እቲ ብሕጊ እንዳባ ዝምካሕ ነቲ ዓንቀጻቱ’ውን ከኽብሮን ክስረዓሉን ይግባእ

መኮነን ተስፋይ
ጸርፊ ሓደ ሰብ ንዝጸልኦ ወይ ንዝበደሎ ወይ ንዘቐየሞ ይኹን ከሕርቖ ምስ ዝደሊ ብቓላት ጌሩ ሕማቕ ስሚዒት ንኽፈጥረሉ ዝግባር ናይ ቃላት ማህረምቲ’ዩ። ዘመናዊ መዝገበ ቃላት ትግርኛ ጸርፊ ማለት ንሓደ ሰብ ክብሩ ንምውራድ፡ ንምንሻው ተባሂሉ ዝትንባህ ቃል’ዩ ክብል ይጠቕሶ። ንተጻራፊ ዝብል ቃል ከኣ ናይ ምጽራፍ ኣመል ዘለዎ ሕማቕ ዝመልሓሱ ሰብ ክብል ይገልጾ። ማንም ፍጡር ወዲ ሰብ ብፍቓዱ ክብሩ ከዋርድ ዝደሊ የለን። ጸርፊ ብዘይፍቓድ ወይ ወለንታ እቲ ሓደ ወገን ዝካየድ ናይ ቃላት መደራጋሕ ኮይኑ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ካብ ምትህርራም ክሳብ ምቅታል ዘብጽሕ ናይ ቃላት መርዚ’ዩ። ነዊሕ ዓመታት ይገብር ኣብ ሓደ ዓዲ ሓንቲ ኣደ ንሰብ ኣይ ጓለን ብተደጋጋሚ ሙሽሙሽ ኢለን ስለዝጸረፈኦ ነቲ ምስ በዓልቲ ቤቱ ዝነበሮ ባእሲ ነዳዲ ስለዝወሰኻሉ ንጸርፊ ሓማቱ ክጻወር ዘይከኣለ ሓረስታይ በቲ ሒዙዎ ዝነበረ ሴፍ ከም ዝቐተለን ኣብ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረበ ተኣሚኑ። ዳይና ጸርፊ ኣብቲ ሕብረተሰብ ክሳብ ክንደይ ኣነዋሪ ከም ዝኾነን ሙሽሙሽ ዝብል ቃል ከኣ ንሓደ ሰብ ኣይ ዝኣኽለ ወዲ ሰብ ንምጻሩ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ከም ዝኾነ ኣብ ግምት ብምእታው ካብቲ ክፈረዶ ሓሲቡ ዝነበረ 10 ዓመት ብምጉዳል ብይን ሃበ።
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ሓንቲ ካብ ኤርትራ ጓለን ክርእያ ዝመጻ ኣደ ጓለን ዘይወዲ ሃገራ ጸሊም ኣሜሪካ ተመርዕያ ብምጽናሓ ኣዚየ ስለዝጓሃያ ንሰብ ኣይ ጓለን ብኹፉእ ዓይኒ ክጥምታኦን ክ ኣቱ ክወጽእ ድማ “ባርያ” ዝብል ጸርፊ ክጸርፈኦን ጀመራ። ነቲ ሰሪሑ ዝ ኣቱ ን ጓለን’ውን ዝግባእ ፍቕሪ እናለገሰ ብጽቡቕ ዘነባብራ ዝነበረ ወዲ ጸርፊ ስለዘሰከመኦ ነታ ባርያ እትብል ቃል ካብ ምሒር ምድግጋም ስለዘጽንዓ ትርጉማ ንዝፈልጡ ሰባት ሓቲቱ ነብሱ ምቁጽጻር ክሳብ ዝስእን ስለዝተበሳጨወ ንሓማቱ ንሞት ፈረደን። ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ቃሉ ክህብ እንከሎ ከኣ ሓማቱ ብተደጋጋሚ ኣነዋሪ ጸርፊ ትጸርፎ ምንባራን መበገሲ እቲ ገበን ከኣ ንሱ ምንባሩን ጠቒሱ።
