መጽሓፍቲ ትግርኛ ኤርትራውያን ብቕድመ-ተኸተል (1ይ ክፋል)

AMAN TEKESTE W. ብቋንቋ ትግርኛ ተደሪሶምን ተተርጒሞምን ዝተሓትሙ መጽሓፍቲ ኤርትራውያን ክንደይ ይበጽሑ? እቲ ዓይነት መጽሓፍቲ — ልብወለድ፡ ትርጒም፡ እኩብ ሓጺር ዛንታ፡ እኩብ ግጥምታት፡ ጥዕናዊ፡ ስነ-ልቦናዊ፡ …

ዕላል ምስ ሰለስተ ዕውታት ውድድር ግጥሚ 4ይ ዓመት ኣብ ዛራ-ገጠምቲ

1) ዛራ ገጠምቲ; ብመጀመርታ ንዝተጎናጸፍካዮ ዓወት ብስም ተኸታተልቲ ዛራ እንቋዕ ሓጐሰካ! ብድሕረ ባይታኻ ኣይክንጀምርን ኢና። ክትንክፎ እየ እንተኢልካ ግን ናባኻ ንገድፎ። -* 888 ፣ ተዓዊተ …

ፍቕራ ፍቕርኺ

….የላን! ኢለ ከይካታዐ እንከይጀመርኩ’ዶ ክርታዐ ህላወ ጥራይ ዘይኮነስ ኣለዋ ብርታዐ ህቦብላዊ ሓይሊ ባህሪ ዝቐላልዐ! ከመይ ዘይትህሉ ኣላ’ምበር ኣድራሻ ኣልቦ ህዋ ትሰፍር ቀዝሒ ኹናት ሰራውራ ንፍጡራት …

በቲ እትሰፍረሉ መስፈሪ ኢኻ ትስፈር!

ሚካኤል መዓሾ ዝኸበርኩም ፈተውቲ ንባብ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትና ዝግብር ናይ ነጸኹኻ ወይ’ውን ኣቘንጀኹኻ ዝዓይነቱ ዝተወዳደበ ኣነጻጽያን ኣወዳድሳን፣ እሞ ድማ ብጉጅለኣዊ ጥርናፈ ዝማእኸለ ይመስል። ብዙሓት ሰባት …

ኣፋቲሐ ዶ ክምርዓወኺ!

AMAN TEKESTE W. ቦኽሪ ኣፍቃሪተይ፡ ብኣምሆ “መርዓን ሓዳርን ምምናይ ገዲፈዮ እየ፡ ብመትከል ባሕታዊ ምዃን እሕሸኒ፡” ኢለ ዝጸሓፍኩዎ ዓንቀጽ ዘንበቡ መሓዙተይ፡ ሓንቲ ሕቶ ኣቕሪቦሙለይ። ምናልባት እቲ …

ምህሮ ወይስ ካብ ምህሮ ምሕሮ?

በረኸት ዑቕባጽዮን (Agape Bereket) መእተዊ፡ “ዘይተማህረ ኣየድሕን፡ ዘይተወቕረ ኣየጥሕን”፣ “ምሁር ይቕተለኒ”፣ “ካብ ምህሮ ኣእምሮ”፡ “ምህሮ ምስ ኣእምሮ፡ ጠስሚ’ኸ ምስ ሽሮ”…..ካልኦትን፡ ንትምህርትን ኣገዳስነቱን፡ ንምሁርን ኣብቲ ሕብረተሰብ …

ኤርትራ፤ ካብ ፈደረሽን ናብ ጐበጣን ሰውራን፡ 1956-1962 ብኣለምሰገድ ተስፋይ

ሳሙኤል እምሃ ኤርትራ፤ ካብ ፈደረሽን ናብ ጐበጣን ሰውራን፡ 1956-1962 ብኣለምሰገድ ተስፋይ    ገምጋም መጽሓፍ “ኤርትራ፤ ካብ ፈደረሽን ናብ ጐበጣን ሰውራን፡ 1956-1962” ብኣለምሰገድ ተስፋይ መጽሓፍ ኤርትራ፤ …

ሓጺር ዕላል ምስ ስነ-ጥበባዊ ኣቶ መብራህቱ ሶሎሙን (መብሬ)…

*ብኣተዓባብያኻ ክንጅምር? #ኣብ ዞባ ደቡብ መንብሮ ኣብ ዝተባህለት ዓዲ’የ: ተወሊደ። ኣብ ጉስነት ከኣ ዓብየ። ዕድል ትምህርቲ ኣይረኸብኩን። ወዲ ዓሰርተ ሸውዓተ ኣቢለ ይኸውን ንሜዳ ወጺአ። ድሕሪኡ …

ማሕላ ንመን ቀተለ !

