ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ጒዕዞ ስደትን ጻማ ዘይተረኽቦ ፍቕርን (2ይ ክፋል)

AMAN TEKESTE W.

 

እዋኑ – ሕጂ፤

 

“ኦ …! ምጽዋዕ ከመይ ቀኒኺ? ሓሙስ ክረኽበኪ ፈቲነ ግን ኣይከኣልኩን።”

 

“ሰላም’ዩ ወዲ ተኸስቲኖ! ባሕረይ ሃዲኡ ጎስዕታቶም ምስ ጠሎም ብምህላዎም፡ ንህዝበይ ሓውሲ ቊሪ ኩነታት ኣየር ገይረ፡ ነቲ ሽዱሽተ ወርሒ ዘሕለፍዎ ሃሩር ከም ዝርስዕዎ ይገብሮም ኣሎኹ። ንስኻ ብዝፈጠርካዮ ዝርርብ ተደሪኾም፡ ሓሙስ ብበጻሕቲ ደቀይ ኣዕለቕሊቐ ውዒለ። እቲ ብስመይ ዝጽዋዕ ዝነበረ ዓቢ ሓውኻ’ውን ረኺቡኒ ነይሩ።”

 

እንቋዕ ረኸቡኺ፡ ግርም ገበሩ። ወዲ-ሰብ፡ ሂወቱ ብስምዒታት ዝተኸበበት ምዃና ኣይጠፍኣንን እዩ። ስምዒታቱ ብጽሑፍ መገዲ ድዩ ብዕላል ከንጸባርቕ ክኽእል ኣሎዎ በሃሊ’የ። ኣነ’ኳ ክሳዕ ቀረባ እዋን ዕድል ኣይገበርኩን ነይረ። ንስኺ ከለኽኒ እንታይ ከ’ሎ ዝጎድለኒ። እዞም ገጠምቲ ክንደይ ኮን ተዓዊትሎም እናበልኩ’የ ከስተንትን ኣሕሊፈዮ ነይረ። ስምዒታቶም፡ ጽባቐን ውቃበን ብዘሎዎ መገዲ ስለ ዘዳልውዎ፡ ስምዒቶም ምስ ርድኢቶም ኣላፊኖም እናኣንጸባረቑ፡ መንፈሶም ከም ዝጸሪ ክርደኦ በቂዐ ኣሎኹ። ብኸምኡ ምኽንያት’ውን ከም መትከል፡ ኩሎም ገጠምቲ ንጹሃንን ፍሱሃትን ኮይኖም እዮም ዝረኣዩኒ።

 

“ናብቲ ዛንታኻ – ዛንታ ስደትካ ደኣ ኣዕልለኒ። በሎ ኣውጽኣዮ።”

****

 

#4- ጥቅምቲ 2012 – ኣቡ ዳቢ

 

ኣብ ደንደስ ባሕሪ ኣቡ-ዳቢ እየ ኮፍ ኢለ ነይረ። ዕላለይ ምስ ባሕሪ እዩ ነይሩ። ባሕሪ ምስዚ ኩሉ ሒዝዎ ዘሎ ህይወታውን ዘይህይወታውን፡ ከይከበዶ ዓቕሊ ከየጽበበ ኩሉ ግዜ ፍሽኽ ክብል ምስ ረኣኻዮ ክትቀንእ ግድነት ይኾነካ። ምስጢሩ ከካፍለካ ከኣ ትምነ። ነታ ናትካ ንእሽተይ ጭንቂ ከምታ ናቱ ጌርካ፡ ጭንቅኻ ንውሽጥኻ እናገበርካ ፍሽኽ ክትብል ትሃርፍ። ነዚ ምንዮት ንምዕጋብ እየ ናብ ገማግም ባሕሪ ኣቡ-ዳቢ ዝመጻኹ። ከምዚ ሎሚ፡ ምሳኺ ይዕለል ምዃኑ ኣምር ኣይነበረንን።

 

