ኣብ ዓለም ሓደ ሓባራዊ እምነት ኣሎ – ገንዘብ

ብርሃነ ገብረህይወት

(ሓሙሻይን መወዳእታን ክፋል)

ነገረ ኣልኮል ካብ ተላዕለስ፡ ቢራ ኣስመራ ተዘኪሩኒ። ንእኡ ዘዘክር ስለ ዝረኸብኩ’የ። ኣብ መንበሪ ገዛይ ክድሰት መደብ ሒዘ ኣለኹ። ኣብ ቅድመይ፡ ንበይነይ ዝሰትዮ ካሴታ ምሉእ ሀይነከን ቢራ ኣሎ። ሀይነከን፡ እቲ ኣብ ዓለም ግኑን ስም ዘለዎ፡ ሆላንዳውያን ዝዀርዑሉ ቢራ ምዃኑ እዩ። ቀዳመይቲ ምዕጕቲ ናይ ቀዳመይቲ ጥርሙዝ ጐርዳዕ ምስ ኣበልኩ ግን ብኣጋኡ ሰልችዩኒ። ፍጊዕ ድማ ኢሉኒ። ዝሰኣንኩዎ ናፊቐ መስለኒ። ኣብ ባር ጆስ-ደንደን ክለብ፡ ብመቝነን ንሰትዮ ዝነበርና ቢራ መሎቲ ናፊቐዮ። ነተን ናይ መቝነን እውን ጉቦ ወሲኽካ’ዩ ነይሩ። ገጽካ ኣብቲ ባር ልሉይ እንተ ዘይኰይኑ ከኣ ምርካበን ንጋዳ። ምስተን ኣብኡ ዘለዋ ኣሳሰይቲ ምውዕዓል’ዩ። ብኸመይ፧ ብግቦ። ነፍሲ ወከፍ ምሸት ንኹሕለ ምሕለን ፈይ ተብል። ዝበልዐት ከብዲ ሓሲማ ኣይትሓስምን። ኢድካ ፍትሕ እንተ ኣቢልካስ ቀልጢፍካ ምጻእ ድሒርካ መቝነንካ ናብ ዘብላኦ የብለንን። ፈውሲ ጽምኢ፡ ጠምጠም ኢልካየን ናብ ካልእ ብኸምኡ ዝጸቐጥካዮ ዓውዲ ምቕጻል’ዩ። ተመሳሳሊ’ዩ እቲ መስርሕ።

ብዙሕ ንምስታይ ኣብ ብዙሕ ባራት ዓሚል ምዃንካ ከተመስክር ኣለካ። ወስ ዘይትብል ምስ እትኸውን ወስ ኣይብላኻን። መሳኪን ኣሳሰይቲ ድማ ካብ ጣውላ እንደኣሉ መሃያአን። ኣይተሓዘንን’ዩ። ኣየናይ ደሞዝ ዝኽፈላ ኰይነን። ይትረፍ ንሳተን እቲ እኹል ትሩፍ ዝመሃያኡ’ኳ ንጉቦ ምቕባል ድሕር ኣይብልን – ገንዘብ ዘይመልኮ የለን። ቢራ ኣስመራ ብዘይቀልዓለም መቐረት ኣለዎ። የርዊ፡ ይዕንግልን የዘናግዕን። መሰረታዊ ሃላኺ መግቢ ድዩ መጋየጺ ኣይርደኣንን። ካብ ስገሙ ድዩ ካብ ማዩ እንድዒ። ካብ መስተ ከይወጻእኩ፡ በብዓይነቱ ወይኒ እውን ኣብ ቀረባይ’ዩ። ክሳዕ ሕጂ ካብ ዝለኸፍኩዎ ወይኒ ከምታ ኣብ ኤርትራ ዝሰትያ ዝነበርኩ ‘ሻልኩ’ ዝስማ ወይኒ ኣይተጋጠመንን። ድሕሪኣ ንወይኒ ሕሩመይ ኢለ ኣለኹ።

