ትጽቢተይ ካብ መጽሓፍ እኩብ ግጥምታት ‘ጽቡቕ ዕድል’

AMAN TEKESTE W.

 

ቅድሚ ዓመትን መንፈቕን ማለት፡ ኣብ ሚያዝያ 2016 መንእሰይ ገጣሚ ተስፉ ሓጎስ፡ እኩብ ግጥምታቱ  ብ‘ፈውሲ ናፍቖት’  እትብል መጽሓፍ ደበኽ ኢሉና ነይሩ። ብድሕሪኡ ድማ መንእሰይ ገጣሚ ብርሃነ ገብረህይወት፡ ‘ድምጺ ልቢ’ እትብል እኩብ ግጥምታት ዝሓዘት መጽሓፍ ዘርጊሑ። ኣይጸንሐን ድማ መንእሰይ ገጣሚ ጸጋይ መሓሪ (ተመርዖ) ነታ ግጥምታቱ ዝሓዘት መጽሓፍ ማለት፡ ‘ሳርማታት ኣደይ’ ብሰለስተ ቋንቋታት (ትግርኛ፡ እንግሊዝኛን ቡርቱቃልኛን) ገይሩ ኣሕቲሙ። ሕጂ ከኣ እነሆ መንእሰይ ገጣሚ ማይኮ ተኽለ ‘ጽቡቕ ዕድል’ ዝሰመያ እኩብ ግጥምታት ዝሓዘት መጽሓፍ ኣብ ምሕታምን ምዝርጋሕን ይርከብ። ንዕኡ’ውን ኣብ ምዝርግሓ ጽቡቕ ዕድል ይግበረሉ እናበልኩ ኣብ ኢድና ክትበጽሕ ንጽበ። ንዓለም ስነ-ጽሑፍ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንስነ-ግጥሚ ከኣ ብፍላይ፡ ሰናይ ናይ ፍርያት ወቕቲ እዩ። ኣብ ዓመትን ፈረቃን፡ ኣርባዕተ መጽሓፍቲ ግጥሚ ትግርኛ ኤርትራ፡ ክንረክብ ምኽኣልና ምስ ዕድል ዘይኮነስ፡ ድሕረ-ባይታ ከይሃለዎ ኣይተርፍን።

ቅድሚ’ዞም ኣርባዕተ ገጠምቲ፡ ካልኦት ክልተ ገጠምቲ’ውን ኣብ ስደት ብምዃን መጽሓፍ ግጥሚ ኣበርኪቶም ነይሮም። ንጉስ ነብሰይ እየ ብኪሮስ ዮሃንስ፡ ደርሆ ነቆ ፡ ትንግርቲ ብስብሓት ገብረስላሴ ፈርየን ነይረን። እዚ ማለት፡ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ዓመት፡ ሸውዓተ መጽሓፍ ግጥሚ ትግርኛ ፈርዩ ማለት’ዩ።

 

እዞም መንእሰያት ገጠምቲ ዘራኽቦም ነጥብታት ብዙሕ እዩ። ኣብ ሓደ ክሊ ዕድመ ዘሎዉ መዛኑ ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ምስ ገልጣም ናብራ ስደት እናተቃለሱ ንኽብሪ ሕብረተ-ሰብ፡ ንኽብሪ ስነ-ጥበብ፡ ንኽብሪ ስምዒት ግዚኦም ወፍዮም መጽሓፍ ግጥሚ ከሕትሙ ምኽኣሎም እዩ። ናብዞም ኣርባዕተ ናይ ሕጂ ገጠምቲ ምስ እንምለስ፡ ገጠምቲ ብርሃነ ገብረህይወት፡ ጸጋይ መሓሪ ተመርዖ፡ ተስፉ ሓጎስ ኣበራ ኣብ ዝተፈላለዩ መኣድታት ስነ-ጥበብ ኤርትራ ዝሳተፉ ዝነበሩ እዮም። ማይኮ ተኽለ ድማ በቲ መኣዲ ስነ-ጥበብን ነጻ-ፕረስን ከይተጸልወ ኣይተረፈን። ስለዚ እምበኣር፡ እቲ ሓረግ ወለዶ ጥበብ ዝተበትከ ኣይመስልን። እዘን ኣርባዕተ መጽሓፍቲ ግጥሚ እምበኣር መርኣያ ውጽኢት መኣዲ ስነ-ጥበብ ኤርትራ፡ ውጽኢት ጥበብ ናይ ነጻ-ፕረስ ኤርትራ ነበር፡ ውጽኢት ነዊሕ ጉዕዞን ጻዕርን እየን። ስለዚ እምበኣር፡ እዘን ሸውዓተ መጽሓፍቲ ግጥሚ ብስራት ትንሳኤ ስነ-ግጥሚ ትግርኛ እየን።

