ፍረ ናይ’ቲ ኮኾብ

ብጥዑምዝጊ ተስፋይ

ሽንቅጥ ተኽለ ሰብነቱን ትርኢቱን፡ ንመንፈስ ዝቕልብ ብሩህ ገጹን ፍሽኽታኡን፡ ንመድረኽ ዝተፈጥረ እዩ ዘምስሎ። መረዋሕ ድምጹን ንማሕበራዊ ኩነት ነቒሶም ናብ ግዳም ዘውጽኡ ደርፍታቱን በሪኽ ዝና ኣጥሪዮሙሉ። ገና ኣብ ንእስነቱ ጥበብ ዝሓረዮ ጥበበኛ። ናይ ትግረን ትግርኛን ብሃር ድምጻዊ ኣልኣሚን ዓብደልለጢፍ። ዜና ዕረፍቱ፡ ንልቢ ፈተውቲ ጥበብ ዝበርበረን ዘሰንበደ እዩ ነይሩ። ብጥበባዊ ሓይሊ ሕደማኡን ዜማኡን፡ ንዓዲን ስደትን፡ ንኲናትን ሰላምን፡ ንሕሱምን ጥዑምን እዋናት ብቓላት ዝሰኣለ ድምጻዊ።

ዳርጋ ምሉእ ዕድመኡ ካብ ቀጽሪ ጥበብ ዘይተፈንተተ፡ መልእኽቶምን መቓልሖምን ዘይሃሰሰን ዘይሃስስን ዜማታት ዝወለደ ዋና ጥበብ ነበረ – መምህርን ስነ-ጥበበኛን ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ። ላዛን ሓይሊን ቃናኡ፡ ኣእዛን ዘናድያኦ ምኡዝ ዜማኡ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ስውያዊ ኣገላልጻ ሕደማኡ ኣብ ኤርትራዊ ጥበብ ግንዖ ሃብቲ ወሲኹ ድምቀት ዝቐለመ – ድምጻዊ። ፍቕሪ፡ ምትሕቝቛፍ፡ ስስዐ፡ ሕሰም ንዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ሸነኻት በርቢሩ፡ ንፍቕሪ ሃገርን ሃገራዊነትን ኣግሂዱ፡ ንመግዛእታዊ ሃደምደምን ግፍዒን ነጺጉ፡ ናፍቖት ሓመዱን መፈጠሩን ጸንቢሩ…ኣብትዝታብዝሸምም ቃናን ዜማን ምስ ህዝቡ ኣዕሊሉን ንህዝቡ ኣካፊሉን።እዚ ኣብ 12 ታሕሳስ 1939 ኣብ ጊንዳዕ ዝተወልደ መሓዛ ጥበብ፡ ገና ወዲ ክልተ ዓመት እንከሎ እዩ ናብ ኣስመራ ዝመጽአ። ኣብ ውሽጡ ፈኸም ክብል ዝጸንሐ ናይ ስነ-ጥበብ ትዕድልቲ ናብ ግዳም ክነቱግ ከኣ ግዜ ኣይወሰደን። ገና ኣብ ንእስነቱ፡ በቲ ቀዳማይ ቋንቋኡ፡ደርፍታት ወዲ ኣሚርን ካልኦትን ክደግም ጀመረ። ብኡ ንብኡ፡ ምስ ጥበብን ጠበብቲን ጥቡቕ ምሕዝነት ገበረን እጓም ጥበቡ ክዕንብብ ፈለመን። ኣብ መወዳእታ 1950ታት እዩ ምስ’ቲ ፍሉጥን ኣብ ምዕባለ ሙዚቃ ኢትዮጵያ ልሉይ ተራ ዝተጻወተን ኤርትራዊ ሙዚቀኛ ኣቦበከር ኣሸክሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብትግረን ትግርኛን ደርፍታት ምድጋም ዝቐጸለ።