ምስ ናፍቖት ኣብ ዝተሓሓዝ ዛዕባ ብተወሳኺ፡ ሃገረ ሆላንድ ንቀምቃማየይን ዓቐን ኣልባሳተይን እውን ኣናፊቓትኒ። ጸሊም ሓውሲ ኰርዳድ ጸጕረይ ኣማሓዳሪ ኣይረኸበን። ብቐደሙ ጠባይ ኣይነበሮን። ወዲ ሃገር ንሕማቕ ጠባዩ ገኒሑ ስርዓት የትሕዞ ነይሩ። ሎሚ ግን ካብ ወዲ ሃገር ስለ ዝረሓቐ ስድነቱ ሳዕሪሩ ኣሎ። ላጺኻ ማጓ ምግባሩ ተመራጺ ኰይኑ ኣይተረኽበን። ክሳዕ ዘሎስ ብውሕዱ መከላኸሊ ቀዝሒ ሓጋይ ኤውሮጳ ምዃኑ ኣይተርፎን። ኣብ ዓቀን ኣልባሳት እውን ከምኡ። ሆላንዳውያን ብቑመቶምን ኣቃውማኦምን ብደረጃ ዓለም ፍሉጣት እዮም። ኣነ ድማ ቁንጽብ ኢለ። እቲ ንቑመቶምን ጸባ ጸገብ ኣካላቶምን ኣብ ግምት ኣእትዩ ዝኣቱ ኣልባሳት ብውሕዱ ክልተ ዕጽፊ ይዀነኒ። ነዚ ንምስትኽኻል እንዳ ሳርቶ ተረካቢ ኣይኰነን። ከም ዝበዝሑ ሆላንዳውያን ኣብ ገዛይ ሳርቶ ከየቐምጥ ድማ ኢደይ ኣየዋሕለልኩን ጸኒሐ። ተንኪፈያ ዘይፈልጥ ንብረት እያ ሳርቶ። ናይ ቀዳምነት ቀዳምነታት ይግባኣ ነይሩ። ኣይተግበርኩዋን። ‘ኣዳም’ዩ መምህርና’ እትብል ደርፊ ጣኒቆ ክሰምዕ እንከለኹ፡ ነታ ቈጽሊ ለጋጊቡ ሕፍረቱ ዝኸደነላ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ከም ዘየውዓልኩዋ እግንዘብ። ሰፋዪኡ ዘይፍለጥ ኣልባሳት ካብ ምቅይያር ግን ዓዲ ኣይወዓልኩን። እቲ ኣማራጺ ካብ ዓዲ ቁንጹባት ምእታው ኰይኑ ተረኺቡ ኣሎ። ልክዕ ከም ቁጠባ ዓድና ሰደድ ዘይብሉ እታው ምዃኑ’ዩ። ፈቲኽን ዶ ንጉስ ትምርቓ’ዩ ነገሩ። ከይፈተኻ’ዩ።

ናብ ኣርእስተይ ክምለስ። ሕማም ገንዘብን ገንዘብን መወዳእታ የብሎምን። መሳርሒ ካብ ምዃን ወጻኢ፡ ልዑል ስልጣን ተዋሂቡዎ ንመንፈስ ሰብ ተቛጻኣጺሩዎ ኣሎ። ሓጐስን ርውየትን ኵሎም ካብኡ ይድለዩ ኣለዉ። ስለ ዝዀነ፡ ብዕጥራን ይምጻእ ብኽትራን፡ ርሂጽካ ይምጻእ ወሽሊኽካ ክህሉ ኣለዎ። ንገንዘብ፡ ሃገር ትሸይጥ፡ ብ ‘ምስጢር’ ትዋገ፡ ትዕሰብ፡ ክብርታት ሕብረተ ሰብካ ብምቁሻሽ ትሓድር፡ መንነትካ ትኽሕድ። ገንዘብ ሓያል። ንስጋዊ ዓለም ሓሊፉ ድማ ንመንፈሳዊ ዓለም እውን ገዚኡዎ ይርከብ። ብኽድኑ፣ መኽፈልቲ ዘባእሶም መኣስ ውሒዶም። መንፈሳውያን ኢና እናበሉ ስጋ ዝሰዓሮምን ኣብ ሓመድ ዘንገርገሮምን ስለ ንዕዘብ፡ ተኸተልቲ ሓባራዊ እምነት ካብ ምዃን ከም ዘየምለጡ ግሁድ ኰይኑ ኣሎ። ኣምላኽ ኣምላኽ ይብሉ፡ ኣምላኽ ዝፈትዎ ግን ዘይገብሩ። ብኻልእ ሸነኽ፡ ጕዕዞ ስነ ፍልጠት ፈጣሪ ንምርካብ ይምርሽ ኣሎ። ኣምላኽ ምስ ተረኽበ፡ ካብ ሞት ንምትራፍ ጕቦ ንምሃብ ዘሎ ጽቕጥቅጥ ካብ ሕጂ ይረኣየካ። ገነት ናይ ውሑዳት ንምግባሩ ዝህሉ ጸደፍደፍ ኣይንርኣዮ።