ዳርጋ ኩሉ ደንደስ ባሕሪ ኣቡ-ዳቢ ብውቊብ ትሕተ-ቅርጺ ዘጌጸ እዩ። ኮርኒሽ ከኣ ንብሎ፣ ቅናት ከተማኣ ምዃኑ። ንጥዕና ኢሎም ዝጎዪ፣ ምስ ደቆምን ኣንስቶምን ወይ ድማ የዕሩኽ ሰለይ እናበሉ ዝኸድሉ ገማግም ባሕሪ እዩ። እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መራሒ፡ እንሓሳእ ናባኺ እናመጽአ ዝዕቐል፡ ነዚ ናይ ኣቡ-ዳቢ ቅናት ጽባቐ ምስ ረኣየ እዩ፡ ቅናት ውሽጢ ባጽዕ ንዝነበሩ ዳንስ-ማርያ፡ ዶልፊን፡ ሲነማ-ቀይሕ-ባሕሪ፡ ሆስፒታል ኣይገድፍ ዋላ ኣፍደገታት ወደብ፡ ንኹላ ወሰናስንኪ ዘፍረሳ። ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኮይኑ ከኣ፡ ምንም ከይገበረሉ ጎልጎል ኮይኑ’ሎ።

 

ብኣምሆ ኣላልየኪ ነይረ ድየ፡ ኣቡ-ዳቢ ነዛ ብነዳድን ወርቅን እተጀንጀነት ዓረባዊት ሃገር፡ ርእሰ-ከተማኣ ምዃና። ናብቲ ኮርኒሽ ኣቡ-ዳቢ ዘምጸኣኒ ምኽንያት፡ ፍቅራዊ ሂወተይ ንምስትንታይ እዩ፣ እቲ ባሕሪ ከኣ ገለ እንተ’ማኸረኒ። ቅድሚ ሰሙን ምስታ ብፍቕሪ ንኸባቢ ሽዱሽተ ወርሒ መጓዕዝተይ ዝነበረት ኤደን፡ ኣብ ዱባይ ደይራ-ክሪክ ዝብሃል ተራኺብና ኔርና። ጽቡቕ ኣማሲና፡ ኣብ ምፍናው፥

“ኣሚ፡ ብሓቂ አፍቅረካ እየ። ከማኻ ብልቢ ዘፍቀርኩዎ ወዲ የለን። ስለምንታይ ግን ግዜ ተውሕደለይ? ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ጥራይ ክንራኸብ ኣይደልይን እየ፣ ስራሕ ናብ ዱባይ ቀይር። ኣይትናፍቐንን ኢኻ ምሽ?”

 

“ኣንቲ ኤዱ፡ ልበይ እናፈለጥክያ፡ ከመይ ዘየፍቅረኪ ከመይ ዘይናፍቐኪ። ፍቕርና ብቐጻሊ ምርኻብን አፍቅረኪ’የ ምባልን ጥራይ መዓስ ይምዘን ኮይኑ?! ኣብኡ ከለኺ ዘይትርድእኒ።”

 

“እሞ ኣነ ቀጻሊ ክርእየካ፡ ክሓቚፈካ፡ ዓይንኻ እናረኣኹ ጎረረይ ክሳብ ዝልሕትት ከዕልለካ እናደለኹ። ክንደይ ግዜ ኸኣ ምስ ማማኻ ኣላልየኒ ኢለካ ኣይገበርካዮን። መዓልታዊ ዓይኒ ዓይነይ እናጠመትካ፡ ኣይ-ላቭ-ዩ ኤዱ ናተይ … ጽብቕተይ … ንግስቲ በይነይ ክትብለኒ እብህግ። ብስምዒት ተሓቚንካ ክትትንከፍ ከለኻ ከኣ ክትነብዕ’ሞ ክእብደካ እደልየካ።”

 

“ምስ ኩሎም ኣዕሩኽተይ፡ ኣሕዋተይ ኣላልየኪ፣ ምስ ማማ ከኣ ቀስ ኢለ የላልየኪ። ስለ ዘፍቀርኩኺ ዶ ኣይኮንኩን ምሳኺ ዘለኹ ኤዱ?! ከም መግለጺ ፍቕረይ ከኣ ምሽ ዘይሓበርክኒ ነገራት ግን ኣዚኺ እትፈትውዮም ከም ህያብ አምጽኣልኪ’ሎኹ፣ ናይ ልብኺ ስለ ዝፈልጥ ዶ ኣይኮንኩን። ናብ ዱባይ ከኣ ምቕያረይ ኣይተርፍን’ዩ። ንግዚኡ ግን ቁሩብ ክንጽመም፡ ኣቲ ወለላ ንዕስከ ሃቢ’ተን ከናፍርኪ …”