 

መጽሓፍ ግጥሚ ከተዳሉ ቀሊል ስራሕ ኣይመስለንን። መዋእል ዝወስድ ጉዕዞ ጽሕፈት፡ ምስ ዘይሕለል ጻዕሪ፡ ግዜ ካብ ስድራኻን ሓዳርካን እናሰረቕካ ንውሽጢ ነፍስኻ እናኣተኻ ዝፍጸም ዕዮ እዩ። ነዚ፡ ምስቲ ሸንኮለላዊ ናብራ ስደት ሰጊሮም፡ ከሕትሙ ምኽኣሎም ኣገናዕ ዘብሎም እዩ። (ክንደይ እንዶ ኣላ ስምዒታ ዓቢጣ ኣስኪኣ ትነብር ዘላ?!)። ኣብ ዓለም ስነ-ግጥሚ ንኸባቢ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት ሰለይ እናበሉ ዝመጹ መንእሰያት እዮም። ብመገዲ ፈይስቡክ ካብ ከባቢ ሰለስተ ክሳዕ ሽዱሽተ ዓመት ዝፈልጦም’ዞም ኣርባዕተ ገጠምቲ፡ ሓሓደ መጽሓፍ እኩብ ግጥምታት ከሕትሙ ምኽኣሎም፡ ፍሉይ ጦብላሕታ ኣሕዲሮምለይ። በዚ ምኽንያት ድማ፡ ጦብላሕታ ኣብ መጽሓፍ ‘ጽቡቕ ዕድል’ ንኽጽሕፍ ድማ ተገዲደ።

 

ምስ ገጣሚ ማይኮ ተኽለ፡ ንድሓን ዝኾነ ዓመታት ኣብ ዓንኬል ስነ-ጽሑፍ ሌላ ኣለና። ከም ኣባል መማይት ሽማግለ ንውድድር ዝቐርቡ ግጥምታት ኣብ ዛራን ኣድሚን-ዛራን ምንባሩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ዛራ-ገጠምትን ኤሪትሪያን ሊትረቸር ብዝልጥፎም ዝነበረ ግጥምታት ኣቐዲመ ተላልየዮ ነይረ። ግጥምታቱ ካብ ዝከታተሎም ሓሙሽተ ዓመት ኣቢሉ’ኳ ‘ተኾነ፡ ሕጂ ብዘረጋገጽኩዎ ግን ካብ 2009 ኣትሒዙ ኣብ ፈይስቡክ ይልጥፍ ከም ዝነበረ ኣስተብሂለ። ገለ ካብቶም ዝልጥፎም ዝነበረ ንዓለም ፍቕሪ፣ ንዓለም ስድራ-ቤታዊ ሂወትን ቊልዕነትን፣ ህላወን ሓቅን ካብቲ ቀንዲ ኣተኲሩ ዝገጥመሉ ዓውዲ ኮይኑ ረኺበዮ ነይረ። ውሑድ ዘይኮነ እውን፡ ምስ ነብሱ ዝገብሮ ዕላል ማለት፡ በይነ-ቊርቊር ዝቕርጹ ግጥሚ ይሃንጽ እዩ።

 

ናብ ዝርዝራዊ ኣቃውማን ኣተሃናንጻን ግጥሚ ከይኣተና፡  ብሓፈሻዊ መልክዕ፡ ንግጥሚ ሓያል ዘብሎ ሰለስተ ሓይልታት ክንጠቕስ። እዚ ማለት፡ እቲ ግጥሚ ሰለስተ ዓይነት ቅርጺ ክህልዎ ይኽእል። ንሶም ድማ ሓይሊ ትዕዝብቲሓይሊ ገለጻሓይሊ ሓሳብን እዮም። ዝኾነት ግጥሚ፡ ካብዘን ሰለስተ ኣብ ሓደ ካብቶም ሓይልታት ኣድሚዓ ትርእያ ኢኻ። ካብዞም ሰለስተ እንተ ዘይኣካቲታ ግን እቲ ትልሚ/ትሕዝቶ ግጥሚ ብሌጣ ጽሑፍ ክጸሓፍ ይምረጽ። ዋላ ‘ተዘይ ተጻሕፈ’ውን ኣይጽላእን።

ሀ)_ ሓይሊ ትዕዝብቲ ዝረኣኹላ ግጥሚ ከም ኣብነት ከካፍለኩም።

 

ኣብታ “ሜላ” እትብል ግጥሙ ምስ እንምልከት፣

ንኻልኢት ውን ትኹን

ዕድል ኣብ ዘይርከቦ

ብኸመይ ከም ዝሞልቚ

ብልሓቱ ክዕዘቦ፡

 

ብግብሪ ንኽርእዮ

ኣብ ዕጽውቲ ጥርሙዝ

ትኪ ንምፍጣር ኢለ

ሓዊ ንኸናኽስ

ምስ ፈተንኩ፡

 

ከመይ ኢሉ ክላፈን

ዕንጸይትን ባሩድን

ሃልሃልታ ፈጢሩ

ተኸኽታ ከካውን?