ጽርግያ ንኸቋርጽ ብመገዲ ኣጋር ክሰግር ኣብ ዝዳለወሉ ዝገርመኒ ስነ-ስርዓት ሆላንዳውያን ኣሎ። ክሰግር ከም ዝደለኹ ስለ ዝተገንዘቡ ጥራይ ገና እግረይ ከይሰጐመ፡ ብክልቲኡ ሸነኽ ዝጐዓዙ ደው ክብሉ እንከለዉ ይገርመኒ። ብመገዲ እግሪ እናቋረጽካ፡ ኣብ ማእከል ‘ዘብራ’ ዝደፍኡኻ መራሕቲ መካይን ዓድና ትዝ ይብሉኒ። እንታይ ንኸርክቡ ከምኡ ይገብሩ ኣይፈልጥን። ግን ገንዘብ’ዩ ዝኸውን። ደሓር ኣብ ዓድና ድማ፡ መኪና መሳለጢ ዘይኰነትስ መጋየጺ ስለ ዝዀነት፡ ክደፍኡኻ ወይ ክረግጹኻ ባህርያዊ’ዩ። “ጐማይ ከይትጽይቐለይ’ምበር ንዓኻስ” እናበለ ዝፍክር፡ ካብ ህይወትካ ንላዕሊ መኪናኡ ወይ ጐማ መኪናኡ ከም ዝኸብር’ዩ ዝነግረካ ዘሎ – ብተዘዋዋሪ።

ፈጣሪ ንሰብ ፈጢሩዎ ከብቅዕ፡ ጊላ ናይቲ ዝፈጠሮ ኰይኑ ይነብር ኣሎ። ሸውሃት ሰብ ደረት ተሳኢኑዎ ካብ ፈጣሪኡ ኰብሊሉ ንፈጣሪኡ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ብምዃን ተፈታቲኑዎ። “ብውሉድካ ተፈደዮ’ ከም ዝብል ወላዲ፡ ኣምላኽ ድማ ሓደ መርገም ጥራይ ረጊሙ። “ብዝፈጠርካዮ ተፈደዮ” ካብ ምባል ሓሊፉ ዛጊት ዝወሰዶ ስጕምቲ የልቦን። ሰብ ንገንዘብ ፈጢሩ። መርገም ፈጣሪ ሰሪሑ፡ መሃወኑ ክሳዕ ዝጠፍኦ ድማ የዕገርግሮ ኣሎ። እቲ ኵሉ ዕግርግር ንገንዘብ ብገንዘብን ንገንዘብን’ዩ። ገንዘብ ንምርካብ ክሳድ ሰብ ምቕንጣብ ከኣ ሓደ ቅዲ። ኣብ ድቃሱ፡ ኣብ ዅሉ ብዛዕባ ገንዘብ’ዩ ዝሓልም። ገንዘብ’ዩ ዝምነ። ብገንዘብ ልዕሊ ሰብ ንምዃንን ሰብ ንምግዛእን ይቃለስ። ብዓል ጸጋ ኰይኑ ጸጋ ሰብኣውነት ይምንዝዕን ይቕንጥጥን። ንፈጣሪ ራሕሪሑ ንገንዘብ የምልኽ። ብገንዘብ ሕማም የሕድር፡ ይሳቐ፡ ይመውት።

Comments are closed.