 

ቅድሚ ገለ መዓልታት ዝተበሃሃልናዮ እዩ ነይሩ። ቴሌፎና ምእታው ኣብዩኒ ናብ መሓዝኣ ምስ ደወልኩ፡ “ኮንግራ ኣማን ሓወይ፡ ከይደወልኩልካ ኤደን ግሪኽ ብሰላም ምእታዋ፡” ኢላትኒ። ብሓቂ ተሓዋዊሱኒ እዩ። ከይደ’ለኹ ዘይብሉ፡ ፍቕረይ ወዲኤ ዓጽየ’ለኹ ዘይብሉ፡ ኣብ ኢማራት ጠንጢናትኒ ከይዳ። ናበይ ግን ጉያ ጉያ።

“እንታይ ደኣ ከምኡ ጌርኪ? ከምኡ‘ሓይሽ ኢልኪ?!” ኢለ ጽሒፈላ ኣብ ፈይስቡክ።

“ልብኻ ተሪር እዩ፡ ወይ ክርደኣካ ኣይከኣልኩን። ኣነ ግን ንዓኻ ዝኸውን ኣይኮንኩን፡። ቅድሚ ምብጋሰይ ኣብኡ እንከለኹ ከይነግረካ ከኣ ፈሪሐካ። ብዝኾነ ሰሰናዩ፡” ዝብል መልሲ ጸንሓኒ ንምሸቱ።

 

ነዚ እናዘከርኩ እየ ኣብቲ ኮርኒሽ ኮፍ ኢለ ኲኖ ማዕዶ ባሕሪ ኣቡ-ዳቢ እናቋመትኩ፡ ዓይነይ ሰም ብምባል፡ ንውሽጠይ ዝጠሓልኩ። ውነይ ካብቲ ዝነበርኹዎ ሰፈፍ ኢሉ ብፍጥነት ብርሃን እናተጓዕዘ፡ ንምድረ-ሱዕድን ቀይሕ-ባሕርን ብምስንጣቕ ኣብ ሕምብርቲ መሬትኪ፡ ከባቢ ሲነማ ስጋለት ዝዓለብኩ።

 

ካብቲ ሲነማ ስጋለት ሰፈፍ እናበልኩ ንካንሸሎ ገዛና ኣተዂ። እታ ሕሳስ-ልደ ገዛና ምስ ሓንቲ ቀያሕ ማዕጓር ጓል ብምዃን ክዳን እናሓጸባ ክስሕቃ ርኤኹወን። …… ናይ መፋርቕ ዕስራታት ቀጢን ነዊሕ ኣማን፡ ካብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ከምቲ ወትሩ ናይ ቀዳመ-ሰንበት ዕረፍቲ ንምሕላፍ ዝመጾ፡ ብኸምኡ ምኽንያት መጺኡስ ሸለብ ገለብ እናበለ ካንሸሎ ከፊቱ ኪኣቱ ከሎ፡ ብላዕሊ ጸምበለል እናልኩ እርእዮ ኣሎኹ።

 

“እውይ ዳዋ፡ መጺእኻ ዶ? እንታይ ኮይኑ ደኣ ሎምስ ደንጒዩ እናበልናካ ምስ ትምኒት።” እታ ንእሽተይ ሓፍቱ እያ ቦርስኡ እናተቐበለት ትዛረቦ ነይራ።

“ያ ፊጆሪ፡ ምስዚ ቅነ በዓል ኣስተርእዮ እዩ መስለኒ፡ ኣውቶቡስ እንዲና ስኢንና። ኩለን ብእዋኑ ወሪደን ናብዚ።”

“ምሽ ዶ? ሰላም በላ በል’ሞ ነብስኻ ተሓጻጸብ … ኣይትፋለጡን ዲኹም ምስ ትምኒት? ጓል ኣብርሃም ዓርኪ ባባ እኳ’ያ፡” … ሰላም ኢልወን ንውሽጢ ገዛ ሓለፈ።

ድሕሪ ዝተወሰነ ደቓይቕ፡ “ፊጆሪ ንዕ’ሞ ንውሽጢ።”

“ኣቤት ዳዋ፡ መግቢ ክቅርበልካ ምሽ? ክሳዕ ሕጽቦ ዝውድእ ኢለ’ኳ’የ።”

“ኖ መግቢ ደልየ ኣይኮንኩን። ምስዛ መሓዛኺ ደኣ ዘይተላልይና ጽቡቕ ጌርኪ። ማራ ጨው ዘለዋ እያ ትመስል፡ ክንደዲኣ ድኣ ክትጽብቕ’ያ። ከመይ ገይረ ደኣ ዘይፈለጥኩዋ ጓል ኣብርሃም ደኣ?”

