ፍረ – ናይ’ቲ ኮኾብ 

ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል

ጥዑምዝጊ ተስፋይ

ሓያሎ ገዳይም ኤርትራውያን ስነ- ጥበበኛታት፡ ገለ ደሃዮም ፈጺሞም ከቕህሙ፡ ገለ ድማ ተሰዊሮም እናተባህሉ ቅልቅል ክብሉ፡ መጺኦም እናተባህሉ ክስወሩ ከለዉ፡ ድምጻዊ ኣልኣሚን፡ ካብ’ቶም ሓዲድ ጥበብ ዘይበተኹ ወናማት ኰይኑ እዩ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ። ደሃዩ፡ ካብ ቀልቢ ሰማዕቲ ኣይረሓቐን። ስሙ ካብ ልሳን ኣድነቕቱ ኣይተፈልየን። ኣብ’ቲ መኣዝን ዘስሕትን መሃነን ዘጥፍእን ናይ ስደት ሂወት፡ ምስ ሕሰሙን ናይ ጓንነት ስምዒቱን፡ ብኽልተኡ ቋንቋ ተዘከርቲ ሓድጊ ገዲፉ።

ንኽፉእ ገጽ ስደት፡ ማዕረ’ቲ ዝተሰመዖን ዝጓነዮን፡ ደጋጊሙ ብሕደማን ዜማን ደጒሑዎ። ንጉራምራ ኣነባብራ ደቂ-ሰብን ፍትሒ ዝተነፍጋ ዓለምን፡ ብምስቁርቋር ዘዪሙሎም። ግናዩን ሰናዩን እናነጻጸረ፡ “ትም ምባል ይሓይሽ” ክብል ምረቱ ገሊጹ። “ዓለም ጸላም እያ” ኢሉዋ ንዓለም፡ ንዕምቈትን ብራኸን ድኽነትን ኣነባብራን ወዲ-ሰብ ብምድህሳስ፡ ኣብ ዜማኡ፡
ጸላም ታ እድንያ ምን በዲር
ሰርና ጥዑም በልዕ ዎ ሰርና መሪር ሰርና

ለብስ ድርዕቶ ወሰርና ሓሪር ሰርና ልትዕብ

ወልትጀረስ ሓዚ ነቢር ሰርና እብ ግሳዩ

በሊዕ ምን ኢጸቢር እዘም እዬ እብ ዚደቼ አዚም ለሓይስ
ወሰቲር. . . ብምባል የስቈርቊር።

ናጽነት ኤርትራ፡ ንመምህር ኣልኣሚንን መሰልቱን ናይ ዳግማይ ሂወት ብስራት ነበረ። እቲ ‘ዳግማይ ንጽንበሮዶ ንኸውን!
እናበሉ፡ ንዓመታት ብናፍቖት ዝሓረሩሉ ሓመድን ህዝቢን ዝረኽቡሉ ብስራት። ስምዒት ጓንነትን ቃንዛ ናፍቖትን ንድሕሪት ገዲፎም፡ ዕትብቶም ኣብ ዝተቐብሮ ምድሪ ምሉእ ሰብ ዝዀኑሉ ሰናይ ዜና።

