ዶክተር ኣባ ይስሃቕ ገብረየሱስ እቶም ፈላሲ: ተጋዳላይ: ተመራማርን ጸሓፊ ታሪኽን

መኮነን ተስፋይ

(1932-2009)

ዶክተር ኣብ ይስሃቕ ገብረየሱስ ክፍላይ፡ ኣብ 1932 ኣብ ሓላይ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ናይ ሕጂ ዞባ ደበብ ተወልዱ። ሃለቃ ወይ ከኣ ባሻይ ገብረየሱስን ወይዘሮ ተኽኣ ሰመረን ካብ ዝወለድዎም ትሽዓተ ቆልዑ፡ ዶክተር ኣባ ይስሓቕ መበል ሻዱሻይ ውላድ ነበሩ።  ኣባ ይስሃቕ፡ ብዘይካ’ቲ ኣብ ካልእ ዓውድታት ዘበርከትዎ ሙያ  ኣብ ታሪኽ፡ ስነ ባህሊ፡ ስነ-ሰብ፡ ስነጽሑፍ፡ ስነጥንቲ፡ ስነፊደልን ቋንቋን፡ ብሓፈሽኡ ንባህልን መንነትን ሃገሮምን ህዝቦምን ዘጉልሕ ዓበይቲ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ ምርምራዊ ስርሓት ዘበርከቱ ዘይሕለሉ ኣቦ ኢዮም ኔሮም።

ንሶም ኣብ 1954 ዓም ናብ ማሕበር ካፑቺን ብምእታው ህይወት ምንኩስና ሓደ ኢሎም ፈለምዎ። ኣብ ማሕበር ካፑቺን፡ ብዘይካ’ቲ ብማሕበር ዝተዋህቦም ዕዮ፡ ነብሶም ንምምዕባል ብዝገበርዎ ጻዕርን ሓርኮትኮትን፡ ብቐንዱ ከኣ ካብ ንባብ ዝረኸብዎ ፍልጠት ንብጾቶም ንምክፋል ካብ ዝገበርዎ ጻዕሪ ተበጊሶም፡ ገለ መንፈሳዊ ጽሑፋት ክጽሕፉ ጀመሩ። ክሳዕ 1969 ድማ ካብ መንፈሳዊ ጽሑፋት ናብ ዝተፈላለየ ቴማ ዘለዎም ባህላዊ፡ ስነጽሑፋውን ታሪኻውን ጽሑፋት ከዘንብሉ ጀመሩ። በዚ ድማ “ጽውጽዋይ ወድኮይ ጸሊማይ” ፡ “ማሪቆሳይ ወይኒ ምስ ሕምባሻይ”፡ “ንቐደም በሉ” ወዘተ ጽሑፋት ብምጽሓፍ፡ ገና ካብ ልቢ ኣንበብቲ ዘይሃሰሱ ስርሓት ኣበርከቱ።  ብድሕሪኡ’ውን  ከም በዓል ንጉሰ፡ ራእሲ ወልደሚካኤል፡ ጎናይ፡ ሕነሽም ወዘተ ዝኣመሰሉ ጽሑፋት ከበርክቱ ጸንሑ።

