22, 2020
Read More

“ኣብኡ ‘ሓይሽ”

November 22, 2020
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?