ቅርጣሽ፣ ተናፋቒት ኤርትራዊት ጐርዞ

Shishay Shimondi

“ሃለው ቅርጣሽ” ብ ገጣምን ጸሓፊ ሓጺር ዛንታን ዮሃንስ ኣብርሃም ዝተደርሰት ኰይና፡ ኣብ 2014 ዝተቓልሐት ግጥሚ እያ። ኣፍቃሪ (ኣዘንታዊ) ካብ “ቅርጣሽ” ዝተባህለት ኣፍቃሪቱ ተፈልዩ ዝነብር ኰይኑ፣ ካብ ኣርእስታ (“ሃለው” ዝብል ቃል) ምርዳኡ ከምዚከኣል ኣብ ዕላል ቴሌፎን እዩ እቲ ዛንታ። ካብ ኣፍቃሪኣ/ቱ ዝተፈልየ ሰብ ዘውስኦም ቃላት፥ ደሓን ከምዘለኻ ከተረጋግጽ ምፍታን፡ ሻቕሎት ወይ’ውን ስክፍታ፡ ተስፋ ከተዕብይ ምድላይ፡ ግዜን ምፍልላይን ከይስዕረካ ዝምከር ፍቕራዊ ለበዋ ዚኣመሰሉ ቋንቋ ልቢ ፍቚራት እውን ይንጸባረቕ።

ኣብዛ ግጥሚ ብንጹር ዝረአ ነገር፡ ኣዘንታዊ፡ ብሓጺርን ቅልጡፍን ኣገባብ መልእኽቱ ብቐጥታ ከመሓላልፍ ዝጽዕር ምዃኑ እዩ። ንኣብነት፥ ኣዘንታዊ ንቡር ከይተርፍ ከመይ ከምዘላ ይሓትት እሞ፡ መልሳ ከይተጸበየ ሃለዋታ ከምዘይስሕቶ ብምግላጽ ክሓልፎ ይረአ። ቊርቋረ ኣዒንታ፡ ዝነሃለ መዓጓጒርታ፡ ጾግራ. . እንተዀነ እውን ‘ዘይንቡር ክንሱ ግን ኸኣ ንቡር’ ብምውሳድ ዝጐሰዮ ይመስል። ኰታ ኣፍቃሪቱ ድሕሬኡ እትነብሮ ናብራ ‘ናብራ ከም ዘይኰነ’ ከም ቅቡል ወሲዱ፡ ሞራል ምሃብ ከይበዀረ ናብ ቀንዲ መደወሊኡ ምኽንያት ወይ’ድማ ተረፍ ናፍቖቱ ክምሰል ዝኽእል ንመውዓሊ ኣውደኣመት ዝኸውን ገንዘብ ይሰደላ ምህላዉ ብምሕባር፣ በቲ ናይ መወዳእታ ምሕጽንታ ሓደራኡ ኣቢሉ ሕነ-ምፍልላይ ብሓጐስ ተደሲታትሉ ክትውዕል’ዩ ዚመክር።

ብመንጽር ሚዛን ዕምቆት ምፍልላይ ፍቚራት እንክረአ፡ ኣዘንታዊ እተረበጸን ገንዘብ ብምልኣኽ ጥራሕ ‘ክትሕጐሰሉ ዚደለየን እዩ ዘምስሎ’ ክበሃል ይኽእል ይኸውን። ብመሰረቱ ግን፡ ሓደ ግጥሚ ካብ ባሕሪ ሓሳብ ዝተወሰነ ግዜ ኲነተ-ጽሕፈት ገጣሚ ተቖንጪሉ ብተቐባልነት ዘይክሰሮ መገዲ መልእኽትኻ ምስፋር ክንዲ ዝዀነ፡ ርቡጽ ኲነተ-ኣእምሮ ኣዘንታዊ፡ ነበብቲ ህያው ስምዒቱ ንኽምኰሩ ዝገበረ ተኣማኒ ባእታ ምክታቱ ምስእትግንዘብ ንግምትካ ከተፍርሶ ትግደድ። እዚ ኸኣ፡ ነገረ-ኰኔክሽን ቴሌፎን ዓድና ባይታኡ ገይሩ ብድሙቕ ስእሊ ዘንጸባረቐ ንምዃኑ፣ ልብኻ ኣውዲቕካ ዘይተዕልለሉ ዘረባ ቴለፎን ምስ ካብ መበገሲ ሓሳቡ ንዘይምዂብላል ዝተኣደበን ኣሰራርሓ ብምጥቃሙ እዩ። ንባህ ኣይበሎ “ግበርዮ” ዝብላ ጒዳይ ሕሩድ፡ መስተ፡ ሳዕስዒት ብደርፊ ጸሃይቱ በራኺ ኣስዒቡ ድማ ቅርጣሽን “ሽሽ. .” ክትብል እንኰላ ከም ካልኦት ስራሓት ገጣሚ ኮሜድያዊ ስእሊ ፈጢራ ብሓይሊ እናዛነየት ትዛዘም።