ኣብ ውሽጡ ዝተደብአ ብርቂ ስነ- ጥበባዊ ተውህቦ ክገሃድ ኣብ ዝጀመረሉ፡ ኣብ 1962 ኣብ ቤት ትምህርቲ ጃልያ መምህር ተተቑጺሩ ሂወቱ ክመርሕ ጀመረ። ስነ-ጥበባዊ ባህጉ ግን እናሓደረ ክህውጾን ጠቕሊሉ ናቱ ክገብሮን ካብ ምትዅታኹ ደው ኣይበለን። እቲ ድሮ ብደሃዩ ኣእዛን ሰማዕቲ ኩር ከም ዝብላ ዝገበረ መንእሰይ ድምጻዊ፡ ኣብ መወዳእታ ናይ’ዚ ዓመተ-ምህረት፡ ኣብ ማሕበር ትያትር ኣስመራ ተጸንበረ። መምህር ኣልኣሚን፡ ንማሕበር ትያትር ኣስመራ ተወሳኺ ሓይሊ ኰነ።መምህርን ትርኑዕ ስነ-ጥበበኛን ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ፡ ንኽልተ ቋንቋ ብምልከትን ጥበብን ዘንጎድጎደ ምዃኑ ፍሉይ ይገብሮ። እቶም ቅኔ ዝሓዘሉን ዘይሓዘሉን ደርፍታቱ፡ ኣብ ባይታ ዘይወድቕ ዛዕባ ዘልዕሉን ዝትንትኑን እዮም። ህሉው ኩነትን ነጥቢ ዛዕባን ናይ ምድህሳስ ክእለቱ፡ ልቢ ሰማዕቱ ክረክብ ኣኽኢሉዎ – ድሙቕ ኮኾብ ከም ዝኸውን፡ ምልሕታ ንእስነቱ ብኣጋ ኣሚቱ። ዘልዕሎም ማሕበራዊ ዛዕባታት፡ ካብ ውሽጢ ሕበረተሰቡ ዝተጫጭሑ ምንባሮም ከኣ፡ ምስ ልብታት ሰማዕቲ ክዛረብ ኣኽኢሉዎ።ድልየት ናጽነት ዝእምቱ ደርፍታቱ፡ ናብ ልቢ ዓበይቲን ንኣሽቱን ልሒኾም – መልእኽቲ ነጊሮም እዮም።

ኣብ እዋን መግዛእቲ፡ ኣብ ውሽጢ ስሱዕ ከርሲ ገዛእቲ ከሎ፡ ሓውሲ ጋህዲ ብዝዀነ ቅኔኣዊ ደርፍታት፡ ንህዝቢ ኤርትራ “ባንዴራና ኣብ በረኻ ከርተት ትብል ኣላ” ይብሎ ነይሩ። ሰማዕቱ እውን ንጥበባዊ መልእኽቱ ቆብ ኣቢሎሞ – ሃገርን ሃገራዊነትን ኣብ ደሃዩን ልቡን ከንብቡዎ ክኢሎም።ብሓንቲ ካብ’ተን ህቡባት ሃገራዊ ደርፍታቱ፦ወላድ ከረን ወአስመራ
ርኤኩማ ምን ገብእ እት ማይ ዘራ ሰላም ቦላ

እግልዬ ፋጥና ዛህራ. . . ዝብል ትሕዝቶ

ዝሓቘፈት፡ ነታ ኣብበረኻታት ኤርትራ እናንበልበለት፡ ዓዲ ንኽትኣቱ ሂወት ዜጋታት ተኽፍል ዝነበረት ሰንደቕ “ሰላም በሉለይ” ብምባል ሃንቀውታኡ ገሊጹ። ነታ ዓዲ ኣርሒቓ ዝነበረት ባንዴራ፡ በቲ ባህ ዝብሎ ስም ሰምዩዋ።

መምህር ኣልኣሚን፡ ብትብዓትን ጥበብን፡ ስለ ሃገሩ ዘይሙ። ሃንቀውታኡን ተስፋኡን ብኽልተ ቋንቋታት ኤርትራ፡ ኣብ ልቢ ህዝቢ ኤርትራን ፈተውቱን ከም ዝስኳዕ ገይሩ። ልቡ እትብሎ ዝነበረት፡ ንደቂ ዓዱ ካብ ምንጋር ኣይበኾረን።ሓንቲ ካብ’ተን ናይ’ቲ ሕሱም እዋን ደርፍታቱ፡ ስለ ባንዴራ ኤርትራ ብውስጠ-ዘ ዝበሎ ነበረት።

ደቂ ጐረቤትና መታን ከቃልሉ
ጸብሒ ጾም ይብሉኺ መኣዛ ዘይብሉ
እዚ ግን ብኽያት እዩ ኣይትገደስሉ. ..