“እዋይ ዳዋ! እዚ ቀሊል። ጠባይ ኣሎዋ ልዕሊ ኹሉ ግን ሕፍር ኢላ’ያ። ንካምፓስ ኢልካ ምስ ከድካ እያ ጎቢዛ፡ ሓቅኻ።”

 

ቊሪ ዝነበረ ኩነታት ኣየር፡ ኣሻቡ ናብ ሃሩር ተቐይሩ።

 

እንደገና ካልእ ኣማን ማልያን ሓጺር ስረን ጥራይ ገይሩ ካብ ኣስመራ መጺኡ ካንሸሎ ክኸፍቶ ከሎ፡ ፍዮሪ ሓፍቱ እናጎየየት ሓቊፋቶ። ትነብዖ ዝነበረት ዘሰንበዶ ኣማን፥ “እንታይ ተረኽበ ደኣ!?” ብምባል ሓተታ።

“ትምኒት!” ኢላ ምብካይ ቀጸለቶ።

 

ሓ….ጨ…ጭ….! ዝብል ፍሬኖ መኪና፡ ካብቲ ዝነበርክዎ ግዜን-ህሞትን ናብ ናይ ኣቡ-ዳቢ ውነይ መለሰኒ። “ኢናዓል ኣቡኾም፡ ብቐደሙ ዶ ናብዚ ይምጻእ?! ምስ ባሕሪ ከዕልል ደልየ’ምበር።”

ሞባይለይ ኣውጺኤ፡ ደጊመ መልእኽቲ ናይ ኤደን ኣንበብኩዎ። “ልብኻ ተሪር እዩ፡ ወይ ክርደኣካ ኣይከኣልኩን። ኣነ ግን ንዓኻ ዝኸውን ኣይኮንኩን። ቅድሚ ምብጋሰይ ኣብኡ እንከለኹ ከይነግረካ ከኣ ፈሪሐካ። ብዝኾነ ሰሰናዩ፡” ዝብል ብላቲን ዝተጻሕፈ መልእኽታ ደጊሙ ዓይኑ ኣፍጢጡ ጠመተኒ። ክጥምቶ ኣይደለኹ። ንጸልማት ኣመና እንተጠሚትካዮ፡ ንሱ’ውን ብግዲኡ ብበላሕቲ የዒንቲ ገይሩ ፈጢጡ ከም ዝጥምተካ ኣይጠፍኣንን። ነቲ መልእኽታን ቅድሚኡ ዝነበረ ዝርርብናን ደምሰስኩዎ።

 

ብድሕሪኡ ናብቲ ምሩጽ ጽሑፋት ጥራይ ዘቀምጠሉ ስፍራ ሞባይል ብምጥዋቕ፡ እታ ቦኽሪ ግጥመይ ከፈትኩዋ። ዓይነይ ብንብዓት ምርኣይ እናጸገመኒ፡ ነፈጥፈጥ እናበልኩ ሰለስተ ግዜ ኣንቢበያ። ብልበይ ስለ ዝፈልጣ ደኣ’ምበር፡ ነቶም ቃላት ኣጸቢቐ እርእዮም ነይረ ኣይብልን። … ሕጂ ከንብበልኪ እየ እታ ግጥሚ ማሳዋ ናተይ። ትምኒት መንደልሃጾ እያ ትብል፣ እታ መንደልሃጾ ትብል ቃል ትርጒማ ብልክዕ ስለ ትሃርመለይ፡ ካብ ሓንቲ ጽሕፍቲ እየ ወሲደያ።

 

ትምኒት መንደልሃጾ

 

ዕድመኺ ክልተ ትሽዓተ፡ ጠባይኪ እንታይ ክወጾ

መልክዕኺ ዓሰርተ ካብ ዓሰርተ፡ ኣካላትኪ መንደልሃጾ

ፍቕርኺ ውነይ ዘናወጾ፡ ልብኺ’ሞ ኩሉ ዝመርጾ።

 

ገዛኹም መጺእና ሰሚዕና ድምጺ

ርኢና ሃዲእኺ ብዕምቈት ደቂስኪ።

 

ከመይ ረኺብክዮ’ሞ ጸላመ-ጥርዚ?!

