ከመጉሰኪ’የ

ከመጉሰኪ’የ

*********

“ልቢ ሰበይቲ ክንዲ መርፍእ

ንሳ’ኳ እንተ ሰዓምካያ ትጠፍእ”

ኢለ ኣይከነኣእሰክን’የ

ኣደይ ከይትሰምዕ

ኣደይ – እኳ እታ ልባ ክንዲ ከላእ

ኣፍቂራን ሂባን ዘይትውድእ።

“ለባም ሰበይትን

ቀራን ኣድግን”

የላን ኢለ ኣይክጓጥየክን’የ

ዓባየይ ከይትሰምዓኒ ካብ’ቲ ርሑቕ ስፍራ

እታ ብጥበባ ንዓዲ ብዓዳ ተመሓድራ

ኣሽንባይ ፈተውታ ጸላእታ’ኳ ዝደልይዎ ምኽራ።

“ንብዕራይ ኣብ መልሲ

ንሰበይቲ ኣብ ሳልስቲ”

እናበልኩ ኣይከጒብዕብዓልክን`የ

ኣሓተይ ከይረግማኒ – ኣሓተይ ‘ተን ክንዲ ኩሉ

ምሳይ ዝገይሽ ልበን ኣብ ዝሃለኹ ‘ሃሉ።

“ኣንስቲ እንተተኣከባ

ቁራዕ ሓምሊ የሕርራ”

ኢለ ኣይከቈናጽበክን’የ

ብዓል ኣግኣዚት ኣደይ ከይቅየማ

ብጥበበንን ዓቕለንን ኣዳም ዘገርማ።

ክሕበነልኪ’የ ‘ናበልኩ “ሂባ ዘይትርብርብ”

ከብዳ ብጥምዩ ኢዳ ቆሪጻ ትቕርብ

ለጋስ ወላዲተይ ናይ ፍቕርና ሞሶብ፣

“ጓል ዝተበኰረ ምስ እዝጊ ከምዝተማኸረ”

እናበልኩ ክጀሃረልኪ’የ ኣፍልበይ ነፊሐ

ወላዲኺ ብምዃነይ ልበይ ምስ ተፈስሐ፣

“ሰበይቲ – ናይ ገዛ መብራህቲ”

ኢለ ክምስለልኪ’የ ብምዃንኪ ድንቂ

ኣባጅጎ ዝፈጠራ ናይ ኣዳም ንግስቲ፣

ከመጉሰኪ’የ ዋላ’ውን ‘ንተበደልኪ

እሾኽ ኮይኑ ከይጥሕረኒ ሓቛፊ ኣኽናፍኪ

ፍንጫሕ መሰንገለ ኣካለይ’ውን ካብ ኮንኪ፧!

Tes.H.

Comments are closed.