ኣብ ዓለም ሓደ ሓባራዊ እምነት ኣሎ – ገንዘብ

Berhane Gebrehiwot

(ካልኣይ ክፋል)

ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓደ ካብቶም ዓውደ ግርጭታትን ሸማቲ ሓጺነመጺንን ዓለምና’ዩ። ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ሰነዳቱ ገና ኣብ ኢድ ጸሓፍቲ ታሪኽ ዘይኣተወ ክነሱ፡ ዶባዊ ኲናት ነይሩ እናበሉ ዝድምድሙን ጸግዒ ሓደ ወገን ሒዞም ነቲ ካልእ ወገን ዘጸልሙን እናኽርኢ የስገድግደኒ። ቍጠባውን ፖለቲካውን’ምበር ዶባዊ ግጭት ከም ዘይነበረ ግን ልሳን ቀየስቱ ከይተረፈ ደርጒሑዎ ኣሎ። ብወገነይ፡ መጻእየይን መጻኢ ብዙሓትን ንዝጸለወን ዘጸልመተን ግስሩጥ ዕንደራ ንሓደ ወገን ከሸክሞ ኣይመርጽን። ኣጀማምራኡ፡ ኣመዓባብላኡን በጺሑዎ ዘሎ ደረጃን ኣንፈታቱን፡ ንዓቕሚ ህዋሳተይ ንልዕሊ ፍርቂ ዕድመይ ተቛጻጺሩዎ’ዩ። ዘኸተሎ ዕንወትን ማሕበራዊ ነውጺን ድማ ልዕሊ ዝዀነ እዋን ደሚቑ ክረአ ክኢሉ’ሎ። ስደትን ከርተትን ህዝብታት እቲ ዞባ ብሓፈሻ ህዝብታት ኢትዮ ኤርትራ ከኣ ብፍላይ። “ጽንብላሊዕ መዓኮራ ዘይከደነት ምድሪ ከደነት” ከም ዝብሉዎ፡ ሕፍረት ድኽነቶም ዘይሰተሩ ብሓዊ ዝጻወቱ ምርኣየይ ወትሩ እግረም። “ወሓለ ሓዊ ቈራይ” ከም ዝበሃል፡ ገና ውሕልነቶም ከርእዩ ህርዲግ ዝብሉ ገልጣማት ካብታ ሃንቀው እንብላ ሰላም ክጋርዱና ይቃለሱ ምህላዎም የተሓሳስበኒ። ኵሉ ግን ብገንዘብን ንገንዘብን’ዩ!

ስደትና ኣብ ዝለዓለሉ፡ ጠንቂ’ኳ እንተለዎ፡ ተዋሳእቲ ናይ ዝኸፈአ መልክዑስ ነንሓድሕድና ምዃንና’ዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ካብ ዘለና ፖለቲካዊ ነውጺ ንላዕሊ ማሕበራዊ ነውጽና ዝዛይድ እመስለኒ። ዘመኑ፡ ዘመን እግርኻ ናብ ዝመርሓካ ብምዃኑ፡ ዕምት ኢልካ መገዲ ኣሎ። ግርህነት፡ ንእስነት፡ ዓሻ ድፍረት፡ ዕድለይ ዕድል እገለ ኣይኰነን እናበልካ ተሃንዲድካ ምምራሽ፡ መለለዪ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ጕዕዞ ስደት ኤርትራውያን’ዩ። “እዛ ግዋ ግዋ እያ፡ መሬት ከኣ መስያ እያ፡ ሓደው ኣሰንዩዎ ሓደው ሕደር በሉዎ” ዝበለት ሕጽይቲ ብዘይምኽንያት ኣይነበረትን። መጠንቀቕታን ክግበር ንዘለዎን መልእኽታ ብግቡእ ኣመሓላሊፋ’ያ። ባህርያውን ሰብ ዝሰርሖን መጻወድያ ብዘለዎ መገዲ ምጕዓዝ ካብ ምስ ድፍረት ወይ ዕሽነት ሓሊፉ ምስ ምንታይ ክቝጸር ይከኣል፧ መለበሚ ዘይረኸበ መለበሚ ክዀኖ እናተገበኦ ዝዕሹ በዚሑ። ማዕረኡ ድማ ኩለንትናዊ ዕንወትን ክሳራን።

