ኣብ ዓለም ሓደ ሓባራዊ እምነት ኣሎ-ገንዘብ

ብርሃነ ገብረህይወት

(ራብዓይ ክፋል)

ገና ካብ ሃገረ ሆላንድ ኣይወጻእናን። ኣቐዲመ ኣብ ዘልዓልኩዎ ጉዳይ ገንዘብን ብልሽውናን ኣብኡ ኣለኹ። ኣብዚ ዝገብሮ ምንጽጻር ምስ ትሕተ ቅርጺ ዘይኰነ ምስ ልዕለ ቅርጺ ምዃኑ ከገንዝብ እደሊ። እቲ ልዕለ ቅርጺ ድማ ምስ ዕድላት ትምህርቲ ዘይኰነ ምስ ሕልና ብትሕሓዝ፡ ኣብ ጽሬት ስራሕን ኣሰራርሓን ክዛረብ። ኣብ ስራሕ ተቐሚጡ ዘሎ ሰብ ብርግጽ ንገንዘብ’ዩ። እቲ ገንዘብ ግን ብቐጥታ ካባኻ ዝደልዮ ኣይኰነን። ጉዳይካ እምበር ተዕኹቶዶ ኣይተዕኹቶን ኣይግድሶን። ኣብ ዓድና ግን እኹል ትሩፍ ዘለዎም እውን ክውተፎም ይደልዩ። ስራሕ ህዝባዊ ኣገልግሎት፡ ንዕግበት ዘይኰነ ንኣቋራጭ ሃብትን ሰብ ንምምላኽን ንምንብርካኽን’ዩ። ስልጣን ሒዙ ሰብ ከሰራጢ ክሓልም ዝሓድር ይበዝሕ። ‘ኣብ ዘመነይ ይጥዓሞ ወገነይ’ ዝብል’ዩ ጭረሖ ስራሕ ዓድና። ሕልና ኣብ ሸውዓተ መዓሙቕ ዝቐበረ ስራሕን ኣሰራርሓን። ብዓል ጽሩራ ኣምሪሕካ ወይ ጁባኻ ሰጒድካ ሰብ ክትረግጽ ንቡር’ዩ። መንፈሳዊ መዝነት ተጐልቢብካ ንዓለማዊ እምነት ምውዓሉ ግኑን’ዩ። ኣገልጋሊ ህዝቢ ምዃኑ ዝስወጦ ውሑድ’ዩ። ኵሉ መላኺ ንናይ ምዃን ዕድል ሃረር ይብላ። ባህርያት ምልኪ ኣብ ደምና ዝሰረጸ ሕብረተ ሰብ ከይንኸውን እጠራጠር። ትንኣስ ትዕበ ስልጣን ዝሓዘ፡ ክመልኽ’ምበር ክምለኽ፡ ከጽብብ’ምበር ከርሁ ወይ ከግፍሕ ኣይረአን። ኣብዚ ግን ብኣንጻሩ’ዩ። ኤርትራውያን ድማ ንዝዀነት ጉዳይ ብመንጽር እነፍስሰላ ገንዘብ ስለ እንዕይራ፡ ብገንዘብ ንዘይተሰርሐት ዋጋ ኣይንህባን።

ማዕረ ፖለቲካዊ ሃሮምሮምና ንግዲ ዓድና’ውን ጠገለ የብሉን። ልዕሊ ሚእቲ ሚእታዊት ንምኽሳብ’ዩ ዝሰርሕ። ‘ዝተሸጠ ንብረት ኣይምለስን’ እናበሉ፡ መኣስ ይወጸሎምን ናብ ገንዘብ ይልወጠሎምን ጥራይ ዝሓስቡ ነጋዶ መሊኦም። መሬት ከም ኣፍ ዑንቂ ክትጸብብ እሞ ምስ ሰብ ጽሩራ ብምምሽጣር ቆፎ መኽሰብ ከኻዕብቱ ዝጽዕሩ ነጋዶና ከኣ ነጋዶ ይበሃሉ! ኣብዚ ድማ ብኣንጻሩ። ‘ኣይደለኹዎን’ እንተ ኢልካ ክትመልሰሎምን ገንዘብካ ክትቅበልን ዕድል ኣሎ። ዘይከም ነጋዶ ዓድና፡ ንዘይሰርሕዎ ንብረት ከእምኑኻ ላሕ ኣይብሉን። ትርእዮ፡ ትዕድጎ ኣይማእመአካን ኣብ ገዛኻ ሕስብ ቀኒኻ ትመልሶ። ቅብሊቱ ጥራይ ኣይተጥፋኣዮ።