ኣብ 1994 ኣብ ርዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ዓሌት ምጽናት ቱቱስ እቶም ኣበገስትን ጠጃእትን እቲ ህልቂት ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝ ኣልምዎ ዝነበሩ ወዲትን ሽርሕ በታ ነቲ ህልቂት ንምጉህሃር ዝቖመት ሬድዮ ዝፍኖ ካብ ዝነበረ ጸርፊ ሓደ ኣቶ ኮክራችስ ማለት እቶም ድዱዕ ዝብል ነበረ። እዚ ጸርፊ ኣዚዩ ኣነዋርን ኣብቲ ሕብረትሰብ ማለት ኣብ ዓሌት ቱቱስ ድዱዕ እቲ ዝተጸል አ ባልዕ ብምዃኑ ህዝብታት ሁቱ ኣብ ልዕሊ ትቱሲ ከቢድ ዝኾነ ጽል ኣት ከሕድሩ ይቕስቦም ነበረ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብፍላይ ድማ ኣብ ፌስቡክ ዝረአ ዘሎ ገደብ ኣልቦ ኣነዋሪ ጸርፊ ኣዚዩ ኣተሓሳሳቢ እናኾነ ዝኸይድ ዘሎ ይመስል። እቶ ዔራ ኣበይ ከይረኽበኒ ወይ ዔራ እንታይ ከይገብረኒ ብዝብል መዓሸዊ ምኽኒት ተበጊሶም ኣፎም ዝሃቦም ሕማቕ ቃላት ክሽንጉጉ ዝውዕሉ ገለን ብፖለቲካ ገለን ብሃማይማኖት ገለን ብኻልእ ንዕ ኡ ዝመስል ዓውዲ ኣሳቢቦም ዝገብሩዎ እኳ እንተኾነ እቲ ምጽርራፍ ብጀካ ቂምን ቅርሕንትን ሕነ ምፍድዳይን ካልእ ከም ጾ ዝኽእል ለውጢ የለን። ፓለቲካ ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ዓውዲ ፍልጠት ኮይኑ ብትምህርቲ ደረጃ’ውን ክሳዕ ዶክትሬት መዓርግ ትበጽሓሉ’ዩ። ፓለቲካ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ምጽራፍ ኮይኑ ኣይፈልጥን’ዩ። ዲሞክራሲ’ውን ብናጽነት ሓሳብካ ትገልጸሉ’ውን ኣፍካ ብዘይልጓም ክብሪ ወዲ ሰብ ትዝንጥለሉ ወይ ተዋርደሉ ኣይኮነን። ጸርፊ ናይ ድኹም ሰብ ዕጥቂ’ዩ። ጸርፊ ናይ ስዑር ጭማራ’ዩ። ገዛኻ ብ ቤትሮ ዝተሰርሐ እንተኾይኑ ናብ ጎረቤትካ እምኒ ኣይትደርቢ ዝብል ኣበሃሃላ’ሎ። ክትጸርፍ እንከለኻ እቲ ተጸራፋይ’ውን ኣብቲ ከሕምመካ ዝኽእል ነጥቢ ክጸርፈካን ምዃኑ ክትዝንግዕ ኣይግባእን። ካብ ኡ ሓሊፉ’ውን ተጸራፋይ ሕኒን ክብል ጸኒሑ ሕኒኡ እንተ ኣካል ብምጉዳል ወይ ካልእ ማህሰይቲ ብምውራድ ክፈዲ ይኽእል። ብጀክ ኡ’ውን እቲ ዝጸርፍ ኣካል ወዲ ሰብ ክሳብ ዝኾነ ኣሕዋት፡ ኣዝማድ፡ ፈተውቲ ክህልውዎ ስለዝኽእሉ ዘይሩ ዘይሩ ምትንካፎም ኣይተርፍን’ዩ።