 

ለካስ ብልሓት ትኪ

ኣብዚ’ዩ እቲ ምስጢር

ብልሑ እንክግለጽ

መውጽኢ ኣይስእንን ዝብሃል፡

ኣብ ዝወጾ ደኣ’ምበር

ኣብ ዘይወጾስ ነይፍጠር።

 

ነቲ “በሊሕን ትክን መውጽኢ ነይስእኑ” ዝብል ብሂል ቀዳሞት፡ ብፍሉይ ትዕዝብቱን ምርምርን በዲህዎ ትረኽቦ። ብመሰረቱ ትኪ ንኽፍጠር፡ ወረቐትን ባሩድን ጥራይ እኹል ኣይኮነን። ኣየር (ኦክስጅን) እውን ከድልዮ እዩ። ነዚ ኣየር መእተዊ ቢልካ ዝኸፈትካዮ ፈቃቕ፡ እቲ ትኪ ነዚ ተጠቂሙ ደኣ’ሉ ዝጸሉቕ እምበር፡ ኣብ ዘይወጾስ ነይፍጠር ኢሉ ዝድምድም። ሓያል ኣስተብህሎ ዘንቀሎ ግጥሚ’ዩ።

 

ለ)_ ሓይሊ ሓሳብ ኣካዊና ዝረኸብኩዋ ግጥሙ፡ ‘ይትረፈካ ዓሻ’ ትብል ኣላ።

 

ግርም’ንዶ የለኻን

እንታይ ‘ልካዮ ምልባም

ውሽጥኻ ዘይንታይካ

ካብ ግዳም ንግዳም!

ክልብም ኣይትበል

‘ታይ ረኺቦም ለባማት!?

ነውልካ ‘ንዶ ኮይኖም

ዝሰምዑ ጸማማት።

ዘለካ ዘይብልካ

ኩለንትናኻ እናዓገበ

ንስኻ ብእትበልዖ

ተዓዛቢ እናጸገበ፡

ምልባም ትብህግስ

‘ታይ ርኢኻሎም ለባማት!?

ክሳድ ዘየቅንዑ

ናይ ክብረት ግዙኣት።

ድሩት ኣፍልጦኻ

ብዙሕ እናመሰለ

ንላዕሊ ዘውጸካ

ጸምበለል እናበለ፡

‘ታይ ኢልካዮ ምልባም

ብደውካ ዝቀትል

ክብደቱ ጸቃጢ

ናብ ውሽጥኻ ዘጥሕል!

ጠባይ ሰብ ክትሕሉ

እንታይነትካ ዘይትሓብእ

ብድምቀት ሰሓቅካ

ደንገጽቲ ተንብዕ

ግርም እንዶ የለኻን …

ወኒንካያ ዓለም!

ምፍጣርካ ዘረስዕ

ታይ’ልካዮ ምልባም!?

ልቢ ልቢ ኣይትበል

ከምቲ ዝመስለካ ኣይኮነን

ይትረፈካ ዓሻ

ደፋር ከይሰኣን።

 

ኣብ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ዓለም ይኹን ኣብ ፍልስፍና ፕሌቶ እውን፡ ሰብኣዊ ውርዝይና (virtues) ዝብሃል ኣምር ኣሎ። ንሱ ድማ ጽሩይ ኣእምሮን ጽሩይ መንፈስን ንኽህልወና ከነማልኦም ዝግባእ ክብርታት ኢዮም። ንሳተን ከኣ፤ ቅንዕና፡ ትብዓት፡ ምስትውዓል፡ ርእሰ-ቁጽጽር፡ ሓቦ፡ ፍቕሪ፡ እምነት እየን። (ኣብ ገሊኡ ድማ ተስፋን ልግስን ንገሊኤን ተኪኤን ትረኽበን)። ብምሁራዊ ኣጠማምታ፡ እታ ትብዓት እያ ካብ ኩለን ጸብለል ትብል። ንሰብኣዊ ባህሊ፡ ንፍልስፍና፡ ንስነ-ጥበብ፡ ንሳይንስ … ወዘተ. ንቕድሚት ዘዝልል ባእታ ትብዓት ናይቶም ንሕብረተ-ሰብ በብሸነኹ ዝመርሑ እዩ። ንገጠምቲ’ውን ገጠምቲ ዘብሎም ትብዓት እዩ። ብትብዓት ስምዒቶም ክድሕድሑ፣ ብትብዓት ንጽኑሕ ኣረጊት ልምዲ ከፍርሱ፣ ንዝኣረገ ብላይ ኣተሓሳስባ መንእሰይ ክብድሁ … ወዘተ. ኩሉ ብትብዓት እዩ። ኣብዛ ግጥሚ ዘሎ ኣዘንታዊ እምበኣር፡ “ታይ ረኺቦም ለባማት /ነሀለውኻ ‘ንዶ ኮይኖም /ዝሰምዑ ጸማማት”፡ ብምባል ነቲ ትብዓት ክርእዮ ብዘይ ምኽኣሉ ብምረት ኣናስተንተነ፡ ካልእ ተረፈስ ድፍረት’ኳ ከይሰኣን ኢሉ ይዛዝም።