ኣብ መንጎ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ምርምርን ናይ ጽሑፍን ሞያ እንከለው ግና፡ በቲ ናይቲ እዋን’ቲ ፓለቲካዊ ኩነታት ተጸልዮም ኣብቲ ኣንጻር ስርዓታት  ሃይለስላሴን ደርግን ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ ንምስታፍ ኣብ 1975 ናብ ህዝባዊ ግምባር ተጸንበሩ። ንሶም ኣብ ገድሊ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ  ኣብ ኣዚዩ በዳሂ ኩነታት ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት እጃሞም ከበርክቱ ድሕሪ ምጽናሕ ብፍላይ ካብ 1983 ጀሚሮም ኣብ ምርምራዊ ስራሓት ተመዲቦም ክሳዕ 1991 ኣገልጊሎም። ብድሕሪኡ’ውን ክሳዕ’ቲ ብሕማም ተሰኒፎም ክጽሕፉ ኣብ ዘይክእሉሉ ደረጃ ዝበጽሑ  ህሉውን መጻኢን ወለዶታት ክጥቀመሉ ዝኽእለሉ ምርምር ኣበርኪቶም’ዮም።  ኣብ ግዜ ቃልሲ፡ ከም በዓል “ደቀባት ህዝብታት ኤርትራ”  (ትርጉም  ናይ ኣልቦርቶ.  ፖለራ )፡ “ሓደራኹም ድሩይ በልዎ”፡ “ንኣምላኽ ዘምሩ”  ወዘተ  ዝ ኣመሰሉ  መጻሕፍቲ ከሕትሙ ኪኢሎም ኔሮም።  ድሕሪ ናጽነት ድማ ነቲ ናይ ምርምር ስርሓት ብዝተዓጻጸፈ ጻዕሪ ብምቕጻል፡ ከም በዓል፡ “ኣፈፈት ቅያ ኤርትራ ኣብ 1993”፡ “ፍረዱ 1992 ”፡ (ጸኒሓ ብእንግሊዝ፡ጣልያን ኣምሓርኛ ዝተተርጎመትን ኣብ ጋዜጣታት ኢትዮጵያ ዓቢ ኣቓልቦ ዝረኸበትን፡ “ ህዝብታት መረኒ፡ ፍጥረተ ገሽናሽም ” ትግረ፡ ትግራይ፡ ትግርኛ፡ ትግሬ እንኮ ትግረ”፡ “ንጉሰ ንጉሰ ወይዛ ዓለም ብላሸ”፡ “ናይ ፍቕረስላሴ ዕቑባዝጊ ሙዚቃዊ ስርሓት”፡ ኣፋዊ ስነጽሑፍ ቋንቋታት ኤርትራ” “ኪዳናት ምኒሊክን ጣላያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ ኤርትራ”፡ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ካብ ሰብኣ ፑንት  ክሳዕ ልዑላን ሕሪጊጉ”፡ ምጸምጸ ካብ ዕምባባ ጸጸግኡ”፡ “ዓለም ለኻዊ ትግርኛ”  ኣብ መወዳእታ ከኣ ምይይጥ መኣትዎ ናብ ስነጥንታዊት ኤርትራ ኣብ 2006 ከም ኡ’ውን እታ ናይ መወዳእታን መበል 42 መጽሓፎምን መደረታት ኣብ 2007 ብምሕታም ምናልባት’ውን ኣብ ታሪኽ ኤርትራ እቶም ዝበዝሑ መጻሓፍቲ ዝጸሓፉ ተመራማሪ ታሪኽን ደራሲን  ክኾኑ ኪኢሎም’ዮም።  ዶክተር ኣባ ይስሓቕ ገብረየሱስ ብዘይካ መጻሓፍቲ ሓያሎ   ትምህርታዊ  ፓስተራትን ፊልምታትን ኣብ ምብርካት ዓቢ ተሳትፎ ኣካይዶም’ዮም።

ዶክተር ኣባ ይስሓቕ

ግዝየን መዋዕልን ይሓልፍ

ሰብ ከኣ ምስኡ ይሓልፍ

ኣሰር ብርዒ ግን ምዝራብ ከየቋረጸ ንወትሩ ይጸንሕ

ንብዕራይካ ሓሰርን ማይ ቀርበሉ ጸጸኒሑ ክምለሰን’ዩ

ንውላድካ እንገራ ኣብ ጊባቦ ቀርበሉ፡ መምስ ጠመየ ናብኣ እዩ።

ንሕብረተሰብ  ጽሓፈሉ፡ መምስ ኣድለዮ ከንብቦ እዩ።

ጸሎት ማለት፡ ሕያዋይ ፈጣሪ ከምዘሎ፡ ንስኻ ከኣ ፍጡር ምዃንካ ምርዳእ እዩ።

ድሕሪ ለይቲ ቀትሪ፡ ድሕሪ ክረምቲ ጽብሓት ኣይተርፍን  ዝብሉን ካልኦት ኣማኢት ተዘከርቲ ጥቕስታት ንድሕሪት ዝገደፉ ኣባ ኢዮም። ንሶም ንሃይማኖትን ፓለቲካን ከይሓናፈጹ እምነቶም ዓቂቦም ዝቃልሱ ፈላሲ ነበሩ። ኣብ ብዙሕነት ባህልታትን ሃይማኖታትን ግቡእ መረዳእታ ዝነበሮምን ንዕኡ ኣገናዚቦም ዝምህሩ ዝነበሩ ፍሉይ ዝኾነ ንቕሓት ዝውንኑ ጸሓፊ ከም ዝነበሩ ፈልጥቶም ይዝክሩ።