ጸርፊ ኣብ ቀዳሞት ወለድና ኣዚዩ ኣነውርን ኣዘውቲርካ ዘይስማዕ ቃልን’ዩ ኔሩ። ዳርጋ ኣብ ኩለን ሕግታት እንዳባ ንጸርፊ ዝምልከት ዓንቀጽ ሰፊሩ ይርከብ። መቕጻዕቱ ከቢድ ኮይኑ ዳርጋ ፍርቂ ናይ ጋር ነብሲ’ዩ። እሞ ኸ ደኣ ቀዳሞት ኣቦታትና ነዚ ሕጂ ምዕራባውያን ሃገራት በጺሐንኦ ዘለዋ ዲሞክራሲ ኣቐዲሞም በጺሖሞ ኔሮም’ዩ፡ ብዘይ ቤት ማእሰርቲ ብዘይ ፓሊስ ሕጊ ይኽበርን ስርዓት ይነባበርን ኔሩ’ዩ ኢልና እናተመካሕናን ብባህልናን ኣናባብራ ወለድና እናኾራዕና ንምንታይ ደኣ ነዚ ኣብ ኣቦታትና ይኹን ኣብ ኣባሓጎታትና ፈጺሙ ቦታ ዘይነበሮን ኣነዋርን ጸርፊ ከነዘውትር ንረአ። ንዝያዳ ኣፍልጦ እተን ኣብ መዝገብ ሰፊረን ዝርከባ ንጸርፊ ዝምልከታ ዓንቀጻት ሕግታትን እናዳባ ናባኹም ከብለን’የ። ሰማዕቲ ከኣ ነዚ ለበዋ ኣብ ልብኹም ኣሕዲርኩም ነዞም ተጻረፍቲ ብሓባር ወጊድ ክትብልዎምን ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ክጽዕቱን ምሉእ ምንዮተይ’ዩ።
ሕጊ ኣድግናተገለባ ብዛዕ ጸርፊ ካብ ዘስፈሮ ዓንቀጻት
ክፍሊ፡16 ። ጸርፊ።
128 ብመንግስቲ ዝተሾመ ሹመኛ፡ ዝቀንጥ ኤ ንበዓል ቀሚስ፡ መዓርጉ ገዲፉ ብሽሙ ጥራሕ ዝጸውዔ፡ ይዓጽፎ ነይሩ፡ ዝቅንጥ ኤ፡ 55 ቅርሺ ይኹን ካሕስኡ።
129. ጸርፊ ወይ ኣሽሙር፡ ንዓጽሚ፡ንደም፡ ንዓሌት፡ ከኣ ሰራቒ፡ ሃዳሚ፡ ዘይገባር ግብሪ፡ ዝመስል ዘይነክእ ካልእ ቀሊል ጸርፊ ዝጸረፈ ሰብ ክኾን ግን እቲ ጀማሪ 2 ሕልቂ ይኽሕስ። ምላሽ ጸርፊ ዝመለሰ ሓደ ሕልቂ ይኽሕስ።
130. ከም ብቱኽ ዘር ኢ፡ ረዳት ዘይብሉ ሰራቒ፡ ሃዳሚ፡ ዘይገባር ግብሪ ምበልኩኻ’ሞ ይትረፈኒ ቢሉ ዝጸረፈ፡ ንእኡ ዝመስል’ውን ዝጸረፈ 55 ቅርሺ ይኽሕስ። ምናልባሽ ጸርፊ ዝመለሸ ፍርቂ 55 ቅርሺ ይኽሕስ።
131. ንዓሌት ንደም ነቕኒቑ ዝጸረፈ፡ ጠቢብ ባርያ ዋጣ ሓሜን ኣድጊ፡ ዓዲ፡ ዓውዲ፡ ኣውዲ ዜብሉ፡ በዳሁ ብጓል ኣንስተይቲ፡ ዝጸውዔ፡ ብግብሪ ሰዶም ንሰብኣይ ኮነ፡ ንሰበይቲ ኮነ፡ ወይ ንሰበይቲ ሰብኣይ ኮነ፡ ሳሕሳሕ፡ ሻርሙጣ፡ ዝበለ፡ ሕሉል ፡ ንኣኡ ዝመስል እውን ዝጸረፈ፡ እቲ ጀማሪ 110 ቅርሺ ይኽሕስ። ምላሽ ጸርፊ ዝመለሰ 55 ቅርሺ ይኽሕስ።
132. እቲ ሓደ መጀምርያ ጸራፊ፡ ቀሊል ጸርፊ፡ ኣንተ ጸረፈ፡ እቱ ዳሕራዋይ ዓቢዩ ጸርፊ ምላሽ ብጸርፊ ክህብ እንተተረኽበ፡ ከምቱ ምዕባይ ጸርፊ ኣብ ላዕሊ ተወሲኑ ዘሎ በቢ ኣንቀጽ ይኽሕስ።
