ገጣሚ፡ ንገጸባህርያቱ ብቋንቋኦም እምበር፡ ብቋንቋኡ ከዛርቦም ኣይግባእን

ሲስ ማሳዋ

ዝኾነ ዕዮ ስነ ጽሑፍ ብቃላት ዝቘመ’ዩ። እቶም ቀንድን ቀዳሞትን ናይ ስነ ጽሑፍ መሳርሒታት’ውን ቃላት’ዮም። ሓሳባትካ ወይ መልእኽትኻ ካብ ውሽጢ ናብ ደገ ብቃላት ይጓዓዓዙ። መጓዓዝያኻ ጽፉፍ ምእንቲ ክኾነልካ ድማ እትመርጾም ቃላት ኣዝዮም ኣገደስቲ ይኾኑ። እቲ ምንታይሲ፡ ኣብ ዘይምዓልኡ ዝወዓለ መሳርሒ ንዕዮኻ ክሸራርፈልካ ወይ’ውን ክድውነልካ ስለዝኽእል። ኣየናይ ቃል ንኣየናይ ሓሳባት ይስከመልካ ብጥንቃቐ እንተዘይተመሪጹ ግን፡ ሓሳባትካ ኣብ ጕዕዞ ክዝረዉ ወይ ክበታተኑ ይኽእሉ። ስለ’ዚ ኢዩ ከኣ ኣብ ስነ ጽሑፍ ኣመራርጻ ቃላት ወይ ዲክሽን ዓቢ ኣቓልቦ ክወሃቦ ዘለዎ።

Diction(ዲክሽን)፦ዲክሽን፡ ብ 2 ባእታታት ዝቐውም(ቃላትን፣ ኣገባብ ኣዃኹዓን) ኮይኑ፡ ብሓፈሻ ኣመራርጻ ቃላትን ኢልና ንትርጉሞ፣ ነታ ቃል ምምራጻን ግቡእ ቦታኣ ምርካባን ማለት’ዩ ኣብ ግጥሚ።

እቲ ቀዳማይ ባእታ ’ቃላት’፦ ኣብ ግጥሚ ክንርእይ ተኾንና እቶም ቃላት ፍኹስ ዝበሉ ድዮም ወይሲ ውስብስብ ዝበሉ ክንፈልጦም የድልየና። ገለ ቃላት ቅልል ዝበለን ንጹር ትርጉምን ክህልዎም ይኽእል። ግሊኦም ድማ ሓንት ቃል ክንሶም ብዙሕ ትርጉምን መልእኽትን ዘለዎም፡ ኽብድ ዝበሉ ክኾኑ ይኽእሉ።

እቲ 2ይ ባእታ ናይ ዲክሽን ’ኣገባብ’፦ ነቶም ቃላት ድሕሪ ምርኣይና፡ ናብዚ ባእታ እዚ መጺእና ድማ፡ እቶም ቃላት ብኸመይ ኣገባብ ተሰዂዖም ከም ዘለዉ ምፍላጥ የድልየና። ገጣሚ ብ 2 ኣገባብ ቃላትቱ ክሰኩዕ ይኽእል። ’ተራ’ ኣገባብ ፥ ከምኡ ’ ውን ’ዘይልሙድ ኣገባብ።
ተራ ኣገባብ ኣሰዃኹዓ ቃላት ኣብ ግጥሚ፡ከምቲ ልሙድ ኣዘራርባን ኣጸሓሕፋን ናይ ሰባት ጌርካ ምስዃዕ ማለት’ዩ። እቲ ’ዘይልሙድ ኣገብ’ ኣሰዃኹዓ ቃላት ኣብ ግጥሚ ንብሎ ድማ ፡ ካብቲ ልሙድ ኣዘራርባን ኣጸሓሕፋን ሰባት ዝወጸ(ዝተፈልየ) ጌርካ ቃላትካ ምስ ትሰኩዕ እዩ። ክዝንጋዕ ዘይብሉ ግን፡ ኣገባብ ኣሰዃኹዓ ደኣ ይፈላለ እምበር እቲ ትርጉም ክጠፍእ ኣይግበኦን። ንኣብነት፦
1) <ተዃሉ ዓድና ፡ በሊዖመን ንጥሪትና> ፡ እዚ ’ተራ ኣገባብ ኣሰዃኹዓ ቃላት’ ክንብሎ ንኽእል።
2) <ንጥሪትና፡ በሊዕመን ተዃሉ ዓድና> ፡እዚ ከኣ እቲ ’ዘይልሙድ ኣገባብ ኣሰዃኹዓ ቃላት ’ክንብሎ ንኽእል።