መምህር ኣልኣሚን፡ ኣብ 1994 ጠቕሊሉ ካብ ስደት ናብ ሃገሩ ተመሊሱ። ስደቱን መንፈሳዊ ቃንዛኡን ኣብ ዓዲ ጓና ተሪፎም። ናይ ስደት ናብራኡ መደምደምታ ክገብረሉ ከሎ፡ ናይ ጥበብ ሸውሃቱ ግን ብኽፉቱ ዓዲ ኣትዩ። ምስ’ታ ንዓመታት ሃንቀው ዝበላን ብሕደማኡ ዝደሃያ ዝነበረን ናጽነት ገጽ ንገጽ ምስ ተራኸበ፡ እቶም ኣብ ዓዲ ጓና ዀይኑ ዘስቈርቆሮም ደርፍታቱ፡ ምእንቲ ዝኽሪን ባህጊን፡ ምስናይ ብሩህ መንፈሱን ፍሽኽታኡን ኣብ ሃገሩ ተጻዊቱዎም።ዝዓበየላን ጥበቡ ዝገንፈለላን ዓባይ ኣባ ሻውል፡ ዘይከም ትምኒቱን ደርፉን፡ ከይፈረሰት ብህየታ ጸኒሓቶ። ኣብ ኣእምሮኡ ዝዓቖሮ ናይ ቅድሚ ዓመታት ምስላ ሒዙ፡ ዳግም ምስ ኣባሻውል ተራኺቡ። ዘኪሩ፡ ብትዝታታት ሸለው ኢሉ፡ ምስ መተዓብይቲ ሓቢሩ፡ ዳግማይ ተፈጢሩ።

ኣእጋሩ ምድሪ ኤርትራ ምስ ረገጻ፡ ብኡ ንብኡ፡ ኣብ’ታ ብኣእላፍ ሂወት ዝተረኽበት ናጽነት ኰይኑ፡ ንኽብሪ ሉኣላዊነትን ናጽነትን ካብ ምዝያም ግዜ ኣይወሰደን። ደርፍታት ቀደሙ ዳግማይ ኣብ ምድሪ ሃገሩ ምስ ጎረሮኡ ተራኺቦም፡ ዝኽርታት ዘበነ ገበል በርቢሮም። ምስ’ቶም ብወረን ብደሃዩን ጥራይ ዝፈልጡዎ ኣድነቕቱ፡ ኣብ መድረኽ ክራኸብ በቒዑን ኣድነቕቱ እውን ብኣካል ክርእይዎን ክሰምዑዎን በቒዖም።

ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ’ታ ውልዶ ናጽነት ዓይኒ ኣንቢሩ ኲናት ምስ ወልዐ፡ እዚ ገዲም ድምጻዊ፡ ብሕደማኡን ዜማኡን ኣብ መኸተ ንወራር እጃሙ ኣበርኪቱ። ኤርትራውያን ነበርቲ ኢትዮጵያ ብጅምላ ኣብ ዝተባረሩሉ እዋን፡ “ላም ቀርና ኣይከብዳን” ክብል፡ ዜጋታት ኤርትራ ኣካል ሃገሮም ደኣ’ምበር፡ ሰኸም ሃገሮም ከም ዘይኰኑ ንዓመጽቲ ኣሚቱሎም። ኣብ ናጽነትን ብዘይናጽነትን፡ ሃገር-ሃገር ዝሽትቱ ደርፍታት ካብ ምፍራይዓዲ ከም ዘይውዕል ከኣ ሽዑ ኣርእዩ። ኣብ እዋን ወራር ወያነ፡ መምህር ኣልኣሚን ውሑዳት ዘይኰኑ ንኽብሪ ናጽነትን ሃገርን ዘጉሉሑ ደርፍታት ኣቃሊሑ።