.እታ ናይ ሽዑ ኣውሊዕ ባንዴራን እቶም ስሱዓት ጎረባብቲን ኣብ ደርፊ ኣልኣሚን ኣለዉ። “ውዒሉ ሓዲሩ ሓቂ ኣይተርፍን እዩ’ሞ፡ ምንቁሻሽ ጎረባብቲ እዝኒ ኣይንግበረሉ” ዝትርጉም መልእኽቱ ድማ፡ ኣብ ኣእምሮ መንእሰያት ይሰፍር ነበረ። ፍታሕ ናይ’ቲ ግናይ ክስተት ቃልሲ ጥራይ ምዃኑ ዝእምት ስውያ።

ሃገራዊ ደርፍታት ብሃር ድምጻዊ ኣልኣሚን፡ ነቲ ብፍቕሪ ሃገር ዝነድድ ልቡን ሃንቀውታኡን ዝገልጹ እዮም። ኣብ’ቲ መግዛእታዊ ስርዓት ጽኑዕ ናይ ሰንሱር ምቁጽጻር ዝገብረሉ፡ ይትረፍዶ ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ኢድ ዘንበረ፡ ነቲ ዋላ ሓንቲ ኢድ ዘይነበሮ ዜጋ ከይተረፈ ዝኣስሩሉ፡ ዝገፍዕሉን ዝቕትሉሉን ዝነበሩ እዋን፡ ብዜማን ግጥሚን ክቃለስ ምትብዑ፡ ሃገራዊነቱን ድልየት ናጽነቱን ዝገልጽ – ከምኡ’ውን ናይ ቃልሲ መንፈሱ ዘግህድ ነበረ። ሃገራዊ ደርፍታት ኣልኣሚን ዓብዱለጢፍ፡ እዚኣቶም ጥራይ ኣይነበሩን። ኣብ ማትኣ ከሎ፡ ካብ’ቶም ሓያሎ ናይ’ቲ እዋን ልቢ መንእሰይ ኤርትራ ዝሰርሰሩን ናብ ቃልሲ ሃጽ ዘበሉን ደርፍታት ናይ’ቲ ጉጅለ ሙዚቃ፡ ደርፍታት ኣልኣሚን ይርከቡዎም።

መምህር ኣልኣሚን፡ ነታ ካብ ወዲ ክልተ ዓመት ኣትሒዙ ብምዉቕ ማሕበራዊ ሂወት ዝዓበየላ ጥንታዊት ኣባ-ሻውል እውን፡ ብምኡዝን ፈኲስን ዜማ፡ ፍቕሩ፡ ትጽቢቱን ሓባራዊ ባህሪኣን ገሊጹላ እዩ። ደርፊ “ዓባይ ኣባ ሻውል” ሓንቲ ካብ’ተን ንነባርነት ደርፍታት’ቲ ብሃር ዝመስከራ እያ። “ዓባይ ኣባ ሻውል” ክሳብ ሎሚ፡ ትዝታታት ደቂ- ኣባ ሻውል እትቕስቅስን ኣብ ኩሉ ወለዶ ኣሰር እናንበረት እትቕጽልን ምዃና ጉሉሕ ህላውነታ ይነግር።

“ደሓን ኩኒ ኣባ ሻውል፡ ሰላም ቅድሚ ምፍራስኪ
ኣደ ኩሉ ድኻ ኣላይት ዘኽታም ነይርኪ
ዓባይ ኣባ ሻውል ሎሚ ክደርፈላ

ከይፈረሰት ከላ ጨሪሳ ብዅላ
ምስ ደስታ ንእስነት እታ ዝዓበኹላ ዓባይ

ኣባ ሻውል ናይ ስልጣነ ጩራ…”
ንስኺ ክትፈርሲ ብዙሕ የሕዝነኒ

ንኽትጽብቕ እያ ግዳ ካብ በሉኒ በቲ ሓደ ወገን ሓዘን ይዀነኒ
በቲ ሓደ ድማ ደስታ ይስመዓኒ፣ በሊ ኣባ ሻውል ብሰላም ፍረሲ
ኣብ ስእሊ ርእየዮ ናይ መልክዕኺ ቅርጺ
ንጽባቕ ኣስመራ ካብ ኩንኪ ክትፈርሲ
ህዝቢ ደስ ኢሉዎ ብዘይሓደ ጣዕሲ፣