ንፈልጥዶ ህዝቢ ዓፋር ከም ዘይምሕሉ ? መኮነን ተስፋይ ማሕላ ማለት መፈጸምታ ነገር ወይ ናይ ሓሳብ መኸተሚ ኮይኑ እተዛረብናዮ ኮነ ዝሰማዕናዮ ነገር ከነረድእ እንከሎና ኩነታቱ ሓቂ …

ዓወት መንግስታኣብ ፈለማ ካምፓላ (ኡጋንዳ) ዝኣተናሉ፡ ሙየንጋ ኣብ ዝበሃል ሰፈር፡ ምስ ሰብ ተጸጊዕና ኢና ንቕመጥ ዝነበርና። ኣብቲ ሰፊሕን ለምለምን ካንሸሎ፡ “ኣጽገበት” ዘውጻእናላ ብጥራዩ ንሽምጥጣ ገረብ …

ተራ ቆልዑ ባልካን ኣብ ምዕሻው ደገፍቲ ዶናልድ ትራምፕ

መኮነን ተስፋይ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን፡ ዘመነ ሓበሬታ፡ ዓለምና ናብ ቁሸት እናተቐየረት’ያ ትኸይድ ዘላ። እዚ ከኣ  ኢንተርነት ዝፈጠሮ ምዕባለን ምስኡ ዝተኣሳሰር ምህዞታትን  ብዙሕ ክንዕዘብ ንኽእል ኣለና።  …

ታሪኽ ንእስነትካ እናሽረፍካ ንንእስነተይ ኣይትሸራርፈለይ

ብርሃነ ገብረሂወት ክመረካ ስለ ዝኽእል፡ ንባብ ቅድሚ ምጅማርካ፡ ማይ ወይ እቲ ከም መተካእታ ማይ እትመርጾ ፈሳሲ ቀርብ። ዝመስለኒ’የ ክብል። ሓድሽ ሓሳብ ከም ዘይምእመኣካ ኣስተብሂለ ኣለኹ። …

ሓጺር ታሪኽ ተርጓሚን ደራሲን ኣቶ መለስ ቀሺ ወልደስላሴ ክፍሉ

ተርጓሚን ደራሲን ስነ-ጥበበኛ ኣቶ መለስ ቀሺ ወልደስላሴ ካብ ኣቦኦም ቀሺ ወልደስላሴ ክፍሉን ኣደኦም  ወይዘሮ ለተንስኤ ተስፋሚካኤልን ብ1942 ኣብ ዓዲ ባሪ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ተወሊዶም። ኣብ …

“ተረፍ፥ ነጸብራቕ ህይወት ሓደ መንእሰይ”

ተስፊት ኣብርሃም መጽሓፍ፡ ተረፍ እኵብ ሓጸርቲ ዛንታታት ኣርታዒ፡ ሄኖክ ተስፋብሩክ ደራሲ፡ ኣኸደር ኣሕመዲን ቤት ማሕተም፡ ናለት ዕለተ ሕትመት፡2014 መጽሓፍ ተረፍ፡ እንከተንብብ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዛንታ …

ቃለ-መጠየቕ ገጣሚት ወሓዚት ኣብርሃም ምስ ዛራ ገጠምቲ

* ዛራ ገጠምቲ፤ ብመጀመርታ ዕላማ ደርዘን ሕቶ ንገጣሚ/ት ብምርዳእ፡ ምስ ነብስኽን ስነ-ጥበባዊ ተሞክሮኽን ከተላልይና ፍቓደኛ ብምዃንኪ፡ ብስም ኣዳለውትን ኣባላት ዛራ-ገጠምትን ኣዚና ነመስግን። ብምቕጻል፡ ብዛዕባ ወሓዚት …

መጽሓፍ ‘ተረፍ’ ብኻልእ ኵርናዕ

ተስፊት ኣብርሃም “‘ተረፍ’ነጸብራቕ ጽበት ወደ’ስመራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ንመጽሓፍ “ተረፍ” እኵብ ሓጺር ዛንታታት (ኣኸድር ኣሕመዲን)፡ ብፍቕረይ የማን ዝተጻሕፈ ከፊላዊ ዳህሳስ ኣብ ገጸ ባህሪያት ናይቲ …

