እናጠዓመ ከደ

ግርማይ ዮሃንስ
“እናጠዓመ ከደ ሰያብ መሰኹደደ” ድዮም ዝብሉ ወለዲ? ኣብ ዕድመኦም ንዕድመኦም ማለት’ዩ። ኣብ ዐዕድመኻ ኮይንካ ነንዕድመኻ ምድራፍ ግርም’ያ። ኣነን መዛኖይን ድማ “እናጠዓመ ከደ ቲን ኤጀር መሰኹደደ” ንብል ማለት’ዩ።
“ንእስነት ከደት’የ ከምዚኣ’ናበለት’የ ከምዚኣ’የ” ኢልካ ምስትምሳል ግናይ! ከም ርዱእ ግን ምኻዳ ኣይተርፋን እንድዩ፣ እንተኾነ ግን “ከመይ እናበለት?” ዝብል ሕቶ እንተ ተላዒሉላስ መልሲ ክህሉዋ ኣለዎ’ምበር። ወረ ግድን’ዩ! ግድን መልሲ ክህሉዋ ኣለዎ! “ኣብቲ ዝነበረቶ ዓውደ-መኼዳ ገለ ኣፍርያ ዶ ዋላስ ኣኹዲዳ ኣኹዲዳ’ያ ከይዳ?” ይኸውን ኣሎ እቲ ሕቶ ማለት’ዩ’ኮ! እንተዘየሎ ግን “ንእስነት ከደት’የ ከምዚኣ’ናበለት’የ” ዝብል ቃና፣ ቁዘማ ካብ ምዃን ኣይክሓልፍን’ዩ ማለት’ዩ።
ኣብ ምድሪ ዓለም ብሂወት ትነብር ከምዝነበርካ ቀዳማይ ምስክርካ ስእልኻ’ዩ። ቀንዲ ግን ምስልኻ’ዩ። ምስሊ ውሽጥኻ፣ ምስሊ ዕዮኻ፣ ኣበርክቶኻ፣ ግብርኻ፣ ብሓፈሻ ግን “ናብ ዓለም መጺኻ እንታይ ጌርካ?” ዝብል ሕቶ ክምለስ ኣለዎ። “ጎንደር ኬድካ ታይ ኣምጻኻ” ይብሉ ወለዲ! ነዛ ዓለም ኣውደኽዲኽካላ ዲኻ ኬድካ? ረጋጊጽካ ተፊእካላ ዲኻ ሓሊፍካ? ዝብሉ ገዘፍቲ ሕቶታት መልሲ የድልያ’ዩ ነብሲ።
ንእሽቶ እሞ ድማ እትነዓቕ ትመስል’ውን ትኹን ንባዕላ ኣበርክቶ እያ። ምስ ከምኣ ዝመሰላ ናኣሽቱ ነጥብታት ተደማሚራ እንዳኣላ ጸኒሓ ከም ቁሚጦ ትኹመር። ቁሚጦ ዓወት ትሰርሕ ማለት’ዩ። ዓወት ድማ ብዓቢኡ ድምር ናይ ነገራት እንደኣሉ። ስለዚ ነንእሽተይ ካብ ነገራትና፣ ሓሳባት ደሚርና ምስ እነወፊ፣ ተደማሚሩ እንዳኣሉ እምባ ዓወት ክኹድመልና። ብኣጠቓላሊ፣ ክንዲ ኹሉን ነዚ ኹሉን ዝምልሰልና ድማ ምንባብ’ዩ።
ዝንበብ ብፍላይ መጽሓፍ ዝኣክል፣ ክንደይ ሓንጎል ዝፈሰሶ፣ ክንደይ ጉልበትን ግዜን ዘህለኸ፣ ክንደይ ሓሳብ ዘለዎ፣ ክንደይ ክምህሩኻ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ሰባት ኣብ ውሽጡ ዝሓቖፈ ስለ ዝኾነ ርእይ እንከተብሎ ክንደይ ባህታ’ዩ ዝፈጥር። ጽሙዋ ዝስመዖ ዘሎ ከብሕታትና ከም ክዳን ኣውደኣመት ዝጽበ ዘሎ ቆልዓ እናተሰራሰረ ክጽበ እንከሎ ይረኣየካ።