ጸብቕለይ ግና ኣንቲ መዕበይተይ ዓባይ ኣባ ሻውል

ኣደ ንእስነተይ ካባኺ’የ ወሲደዮ ዝዀነ

ንብረተይ ሓወልቲ ትኹንኪ እዛ ደርፊ ናተይ ::

ብሓቂ ድማ፡ ከም ትምኒቱ “ዓባይኣባ ሻውል” ሓወልቲ ኣባ ሻውልን ደቂ ዓባይ ሻውልን ክትከውን በቒዓ። ድምጻዊ ኣልኣሚን፡ ንማሕበራዊ መዳያት ሕብረተ-ሰብ ኣብ ምግላጽ ትርኑዕ ሓይሊ ነበሮ። ኣብ ፍቕሪ ኣብ ባህሪ፡ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣብ ትንቢት. . . መርሓ ሂወት ክውድን ይህርህር። ብጥበባዊ መንገዲ ይእምትን ይምዕድን። ስስዐን ንዓይ ይጥዓመንን ወጊድ ይብል።

ሰብ ንኸብዱ ጥራይ ኣይኰነን ዝነብር
ክሓስብ ኣለዎ ክግምት ክዝክር/ ከስተውዕል
ሳዕሪ ዘይበቝሎ ጽሙእ በረኻ እሾኽ

ዘይትከሎ ባደን ንልብኻ ዓለም ኣይትግበራ ጥራይ ንበይንኻ.


..
ኣብ ሰማዕቲ ትግረን ትግርኛንዘይሃስስ ስንብራት እዩ ገዲፉ። ኣብ እዋን መግዛእቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝነበረሉ፡ ብሰሪ ሃድንን ምክትታልን ገዛእቲ ሓይልታት ኣብ ስደት ከርተት ኣብ ዝበለሉን ድሕሪ ናጽነት ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ክነብር ኣብ ዝጀመረሉን እዋናት መልሕቕ ዛዕባታት ዝዀኑ ደርፍታት ካብ ምፍራይ ደው ኣይበለን። ኣብ ናይ ስደቱ ዓመታትን ኣብ ሃገርን፡ ንሓንቲ መዓልቲ እውን ንሃገሩን ህዝቡን ኣይረሰዐአን። ንፍቕሪ ሃገሩን ህዝቡን ካብ ልቡ ኣየርሓቐን። ናፍቖቱ፡ ተስፋኡን ትምኒቱን ካብ ስግር ሃገር ናብ ደቂ ዓዱ ልኢኹ።

እላማ ትሕለፈኒቱ ገቢእ ዎ ቀበት ስናቸ እትገሴ
ምን እበቅዕ እትሃገ ዎ ምን ይኣምር ኣተንሴ
ትሓልፈኒ ዲብ እብል ወዲብ ኣተንሴ
ሓሊፍ ኣቤት እዱንያ ዎ ኣቤት ትሰኔ
ምን እላ ትኣከ ኢተምትእ ሞላይ እዋን ኣስኔ
ትሓልፈኒ ዲ እብል ዎ ዲብ ኣሰብር
ቅጫ ናሽፈት ምስል ማይ ዲብ እከሰር
ልባስየ ሩቁዕ ድርዕቶ ዓውረት ሰትር
እግርየ እባ ሓፊሱ ኣድማይ ጨርር
ሓሊፍ ኣቤት እዱንያ ይሀው ሚ እባስር. . .

ልቡ ቀንጂሑ፡ ምረት ስደት ከርኢ ዝኸኣለ ነይሩ፣። ዜማን ሕደማን ናፍቖቱ፡ ንልብታት ሰማዕቱ ጸዊዑ፡ ሕሱም ገጽ ስደት ከርእዮም ክኢሉ።

ይቕጽል. . . .
source Hadas Eritrea

 

Comments are closed.