ኣንቲ ሹማት እንተተጸርፋ ካሕሰኤን ከምቱ ንሰብ ኡተን ዝግብ ኦም ካሕሳ እዩ። ሰበይቲ ካህን፡ በዓል መዓርግ እዉን ከምኡ እዩ ካሕስኡ።
133. መጀመርያ ተጸራሪፎም ምስ ተፈላለዩ፡ እንደገና ኣድጊሶም እንተተጻረፉ፡ ከም ብሓድሽ ጸርፊ ኮይኑ ይከሓሓሱ።
134. ሓዳሩ ዝወጽኤ ንወላዲ፡ ይዕበ ይን ኣስ (ጸርፊ) ዝጸረፈ ብሓደ ምስክር እውን ይኹን 120 ቅርሺ ይኽሓስ። ሓዳሩ ዘይወጸ እንተ ደኣ ኮነ ግን ብወለዱ ይቀጻዕ።
135. ጸርፊካኒ ወቒዕካኒ ቢሉ ከሲሱ ምስክር ስኢኑ እንተ ተረትዔ፡ ክሲ ወላድን ውሉድን ብዝተረፈ፡ እቲ ተኸሳሲ ክሓልፋ ቢሉ ዝነበረ ገበን ፡ ባዕሉ ይሕለፋ፡ ይከሓስ።
136. ንሰበይቲ ሰብኣይ ጸሪፍክኒ ቢሎም ከሳሲ እንተረኸበት፡ ክሳብ ክልተ ቕነ (15 መዓልቲ) ትርከብ ስለ ሰብኣያ ኪመጽኣ ርሑቕ እንተ ደኣ ኮነ ጠበቓ ገቢራ ትግጠም።
* * *
ዝኸበርኩም ኣንበብቲ እዚ ኣብ ሕጊ ኣድግናተገለባ ሰፊሩ ዝርከብ ንጸርፊ ዝምልከት ጽሑፍ’ዩ ኣብ ዝቕጽል ናይ ኣድከመ ምልጋእን ካልእ ሕግታታት እንዳባን ፈቲሸ ከቕርበልኩም’የ።
55 ቅርሺ ናቕፋ ከይመስለኩም ወላ ውን 55 ዶላር ኣይዳረጎን’ዩ ጋር ነብሲ ካብ 500 ክሳብ 1000 ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኢዩ እዚ 120 ቅርሺ ወይ 55 ቅርሺ ዝበሃል ኣብቲ እዋን ቴኖ (ዕሲ ጣፍ ክሳብ 25 ሳንቲም ነዳቓይ ክሳብ 50 ሳንቲም ንመዓልቲ ዝውዕሉሉ ዝነበሩን መሬት ምሉእ ኣብ ከተማ ብ100 ቅርሺ ዝሽየጠሉን ገዛ ክራይ’ውን ካብ 2.5 ቅርሺ ክሳብ 5 ቅርሺ ዝነበረሉን ግዜ ኢዩ እዚ ናይ ጸርፊ ካሕሳ። እዞም ሕጂ እዚ ኣድጊ ዘይትስከሞ ጸርፊ ንጻረፍ ዘለና ንዝጸረፍናዮ ከሓሱ እንተንበሃል ንብረትናን ጥሪትናን ተሸይጡስ ናብ ቅለቱና ምኣተና ይመስለኒ።
ሕጊ ኣድከመ ምልጋእ ብዛዕባ ጸርፊ ካብ ዘስፈሮ
ሓሳዊ ወይ ቀጣፊ ኢሉ ዝጸረፈ 60 ኢዩ ዝኽሕስ። ብሓሶትን ቅጥፈትን እንተ ተረትዔ ግን ብዘይ ካሕሳ ከም እተጸርፎ’ዩ ዝከይድ።
ሰራቂ ኢሉ ዝጸረፈ ሕልቂ ይከሐስ። ሰራቒ ከም ዝኾነ እንተ ተረትዔ ግን ካሕሳ ዘይብሉ ከምተጸርፎ ይኪድ። ርኹስ ኢሉ ዝጸረፈ 60 ይከሓስ።
ወቃሪ ኢሉ ዝጸረፈ ሕልቂ ይክሓስ። ወቃሪ ከም ዝኾነ እንተ ተረትዔ ግን ከም እተጸርፎ ካሕሳ ዘይብሉ ይኪድ።
ጽሉል ወይ ዕቡድ ኢሉ ዝጸረፈ 60 ይከሓስ።