 

ሐ)_ ሓይሊ ገለጻ፤ ኣብታ ‘ክገጥመልኪ’ ትብል ግጥሙ ገለ ክፋላ ምስ ንምልከት፤

 

ኪንዮ’ቲ ክትነብዮ እትብህጊ

ናይ ውሽጠይ ስምዒት

ብርዐይ እተስፍሮም

ኣብ ገጻት ወረቐት፡

 

ልዕሊኡ ሰጊረ፡

ሃዲአ ክሕንጥጥ

ኣብ መላእ ኣካላትኪ

ብተምሳጥ ጽሑፋተይ

ከነቓቕሕ ውሽጥኺ፡

 

ብፍቕራዊ ዛንታ

ቀልብኺ መሪሐ

እቲ ልኡም ወሓዚ

ናብ ዶጉዓ ኣብጺሐ፡

 

ኣብ ጥርዘ ስምዒት

ውሕሉል ጥበባተይ

ብግብሪ ርዒምኪ

ከተስተማቕሪ ምሳይ፡

 

ኣብቲ ምቁር ግጥሚ

ብሓደ ክንነጥፍ

ብጋህዲ ክትዋስኢ

ሓቢርና ክንነግፍ፡

 

ናይቲ ዛንታ ፍረ ነገር

ኣብ ዕምቈትኪ ክሰፍር፡

ከም ቈጽሊ ወረቐት እንዶ

ተገንጸሊ ኣብ ቅድመይ!

ብርዒ ተቐይረ

ክገጥመልኪ ባዕለይ።

 

እቲ ዛንትኡ ብውከላውነት ቈይሙ ብምህላዉ፡ ኣንባቢ ብዝመሰሎ ተርጒሙ ናቱ ፍሉይ ምስሊ ክረኽበሉ ይኽእል። ነቲ ናይ ፍቕሪ ዛንታይ ዝብሎ ዘሎ፡ ብግብራዊ ጥምጥማዊ ግጥሚ ድዩ ብሓሳባዊ ግጥሚ ክገጥመላ ብዘየገድስ ሰሪሕዎ ዘሎ ገለጻ ዝነኣድ እዩ።

****

 

እዚ ጽሑፍ’ዚ ሓፈሻዊ ትዕዝብተይ ብዛዕባ ግጥምታት ማይኮ ኮይኑ፡ እኩብ ግጥምታት መጽሓፍ የሕትም ብምህላዉ፡ ሕጂ ከ እንታይ ኢና ክንጽበ ዝብል ሓሳብ ዘበገሶ ጽሑፍ እዩ።

ማይኮ ተኽለ ኣብ ግጥምታቱ ዝተፈላለየ መልክዕ ወይ ቅዲ ክጥቀም ኣስተብሂለ ኣሎኹ። ገለ ካብኡ ንግርምቢጥነት ባህሪ ሰብ ኣብ ‘ተመን’‘በጃኹም ክብሎም’የ’ ዝብላ ግጥሙ፣ ምጸት ኣብ ‘ንምዕባየይ ዓብየዮ’፣ ውከላውነት ኣብ ‘ውስጠዘ ሽምዓ’ ትብል ብዛዕባ ዘሎ ህሉው ኩነታት ተውክእ ግጥሚ ኣሎ። ሰባዊን ሕጫጨን ዘጣመረት ግጥሚ ‘ቆሎ ጥጥቖ’፡ ከምኡ ‘ውን ውስጠዘኣዊ ግጥሚ ኣብ ‘መዳሕንቲ’ ኣለዋ። ንጽህና ደቂ-ሰባት ዝሕመረቱ ግጥሚ ካብቲ ዘዘውትሮ እዩ። ኣብ ‘ዓለም ፈላላይት’ ብመልክዕ ቈልዓ ኣዘንታዊ፣ ኣብ ‘ዓባየይ’ ጉርሕን ንጽህናን እናሓጎ፣ ኣብ‘ቀደም ነይራ ጽሓይ’ ብመልክዕ ኣቦሓጎ … ወዘተ።