ብሓደ ወገን ሓቁ’ዩ ናይ ሕማመይ። ማንካ ሓመድ ብግቡእ ኣብ ዝመሓደረሉ ሃገር ምንባር ክኸብድ ግድን’ዩ። ይትረፍዶ ናብ መንደበሉዎ ተሰዲድካ ካብ ጐደቦ ናብ ጐደቦ’ኳ ይሕድሰካ። ካብ ምሕደራ ግዜ ክሳዕ ምሕደራ ጸጋታት ጸብለል ኣብ ዝብለካ ሕብረተ ሰብ ንምሕንባስ እትሕተቶ ሕቶ ብብቕዓት ንምምላስ፡ ብውሕዱ ድልውነት የድሊ። ፍርቂ መገዲ ናይቲ ባሕሪ ድማ ይኸውን። ንዘይለመዶ፡ ናብራ ብቈጸራ ብልክዕ ክብደት ኣለዎ። ቀተልቲ ቈጸራን ኣኽበርቲ ቈጸራን ተሰማሚዖም ኣይሰማምዑን። ግዜ ብኸመይ ይሓልፈለይ ዝብል ዝነበረ ሰብ፡ ግዜ ከይሓልፎ ሓለዋ ኣየርክበሉን። ኣብ ሰዓቱ ዘይተረኽበ ኣብ ሰዓት ካልኦት መጺኡ ክእንገድ ኣይፍቀደሉን። ስነ ስርዓት ዘትሕዘካ ኣካል የለን። ንነብስኻ ባዕልኻ ትሰርዓ። ክትሰርዓ ምስ ዘይትኽእልን ስድነትካ ብዋጋ ካልኦት ምስ ዝኸውንን ግን ኣደብ ዘግብር ኣካል ኣብ ቀረባ’ዩ።

ከከም ኣመጻጽኣኻን ተሓላሊኻን’ዩ። ኣታሊልካ ወይ ቀሺሽካ የለን። ጐኒጽካን ተጓኒጽካን ኣይተስልጥን። ብሰበይ ሰብካ ወይ ብሕበጥ ጁባኻ ኣይሰርሕን። ግዜኡ ዘቃጸለ ምስ ወሃቢ ኣገልግሎት ዘጓራፍጥ የብሉን። ዘቃጸሎ ግዜ ብኣጋኡ ንጕዳዩ ኣቃጺሉዎ ኣሎ። ሰዓት ቈጸራኡ ስለ ዘየኽበረ ጥራይ ክሓትት’ኳ ኣየምሕረሉን። ሰዓታት ምግብና ከም ዘየኽበረ ወተሃደር ተረሺንካ ይኸውን። ዘለካ ኣምራጺ ካልእ ቈጸራ ምሓዝ’ዩ። ወርሒ ተቘጺርካ ንዝኸሰርካዮ እንደገና ወርሒ ይውሰኾ። ሽዑ እውን ሰዓትካ እንተ ኣኽቢርካ’ዩ። ምልምማን ወይ ምምስሳል ዋጋ የብሉን። ኢድ ምስላም ወይ ምዝርጋሕ ንድኽመትካ ኣይሽፍንን። ኣብቲ ስራሕ ተቐሚጡ ዘሎ ሰብ ብልክዕ ንገንዘብ’ዩ። እቲ ገንዘብ ግን ብቀጥታ ካባኻ ዝደልዮ ኣይኰነን። ጉዳይካ እምበር ተዕዅቶ ዶ ኣይተዕዅቶን ኣየገድሶን። ከም ናይ ዓድና “ነጻ ግዜ ኣብ ዘለካ ሻሂ ምሰተና” እትብሎን ንኽትክሽክሾ ግዜን ቦታን እትመርጸሉን የሎን። መስፍናዊ ኣተሓሳስባ ቦታ የብሉን። ብኣማላድነት እትቐርቦ ቤት ጽሕፈት የሎን። ወዲ ርኹብ ይኹን ወዲ በተኽ፡ ወዲ ኮሎኔል ኩን ወዲ ደፋእ ድንኩል፡ ዝዀንካ ኩን፡ እታ ሚዛን ሓንቲ እያ። ክንዮ ሰብ ምዃንካ መለክዒ የለን። እዚኣ ክትከብደና ድማ ባህርያዊ’ዩ። ርእስና ከምዚ ዘይኰነ ካልእ ዓፍሽ’ዩ መሊኡ ዘሎ።