ስርዓት ዓጽሚ ሓርማዝ ብዛዕባ ጸርፊ፡ ብፍላይ ከኣ ባርያ፡ ጠቢብ፡ ኣድጊ ሓርፋፍ፡ ቡዳ ነሐባይ ዚብሉ ጸርፍታት ከምዚ ዚስዕብ ስርዓት ወይ ሕጊ ይሕግግ፡ “ዐመጸ ኣፍ ናይ ዓመጸ ኣፍ ከኣ ባርያ፡ ኣድጊ፡ ሓርፋፍ ኮርፋፍ፡ ውርንጫ፡ ጠቢብ፡ ቡዳ፡ ነሐባይ ዝበለ 55 ቅርሺ ይኽሕስ።” (43)
ስርዓት ካርነሽም
“ባርያ ናሃባይ ኢሉ ብዘይ ምላዱ ዝጸረፈ 5 ላም ጸራፊ ላም ተጸራፊ ኣብቲ እተትሓዙሉ ዳይና የቕርቡ። ምስ ተሓርዳ እተረትዐ ይኽፈለን። እቱ ሓደ ስ ኡን እንተኾነ ካብቲ ዘለዎ ይቀረባ። ደሓር እቲ ስ ኡን እንተተረትዐ መሬቱ ቃድ ር ኡ ሸይጡ ይኽፈለን። ንሱ ድማ ዕዳጋ ወሪዱ ሓዚሉ ይሰይሞ።” (44)
ስርዓት ሾብዓተ ዓንሰባ
“ቡዳ በዐል መናፍሕ ዝበለ 40 ፈርጊ ይዕደ፡ ባይራ ዜለ 40 ፈርጊ ይዕደ፡ ሳሕሳሕ ዜለ 40 ፈርጊ ይዕደ፡ ሓርፋፍ ዜለ 40 ፈርጊ ይዕደ።”
(ቀደም ኣድጊ ዝበለ ባርያ ዝበለ ጠቢብ ዝበለ ቡዳ ዝበለ 60 ፈርጊ ነይሩ) (45)
ሕጊ ሰሓርቲ ላምዛ
“ባርያ ኢሉ ንጭዋ ዝጸረፈ እሞ መርትዖ ዝሰኣነ 120 ቅርሺ ይኽሕሶ። ኣድጊ ኢሉ ዝጸረፈ ግን 120 ክሒሱ ይሕዘሎ። ሳሕሳሕ ኢሉ ዝጸረፈ 30 ቅርሺ ይኽሐሶ። ቡዳ ናሃባይ ጠቢብ ኢሉ ዝጸረፈ መርትዖ እንተሰኣነ 120 ክሒሱ ይሕዘሎ።” (46)
ሕጊ ሎጎንጭዋን
“ባርያ ዘለ ዝዐመጸ 60 ፈርጊ ክሒሹ ኣብ ቅድሚ ዳይና ሐዚሉ ስዩም ይበሎ። መርትዖ እንተለዎ ግን ይርታዕ። ኣድጊ ዘለ ሳሕሳሕ ዘለ ሓርፋፍ ፍንፋን ዋይዚ ሻንቅላ ውላጅ እውጣሐካ እየ ተሽተሽ ሐሰር ንፋይ ቆርጫጭ ውርንጫ ትሽየጥ ኢኻ ዘለ እዚ ኩሉ ከም ባርያ ዜለ እዩ ካሕስኡ።”(47)
ስርዓት ሃብስሉስ
“ባርያ ነሃባይ ኣድጊ ዘለ ዘይምላድ ዝሃበ እቲ ሓደ ዝጸረፈ 5 ኣሓ የቅርብ እቲ ሓደ ድማ 5 ኣሓ የቕርብ። ድሓር ይተሓረዳ። እቲ እተረትዐ ብ 10 ይኽፈለን። እቲ ሓደ ስኡን እንተኾነ እቲ ዘለዎ የቕርበን። እቲ ስ ኡን እንተ ተረትዐ መሬቱ ዑናኡ ሸይጡ ይኽሓስ። ንአኡ ሽዩም ይበሎ ዕዳጋ ወሪዱ ይሕዘሎ።(48)
ስርዓት ሓደግቲ
“ዐጽሚ ወለዶ ሰምዩ ዝጸረፈ 55 ቅርሺ ማርያ ተሬዛ ይኽሐስ። (49)
ስርዓት ማይ ኣድጊ
“ባሪያ፡ ጠቢብ ሓሳዊ ምስክር፡ ፍንፉን፡ ርኹስ ቢሉ ዝጸረፈ 55 ቅርሺ ማርያ ተሬዛ ይኽሕስ።” (50)
ስርዓት እንዳ ፍግራይ
“ዓጽሚ ሰምዩ ዝጸረፈ 55 ቅርሺ ማርያ ተሬዛ ይኽሕስ። ባርያ ጠቢብ ቢሉ ዝጸረፈ፡ መርትዖ እንተዘይብሉ 55 ቅርሺ ማርያ ተሬዛ ይኽሕስ።” (51)