ተረፍ፣ ነጸብራቕ ጽበት “ወደ’ስመራ”

ፍቕረይ የማን   ኣብ መቕድማ «ስነ-ጽሑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዕደመን ደረጃን ንዝርከቡ ሰባት ውሽጦምን ደጊኦምን ቀሊዑ ብምርኣይ ንኽንስሑ፡ ክማጐቱ፡ ከስተንትኑን ንሂወት ክጽንብሉን ወዘተ፡ ይድርኾም። ብዛዕባ መንፈሳውን …

እተን ጠያይት መስከረም

ብግርማይ ዮውሃንስ “ዘይኣውደኣመትካ ይግበረልካ!” ይብል ርጉም ረጋሚ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑስ ንኤርትራዊ ኣብዚ ቅነ መስከረም ዝባዓላ ቀንዲ ሃይማኖታውያን ባዓላት ማለት ቅዱስ ዮውሃንስ፣ ዒድን መስቀልን ዘይኣውደኣመቱ ካብ …

ግርማይ የውሃንስ
መርሓባ ክቡር ሓውና ሙሌ፣
ኣብ ዘለኻዮ ሰላም። ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ጉድጓድ ሰላም ከምዘየለ ዝሕባእ የብሉን። እንተኾነ ግን ”ኣብ ዘለኻዮ ሰላም” ማለተይ ”ኣብ ገነት ስፈር፣ ኣምላኽ ይቀበልካ፣ ኣብ ጎኑ የምብርካ. . .” ዝብሉ ኣብቲ ትኸዶ ላዕላይ ሰማይ ጸጽቡቑ ክትረክብ ዝሃርፍ ምንዮት ከም ዝኾነ ከም ትሑዝ ንውሰዶ። ኣብ’ዛ ጨናዊትን ግዝያዊትን ዓለም ከም ሰብ ግዝያዊ ኮይንካ ከም ሰብ ድማ ሓሊፍካ። እንተኾነ ግን ዘይሓልፍ፣ ተዘካርን ነባርን መዘከርታ ገዲፍካለን ነስመራን ከረንን። ዘይሰርሐን ዘየፍረየን ካኣ ‘ምበር ከምዚ ከማኻስ መይቱ ኣይባሃልን። ህሉው ስራሕ ሰሪሕካ ኩሉ ግዜ ከምትላዓል ክገብረካ’ዩ። ከም ዘይመትካ ድማ ክነግረና’ዩ ሙሌ ነብሲ። እንተኾነ ግን እተን’ኳ ታተ ዘበለኻ፣ ዘዕኮኻኻን ዘጎበዛኻን ከተማታት ኣስመራን ከረንን ዑፍ መስቀል ተቐየርካየን። ብልጭ ኢልካ ጠፊእካየን። ካላኣይ ግዜ ተመሊስካ ሓደርክንን ማዓልክንን ዘይበልካየን ከተማታት ኣስመራን ከረንን ተሻቒለናልካ’የን። መኣትዎኻ ምርዳእ ኣብዩወን ናፍቖተን ክገልጻ ከሪመን ሓግየነኦ። ብሃዋ ሃዋ ዝመልስ ድምጽኻ
መበቆል ፍረታት ኣደ ሽሻይ
ኣባኺ ዝርከብ ዓርኮብኮባይ
ዝበልካላ ከረን፣ እታ ብመልካዓን ሰላማን ዘሕቆንቆንካላ ከረን፣ እታ ናይ ኩሉ ግዜ ሰላም፣ እታ ነባሪ ሰላምታ ዘሕልፍን ዝገልጽን ዜማኻን ፍረነገሩን ዝወቐርካላ ከረን፣ እታ መግለጺ ኣድናቖት ዝኸውን ቃላት ዝሳኣንካላ ከረን፣ መግለጺ ናፍቖት ዝኸውን ቃላት ሲኢናትልካ ከሪማ ሙሌ። ሽታ ማይ ኮይንካያ ሙሌ።
እታ ሞሊቓ ዝወጸት ደርፍኻ. . . . .
ኣስመራ ሓብሓቢት ኩሉ ሓላል ዓድና
ኣላይት ስድራና።