ዶክተር ኣባ ይስሓቕ ብዛዕባ ናይ ጽሕፈት ህይወቶም ኣብታ መደረታት ትብል መጽሓፎም ከምዚ ክብሉ ጠቒሶም ነበሩ።” ብወገነይ ስትራተጅያዊ ዳህሳሳይን ረኻባይን ደኣምበር ብዝኾነ ምኽንያት ኣሕታማይ ኣይኮንኩን። ክሳዕ ክንደይ ተዓዊተ ብዘየገድስ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ዝገለጽክዎ ስትራትጅያዊ ናይ ህይወት ዕላማ ግን ኣሎኒ። ከም ኡ ስለዝኾነ ከኣ፡ ዳህሲሰ እንታይ ረኺበ፡ ጽሒፈ ኸኣ እንታይ ኢለ፡ ኣብ መንን ኣበይን ኣብ ምንታይን ንምብጻሕ እዩኸ፡ ንባዕለይ ዘነጸርኩ በዓል ጉዳይ እውን እየ። ምስጋና ንኹሉ ዝኽእልን ዘኽእልን ፈጣሪ፡ ሕልናይን ፍቓደይን ንኸምኡ ዝተዋደደ እዩ። ንኸምዚ ዓቕምን ክእለትን ኣለኒዶ የብለይን ግን ርእሱ ዝኸኣለ ሕቶ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።” ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ከኣ ያታታትናን ባህልታትናን  ንጸሓፍትን ሰኣልትን ንኹሉ ደላይ ፍልጠትን ነዊሕ ምናልባት’ውን ንወለዶታት ጸሚዱ ከስርሕ ዝኽእል፡ ናይ ጸሓፍትን ተመራመርትን  ገነት ዝኾነ ያታታትን ባህልን ከም ዘሎና’ሞ ነዚ ምእንቲ ምምዝማዝ ንመንእሰይ ምእንቲ ምውራስን ምርምርን መጽናዕትን ክገብርን ዝመራመሩ ከይተረፈ እውን ክንጽውዕ ከም ዝግበኣና ክንድቲ ዝተረዳኣና ኣይንመስልን። ኩሉ ናብ ቁጠባ ጥራይ ስለ ዘድሃበዶ ኮን ይኸውን ወይ ከኣ ካብ ነዊሕ ዘበናት ዝተደለበ ዘኹርዓና ያታታት ስለዘይብልና ድዩ? ምናልባት እቲ ዘሕለፍናዮ ሕሱም መግዛእትን ሕሱም ባርነትን ድዩ ነብስናን ን ናትናን ዘበለ ከም ንጸልእን ንንዕቕን ጌሩና ዘሎ፡ ብምባል ብዛዕባ ባሃላዊ ያታታትና ኣቓልቦ ምስኣኖም ዝነበሮም መረረ ብኸምቲ ቅድሚ ኢልና ዝሰማዕናዮ ክገልጽዎ ኪኢሎም ነበሩ

ጽልዋ ሃይማኖት ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝብል ሓጺር ዓንቀጾም ብዛዕባ ባህልን ሃይማኖትን ከምዚ ክብሉ ጽሒፎም ነበሩ።