ኣቃውማ ንስነትና ኣብ ምምልላእ ዝተሃንጸን ዝተመርኰሰን’ዩ። ኣብ ወጃዕ ነይርካ ናብራ ጽምዋ ብቐሊሉ ተለማዲ ኣይኰነን። ኣብ እኩብ ዝሃነጽካዮ መንነት ኣብ በይንኻ ዑና ይዀነካ። ክትኳንዮ እንተ በልካ ምቛም ይኣቢ። ጽምዋን ከንቱነትን ይዘራረዩልካ። ኣብ ማሕበራዊ መንነት ጸኒሕካ ውልቀ ሓርነት ምልማድ ትስእኖ። መጻኢኻ ዘይኰነ ሕሉፍካ ትብርብር፡ ኣብ ሕሉፍካ ድማ ትነብር። ተስተማስል፡ ተንጸርጽር። ንዕኡ ክትመልስ ትቃለስ። መባእስቲ ስኢንካ ምስ ነብስኻ ትበኣስ። ትምጅርጣ፡ ቃንዛኣ ድማ ባዕልኻ ትቕንዘዎ። ንዝፋሕጠርካዮ ቍስላ ተመሊስካ ትልሕሶ። ምስ ዓሰርተ ኣጻብዕትኻ ኴንካ ከተብቅዕ፡ “ክፍጠር ኣይነበረንን፡ መማልእቲ እየ” ክሳዕ ምባል ትበጽሕ። ድኽመትካ እተሸክሞም ጸላእቲ ኣቐሚጥካ ትውንጅሎም። ጽልኢ ዝዘርኡን ግርጭት ዝዅስኩሱን ናብ ኣእምሮኻ ይውሕዙን ይገዝኡኻን። ዝጠፈሹ ፖለቲኸኛታት ብሓይልኻ ክጐዩ ይፍትኑ፡ ብኣፍካ ይልፍልፉ፡ ንኩለንትናኻ ይራስይዎ። እንደገና ካብቲ ብምልኣት ዘይተጐናጸፍካዮ ውልቀ ሓርነትካ ትዅብልል። ፍረ ሓረስታይ ከይለኸፍካ ሓንቲ ለይቲ ክትሓድር ዘይትኽእል ክነስኻ ‘ሓረስታይ’ እናበልካ ክትጻረፍ ኣውጊሕካ ተዕርቦ። ብዕራይ ዝሰርሖ ዘይትሰርሕ፡ ‘ብዕራይ’ እናበልካ ሰብ ትዝልፍ። ድኽነት ኣእምሮኻ ዘይፈወስካ፡ ትምለኣሎም ንዘይብልካ ብድኽነት ንዋይ ካልኦት ትወራዘ። ኣብ ደምካ ዝኣተወ ኣልኮልን ኣብ ጁባኻ ዘለዋ ቁሩብ ባጤራን፡ ኵሉ ግዜ ንፈንጣሕጣሕ ይደፋፋኣኻን ዘይዝሩብ የዛርባኻን።

ይቕጽል…..

Comments are closed.