ክላሲካዊ መጽሓፍቲ ትግርኛ ኤርትራ

ኣሰናዳኢ – AMAN TEKESTE W.

 

  1. “ሓደ ዛንታ” – ገብረኢየሱስ ሃይሉ – 1950 ዓ/ፈ

እዛ መጽሓፍ ብ1950 ትተሓተም ደኣ’ምበር፡ ኣቐዲሞም (ብ1927) ጽሒፎማ ከም ዝነበሩ ይፍለጥ። ትሕዝቶ ናይዛ መጽሓፍ ብዛዕባ ሓደ ኤርትራዊ ዓስከር ኣብ ሊብያ ዘሕለፎ ጸገም ብስእላዊ ኣገላልጻ ተቕርብ። ብኣገባብ ኣጸሓሕፋኣ ብጽፈት ቃላታ ኣዝያ ብልጽቲ ዝኾነት ዕዮ እያ። ብግዜ ጥልያን ዝነበረ ኩነታት ኣመልኪታ ዝቐረበት ታሪኻዊትን ናይ መጀመርታ ልብ-ወለድ መጽሓፍ እያ። ኣብ መንእሰይ ዕድሚኡ ወተሃደር ክኸውን ካብ ዘለዎ ድልየት ተላዒሉ ባንዳ ኾይኑ ናይ ዝተቆጽረ ሰብ ተዘንቱ። ንሊብያ ከይዱ ምስ ተመልሰ፡ ወላዲቱ ሞይተን ከም ዝጸንሐኦ፡ ብመገዲ መልቀስ ድማ ጓሂኡን ኣብ ልዕሊ መግዛእቲ ጣልያን ዘሎዎ ኩነንኡን ይገልጽ። ኣብ ዘስካሕክሕ ሽግር ምስ ወደቐ፡ ኣብ ነብሱን ሃገሩን ዝበጽሖ ሽግር ክርድኦ ምኽኣሉ ትሕብር። ብሓፈሻ ናይቲ ታሪኽ ትሕዝቶ፡ ባንዳ ምዃን መንእሰያት ብዘይ ምስትውዓል ዝኣትውዎ ስራሕ ከም ዝኾነ ትገልጽ።

ብዝሒ ገጻት = 73

ኣሕተምቲ = ቤት ማሕተም ጴጥሮስ ሲላ /ኣስመራ

 

2. “ወጋሕታ ናጽነት” – ተኽላይ ዘወልዲ – 1954 ዓ/ፈ

እዛ ልብ-ወለድ ዛንታ ብመልክዕ ሓደ ስድራ-ቤት ገይራ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ እያ። እቶም ስድራ-ቤት ብጽቡቕ ኣብ ዓዶም ክነብሩ እንከለው መንግስቲ ጣልያን ክወሮም ከም ዝመጸ፡ ነዚ ወራር ክምክትዎ እውን ፈቲኖም ከም ዝነበሩን፣ እንተኾነ ግን ከም ዘይከኣሉን ተዘንቱ። በዚ ምኽንያት ከኣ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ከም ዝወደቑ ይገልጽ። ንማሕረስ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ብዙሕ መሬት ከም ዘሕደጎም፣ ካብዚ ቀጺሉ’ውን ብዙሕ ግፍዕን ጭቆናን ይወርዶም ከም ዝነበረ ተረድእ። እቶም ገዛእቲ፡ ጭቃ ዓዲ እናኣዘዙ ደቅኹም ኣምጽኡ እናበሉ ተዓስኪሮም ንሃገር ሶማልያን ሊብያን ይወስድዎም ምንባሩ፣ ኣብኡ ገሊኦም ይሞቱ፡ ገሊኦም ጎደሎ ኣካል ኮይኖም ይተርፉ ምንባሮም የብርህ። ገለ ከኣ ነቲ ናቱ ዕላማ ሓዲጎም ሸፊቶም ሓርበኛታት ኮይኖም ከም እተቓለሱ ይገልጽ። ዕላማ ናይቲ ጽሑፍ ብልብ-ወለድ መገዲ ገይሩ ነቶም ንብዙሕ ዓመታት መዋእሎም ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተሳቐዩ ህዝቢ ዝጠፍኤ ሂወትን ንብረትን ክሳብ ክንደይ መሪርን ከቢድን ከም ዝነበረ እትገልጽ እያ። ቅዲ ትረኻኣ’ውን ዝነኣድ እዩ።

ብዝሒ ገጻት = 91

ኣሕተምቲ = ቤት ማሕተም ቺቸሮ /ኣስመራ

 