ኣብ ባህሊ ኤርትራ ጽልዋ እንተ ደኣ ሃልዩ፡ እቲ ናይ ሃይማኖት ጽልዋ ጥራይ ኢዩ ኪበሃል’ኳ ዘጸግም እንተኾነ፡ ዓቢ ቦታ ከም ዘለዎስ ዝከሓድ ኣይኮነን። እዚ ናይ ሃይማኖት ጽልዋ ኣብ ባህሊ ኤርትራ ከኣ ኣብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ሓፈሻውን ሓያልን እዩ። ናይ ሃይማኖት ጽልዋ ዘይ ኣ ተዎ ናይ ህይወት መዳይ ኣሎ ክበሃል ከኣ ኣይከኣልን። ብዘይካ ገለ ውልቀ ሰባት፡ ንሳቶም እዉን ቀልጢፎም በቲ ሕብረተ ሰብ ዝምጸዩ እንተዘይኮይኑ፡ መላእ ህይወት ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ብሃይማኖት ዝተጸልወን ዝተሰርዐን እዩ።

እቲ ሃይማኖታዊ ጽልዋ መብዛሕትኡ ግዝየ ብሓፈሻዊ ሓቢርካ ናይ ምንባር ልምዲ ዝተሰርዐኳ እንተኾነ፡ ሓደ ሓደ ግዝየስ፡ ምፍልላይ ዝዕላማኡ ጽልዋታት እዉን ኣሎ። ብፍላይ ገሊኡ ጽልዋታት ንሃይማኖት ተጠቒሙ ዝሰርሕ ሓያል ጽልዋ እዩ። ኣብ መላእ ክርስትናን ምስልምናን ዓለም ዘየሎ፡ ብወንግየል ይኹን ብቑርኣን ዘይተኣዘዘ ወይ ዘይተኸልከለ፡ ኣረ’ኳ ደኣ ንወንግየልን ቁርኣንን ዝጻረር ናይ መን ሓረዶ ምፍልላይ፡ ኣብዚ ክጥቀስ ዝከኣል እዩ። እዚ ግን ታሪኻዊ መበቆሉ ይህልዎ(7) ጽልዋ ሃይማኖታዊ ኣብ ባህሊ ኤርትራ ዝሃለወ እንተሃለወ፡ ዝሓየለ እንተሓየለ ግን፡ እቲ ኣብ ካልእ ዓለም ዘርእዮ ኣሉታዊ መዳያት ከርኢ ኣይከኣለን። ኣብ ዓለም እዘን ሰለስተ monoteisi፡ ማለት ምስልምናን ክርስትናን ኣይሁድነትን እቲ ንኣምኖ ኢና ዝብልኦ ኣምላኽ ሓደ ክነሱ፡ እሞ ናይ ሰላምን ፍቕርን ሕውነትን ምሕረትን ኣምላኽ ክነሱ፡ ወትሩ ግዝየ ብስሙ ምስ ተሓናዘፋን ደም ምስተቓባኣን እየን። እዚ ናይ ድርቅና ጸገም እዚ ኣብ ኤርትራ እኳ ኣይፍለጥን ክበሃል ይከኣል። ኣብቲ ዝኸፍ አ ናይ ከፋፊልካ ግዛእ ዘበነ መግዛእቲ’ኳ እዚ ክልቲኡ ክጻባእ ኣይተራእየን። በንጻሩ’ኳ ደኣ ተሓጋጊዙን ተመኻኺሩን ብሕውነት ኣሕለፎ።

ካልእ ማንም ከስተባህለሉ ዘይኽእል፡ እቲ ህዝቢ ግን ሸለል ከይበለ ጽቡቕ ጌሩ ዝፈልጦን ዝጥቀመሉን ነገር፡ ካብ ዝኾነ ናይ ሃይማኖት ጽልዋ ዘይምንጩ ጉዳይ ከኣ እቲ ብዝተፈላልየ ቋንቋታትን ሃይማኖታትን ነንበይኑ ዝመስል ህዝብታት ብመበቆላቱን ብቕያኡን ሓንቲ ከም ዝኾነ ይፋለጥ ምዃኑ እዩ። ኣብ መሳጊድን ኣብያተ ክርስትያንን ብሓባር ምጽላይ፡ ኣብ መርዓታት ምትዕድዳም፡ ኮታ ሓድሕድ ምትሕግጋዝ ንጹር ዝኾነ ተግባር ምፍጻም ከኣ፡ ምናልባት ከም ኣብ ኤርትራ ኣቢሉ ኣብ ካልእ ዝተራእየ እንተሎ እንድዒ። ደርጊ ንዘዕነዎ እንዳ ማርያም ጥዋለት ባጽዕ ምእንቲ ክዕረ፡ 50 ሽሕ ጅነ ሱዳን ዝሃበ ኣስላማይ ትዝ ይብለኒ። ክርስትያን ዘዕነውዎ ኣስላም ሃነጽዎ ማለት ምዃኑ እዩ ከኣ። ታሪኽ እዩ ከኣ።