ኣብ ወጻኢን ውሽጢ ሃገርን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር እቲ ሃንደበታዊ ወራር ደው ኣብ ዝበለሉ፡ ተጋዳላይ ምስ ዋርሳይ ዶባ’ቱ ከኽብር ምስ ጸላእቱ ኣብ ዝተፋለመሉ፡ ስነ-ጥበበኛታት ሃገር ብዕጥቂ ጥበብ ኣብ ዝመከቱሉ እዋን፡ ምስ ኤርትራውያን መሰልቱ፡ ኣብ ድምጺ መኸተን ሉኣላዊነትን ተጸንቢሩ። ጽቦራ ክም ጥብ እምኩምጽቦራ ታመት ህሌት ኣምዕሉ እት ስሩጊት ለጆራ. . . ሓንቲ ካብ’ተን ኣብ’ቲ እዋን ዝሃበባሉ ሃገራዊ ደርፍታቱ እያ። ነቶም ደግሲ ስስዐ ዝኾብኰቦም ሓይልታት፡ “ደጊም ከም ጡብ ኣደኹም ቅበጽዋ” ክብል፡ ኤርትራ ናይ ዋናታታ ደኣ’ምበር ናይ ጓኖት ከም ዘይትኸውን ዘግህድ መልእኽቲ ኣሕሊፉሎም። ሃገራዊ መልእኽቲ ዝሓዘሉ ደርፍታቱ፡ ኣብ ቀደምን ዳሕራይን ሓደ እዩ መትከሎም። ሉኣላዊነት ኤርትራ ዘይድፈር ዕርዲ ጀጋኑ ምዃኑ ይነግሩ። ንትግርኛ እውን ከም ቋንቋ ኣደኡ ጠቢቡ፡ ሓሳቡ ከካፍለሉ ኣይጽገምን።

ሎሚ ከም ትማሊ ሃገር ሰብ ኣለዋ

ኣባይ ዝከላኸል ክብራ ዝሕልዋ
ንሃገር ምስያፍ በጃ ማሕላ ርስቲ ያታና

ይዅን ዝወራርስ ሃብቲ. . . እታ ናይ ሽዑ

ሓዳስ ሃገር፡ ከም’ቲ
ሓርነታዊ ቃልሲ ዛዚሙ ናጽነቱ ዝዓተረ ኣርካን ተጋዳላይ፡ ንኽብሪ ሉኣላዊነቱ ዝወድቕ ሰብ ከም ዘለዋ፡ እዝኑ ንዝሰምዕ ዘበለ ነጊሩ። ኣመት ሕደማኡ ካብ ዜሮ ዝብገስ ኣይነበረን። ኤርትራ፡ በቶም ኩለንትናኦም ክህቡዋ ድሕር ዘይብሉ ደቃ፡ ንወራርን ስስዐን ብምምካት ሉኣላዊነታ ኣውሒሳ።

ናብራኡን መንፈሱን ካብ ቀጽሪ ጥበብ ኣይርሕቕን። ዕድመኡ እንክውስኽ፡ ሸውሃት ጥበቡ እውን መሊሱ ይውስኽ። ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ጉጅለ ባህሊ ‘ሓደ ባህግና’ ተጠርኒፉ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ፡ ሃገራውያንን ንማሕበራዊ ሂወት ዝድህስሱን ደርፍታቱ ንመድረኽ ኣብቂዑ። ንኽብሪ ስዉኣት ብኽልተኡ ቋንቋታት ኣስቈርቊሩ።

ንማትኣ ካብ ዘዐንበቡ ስነ-ጥበበኛታ ሓደ ዝዀነ ድምጻዊ መምህር ኣልኣሚን፡ በቲ ብኽልተኡ ቋንቋታት ዝፍንዎ ዝነበረ ውስጠ-ዘኣዊ ትርጉም ዝሓቘፈ ሕደማታቱ፡ ሃገራዊ ስምዒት ኣብ ምቕስቃስ ግደ ስለ ዝነበሮ፡ ኣብ ዓይኒ ናይ ጸጥታ ሰባት ስርዓት ኢትዮጵያ ኣትዩን ከም ካልኦት ኣባላት ማትኣ ብዙሕ ግዜ ተኣሲሩን እዩ። ሃገራውያን ኣባላት ማትኣ ግን፡ ብማእሰርቲን ታህዲድን ስርዓት ኢትዮጵያ ከይተሰናበዱ ስራሓቶም ቀጺሎም። ድምጻዊ ኣልኣሚን፡ ኣብ ማሕበር ትያትር ኣስመራ፡ ኣብ ምዕባለ ዘመናዊ ደርፊ ትግረ መራሒ ተራ ዝሓዘ ሰነ-ጥበብኛ ክኸውን ዝበቕዐ እውን፡ ምስናይ ምጽንጻንን ጽንኩር ሳንሱርን ስርዓት ኢትዮጵያ እዩ ዝነበረ። ድሕሪ ማትኣ እውን ተስፋ ቘሪጹ ካብ ጥበብ ኣይተፋነወን። ምስ ጒጅለ “ከዋኽብቲ መርሓባ” ተጸንቢሩ፡ ብደርፍታት ትግረን ትግርኛን ስምዒቱ ኣንጸባሪቑ – ናይ ጥበብ ትሃኑ ኣውጺኡ። መምህር ኣልኣሚን ኣዒንቲን ሃድንን ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ዝበዝሓሉ፡ ኣብ መወዳእታ 1974 ኣእጋሩ ናብ ስደት ኣምሪሑወን። ካብ ኤርትራ ርሒቑ ትሃን ጥበቡ ከውጽእ እቲ ናይ ሽዑ ኩነታት ደሪኹዎ። ንስደት ኩቦ ክሳብ ዝድርብየላ፡ ንኣስመራን ኤርትራን ብምድፍናቕ ተፈልዩወን።