ካብ ማዕዶ ናብ ማዕዶ ለምለም ሜዳ ዓባይ ኣጉዶ
ኣስመራይ ክብል ዶ?. . . . . . . . . .
ዓባይ ኣባ ሻውል ናይ ምዕባለኺ ስፍራ
ኣብኡ ተጀመረ ምዉቕ ማሕበራዊ ናብራ. . . . . . ።
ዝበልካዮ ‘ውን ንሻውል ኣማእኪላ ኣስመራ ናፍቖታን ምስጋንኣን ገሊጻትልካ’ያ።
እታ ኪንዮ ናታ ጽባቐ ዘሎ ናይ ደቃ ጽባቐ ከተድንቕ ብመረዋሕ ድምጽኻ ዝቓነኻላ ኣስመራ፣ እታ ብኩሉ እንትነአን ሂወት ዝዘርኣ ሂወታውያን ደቃ ”ሂወት ጓል ኣስመራ” ዝበልካለን ደቃ ከክንደአን ኮይና ሰላም ክትብለካ፣ ከተመስግነካን ክትናፍቐካንስ ሓዲራ ውዒላ። ሓግያን ከሪማን ከማን። ዳሃይካ ጠፊኡዋስ ተሻቒላ ከማን።
መልክዕ ምስ ቁም ነገር ኣምላኽ ዝዓደላ
ፍጹም ዘይትምኖ ማዓር ጸባ ፍቕራ
ጥሪ ዝሃበኒ ሂወት ጓል ኣስመራ
ሂወት ጓል ኣስመራ. . . . . . ! እናበልካ ደቃ ዘድነቕካላ ኣስመራ ብዙሕ ሰላም ኢላትካ።
ሂወታውያን ደቃ፣ እተን ዘዜምካለን፣ እተን’ኳ ናይ ሹዑ ባዓል ሂወት ድማ ተሓጒሰናልካ። ደጊምካ ሂወት ክትብለለን፣ ደጊመን ክሰምዓኻ ተጸብየን። ዋላ’ውን ሽም ቀይርካ ክትመጸን ከይተረፈ ተሃንጥየን። መረዋሕ ድምጽኻ ክሰምዓ ተጸብየን። ኣስመራ፣ ከረንን ባዓል ሂወትን ኣጣይቐናልካ። ዳሃይካ ግን ኣይረኸባን። እዘን ናይ ሎሚ ‘ኳ ወሪዱወን ኣየናይ ኢለነኦ ሙሌ ነብሲ ጨርባሕባሕ ጥራይ’ዩ ለሚዱ ርእሰን። ካብ ብኩሉ እንትነኡ ምስትምቓር ድማ ፌስቡክ ከፊተን ”ላይክ፣ ናይስ ፒክ” ክብላ’ዩ ዝቐለንን ዝብረሀንን። ኣብ ኩሉ የለዋን ሙሌ ነብሲ።
ባዓል ሂወት ቀደም ምስ ሂወተን፣ ኣስመራን ከረንን ግን ኣብ ዝኽረን ኣለኻ ሙሌ ነብሲ። ቅድሚ ዕረፍትኻ ዝገበርካዮ ክብረትካን ክብረት ሰብን ዝሕሉ ጽፉፍ ዕላልካ ምስ ሰምዓ ተሓጒሰናሉ’የን። ኣብ መወዳእታ ድሕሪ ነዊሕ ምጥፋእ መርድእካ ምስ ሰምዓ ግን ናፍቖተን ቢኢሱስ ሓዘነን ገሊጸናልካ ኣለዋ ሙሌ ነብሲ። ዘዜምካለን ዜማታት ኣብ ከብሕታት ዝኽረን ኣቐሚጠን ድማ ”ኣብ ዘለኻዮ ሰላም” ይብላኻ ኣለዋ።

ረኽሲ – ወግዒ-ልቢ ዘቝሰለቶ ልቢ

ቦኽረ ገብረየሱስ ኵነተ-ኣእምርይ ብወግዒ-ልቢ ተገዚኡ ኣብ ዝነበረሉ ህሞት (እቲ ጠንቂ፣ ምናልባት ሽዑ ቅንያት ውን እዕዘባን እከታተላን ስለ ዝነበርኩ ከይኰነ’ይተርፍን) ብዛዕባኣ ብቴድሮስ ኣብርሃም ዝተዳለወ ዓንቀጽ ናብ …

ርቀትካ ዕጣን!

ካብ ዕንኳር ናብ ምካኽ ካብ ምካኽ ናብ ትካኽ ትብለል……ትብለል ብዘይመደያይቦ ሰማያት ትሕዘል ናበይ ገጽካ ክተብል እንድዒ! ትርኢትካ ይኽወል። ካብ ርቀት ናብ ርቀት ኩሉ እናወረደ ዘይዓጠካ …