ዲክሽን ኣብ ግጥሚ ብዝግባእ ምስ ዝዕየየሉ፡ ማለት ኣመራርጻን፣ ኣገባብ ኣሰዃኹዓ ቃላትን፣ ብሓንሳብ ምስ ዝሓብሩ(ዝወሃሃዱ) ፥ ን ገጸባህሪ(ጠባይ) ናይቲ ኣዘንታዊ ተኣማኒ ኣብ ምግባር ዓቢ ግደ ይጻወቱ። ወይ ከኣ ንቃና(tone) ናይታ ግጥሚ ዓቢ ግደ ይህልዎ። ብ ዲክሽን ዝተፈጥረ ቃና ኣብ ግጥሚ ከኣ፡ ን ኣንበብቲ ርጉጽ ዝኾነ ስምዒታት ከም ዘምጽኣሎም ይገብር። ኣንበብቲ ብ ቃና ናይቲ ግጥሚ ኣቢሎም፡ ናይ ናፍቖት ፥ ፍቕሪ ፥ ጽልኢ ፥ ሕርቃን ፥ ሓጎስ ፥ ሓዘን ፥ ጭካነ ፥ ድንጋጸ ፥ ትብዓት ፥ ፍርሒ ፥ ኣግርሞት . . . ወዘተ ስምዒታት ክስምዕም ይኽእል። ብዘይካ እዚ ’ውን ቃና ፡ ስምዒት(ሙድ) ናይ ሓንቲ ግጥሚ ይፈጥርን፣ ኣብ ቴማኣ ’ውን ኣስተዋጽኦ ይህልዎ። ንሓንቲ ግጥሚ ንኽትርድኣ ድማ ይሕግዝ።
እምበኣር ዲክሽን፡ ገጸ ባህሪ ኣብ ግጥሚ ተኣማኒ ኣብ ምግባር ዓቢ ግደ ካብ ሃለዎ፣ ገጣሚ፡ ንገጸህርያቱ ኣብ ግጥሚ ብ ቋንቋኦም ደኣ’ምበር ብ ቋንቋኡ ከዛርቦም ኣይግባእን። ነዚ ድማ ብዝመርጾም ቃላት ክገብሮ ይኽእል።
ንኣብነት፡ ጠባይ ኣብ ሓንቲ ግጥሚ ህጻን እንተ ኾይኑ፡ ህጻን ክዛረቦ ብዝኽእል ቋንቋ ደኣ ክዝንቶ ኣለዎ እምበር ፡ብዝተንቀባረር ቋንቋ ገጣሚ ምስ ዝዝንቶ፡ ተኣማንነት ’ቲ ጠባይ ጠፊኡ ፥ ቃና ደኺሙ ፥ ሙድ ናይ ግጥሚ ተዘሪጉ ፥ ኣንባቢ ኣብ ስምዒት ክኣቱ ተኽእሎ ኣይህሉን። ወይ ’ውን ገጸ ባህሪ ኣብ ግጥሚ ሓደ ሓዘንተኛን ጉህይን እንተኾይኑ፣ ገጣሚ፡ ገጸ ባህሪኡ ሓዚኑን ጉህዩን ምህላዉ ብቋንቋኡ ዘይኮነ ክገልጸልና ዘለዎ ፥ እቲ ጠባይ፡ ብቋንቋኡ ጌሩ ሓዘኑን ጓሂኡን ከም ዝስምዓና’ዩ ከዘንትወልና ዘለዎ።

ካልእ ድማ፡ ጠባያት ኣብ ግጥሚ ኣብ ምዕራባዊ ሃገር ወይ ኣብ ዓረባዊ ሃገር ተወሊዶም ዝዓበዩ ምስ ዝኾኑ፡ ዋላ ’ውን ናይ ትግርኛ ግጥሚ ይኹን፡ እቶም ጠባያት ክዛረብዎ ወይ ክስዕሮም ዝኽእል ናይቲ ዝዓበየሉ ቋንቋ፣ ገለ ቃላት ኣብ ግጥሚ ምስ ዝርከብ፣ ግጥሚ ትግርኛ ናይ ባዕዲ ቃላት ስለ ዝተሓወሶ ከም ኣበር ወይ ድኹም ክፋል ኣይቁጸርን። ብኣንጻሩ ደኣ’ኳ ሓያል ጎኒ ናይታ ግጥሚ ይኾኑ። ምኽንያቱ ብ ቋንቋኦም ገጸባህሪኦም ከተለሊ ስለ ዘኽእሉኻ። ብኡ ኣቢሎም ’ውን ንረብሓታት ዲክሽን ስለ ዘንጸባርቑ ኣብታ ግጥሚ። ስልዚ እምኣር ባዕዳውን ቃላት ዝተሓወሶ ግጥሚ ትግርኛ ፡ከም ድኹም ወይ ክኸውን ዘይነበሮ ኢልና ፍርዲ ቅድሚ ምሃብና ፥ ንገጸባህሪ ናይቲ ግጥሚ ኣለሊና ምስ ኩነታትን ቋንቋን ’ቲ ጠባይ ዝሳነ ድዩ ኣይኮነ ኢልና ነቲ ዛንታ ክንርድኦ ኣለና።