ዋላ’ኳ ምጸት፡ ውከላውነት፡ ሰባዊ፡ ሕጫጨን ውስጠን ኢልና እንተ ፈለናዮም ሓደ ሓባራዊ ጠባይ ግን ኣሎዎም። ንሱ ከኣ ግርምቢጥነት እዩ። ግርምቢጣዊ ሓቂ ብዝኸድካዮ ግጥምታቱ ይጎንፈካ።

 

ንጉዕዞ ህይወት ፈይስቡክ ውን ብዝግባእ ገጢሙሉ እዩ።

……… መአከቢ ኣሎዎም ናይ ሓባር መውዓሊ /ተጋባዚ የብሉ ጋባዚ ከፋሊ /ንኣንፎም ይውዕሉ፡ ኣብ ኩለን ትካላት /ሓባራዊ ክለብ፡ በብዓይነተን ‘ግሩፓት’ /ውልቃዊ ደዃኹን፡ ዝተፈላለዩ ‘ፔጃት’። /ቀልጢፎም ይፋተው፡ ምሒር ይፋቐሩ /ግዜ ነይወስደሎም፡ ‘ብሎክ’ ክጋበሩ! /ሓድሕድ ክምዓዓዱ፡ ፍቃድ ዘየድልዮም /ምኽርታት ይልግሱ፡ ቪድዮ ቀቀሪጾም! /ይብኣሱ ድማ፡ ሓድሕድ ይዋድኡ /ትጽርፍ ይውዕሉ ትንፋስ ይዋጽኡ /ፈጋኢ የብሉ ተፈጋኢ /ቀታሊ ኣብ ዘይብሉ መዋቲ፡ /ኣደኦም ትቁጸሮም ለባማት ዓረቕቲ።

 

ዘይንፈልጦ ኣመና ናጽነት ኣብ ሃገረ ፈይስ-ቡክ ብምፍጣሩ፡ ስራሕናን ውራይናን ክሳብ ንርስዕ ከም ወልፊ ኮይኑ፡ ኣብ ሸንኮለላዊ ሂወት ክሳብ ንነብር ብምዃንና ዝተሰምዖ ኣዘንታዊ ቅሬትኡ ገሊጹ ይዛዝም። እቲ ግብሪ’ቲ ንረብሓ’ቶም ወነንቲ ሃገረ ፈይስቡክ ምዃኑ ከኣ’ባ የስምረሉ። ኩሉ ካብ ልክዑ ክሓልፍ ከሎ ዕንወት ጥራይ እዩ ዘኸትል። ሓቁ’ዩ ገጣሚ፡ ንኻልኦት እናኣዐንዘዝካ ረብሓ ምእካብ ዝጠንተወ ሜላ ወዲ-ሰብ እዩ። ንሕና ግን ናብቲ ናይ ብሓቂ ረብሓ (ሓበሬታውን ገንዘባውን ረብሓ) ከይንጥምት ኣብ ውዱቕ ነገር ተደሪትና ንውዕል ነምሲ ኣለና።

 

ፍሉይ መለለዪ ማይኮ ኮይኑ ዝረኸብኩዎ ዓይነት ግጥሚ

 

መ)_ ሜታ-ፊዚካዊ ግጥምታት

ማይኮ ተኽለ ኩሉ መዳያዊ ግጥሚ ይሃንጽ’ኳ እንተዀነ፡ እተን ሓጸርቲ ግጥምታቱ ካብ ዝፈትወን እየን። ንዕምቈት ሓሳባቱ ብቁጡብ መገዲ ከሰጋግር ህርድግ ምስ በለ እዩ። ፍሉይ ሓሳባት ብፍሉይ ኣበሃህላ ዘካትታ ግጥምታት ኣሎውኦ። ከም ብዓል ተመርዓዊ፡ ወሊዳ እትውለድ፡ ንምዕባየይ ዓብየዮ፡ ንብዒ፡ ስልጣን ‘ተዝህልወኒ፡ ሓንቲ ዓለም፡ ወዲ-ሰብ፡ መዳሕንቲ፡ ጸላም፡ መን እሞ ክብለካ፡ ማማ፡ እንተ ኣጋጢሙ፡ ጸሓይ፡ ጽልኣት ኣይኮነን፡ ዓለምና፡ እንታይ ከይብለኒ፡ ክጥዕም፡ ጉጅም፡ ፍጹም ገጣሚ፡ ተመን፡ ተመለስ ጽላሎት ወዘተ ዝኣመሰላ ሓጸርትን ቁጡባትን ኣሎዎኦ።

 