ክንዮ ሃገራዊን ዘልዕሉ ደርፍታቱ፡ ኣብ ፍቕራዊ መዳይ እውን ሰናፍ ኣይነበረን። ክሳብ ሎሚ፡ እዝኒ ሰማዒ ዘይተነፍጎም ናይ ፍቕሪ ደርፍታቱ ውሑዳት ኣይኰኑን።ገለ ትሕዝቶ ካብ’ታ “ዕላል ውደይ” ዘርእስታ ብትግረ ዝተጻወታ ፍቕራዊት ዜማኡ፦

ኣላለየ ላለየ ኣላለየ ላለየ
ጋርሳይ ወለይ እንገርነ ጀራዲኑ እትከለሳ
ዓድኪ ይኣምር ዎ ሰብኪ ዲብ ገበይ ረኤኩኪ
ምውላድኪ እንደ ኢደለ እግል ህዳይ ተምኔኩኪ
ተስታሂሉ ምን እንቲ ልቤ እግል ሃበኪ
ኣስኢሊኒመንእንቲዎመንሃላእት ልብኪ
ጋርሳይ ወለይ እንገርነ ጀራዲኑ እትከላሳ
ይሓዝየኪ እግል ኢበል ረከብኩኪ ምን ዓደም
ለትትፈተይ እንቲ ቱ መቀር ኢንቲ ዎ ግርም
ፈቴኩኪ እግል ኢበል ክቡእ በዲር ልትሓለም
ሓልፈተኒ ቀዳሚት ዎ ካልኣይት ዶል ይትደገም…

ተውለ ትግረን ትግርኛን ድምጻዊ ኣልኣሚን፡ ብትግርኛ ዝደረፎም ናይ ፍቕሪ ደርፍታቱ እውን ተሰማዕቲ እዮም። “ይቕረ በልለይ” ካብ’ተን ተሰማዕነተን ዘይሃሰሰ ፍቕራዊ ደፍታቱ እያ።