ኣቦኺ ዘልሓጥ ኢሉ ኣይተመልሰን

ንስኺ ብኣጐበር ክትግነዚ፡

ንምንታይ ግን ቀቢጽኪ ክንድዚ?!

 

ፍቕሪ ስድራኺ ዋላ ዘይብተን

ዓጽመ-ስጋኺ ብሓመድ ካብ ዝኽደን?!

 

ፍርድኺ በሊ ተቐበሊ

በቲ ዘባኸንክዮ ዘርኢ።

*******

 

“እዝክሮ’የ! ንዓኻ ትምኒትካ ምዂላፉ፡ ንሳ ኸኣ መስመር ሂወታ ብምዂላፉ ኣምሪረ ነቢዐ’የ ሽዑ። ድሮ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ኮይኑ። ንእስነታን ግርህነታን ይርኣየላ! ዛንታኻ ቀጽል! ወደየ”

 

ምስ ትምኒት ከም ትምኒተይ ክምርዖ ….. ኣብቲ ዳሰይ ኣብቲ ኣበባይ … ኸኣ መጸ … መጸ … ኣፖሎ ይመስል ካብ ርሑቕ ኣድማስ ዝመጸ … ተባሂሉ ክዝየመለይ፡ ዕሰለ ክበሃለለይ ዝሓለምኩዎ፡ ሕልመይ ባኺኑ ተሪፉ ኣንቲ ምጽዋዕ ዓደይ፡ ምጽዋዕ ኣደይ! ጒዕዞ ሂወተይ ዕጫይ ድዩ ብምርጫይ?! ብድሕሪኣ፡ ነዛ ኤደን ኣፍቂረያ ከብቅዕ ጠንጢናትኒ ከይዳ፡ ልበይ ፈሪዳቶ ንኽነቕዕ። እንታይ ግን በዲለያ ንህይወት!? ስለምንታይ ንሳን እቲኤንን እናተበራረያ ልበይ ዝሰብራኒ?!

 

ልቢ ንኽትነቕዕ፡ ንኽትስበር እያ ተዋሂባትካ ትኸውን። ልቢ ዝነቕዕ፡ ብኣእምሮ ተሓጊዛ፡ እታ ጻልጣ ንስነትካ ንኽትዓቢ እዩ። ነቓዕኻ ጸጊንካ ንቕድሜኻ ንኽትምርሽ’ዩ ዝኸውን። ብዘይ ምንቓዕ የለን ምዃን ብቚዕ! ወደየ! ካልእ መልሲ ካባይ ኣይትጸበ። ኣነስ ኣብ ዝደለኻዮ እዋን ከጽልለካ፣ ዓሳታተይ እናቀለብኩ ብባሕረይ እናተሰራሰርካ ከምቲ ናይ ቀደም ከንብረካ ከመይ ዘይሃርፎ። ኣነ ፍቕሪ ጥራይ’የ ክልግሰልካ ዝኽእል። ጽን ኢለ ቃንዛኻ ክሰምዓካ ክርደኣልካ ደኣ’ምበር፡ መልሲ ካባኻ’ዩ። ፍቁር ወደይ ኣርእየኒ ብቕዓትካ።   

 

እሞ ኩሉ ዛንታይ ብዝርዝር ከዕልለኪ ትደልዪ ኢኺ? ድልውቲ ኣለኺ?