‘ቆሪርና ኢሎም የስተማስሉ’ ኣለዉ ክትብሎም ዝጸናሕካ ዝርካቦም መጻሕፍትና ፍናን ተሰሚዑዎም ፉሕፉሕ ኢሎም ክማሙቑን ነንዝመጸት ሓዳስ መጽሓፍ፣ “ካኣ መጸ መጸ. . .” ኢሎም እናነጠሩ ክቕበሉዋ እንከለዉ ይረኣየካ። ባህግን ህንጡይነትን ህሉዋት መጻሕፍትና ተገንዚብካ ድማ “መጻሕፍትስ ኩሉ ግዜ እንተዝሕተሙ” የብለካ-ከብሕታትና ክማሙቕ መጻሕፍትና ድማ ጅሮም ሰሲኑ ወትሩ ክፍንጥዙ መታን! ተዓዘብቲ’ውን “ሰስኑ ሰስኑ. . .” እናበሉ ምዓጀቡ-ካብ መጽሓፍ ዝዓቢ ድርዕን ዋልታን ስለ ዘየለ።
“ብወገን ሰሜን ኣቢሉ ኣሜን. . .” ድዩ ዝበለ ፍሒራ ዓወቱ ክገልጽ ከሎ? ኣብ ዓድና ሰሜንን ምብራቕን ተፈተውቲ’የን። ነጎዳ ሰሜን፣ ዝናብ ሰሜን፣ ንፋስ ሰሜን. . .! ምብራቕ ድማ መግለዚ ሰናይ ዘበንን ወጋሕታን።
ካባይ ብወገን ሰሜን ጥዑም ንፋስ ይነፍሰኒ ኣሎ-ንፋስ መጽሓፍ። ከብሕታትናን መጻሕፍትናን ሓዳስ መጽሓፍ ተወሊዳትሎም ፍናንን ሙቐትን ተሰሚዑዎም ፉሕፉሕ ክብሉን ክፍንጥዙን ከለዉ ተራእዩንስ ኣነ’ውን ሙቐት ይስማዓኒ ኣሎ። መጻሕፍትናን ከብሕታትናን የመስግኑን ይምርቑን ኣለዉ።
“ሳርማታት ኣደይ” ዝተሰምየት መጽሓፍ ቅልቅል ክትብል ትረኣየኒ ኣላ። ሃንደበት’ያ ዱብ ኢላ ርእየያ። “ሕንጥሸው!” ዝበለት ኮይኑ ተሰሚዑኒ ድማ ተቐዳዲመ “ጥዑም ምለሲ!” ኢለያ። “ክንደይ ከ ይጥዕም እቲ ስማ! በዛ ኣርእስቲ ክበሃለኒ ዝጽበዮን ዝምነዮን ወግዒ ወይ ባህሊ ኣሎ ኢለ እግምትን እጽበን-ባህጊ ሓዊሰ ማለት’ዩ።
“ተመርዖ” ትብል ሳጓ በየን መጽያ ዋላ’ኳ ተዘይፈለጥኩ ካብ ቀጥታዊ ትርጉማ ተበጊስካ ዝግመት ግን ኣይሳኣንን’ዩ። ክምርዓው ዝደለዩዎ ዘጠመቑዎ’ያ ኢለ ክግምት’የ ንግዚኡ። ተመርዕዩ ኢለ ድማ ኣርጊጸ ኣለኹ! እቲ ቀንዲ ዘገድስ ድማ ተመርዕዩስ ኣብ ሂወት ክልተ ውሉዳት ምብርካቱ’ዩ። ሓንቲ ፍጥርቲ ኣእምሮ መጽሓፍን ፍጥረት ኣብራኽ ማማይን። ክልተ ማናቱ!
ከብሕታትና፣ መጻሕፍትናን ዓለምን በብዝምልከቱወን ፈንጢዘን ኣለዋ። ኣነ ብወገነይ ‘ውን ነዞም ሕንጥሸው ኢለሙና ዘለዉ ክልተ ፍጡራት “ሰስኑ” እብል ኣለኹ! ንመጻሕፍትናን ከብሕታትናን ወኪለ ድማ፣ “እናጠዓመ ከደ” ኢለ እፍንጥዝ ኣለኹ!

Comments are closed.