ገጣሚ ማይኮ ተኽለ ኣብተን ሓጸርቲ ግጥምታቱ ዘዘውትሮ ነገራት ኣሎዉ። ሓያል ኣእምሮኣዊ ሓሳባት፡ ዘይልሙድ ስእላዊ ገለጻ (ምምስሳል)፡ ግርምቢጥነት፡ ብሳይንሳዊ ርትዒ ክትፈትሖ ዘሸግር ዝተሓላለኸ ሓሳብ፡ ብጥንቃቐ ኣዝዩ ዝተጻፈፈ ሓረጋት፡ መስሓቕ መፈጸምታ፡ ሕጫጨ … ወዘተ ምስ ኣዘውተረ እዩ። ኣብ ኩለን እተን ልዒለ ዝጠቐስኩወን እኳ እንተ ዘይኮነ፡ ኣብተን ዝበዝሓ ንኸምዚኦም ባህርያት ዘጣመረ ግጥሚ ፍሉይ መጸውዒ ኣሎዎ። ንሱ ድማ ግጥሚ ስነ-ምርቓቕ (ሜታ-ፊዚካዊ ግጥሚ) ክንብሎ ይከኣል። ገጣሚ ማይኮ ኣብዚ ዓውዲ ብዝሓየለ መልክዕ በሎኽ ኢሉ ክመጸና ንትስፎ። ካብዘን ብዙሓት ሓጸርቲ ሜታ-ፊዚካዊ ግጥምታቱ፡ ውሑዳት ምስ እንርኢ፤

 

መ_1) ‘ተመርዓዊ’

ማሕዩር ስደት

ኣብ ዓንኬል ኣሲሩ

ሕዱር ሕማም ናፍቖት

ኣብ ልዕሌኺ ኣሕዲሩ፡

 

ካብ ስድራኺ ፈላልዩ

ካብ ቀየረኪ ባሕታዊት

ጽምዋ ኣግዚሙ

ካብ ገበረኪ መስተማሰሊት

 

ስድራ ካብ ስኣንኪ’ሞ

ስድራ ዘይተዋድዲ!?

ተመርዓዊ እንዶ’ሞ

ውለዲ ዝመዲ!

 

ተንካፊት ግጥሚ ‘ተመርዓዊ’፡ መዘከርታ ነዘን ብስደትን ከልበትበትን ካብ ስድረአን ተፈልየን ብጽምዋ ኣብዛ ዓለም ተዋሒጠን ዝነብራ እትውክል እያ። ካብ ‘ወዲ-ሰብ ዝሕይል’ ሽግር ገጢምዋ ንስደት ምስ ከደት፡ ኣብቲ ህይወት ዘይብሉ ህይወት፡ ባዕላ ህይወት ክትፈጥር ከኣ የማኽር። ትርጉም ህይወት ክትፈጥር ይእምተላ’ሎ። ኣብ ሂወት፡ ኤግዚስተንሺያላዊ ቅሉውላው ዝብሃል ህሞት ኣሎ። ንሱ ከኣ፡ ንህይወት ትርጉምን ዕላማን ትስእነሉ ኩነት እዩ። ንሓፍትና ከኣ ብኤግዚስተንሺያላዊ ቅሉውላው ሞራላ ተተንኪፉ ንኸይትስዓር፡ ብሰንፈላል ግዚኣ ከይተባኽን፡ ከንቱነት ንኽትስዕር እዩ ምኽሩ። ገጣማይ፡ ብውክልና ጓል-ኣንስተይቲ ገይሩ የቕርቦ ‘ምበር፡ ንኹሉ ዝምልከት ሓሳብ እዩ።

 

መ_2) ‘ወሊዳ እትውለድ’

ንዓይ ንግዳም

ኣብ ዓለም ወሊዳ

ንሳ ንውሽጢ …

ኣብ ልበይ ተወሊዳ

 

ተፈጥሮኣዊ ፍሉይነታ

ብግብሪ ዘግሃደት

እታ እንኮ ፍጥርቲ

ወሊዳ እትውለድ

 

ወላዲት!

 

‘ንዓይ ወሊድ፡ ንሳ ኣብ ልበይ ተወሊዳ’ ድዩ ዝበለ ገጣሚ፡ ኣዝዩ ብሉጽ ገለጻ። ፍሉይነት ፍቕሪ ኣደ ንኽትዕይሮ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ ብርግጽ። ብግጥሚ ግን ዘይብጻሕ የለን። ብፍላይ ብቕዲ ሜታ-ፊዚካዊ ግጥሚ። ወላዲት፡ ናብዚ ዓለም (ማለት፡ ኤግዚስተንስ) ዘምጸአት ዝለዓለት ኣካል ከም ምዃና ምጠን፡ ምስኣ ዝህልወና መንፈሳዊ ምትእስሳር መዘና ኣልቦ እዩ። ብዝለዓለ መልክዕ ልዕሊ ዝኾነ ኣብ ልብና እትፍጠር ህላወ እያ። መንፈስ ማለት፡ ስጋዊ ህላወ ዘይኮነስ ህላወኡ ኣብ ልቢ ዘይመውት ቦታ ምስ ዝህልዎ እዩ። በዚ ምኽንያት እዩ ድማ ገጣሚ፡ ኣደ ብስጋ ወሊዳ ብመንፈስ እትፍጠር ኣካል ዝበላ። ኣደ መንፈስ እያ። ኣደ ምስ ደቃ ዘሎ ምሕዝነት ከም ሕድሕድ መንፈሳዊ ምንጽብራቕ ማለት ምዃኑ እትገልጽ ግጥሚ’ያ።