ጽቡቕ ናይ ዲክሽን ኣብነት ክኾናና ዝኽእላ ግጥምታት፦

ቤት ማእሰርቲ

ቤት ማእሰርቲ
እስር ቤት ነበረት
እስር ቤት
ፕሪዝን ነበረት
ፕሪዝን
ካርዜማ ነበረት
ኤርትራውያን ጀጋኑ
እናሓየረት እናሓየረት
ስም ደኣ እምበር ግብራስ ነይቀየረት።

ዶክ. ርእሶም ሃይለ

እብዛ ሓጻር ግጥሚ ዘለዉ ቃላት እንተ ርእይና፡ ” ቤት ማእሰርቲ ፥ እስር ቤት ፥ ፕሪዝን ፥ ካርዜማ” ዝብሉ ቃላት ብ 4 ቋንቋ (ትግርኛ ፥ ኣምሓርኛ ፥ ኢንግልዘኛ ፥ ጥላነኛ) ዝተጻሕፉ ፡ ክንዮ እታ ’ቤት ማእሰርቲ ትብል ሓንቲ ትርጉሞም፡ ንኻልእ ውክልና ተሓሲቦም ዝተመርጹ ፥ ብግቡእ ኣገባብ ዝተሶኽዑ ቃላት’ዮም። ካብታ ’ካርዜማ ጀሚራ ክሳዕ ’ታ ቤት ማእሰርቲ’ ትብል፣ እቶም ሓደ ድሕሪ ሓደ እናተቀባበሉ ንኤርትራውያን ጀጋኑ ዝሓየሩ ገዛእቲ ፦ መግዛእቲ ጥልያን መ. ኢንግሊዝ ፥ መ. ኢትዮጵያን፣ መ. ህግደፍን(ቋንቋ ዝቀየረ ገዛኢ)፡ ብውክልና በብቋንቋ ተገሊጾም ኣለዉ ኣብዛ ግጥሚ። ጥበብ ናይ ገጣሚ ድማ’ዩ እዚ። ኣብዚ እምበኣር’ዩ ሓይልን ጽባቐን ዲክሽን ዝጎልሓልካ።
፨ . ፨ . ፨
2ይቲ፡ < ’ነቦኻ> ትብል ግጥሚ ሳባ ኪዳነ ፡ ዛንታ ሓንቲ ውጽዕቲ(ህጻን ወዳ ሒዛ ትልምን) ኣደ፣ ኣብ መንጎ እታ ኣደን ወዳን ዘሎ ዝርርብ ፡ን ጠባይ ናይቲ ቆልዓ ተኣማኒ ዝገብሩ፡ ዘይ ብቋንቋ ገጣሚት፣ ብልሳን ’ቲ ህጻን ዝዝረቡ ከብድኻ ዝበልዑ ፥ ሂወት ናይታ ግጥሚ ካብ ዝኾኑ ቃላት ’ውን ጥበብ ዝሓለፎም ጽቡቕ ኣብነት ናይ ዲክሽን’ዩም። ገለ ካብ ግጥሚ <’ነቦኻ>፦

“ማማየ’ቲ ጅንሒ ከልኤኪ”
“እንታይ?”
“ከምጂ”
ዝጸምለወ ገጻ ተስፋ ተቐልቂሉዎ
ጻውቱ ርእያ ስሓቕ ክትክውሖ
ኣብ ተጠንቀቕ ኢያ ነይራ
ተዋዲዱ ፍቕራ
ንሱ ከም ናታ ስለ ዝኸኣለ
ፍንጭሕጭሕ እናበለ
“ሽለ ማልያም” ኢሉዋ ኢዱ እናሰደደ. . .

፠ . ፠ . ፠ . ፠

Comments are closed.