 

“ኣዕልለኒ፡ እንታይ ዘሕብእ ኣለካ። ስዓሮ ነቲ ዝዕንቕጸካ ሓይሊ፣ ክትዘልል እንዲኻ ደሊኻ፣ ዝለል። ካብ ቊልዕነትካ ኣትሒዝካ ክትሸነሉ ከለኻ እቲ ዝባነይ፣ ጢልጢል እናበልካ ጠልጠል ሒዝካ ክትሕምብሰሉ ከለኻ እቲ ባሕረይ፣ ነተን ናይ ንእስነት ኣፍቐርትኻ ምሸት ምሸት ኣብ ከባቢ ሰንትራል ሆቴል፡ ሬድሲ ሆቴል ክትስዕመን ከለኻ … ኩሉ ርእየካ ዘዕበኹኻ ውሉደይ እንዲኻ ግዲ። ብቐንዱ ከኣ እዚ ዕላል ምሳይስ እንታይ ድዩ!? ጠንቂ ውድቀትካ ክትእልሽን ጒዕዞ ሂወትካ ንኸተካፍለንን እንድዩ?!”

 

አፍቅረኪ እየ ባጽዐይ! ኣባኺ’የ ነፍሰይ ዝረኽባ፡ ኣንቲ ኣባት ነፍሰይ። ብድሕሪኡ … ነታ ግጥሚ ኣንቢበ ምስ ወዳእኹ፡ ንውሽጢ ከተማ ኣቡ-ዳቢ ንምእታው፡ ሸራተን ሆቴል ንጸጋመይ ገዲፈ፡ ዘመናዊ ገለርያ ሸኽ-ዛይድ ተሳጊረ ኣብ ሓደ ከባቢ በጻሕኹ። ኣብቲ ከባቢ ዝጸንሓኒ ኣዋልድ ፈቂደየን። ሰላሳን ሹድሸት ኣዋልድ ንሓደ ህንጻ ተጎዝጒዘን፡ ምስ መልክዖም’ምበር ድሌቶም ዘይፈላለ ደቂ ኣዳም ክዛረባ ረኣኹወን። ሰለስተ ሓበሻዊ ዝደመን ንዓይ ምስ ረኣያ፡ ገጸን ከወላ። ኣይዓጀበንን። ሽዱሽተ ኡጋንዳውያን-ጋናውያን ዝመልክዐን ከኣ፡ ሓጺር ጅንስ ስረ ዝወደያ ረኣኹ። ንዕአን ገዲፈ፡ ናብተን ጻዕዳ ዝቈርበተን፡ ጸሊም ጎናን ጸሊም ካምቻን ዝገበራ ገጸይ መረሽኩ። ንሓንቲ ቃሕ ዝበለትኒ ፊሊፒናዊት ጽግዕ ኢለ፥

“ሃው ማች ፎር ዋን ሾት?” -ማለት- ንሓንቲ ሪጎለ ክንደይ? ኢለያ።

“ኖው፡ ሱዳኒ ኖ!” በለትኒ። ምስቲ ቊመተይን መሸክለይን ሱዳናዊ እየ መሲለያ። ንኻልኦት ሓሙሽተ ፈቲነ ምስ ኣበያኒ፡ ሻውዐይትን መወዳእታን ክፍትን ኢለ ንሓንቲ ጽግዕ ኢለ፡ “ኣይ ኣም ፍሮም ስሪላካ፡ ሃው ማች ፎር ዋን ሾት?” – ስሪላንካዊ’የ ንሓንቲ ሪጎለ ክንደይ? በልኩዋ።

“ዩ ስሪላንካ፡ ሹር?”

“የስ ኣይ ኣም ስሪላንካን።”

“ቱ ሃንድረድ ደርሃም” ኢላትኒ። ከባቢ ሓምሳን ሓሙሽተን ዶላር ምዃኑ’ዩ። ጉብዝናይ ኣፍሪሕዋ ደኣ ኮይኑ’ምበር፡ ንኻልኦት ብፍርቂ’ቲ ዋጋ ከም ዝሰማምዓ እፈልጥ’የ።

“ቱ ማች! ዋን ሃንድረድ ፊፍቲ ዊዝ ማሳጅ” በልኩዋ። ተሰማሚዕና፣ ንገዛኣ መሪሓትኒ ደይብና።

ክዳና ከተውጽኦ ግዜ ኣይወሰደላን፡ ዳርጋ ብሓንቲ ወስታ ኩለንትናኣ ቀልዓቶ። ኣነ ግን ከውጽኦ ኣይመረጽኩን። ነቲ ክሳዕ ሽዑ ተዓጺፉ ደቂሱ ዝነበረ፡ ኣብቲ ሰለማዊ መዓልታት ዳርጋ ክንዲ ስድሪ ኢድ ዝውጠር፡ በትሪ ኣዳመይ ምዝዝ ኣቢለ ኣውጺኤ ኣጨበጥኩዋ። ተኲራ ጠመተትኒ፡ ኣነ’ውን ጠመትኩዋ።