ዛንታ ምድረ በዳ ሲናይ ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ዝተቐርጸሉ ዘመን’ዩ። በሰላኡ ብቐሊል ክሃስስ ዝኽእል ኣይመስለንን። ክንደይ ሰኣን ገንዘብ ህይወቶም ስኢኖም፡ ክንደይ ብወረቓቕቲ ገንዘብ ካብ ሞት ድሒኖም። ብሰብኣውነታዊ መዳይ ዕድል ምድሓን ዝረኸቡ ክንደየናይ ከይህልዉ። ምስ ዝህልዉ ግን ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ’ዮም። ገንዘቦምን ህይወቶምን ቁማር ዝተባህሉ ከኣ እባ ኣለዉ። ዕዳጋ ሕኑቕ ምድረ በዳ ሲናይ ንብዙሓት ለኪሙን ኣጐሳቒሉን። ንኽንደይ ጾም ኣሕዲሩ፡ ንኽንደይ ኣዘኽቲሙ፡ ንኽንደይ ድማ ዕድል ስራሕ ፈጢሩን ‘ኣህብቲሙን’። ኣብ ክንደይ ስነ ልቦናዊ ዕንወት ኣኸቲሉ። ኣብ ክንደይ ገንዘባዊ ርውየት ፈጢሩ። ኵሉ ግን ንግዲ ስሙ። ሰብ ዝነገደን ጨው ዝነገደን ኵሎም ነጋዶ ይበሃሉ። ብኩሊት ዝዋገን ብማርሾ ጸብሒ ኣቡን ዝዋገን ኩሎም ሸመትቲ። ዕዳጋ ምስግጋር ደቂ ሰብ ልዕሊ ዕዳጋ ማዕድናት ክብሪ ረኺቡን ሒዙን። ንዋጋ ዘዕርጉ ደላሎ ድማ ኣብ ማእከል የውደኽድኹ።

ደዊለ ሰብ ክረኽበሉ ናብ ዝኽእል ቦታ ኣምሪሐ ኣለኹ። ቅድመይ ደዊሉ ክዘራረብ ዝጸንሐ ሰብ ዘረባኡን ኣዘራርባኡን ደስ ኣይበለንን። ጭቕጭቑ ብቋንቋ ትግርኛ’ዩ። ከይፈተኹ ክሰምዖ ተገዲደ። ምስ ኣቦኣ ይዘራረብ ነይሩ። ዘረባኦም ጥዕና ኣይነበሮን። ኣቦኣ ስለ ዘይብሉ ወይ ዝጐደሎ ክኸውን ይኽእል። ጓለይ ኣትያ እያ እሞ ዘኽፍል የብለይን ዝብል ስምዒት እውን ሓዲሩዎ ይኸውን። እንታይ ይፍለጥ ናይ ሰብ ነገር-ከም ዝብኢ ክሳዕ ዝደልዎ እንደኣሉ ዝሕንክስ። በቲ ኰይኑ በዚ፡ ዕድል ክህቦ ይልምኖ ነይሩ። ወዲ ግን ውለደን ይብሎ። እቲ ብትሕትና እቲ ከኣ ብምጕብዕባዕ ከይተረዳድኡ ተፈላልዮም። “ጓልካ እንተ ረኺብካያ ክትርእይ ኢኻ። እዘን ከይትሕውለን ኣቢኻ ዘለኻ ገንዘብ ብኸመይ ከም ዝረኽበን ባዕለይ እፈልጥ።” ኢሉ ኣብ እዝኑ ዓጽዩዎ። ወዲ ኣብዚ ኣይተዓግተን። ኣብ እዝኑ ንዝጸንሐት ተለፎን ናብ ፊት ኣዒንቱ ብምቕራብ፡ መላጉም ቁጽርታት ብዘይ ዝዀነ መወከሲ ካብ ዝኽሩ ብኣድራጋ ብምጽቃጥ፡ ቀጥታ ኣብ ካርቱም ሱዳን ናብ ዝነበረ ሰብ’ዩ ደዊሉ። ሕርቃኑ ገና ከይዘሓለሉ፡ ብዘይ ዝዀነ ሰላምታ፡ “ክሕውል ፍቓደኛ ስለ ዘይኰነ ኣብ ኢድካ ዘሎ ስጉምቲ ውሰድ።” ህጹጽን ቀጢንን ሓውሲ ወተሃደራዊ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ። ጋን ኰይነ ጥራይ ሰሚዐዮ። ክገብሮ ዝኽእል ኣይነበረን። ፈትዮም ኣብ ዝጀመሩዎን ብምጥልላምን ምጭኽኻንን ኣብ ዝዛዘምዎ ዝነበሩን ጉዳይ ዘእቱ ድማ ኣይነበረንን። ዕድል ናይታ ኣብ ኢድ ኣሰጋገርቲ ዝነበረት ሰብ ከመይ ኰይኑ ይኸውን፧ ዝፈልጦ የብለይን። ገንዘብ ልዕሊ ሰብ ተመዚኑ ምንባሩ ግን ኣረጋጊጸ። ንሰብኣውነት ገኒዙ ገንዘብ ነጊሱ። ብዓል ገንዘብን ደላዪ ገንዘብን ድማ ንጉሰ ነገስት።

ይቕጽል……

Comments are closed.