ስርዓት ዝባን ሰራው
“ባርያ ወይ ጠቢብ ቢሉ ዝጸረፈ 55 ቅርሺ ማርያ ተሬዛ ይኽሕስ፡ ዓጽሚ ሰምዩ ዝጸረፈ 55 ቅርሺ ማርያ ተሬዛ ይኽሕስ።” (52)
2ይ ክፍሊ ስርዓት ሎጉ ጭዋ
“ጠቢብ ቡዳ ናሃባይ የሕምሙ ይቐትሎ ዝብኢ ይኾኑ ዕትሮ ይገብሩ ንዕኡ ዝመስል ካልእ’ውን ዝጸረፈ ወይ ኪሓሚ ዝተረኸበ ሓደው በሽሙር እተዛረበ 120 ፈርጊ ይኽሐስ ስዩም ከኣ ይበል።”
ሕጊ እንዳ ፍግራይ
ስርዓት ሰለስተ ዋዕሎ ጽምሮ “ ዓጽሚ ዘርከሰ ዝጸረፈ 55 ቅርሺ ካሕስ ኡ። ባርያ፡ ጠቢብ፡ ዋጣ ዝበለ ካብ 110 ቅርሺ ንላዕሊ ይኽሐስ። ብዳይና ድማ ይቀጻዕ።” (56)
ትዝዕብቲ
ኣብ ቀዳማይ ክፋል እቶም ኣብ ሓማሴን ዚዝውተሩ ስርዓታት እንዳባ ብዛዕባ እቶም ዝጠቐስናዮም ጸርፍታት ዳርጋ ሓደ ዓይነት መግለጽን ዚሰማምዑ ካሕሳን ይሕግጉ። እቲ ቁሩብ ካብ ኦም ፍልይ ዚበለ ስርዓት ሸውዓተ ዓንሰባ እዩ። እዚ ስርዓት’ዙይ ከምቶም ካል ኦት ጸርፊ ዘብ ኡ ይኽልክል መርትዖ ግና ኣይሓትትን። እቲ ጸራፊ ነቲ ተጻራፊ ኣብ ዕዳጋ ኣውሪዱ ሓዚሉ ስዩም ኪብሎ ከም ዝግብ ኦ’ውን ኣይሕብርን። ኣብ ኣወሳስና፡ ካሕሳ ጸራፊ ከኣ ምስ ስርዓት ሎግጭዋን ሕጊ ሰሓርቲ ልምዛ-ዳምባን ብምግጣም ማለት ከምቶም ካል ኦት ብኸብቲ ዘይኮነ ብፈርጊ እዩ ዝውስኖ።
እቶም ኣብ ኣከለጉዛይ ዚዝውተሩ ዝነበሩ ስርዓታት እንዳባ ብወገኖም እዉን ብዛዕባ መቕጻዕቲ ጸርፊ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ሓደ ኣገባብ እዮም ዝኽተሉ ኪበሃል ይከኣል። ካብ ካልኣይ ክፍሊ ሕጊ እንዳ ፍግራይ ስርዓት ሰለስተ ዋዕላ ጽምሮ ምስኣቶም ማለት ምስ ሕጊ ኣከለጉዛይ እዩ ዝጋጠም። ስርዓት ኣድግና ተገለባ ከኣ ምሳኣቶም ቁሩብ ይሰማማዕ እዩ።
ስርዓት ኣድከም ምልጋእ ምስቶም ቀዳሞት ስርዓት እንዳባ ናይ ሓማሴን ብኣሰማምያ ዝተጸርፈ ማለት ኣብ ዕዳጋ ወሲድካ ሓዚልካ ምሻሙን ብካሕሳ ገንዘብን ይጋጠም እዩ። ካብ ካልኣይ ክፍሊ ስርዓት ሎጎጭዋ ግና ብኣከፋፍላ ገንዘብ ምስ ካል ኦት ስርዓታት ኣይጋጠምን’ዩ ነበይኑ እዩ።
ብሓጺሩ ስርዓት ዓጽሚ ሓርማዝ ብዛዕባ እቶም ዝተጠቕሱ ጸርፍታት ኪሕግግ እንከሎ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ምስ ስርዓታት እንዳባ ኣከለጉዛይ ይጋጥም እዩ ክበሃል ይከኣል።
*ብ23 መስከረም ኣብ ሬድዮ ኤስቢኤስ መደብ ሞዛይክ ባህሊ ዝተፈነወ ጽሑፍ።