 

መ_3) ‘ንምዕባየይ ዓብየዮ’

ንሱ ንኸይሰምዕ

ዝብሎ እናሰማዕኩ

ክብረተይ ከይጫረት

ክብሪ እናለገስኩ፡

 

ኣመና ትሕት ኢለ

ንላዕሊ ኣውጺአዮ

ሽዑ፡ ኣብ ልዕሊኡ ደይበ

ንምዕባየይ ዓብየዮ።

 

ዝኾነ ንኡስ ኣካል ይኹን ንኡስ-ወለዶ፡ ሳላ ዝጸንሖ ድልዱል ድሕረ-ባይታ እዩ ንላዕሊ ወጺኡ ርሑቕ ከቋምት ወይ ክዓቢ ዝኽእል እምበር፡ ብናይ ውልቁ ጻዕሪ ወይ ክእለት ጥራይ ኣይኮነን። እዛ ፍልስፍናዊት ግጥሚ፡ በሊሕ ኣቦ በሊሕ ውላድ ከም ዘዕቢ፣ ጽቡቕ ሰረት ዘለዎ ሕብረተ-ሰብ ጥዑይ ወለዶ ከም ዝሃንጽ … ወዘተ ተአንፍት። ኮታስ ብዘይ መንጠሪ ባይታ ንርሑቕ ከተቋምት ኣሸጋሪ ምዃኑ’ዩ ሕመረታ። ንምዕባይና ክንዓብዮ፡ ንቕድሜና ጸሓይ ዝረኣየ ክንዓብዮ ዘኽእለና ምስጢር፡ ካብቲ ናቶም ውህሉል ፍልጠት ንብገስ ስለ ዘለና እዩ። ኣብቲ ናቶም ውህሉል ፍልጠትን ዓቕምን ናትና ንእሽተይ ምስ ትውሰኻ፡ ልዕሊኦም ጸምበለል ክንብል ንኽእል። ክእለት ገጣሚ፡ ብቁጡብ ቃላት ዓቢ ዛዕባ ክነድቕ ምኽኣሉ ዝድነቕ እዩ።

ንህሉው ኩነታት ኤርትራ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ወለዶ ክብተኸሉ ዘየድሊ ምኽንያት እዚ እዩ። እንተ ዘይኮይኑ ከም ድልድል ኮይኑ፡ ነቲ ዝመጽእ ወለዶ መንጠሪ ባይታ ዝፈጥረሉ ወለዶ ኣይክህሉን’ዩ።

 

መ_4) ‘መዳሕንቲ’

መርዓት ጓል-ውጹዓት

ንኽትብኮር

ምሒር ምስ ተጻዕረት፡

ወየን ጽጉማት ኣዴታታ

ሕልፊ’ቲ ብርቱዕ ቃንዛኣ

ነብሰ-ስገአን ተቐንጢጡ ልዕሊኣ፡

 

“ማርያም-ማርያም!” ኢለን

ጸሎት እና’ሓወሳ

ብሰላም ከም ዘየሕረሳ፡

 

እንተስ ምሒር ሓጎስ

እንተስ ተዳሂለን፡

መዳሕንቲ ኣሕቁፈንኣ

ናጽላኣ ቐቢረን።

 

ጓል ውጹዓት እናተጻዕረት፡ ኣብ ክንዲ ህይወት ዘሎዎ፡ ህይወት ኣሎቦ ምሕቋፋ ዘደንግጽ’ኳ እንተ ዀነ፡ ደራሲ ዝተጠቐመሉ ግርምቢጣሚ ኣዘናትዋ፡ ምረቱ እናተራእየካ ከም ትስሕቅ ዝገብር ሓይሊ ኣሎዎ። እምብዛ ሓጎስን ኣመና ምድሃልን ዘስዕቦ ዕንወት ቀሊል ከም ዘይኮነ ገጣሚ ኣስሚሩሉ ይርከብ። ዝኾነ ነገር ካብ ልክዑ ክሓልፍ ከም ዘይብሉ እዩ። ፍቕሪ፡ ሓጎስ፡ ፍርሒ፡ ባህጊ፡ ህርፋን፡ ንሰብ ትህቦ ክብሪ … ወዘተ. ካብ ባህርያዊ ልክዑ ምስ ዝሓልፍ ዘምጽኦ ነገር እንተ ሃልዩ ምስባር-ልቢ ወይ ዕንወት እዩ። ተመኩሮ ህዝብና ብቐሊሉ ክንምልከት ይከኣል። ስለዚ እዛ ግጥሚ ብኣመና ሓጎስ ዘይምስካር! ብኣመና ፍርሒ ከኣ ዘይምርዓድ ተዘንቱ።