ሰላም ክብለኪ ሰላም ፍቐድለይ፡

በደለይ ኩሉ ኩሉ ሰርዝዮ
ኣይትሓዝለይ ኢኺ ይቕረ በልለይ፡
ጌጋ ምውዓል እዩ ክብድል ንዓኺ

ስሕታን ምውዓል እዩ እዚ ክፈድየኪ

ከምኡ ኣይነበረን ማሕላይ ኣብ ልዕለኺ
ሎሚስ ተጣዒሰ ይቕረ በልለይ ኢኺ

ሎምስ ተጣዒሰ ይቕረ በልለይ ኢኺ

ኣይትሓዝለይ ይቕረ በልለይ
ጎደሎ ምስትውዓል ፈኲስ ሓሳብ ጸይረ

ንዘይበደልክኒ ንስምኪ ኣምሪረ
ንመዓር ጠባይኪ ናብ ዕረ ቀዪረ

ዝፈጸምኩዎ በደል ግበርሉ ይቕረ

ዝፈጸምኩዎ በደል ግበርሉ ይቕረ

ኣይትሓዝለይ ይቕረ በልለይ

ሎሚ፡ ደርፍታት ማትኣ፡ ገና ምስሂወቶም ኣብ እዝኒ ሰማዕቲ ክበጽሑ ምኽኣሎም፡ ሓይሊ ጥበብ ናይ’ቶም ናይ ሽዑ ወናማት ዘርኢ እዩ። ድምጻዊ ኣልኣሚን ዓብዱለጢፍ እውን፡ ኣብ’ታ ብሓደሽቲ ደርፍታት ኣብ መድረኽ ክድይብ ዝበቕዓላ ማትኣ ኰይኑ ዝተጻወቶም ደርፍታት ፍቕሪ፡ ንመንእሰያትን ዓበይቲን ናይ’ቲ እዋንን ሕጂን ከራኽቡ ዝኸኣሉ እዮም። ምስ ተበርህ ተስፋሁነይ ብምቅብባል ዝደረፋ ናይ ፍቕሪ ደርፊ፦

ኣፍኪ ምሳይ
ልብኺ ምስ ደበሳይ

ኣይደልየክን ይኣኽለኒ ስቓይ

ኪዲለይ ኪዲለይ
ኣይደልየክን እምብለይ፡

ኪድለይ ኪዲለይ
ተወዲኡ’ዩ ፍቕረይ. . . ዝብል ትሕዝቶይርከባ።ኣብ 1939 ዝተወልደ መምህርኣልኣሚን፡ ካብ ኩትትናኡ ክሳብ ሽምግልናኡ፡ ላዛ ደሃዩ ከይተዘርገ፡ ድሙቕ ፍሽኽታኡ ካብ መድረኽ ከይረሓቐ፡ ምስ ደገፍቱን ኣድነቕቱን ከይተፈላለየ፡ ጥበብ ገዲፉ እዩ ንሓዋሩ ሓሊፉ። ወላዲቱ፡ ዓለሙን ኩሉ ነገሩን ምዃና እውን፡ ስማ ደጋጊሙ እናድሃየ ብስምዒት የዘንቱ። ንዕኡ – ኣደታቱ፡ ኣደን ሃገርን እየን። “ይማ” እትብል ደርፉ ድማ፡ ካብ’ተን ዝደመቓ ስርሓቱ ሓንቲ እያ። ክፋል ትሕዝቶኣ፡

እምየ ምን እፋቕድ ዓገብ ምወዴኩ

ዋልዳይት ሸላሊት ኣና እግላ ሓሌኩ እሜ

ምምባይቸ ተማስላ ይረኤኩ እት ሕቑፋ ዓቤኩ

ምን ጥባ ረዌኩ
ወይ ኣና. . . ዝገደሙን ዝሓደሱን

ደርፍታቱ ውሑዳት ኣይኰኑን። ንብዙሕ መዳያት ሂወት ዝፍትሹ፡ ከምኡ’ውን ሃንቀውታኡ፡ ትምኒቱ፡ ሓሳቡ፡ ትጽቢቱ. . . ዘግህዱ ስራሓት፡ ነበርቲ ሓድግታቱ እዮም። ስሙ ኣብ’ቶም ኣብ ነዊሕ ዓመታት ምስ ጥበብ ተቛሪኑ ዘፍረዮም ስራሓቱ ኣሎ። ባህጉን ተስፋኡን፡ እምነቱን መርገጺኡን እውን ኣብ ሕደማታቱ ኣለዉ። እቲ ደጊም እንትርፎ ብደሃዩ ብኣካል ዘይንረኽቦ ሓደ ካብ ከዋኽብቲ ጥበብ ኤርትራ።

source Hadas Eritrea

Comments are closed.