ብዛዕባ ሓወልቲ መጠራ ኣብታ ትእምርተ መጠራ ዝሰመዩዋ መጽሓፎም ዘስፍረዎ መቕድም’ውን ገለ ካብ ትሕዝቶኡ እዚ ዝስዕብ ይርከቦ

ትእምርቲ ወይ ምልክታት መጠራ ኢለዮም ዘሎኹ፡ ነቶም ፊደላት እየ። እዚ ኣሰማምያ’ዚ፡ ኣብቲ መጀመርታ ግዝየ ምናልባት፡ ግር ኪብል ይኽእል ይኸውን። ሓቁን ምኽንያቱን ርዱእ እና ኾነ ምስ ዚኸይድ ግን፡ ልክዕነቱ ከም ዚፍለጥን ቅቡል ኣሰማምያ ከም ዚኸውንን ጥርጥር ዚበሃል የብለይን።

ብዛዕበኦም ዝተባህለ’ኳ እንተ ተባህለ፡ ኣስማት ዝወጽእ እንተ ወጽአ ናብ ዘስፋሕፍሑ’ውን እንተ ኣስፋሕፍሑ፡ ታሪኽ ንመፈለምታ ግዝየ ኣብ መጠራ እዩ ዝፈልጦም። ቅድሚ ኣብ መጠራ እዉን ኣብዛ ኣፍሪቃ ኣብ ካልእ ኣይተራእዩን። እዚ ማለት ከኣ፡ እቲ ዝጠንተወ በዞም ምልክታት እዚኣቶም ዝተደርሰ ጽሕፈትሲ ንሱ እቲ ኣብ ሓወልቲ መጠራ ዚርከብ ዘሎ ክቡር ምልክታት ማለት’ዩ። ብዛዕባ’ዚ ኩሉ መጽናዕትን ምርምራትን ይሰማማዕ።

ትእምርተ መጠራ ሒዞሞ ዘለው መልእኽቲ ኩሉ፡ ብኣና ርዱእ ድዩ ኣይርዱእን ብዘየገድስ፡ ከም’ዚኦም ዝ ኣመሰሉ ምልክታት ብኸምዚ ዝበለ ደረጃን ዕብየትን ኪሰርሑ ግዜ እንረክብ፡ ኣብ መጠራ ጥራይ ኢና። ኪፍጠሩ ወይ ዕንክይክይ ኪብሉ ከኣ ዘይኮነስ፡ ተኣኒኖም ብመንግስታዊ ደረጃ ኣብ ሓወልቲ ተወሪቖም፡ ንቡር ስርሖም ኣብ ምስላጥ እዮም ኣብኡ ዘለው። መፈጠር ናይቶም ምልክታት፡ አርትራዊ ብዛዕባ ምዃኑ እምበር፡ ንረዳእ ደኣ እምበር ኣይንገረም። ምኽንያቱ ከኣ፡ 3-4 ሽሕ ዓመት ይገብር ን አርትራ ዚውንኑ ዝነበሩ ሰባት ከም ዝተገልገሊሎምን ዝሰርሑሎምን እሞ፡ እቶም ዝጠንተው ፊደላት ግእዝ፡ ንሳቶም እቶም ኣብ ሓወልቲ መጠራ ዚርከቡ ምልክታት ምዃኖም ምርግጋጽ ጥራይ ንኣና እኹል እዩ። ካብ ክንደይ ኣሽሓት ዓመታት፡ ካ’ብየናይ መዋዕል ንዚብል’ውን ንታሪኽ እምበር ንኣና ኣብዚ ብዙሕ ዝግድሰና ኣይኮነን።