ኣነ ብደወይ፡ ንሳ ኸኣ ቀስ ኢላ ብርካ ብምዕጻፍ ንታሕቲ ወረደት። … ኣብ ጎነይ ሸቕታ ተሰመዓኒ፡ ቈርበት ኣካላተይ ተሸማቒቚ፡ ገጸይ’ውን ተጸወገ።

 

‘ብሩህ ገጽኪ ናበይ ኣቢሉ ….. ናበይ ኣቢሉ ….

ክቡር ሽምኪ ተኸዊሉ … ዓይንኺ ተሸፊኑ …

ኣጆኺ ወይነይ! …. ኣጆኺ ወይነይ! …..

ንጥፍኣትኪ ዝሓለነ … ንመሰልኪ ዝኾነነ …

ኣጆኺ ወይነይ! …. ኣጆኺ ወይነይ! ….. ኣለኹልኪ ወይነይ’ …. ኦ ጋድ…!!!

 

ካብ ዝነበረቶ ተሲኣ ፍሽኽ ድሕሪ ምባል ዝባና ሃበትኒ። ፍሽኽታ ኣይመለስኩላን። ንቕድሚኣ ከም ትድፋእ ስለ ዝገበርኩዋ፡ ኣእዳዋ ኣብቲ ዓራት ከም ትሕዞ ኮነት። ነቲ ላዕለዋይ ከፋት ኣፍደጊኣ፡ ንፋስ ንኸየውጽእ፡ ሶፍት ኣብ ጸጋማይ ዓባይ-ዓባይቶ ብምግባር ሸፈንኩዎ። ነቲ ድሮ ተበራቢሩ ኣብ ጽቡቕ መንፈስ ዝነበረ በትሪ ኣዳመይ ብየማናይ ኢደይ ኣቕንዕ ኣቢለ፡ ናብ ትሕቲ’ቲ ብሶፍት ተሸፊኑ ዝነበረ’ሞ፡ ብሃንቀትውታ ዝጽበ ዝነበረ ነቓዕ፡ ግልህልህ ኣቢለ ንውሽጢ ሸተት ኣቢለ ኣእተዂዎ – ስጥም! ጸጉራ ስሒበ ምስ ክሳዳ ብምግባር፡ ንኽልቲኡ ብየማናይ ኢደይ ዓትዒተ ሓዝኩዎ።

 