3. “ዓቢዱ ዶ ትብልዎ?” – በየነ ሃይለ – 1965 ዓ/ፈ

እዛ መጽሓፍ ነቲ ኣብ’ቲ ግዜ ዝነበረ ኣተሓሳስባ እተመልክት እዋናዊት መጽሓፍ ዝነበረት እያ። ትሕዝቶኣ ኣብ ሓደ ስድራ-ቤት ዝተፈጸመ ታሪኽ ተዘንቱ። እቲ ከም ቀንዲ ገጸ-ባህርያት ኮይኑ ዝዋሳእ መዝገበ ዝተባህለ መንእሰይ፡ ሽሕ’ኳ ስድራ-ቤቱ ትምህርቱ ወዲኡ ጽቡቕ ስራሕ ክጅምር፣ ቀጺሉ ሓዳር ገይሩ ክወልደሎም ክዘምደሎም ይደልዩ እንተ ነበሩ፣ እንተኾነ መዝገበ ቀንዲ ድልየቱ መርዓ ሓዳር ዘይኮነስ በቲ ዝተማህሮ ሞያ ናይ ኢደ-ጥበብ ስርሓት ከማዕብል ከም ዝደሊ ተዘንቱ። ንስድራ-ቤቱ ከየቐይም ኢሉ እናተማህረ ክእለቱ ስእሊ ምስኣልን ምጽራብን፡ ተምሳል ናይ ዝርኣዮ ዝጸርብ ጥበበኛ እዩ ዝነበረ ይብል። ነቲ ዕዮኡ ብዘይ ዕረፍቲ ካብ ገዝኡ ርሒቑ ብዘይ ዓርኪ መሓዛ ተፈልዩ ይሰርሖ ከም ዝነበረ የዘንቱ። እቶም ዝሰርሖም ዝነበረ ምስልታት ብኽብሪ ዝሽየጡን ኣድናቖት ዝነበሮምን እዮም። እቶም ዝርእይዎ ዝነበሩ ድማ፡ “ዓቢዱ እዩ” እናበሉ የውርይሉ ከም ዝነበሩ ትትርኽ። ሓደ ሰብ ኣብቲ ንዕኡ ደስ ዝብሎ ዝምባለ ጥራይ ኣተኲሩ ክሰርሕ እንተ ተራእየ ናይ ዕብዳን ምልክት እዩ ኢሎም ዝግምቱ ሰባት ስለ ዝነበሩ ነዚ መኣረምታ ዝኸውንን ካልእ ሓሳባትን ሒዛ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ እያ። ብብሉጽ ስነ-ጽሑፋዊ ቅርጺ ዝተነድቀት ድማ እያ።

ብዝሒ ገጻት = 111

ኣሕተምቲ = ቤት ማሕተም መንግስቲ /ኣስመራ

 

4. “ወርቅሃ” – መም ሙሳ ኣሮን – 1966 ዓ/ፈ

ዛንታ ህይወት ሓንቲ ወርቅሃ ዝተባህለት ጓል-ኣንስተይቲ፡ ኣብ ኣመንዝርነት ከመይ ኢላ ከም ዝወደቐት፣ ቤት መስተ ከፊታ ግዝያዊ ሃብቲ ክትገብር ከም ዝኸኣለት ይትርኽ። በዚ ዝጀመረቶ ተግባር ተታሊላ ብዙሓት ደቂ-ኣንስትዮ ሰብ ሓዳርን ተመሃሮን ነቲ ናታ ኣርአያ ክኽተላ ትደፋፍኤን ከም ዝነበረት፣ ኣብ መወዳእታ ሓደጋ መኪና ምስ ኣጋጠማ ኩሉ እቲ ኣጥርያቶ ዝነበረት ሃብቲ፡ ሂወታ ከተድሕን ዝገበረቶ ሕክምና ተወዲኡ ናብ ድኽነት ኣትያ ዝነበራ ስራሕ ክትቅጽል ከም ዘይከኣለት ተርኢ። በቲ ዘጋጠማ ብስጭት ዝተላዕለ ብተግባራታ እናተጠዓሰት ህይወታ ከም ዘሕለፈት ተዘንቱ።

“ዝኾነ ነይምለስ ጓህሪ ነይኹለስ” ዝብሃል ናይ ኣቦታት ምስላ ኣብዚ ይምሰል። መልእኽቲ ናይዛ መጽሓፍ፡ ስራሕ ኣመንዝራነት ጠንቂ ሕብረተሰብ ምዃኑ፣ ነቲ ብግዚያዊ ሃብቲ ተታሊልካ ኣብ ዘይጽፉፍ ስራሕ ምእታው ዘስዕብ ጸገማት ትገልጽ ልብ-ወለድ መጽሓፍ እያ።