ናይዚ ዞባና ናይ ዝኾነ ጽሑፍ መሰረትን ምንጭታን እምበኣር ንሳቶም እዮም እሞ፡ ትእምርተ መጠራ ምባሎም ብልክዕ ንኣታቶም ዚግባእ እዩ።

እዞም ምልክታት’ዚኣቶም ዝ ኣክል ከም ዝተኸላበቱ ከኣ እቲ “ፊደላት ኣምሓርኛ ተባሂሎም ምጽዋዖም’ኳ እኹል ዝኾነ መርኣያ እዩ። ብውሑዱ ፊደላት ሓበሻ ተባሂሎም ምጽዋዕ’ኳ ተሓሪሙዎም፡ ምስቲ ካብ ሱዳን ተወሲዱ ንሓበሻ ኣጎልቢቡ ዝዓበጠ፡ ሓዲሽ ስም ፦ “ፊደላት ኢትዮጵያ” ክሳዕ ምባሎም ተበጺሑ። ብፍላይ እዚ መወዳእታ ከኣ ንዓቢ ትምክሕትን ምድንጋርን ኣገልጊሉ የገልግል’ውን ኣሎ። እዚ ነገር’ዚ ኪእረም ይግባእ፡ “ትእምርተ መጠራ” ብምባል። በቲ ንዘለኣለም ዘየቋርጽ ትእምርቶም እናድመጹ፡ ኣብ ኣ ኣብ መጠራ ዝጸንሑን ዘለውን ናይ መጠራ ምልክታት ስለዝኾኑ።

ዶክተር ኣባ ይስሃቕ  ዋላ’ኳ ኣብ ንእስነቶም  ስሩዕን ዘመናውን ትምህርቲ ክረኽቡ እንተዘይከኣሉ፡ ብናይ ገዛእ ርእሶም ሓርኮትኮትን ጻዕርን ክሳብ ዝለዓለ ደረጃ  ኣካዳምያዊ ተፈላጥነት  ዝረኸቡ ምርምራዊ ፍርያት ኣበርኪቶም። መር ኣያ ናይዚ ኣብ ዓመተ 2001፡ ካብ ኣብ ሮማ ኢጣልያ ዝመደበሩ “ዩኒቨርሲታስ ሳችቲ ቺሪሊ” ብናይ ታሪኽን ፍልስፍናን ናይ ዶክትሬት መዓርግ ተቐበሉ።  ብዘይካዚ ካብ “ኣካዳምያ ዩሪፒያ ፐር ለ ረላዝዮኒ ኩልተራሊ ኢኮኖሚከ” ብስነባህልን ስነቁጠባን መር ኣያ  ብሉጽ ፍርያቶም   ናይ ዲፕሎማ መዳልያ  ተቐበሉ። በዚ ከኣ፡ ኣባል ናይቲ ኣካዳምያዊ ማእከል ናይ ምዃን ዕድል ዝረኸቡ ናይ መጀመርታ ኣፍሪቃዊ ክኾኑ በቕዑ። ህይወቶም፡ ኣብ ጸሎት፡ ጻዕርን  ብድሆታትን ዝተኸበ እዩ ነይሩ። ንኹሉ ናይ ጥዕና፡ ስራሕን ህይወትን ብድሆታት ብምግጣም ብዝረኸብዎ ጸቢብ ዕድል ን ኣንበብትን ተመራመርትን ገፊሕ ባብ ኣርሕዮም’ዮም ሓሊፎም። ንሶም ንነዊሕ እዋን ብዝተፈላለየ ሕማማት ይሳቐዩ እኳ እንተነበሩ፡ ብፍላይ ኣብ መጨረሽታ እዋናት ናብ ኤውሮጳ  ብምጋሽ ሕክምን ኦም ወዲኦም ብዙሕ ከበርክቱ እናወጠኑን ኣፍቃሪ ንባብ እናተጸበዮምን  ቀዳም ወጋሕታ 18  ሓምለ ናይ 2009 ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም ናብ ዘል ኣለማዊ ቤቶም ሰገሩ። ስነስርዓት ቀብሮም ከኣ ብ 30 ሓምለ 2009 ብክብ ዝበለ ስነርዓትን ድምቀትን ኣብ ኤርትራ ተፈጸመ።

 

Comments are closed.