ኦ ትምኒተይ! … እንታይ ገይረኪ ኣብ ከምዚ ገዲፍክኒ ትኸዲ ….. ኤደን .. ናይ ትምኒተይ ከይኣኽለንስ ንስኺ ድማ ግዴኺ ጌርኪ? – ኦ ጋድ! – ሕጂ ከምዛ ዝገብራ ዘለኹ ኣብዛ ልክዕ እዋን ክንደይ ሰባት ይገብርዎ ይህልዉ – ኣብ ዓዲ ዓረብ በይንኻ ተረባረብ ኣሚጎ ነብሲ – እቶም ኤውሮጳ ኣመሪካ ዝኸዱ ኣዕሩኽተይ ከ ልዕለይ ዶ ይድሰቱ ‘ህልዉ – ኦ ጋድ! – ሓሊፉ’ዩ‘ቲ ጅግና፡ ቈራጽ ብዓል መትከል ተለዓል መንእሰይ ኣሰሩ ተኸተል – ኦባማ ከኣ ዳግማይ ተመሪጹ እንታይ’ሞ ለውጢ ከምጽእ ኢሉ – ትማሊ ዘጥፋእኩዋ መፍትሕ ኣብቲ እንዳ ሽሻ እባ’የ ገዲፈያ – ሓንሳእ ሓንሳእ ኣሚጎ ጽናሕ ከይት… – ኦ ጋድ! – እታ ኣብ ሓምሻይ ክፍሊ ጂኦግራፍ ትምህረና ዝነበረት መምህር ኣበይ ኮን ትህሉ – እታ ኣብ ሻድሻይ ክፍሊ ምሳና ካራተ ትጻወት ዝነበረት ፓንከር ከ ኣበይ‘ባ ትህሉ – ኦ ጋድ! – እዛ ኣብ ርእሰይ ዝጽሕፋ ዘለኹ ዛንታ እቲ ገጸ-ባህርይ ወዲ-ሰለባ ፖወቲክ ጃስቲስ ክገጥሞ ኣሎዎ ወዲ’ዛ ዕቡድ … ሰዊት! – ሰገን! – ሓበን! – ሚዘር! – ሶሊ! ….. ‘ኣቲ መርሃዊት ፍቕረይ ኣብዚ ዘየለኺ፡ እናፍቕ ኣሎ ልበይ ንዓኺ’ – ኦ ጋድ! – መስመር ህላወይ ዕጫይ ድዩ ብምርጫይ …… እንታይ-ዲኣ’ያ ስቅ ኢላ ተዕለብጥ ዘላ፡ ናይ ሓቂ ደስታ ይስምዓ ኣሎ ማለት ድዩ – ቅድመይ ከ ክንደይ ሓሊፎማ ይኾኑ – ማንቸስተር ዩናይትድ – ደገፍቲ ሪያል ማድሪድ – ‘Something told me it was over o yeah – something deep down in my soul said cry cry’ – ኣየ’ወ መኪና ሮልስ ኤንድ ሮይስ – ኣብ መናድቕ ናይ ልበይ ልበይ ልበይ ፍሉይ ሽም ሒዝኪኪኪኪ – ኦኦ ትምኒተይይይ – ኦ ማይ ጋድ!!! …..ህህህ ህ!

 

ካብቲ ዝነበረቶ ቅንዕ ኢላ፡ ናባይ እናጠመተት፥ “ዩ ስሪላካ … ቱ ማች ዎተር … ኦ… ቱ ማች ዎተር፡” በለትኒ፡ ከም ጻዕረ-ሞት ክትቅንዞ ክትልሎ ከም ዘይጸንሐት ፍሽኽታ እናለገሰት። ዓይነይ ጠቂሰላ፡ ስቅ!

ማሳጅ ክገብር ኣይደለኹን፡ ሕሳባ ሂበያ ንገዛይ ኣቕናዕኹ። ገዛ ኣትየ ኣካላተይ ብማይ ምስ ተሓጸብኩ ፈኾሰኒ። ናብቲ ከብሒ እንዳ ክዳውንተይ ብምኻድ፡ ነታ ካርታ ዓለም ወረቐተይ ካብ ተመዛዚ ስሒበ፡ ኣብታ ዝነገረትኒ ሃገር -ኡዝበኪስታን- ምልክት ኰኾብ ገበርኩ። ኩለን ቈጸርኩወን። ነታ 20 ዝነበረት ደምሲሰ ከኣ ብ21 ተካእኹዋ። ደቀስኩ።

 

“ዘሕፍር የብልካን፡ እንቋዕ ነገርካኒ። ኣብ ዕምረይ፡ ክንደይ ዘይረኣኹ። ኣብ ባሕሪ ዝገብርዎ፣ ኣብ ጸልማት ዝገብርዎ፣ ቀትሪ ኣብ ትሕቲ ናሕሲ ዝፍጽምዎ … ዛንታኺ ጽሓፊ እንተ ትብለኒ፡ እዛ ዂላ ብኽዳን ገሪማ ትርእያ – ኣይትርኣዮ ውሽጣ። ዛንታይ፡ ዛንታ ስኒትን ፍቕርን ጥራይ ኣይኮነን ወዲ ተኸስቲኖ። ብርሃንን ጸላምን፣ ፍቕርን ፍርሕን፣ ፍትሕን ዓመጽን ኮታ ኩሉ ርእየን ይርእይን ኣሎኹ። ስለዚ ኣብ ንእስነትካ ከለኻ ከምዚ ኣዕልለኒ’ምበር፡ ምስ እርጋን ኣሎ ምሽፋን ምሽፍፋን!”

 

ባጽዐይ፡ በቃ ዝመጽእ ሰንበት የራኽበና። ሰሰናዩ! ተባረኺ ኣንቲ ሓላል!

***********

Comments are closed.