ብዝሒ ገጻት = 119

ኣሕተምቲ = ቤት ማሕተም ኮዀብ ጽባሕ /ኣስመራ

 

5. “እምባፍራሽ” – መም ሙሳ ኣሮን – 1967 ዓ/ፈ

እምባፍራሽ ዝተባህለት ብሓይሊ መስተ ተደፋፊኣ ካብ ሰብኣይ ሓፍታ ከም ዝጠነሰት። ዘይተለምደ ተግባር ስለ ዝፈጸመት፡ ካብ ነቐፌታ ንምድሓን ነቲ ሕጻን ኣብ ጀንቢል ጠቕሊላ ኣብ ሜዳ ከም ዝደርበየቶ፤ እቲ ሕጻን ንገበርቲ ሰናይ ውላድ ዘይነበሮም ዓበይቲ ሰባት ተዋሂቡ ከም ዝዓበየ፤ በቲ ዘጋጠሞ ጽቡቕ ዕድል ተማሂሩ ሓኪም (ዶክተር) ከም ዝኾነ ተዘንቱ። እምባፍራሽ ሓሚማ ከይፈለጠቶ ብወዳ ተሓኪማ ከም ዝደሓነት፣ ወዳ ሓዳር ሒዙ ንሳ ድማ ሰራሕተኛ ናይ ገዝኡ ኮይና እናሰርሐት ከም ዝሞተት፣ እምባፍራሽ ከም ኩሉ ሰብ ሓሊፋ፡ ምስጢራ ግን ምስኣ ተቐቢሩ ተሪፉ ብምባል እታ መጽሓፍ ትውዳእ። “ናይ ሓደ መዓልቲ ጌጋ ናይ ዘልኣለም ጣዕሳ” ምዃኑ ተረድእ።

ብዝሒ ገጻት = 94

ኣሕተምቲ = ቤት ማሕተም ኮዀብ ጽባሕ /ኣስመራ

 

6. “ማርቆሳይ ወይኒ ምስ ሕምባሻይ” – ኣባ ይስሓቕ ገብረኢየሱስ – 1973 ዓ/ፈ

እዛ ልብ-ወለድ ክልተ ታሪኽ ዝሓዘት እያ። ቀዳማይ ክፍሊ፡ ኣብ ገዳም ተደርብዩ ዝተረኽበ ቈልዓ ብፈለስቲ ከም ዝዓበየ ትገልጽ። ኣብ ትሕቲ ወለዱ ስለ ዘይዓበየ፡ ከምቶም ምስ ስድራ-ቤቶም እናተጻወቱ ዝዓብዩ፡ ዘሕለፍዎ ግዜ ንኸሕልፍ ዕድል ብዘይ ምርካቡ፡ ኣብ ኣእምሮኡ ጭንቀት ከም ዝነበሮ፡ ናይ ወለዱ እንታይነት ንኽፈልጥ ኣብ ዝነበሮ ጻዕሪ ናብ ሞት ከም ዘብጸሖ ተዘንቱ።

ካልኣይ ክፍሊ፡ ናይቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍሊ ዝተጠቕሰ ቈልዓ፡ ናይ ኣዲኡ ታሪኽ ዝምልከት እዩ ዝትረኽ። ብሞት ብዓል ቤታን ወዳ ምጥፍኡን ኣብ ከቢድ ሓዘንን ሽግርን ከም ዝወደቐት ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ታሪኽ ናይ ቃል ኪዳን ክብርን ናይ ውላድ ፍቕርን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ይነግር። ኣብዚ ልብ-ወለዳዊ መጽሓፍ፡ ሕንቅል-ሕንቅሊተይ፡ ተረት፡ ባህላዊ ጸወታ፡ ናይ መርዓን ናይ ሓዘንን ግጥምታት፡ ደርፊ ይርከብዎም። ብቋንቋ ግእዝ ዝተጻሕፉ ብዙሓት ሃይማኖታዊ ጥቕስታት ተጻሒፎም ኣሎው። ብድሕር’ዛ መጽሓፍ፡ ሓያሎ ልብ-ወለዳት ኣሰር ናይዛ መጽሓፍ ተኸቲለን ክጸሓፋ ከም ዝጀመራ ይፍለጥ።

ብዝሒ ገጻት = 305

ኣሕተምቲ = ቤት ማሕተም ኢል ፖሊግራፊኮ /ኣስመራ

 