(“ኣዴታት ዚኣኽላ ከመይ ገይረን መዳሕንትን ናጽላን ክፈልያ ዘይክእላ?” ኢልና ብግርህነት ክንሓትት ኣይከኣልን። ካብ ልክዑ ዝሓለፈ ስምዒት ስለ ዝነበረን፡ “ዓዊረን ምንባረን” እዩ ዘረድእ ዘሎ)።

 

ገጣሚ ማይኮ፡ ኣብ መወዳእታ ነግሒ ወይ ማይ-ቤት ዘርእዮ ሓይሊ ልዑል እዩ። ኣብ ኩሉ ግጥምታቱ፡ ኣብቲ መወዳእታ፡ ሓያል መእሰሪ ማይ-ቤት ምስ ተጠቐመ እዩ። እዚ ድማ ሓሳቡ ምሉእነት ንኽህልዎ፡ ግርምቢጣውን ምጸትን ቅዲ ንኸማዕብል ሓጊዝዎ እዩ።

ንኲርናዕ ኣዘናትውኡ ብናቱ ውከላዊ መንጽር ስለ ዝገጥም፡ ፈጠራውነት ግጥሙ ንምርድኡ ኣየሸግርን። መበቈላዊ ኩርናዕን ውከላውነትን ተጠቂሙ ግጥምታቱ ዝሃንጾም ብዙሓት ብምህላዎም ነባርነት ከም ዝረኽቡ ኣየጠራጥርን። ውሑዳት ግጥምታቱ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ዝገልጻ ገዲፍካ፡ ዳርጋ ዝበዝሐ ካብ ግጥምታቱ ንዝኾነ ኣንባቢ ስምዒት ዝቅስቅስ ትረኻ/ዛዕባ ዘካተተ፣ ብሓፈሻ ንኩነታት ደቂ-ሰብ ዝገልጹ ምስ ምዃኖም ኣድማሳዊ ትሕዝቶ ኣሎዎም። ጥሙሕነት ገጣሚ፡ ኣብ ግጥምታቱ ዘለዉ ኣዘንተውቲ፡ ንኹሉ ከረኻኽብሉ እዮም ዝፍትኑ። ንጽኑሕ ድሑር ልምዲ ወይ ኣተሓሳስባ ክብድሁ፣ ውሽጣዊ ኣስተንትኖ ዝደፋፍኡ፣ ሓድሽ ኣስተብህሎ ዘቀጅሉ ግጥምታት ብዙሓት ኣንቢበሉ ኣሎኹ።

 

ብሓፈሻ ግጥምታት ማይኮ ተኽለ ንፍቕሪ፣ ንስድራ-ቤታዊ ህይወት፣ ንስደት፣ ንናብራ፣ ንውሽጣዊ ዝርርብ፣ ንህልውናን ሓቅን፣ ንሰብኣዊ ጉዕዞ … ወዘተ. ዘካተተ እዩ። ብፍዂስ ዝበለ ቃላት፡ ፍሉይ ሓሳባት ብፍሉይ ኣገላልጻ ክገጥም ዝፍትን ኮይኑ ረኺበዮ። ብርግጽ ከኣ ይጥቀም እዩ። ኣብዛ ዝዝርግሓ ዘሎ ‘ጽቡቕ ዕድል’ እትብል መጽሓፉ ድማ ብዝበለጸ ነቲ ንሱ ዝጥቀመሉ ቅድን ቅርጽን (ልምዳዊ ኣገጣጥማ ዘይኮነስ ኣብ ሃገርና ምስ ዘመናዊ ቅዲ ዘስርዖ ሜታ-ፊዚካዊ) ብዝያዳ ደፊኡሉ ንኣንበብቱ ከዕግበና ንትስፎ።

ካብቲ ዘረብረበና ግጥማዊ ቅርጽታት ፍንትት ኢሉ ዘመናዊ ቅርጺ ሒዙ ክመጸና ደጊመ እምነ።

ስነ-ጥበብ ኤርትራ ንምዕባዩ ይዕበዮ! ኣሜን!

*******

 

 

Comments are closed.