7. “ዘደንቕ ታሪኽ ብርሃኑ፡ ኣድጊ ነይሩ ሰብ ኮይኑ” – ፍስሃየ ሓጐስ – 1966 ዓ/ፈ

እዛ መጽሓፍ ብምትላል ዝፍጸም ተግባራት እትሕብር እያ። ብዛዕባ ሓደ ነጋዳይ ኣብ ንግዲ ዓለም ብዙሕ ግዜ ካብ ቤተሰቡ ተፈልዩ ብምንባሩ፡ ኩነታት ቤተ-ሰቡ እናሓሰበ፡ ኣድጊ ወጢጡ ክኸይድ እንከሎ ሰረቅቲ ኣብ በረኻ ይጸንሕዎ። እቶም ሰረቕቲ ንምኽታሩ ስለ ዘሸገሮም ብሜላ ገይሮም ነቲ ኣድጊ ዝሰሓበሉ ዝነበረት ገመድ ከም ዝፈትሕዎ፣ ሓደ ካብቶም ሰረቕቲ ነቲ ኣብ ክሳድ ኣድጊ ዝነበረት ገመድ ኣብ ክሳዱ ኣእትዮም ከም ኣድጊ ተሳሒቡ ንዓዲ ይኣቱ። እቲ ነጋዳይ ዓዲ ምስ ኣተወ፡ ነታ ኣድጊ እንተረኣየ ሰብ ኮይኑ ከም ዝጸንሐ፣ እቲ ከም ኣድጊ ኮይኑ ዝጉተት ዝነበረ ሰብኣይ ምንባሩን ብዙሕ ግፍዒ ሽግር ይበጽሖ ከም ዝነበረን ይገልጽ። ሓደ ሓደ መረዳእታታት እውን የቕርብ። ነዚ ዝሰምዐ ህዝብን እቲ ዋናን ብዙሕ ከም ዝገረሞም ይዝንቶ። ድሕሪ ነዊሕ ግዜ እቲ ነጋዳይ ናብ ዕዳጋ ይኸይድ እሞ፡ ኣብቲ ዕዳጋ ነቲ ኣድጊ ከም ዝረኸቦ፣ ዋና እቲ ኣድጊ ከኣ እቲ ዘታለሎ ሰብኣይ ኮይኑ ይጸንሖ። በዚ እታ ልብ-ወለድ ዘደንቕ ብርሃኑ ኣድጊ ነይሩ ሰብ ኮይኑ ኢላ ትድምደም። ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ብግጥሚ ዝተጻሕፈት ዛንታ እያ።

ብዝሒ ገጻት = 40

ኣሕተምቲ =ቤት ማሕተም ኣፍሪቃ /ኣስመራ

 

***

ሃይማኖታዊ መጽሓፍቲ ትግርኛ ኣብ ኤርትራ ክሕተም ዝጀመረሉ ግዜ ብ1866 እኳ እንተኾነ ፋልመይቲ ልብ-ወለዳዊ መጽሓፍ ብሃለቃ ፍስሓ ጊዮርጊስ ዝተዳለወት ግን፡ ኣብ ሃገረ ጥልያን /ሮማ ብ1887 እያ ተሓቲማ። ብዛዕባ ኣብ ኤውሮጳ ዝገበርዎ ጉዕዞ ዝገልጽ ታሪኽ ኮይኑ፡ ኣርእስቲ እቲ መጽሓፍ ከኣ፡ “ወረ መገዲ እንካብ ጦብያ ንኢጣልያ ነዙ ሃገር እዙይ እውን ብምርኣይ ኣብ ሰብነቱ ጦብላሕ ዝበሎ ጦብላሕታን” ከምዚ ዝብል ኮይኑ፡ እዚ መጽሓፍ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ ካብቶም ጀመርቲ ዝኾኑ ካብ ካልእ ቋንቋታት ዘይተተርጎመ እዩ። ካብዚ ብምቕጻል’ውን ሃለቃ ፍስሓ ጊዮርጊስ ብ1890 “እንካብ ዓረብኛ እተገልበጠ ቅያ ቀዳሞት ኣዕራብን እንካብ ኢጣልያ እተገልበጠ ታሪኽ ኣግባጽን” እትብል 44 ገጻት ዘለዋ መጽሓፍ’ውን ኣብ ሮማ ኣሕቲሞም እዮም። ብድሕሪ’ዚ እውን “ዓለም ሰንኪ ክልተ ኣርወ ከም ተባርዐት” ትብል 270 ነግሒ ዘጣመረት ነዋሕ ግጥሚ ብ1916 ተሓቲማ ነበረት።

***

ይ ቕ ጽ ል

 

ምንጪ፥ “ምዕባለ ሕታማት ስነ-ጽሑፍ ቋንቋ ትግርኛ”

ኣብርሃም ነጋሽ – ኣመሪካ – 2016

 

Comments are closed.