ኣዘንታዊ፡ ነቲ ሓደ ካብ ስግኣቱ ዚዀነ ምፍራስ እምነት፣ ‘ከይትጋገ’ ዘማሕጸነሉ ኣገባብ ዝፍቶ እዩ። ሃይማኖት ንሰብ፡ ኣካል እቶም ካልኦት ነብሰ-እደባ ዚጐናጸፈሎም ልጓማት ምዃኑ ብምምዝማዝ፡ ፈሪሃ እግዚኣብሄር ተጠቂሙ ተዘንታዊት ከይትጠልሞ ንሃይማኖታዊ በዓለ-ፋሲካ ምርኲስ ብምግባሩን ምትእስሳሩን ግሩም ዝተሳኻዓሉ ጥበብ ኰይኑ ይጸንሕ። ሓደ መሬታዊ መንግስቲ ኢዱ ዘኽበደሉ ህዝቢ፡ ኪንዮ ኣምላኻዊ ፍርሃትን ኣብ እምነትካ ምጽናዕን ካልእ ኣማራጺ ከም ዘይብሉ ዘስምዕ ክመስልን ክኸውንን እኳ እንተኸኣለ፡ ከም ሕብረተ-ሰብ እውን ህዝቢ ኤርትራ፡ ፈሪሃ እምነት ኣምልዀቱ ብዘይካ’ቲ ሃይማኖት ምዃኑ ከም ባህሊ እውን ዝሰረጸ ምዃኑ ስለዘይከሓድ። ካብ ሕማቕ ተግባራት ዝሕርመሉ ወይ ከም መጠንቀቒ ንበሎ መገዘቲ ክጥቀመሉ ምርኣይ እውን ልሙድ ተርእዮ ብምዃኑ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ መጸውዒ ስም ተዘንታዊት ‘ጥንታዊ’ ክበሃል ዝተረፎ ስለዘይብሉ፣ ንባበይ ሕርኽ-ርኽ ከይበለኒ ኣይተረፈን። ካብ ካልኦት ኣስማት ከም ስም ንቅርጣሽ ምምራጹ ዘመልክተለይ ነገር እንተሃልዩ ጥንታዊ ኣነባብራ ክሰኣለኒ ዝፍትን ምዃኑ እዩ። ብኣንጻሩ፡ ቅርጣሽ ዝብል ኣስማት ዝወጽኣሉ ኣብ ዝነበረ ግዜያት ከኣ ከም እኒ ላምባ፡ ኮካ፡ ቢራ፡ ፍርናሽ ዚኣመሰሉ ነገራት ዘይዝውቱራት ምንባሮም እዩ ዝርደኣኒ። እዞም ዚተጠቕሱ ኣስቤዛታት ከም ሓደ መወከሊ ንጥንታዊ ኣነባብራ ክውክሉ ዝኽእሉ ኣይመስለንን። ቅርጣሽ ከም ስም ከኣ ጥንታዊ ምባሉ ይቐልል። ኣብዚ መቸም፡ “ቅርጣሽ” ከም ስም፡ ሎሚ ግዜያት ፈጺሙ ኣይወጽእን ንምባል ዘይምዃነይ፡ በቲ ኣብ ስምን ውክልናኡ ኣብ ግጥሚ (ብሓፈሻ ድማ ኣብ ስነ-ጥበባዊ ስራሓት) ዝምልከት ርእየት ክረአ እንከሎ ብምንጽጻር ክትርድኡኒ ከም እትኽእሉ ይኣምን። ብቕልል ዝበለ ኣገላልጻ፡ ኣብ ስነ-ጥበባዊ ስራሓት ዝጥቀስ ኣስማት ልክዕ ከምቲ ንሓደ ድራማዊ ወይ ፊልማዊ ዕዮ ምከና ዛንታ/ግዜ ሓደ ዝተወሰነ እዋን ንምንጻር ዝሕግዞ ማለተይ እየ። ምናልባት ኣዘንታዊ ምስ በዓል ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ ዝነበረ ‘ኣያም’ ዶ ይኸውን ግን ኣቢሉኒ! ዶስ. . . ከምዚ ኣብዚ ዚሓለፈ ውሑዳት ዓመታት “ባህላዊ ደርፊ እያ ተብልዕ ዘላ” ተባሂሉ ዝግበር፡ ኣይ ካብ ባህሊ ኣይ ካብ ከም ዝነብርዎ ዘመን ሓዲግ መዲግ ኰይኑ ዝተርፍ ደርፍታት ዝመሳሰል ተርእዮ ክቖጽሮ?!

ኣብ መጨረሽታ፡ ክሓቶ ዚደሊ ነገር ኣሎኒ። እዚ ኸኣ፡ ናይ ጸሃይቱ በራኺ ” ኣባሻውል ዝባን ጨርሒ ተወሊዓ ወርሒ፣ ንሰዓት ሸሞንተ ዕስራ ጎደል ተጸበየኒ’ምበር…’ ብፍላጥ ኣትያ እንተዀይና እዩ። እዚ ክብል እንከሎኹ፣ ብዛዕባ እዛ ደርፊ ንእግረ-መንገደይ ካብ ነበብቲ እዚ ጽሑፍ ከረጋግጾ ዝደለዂዎ ነገር ምህላዉ ደኣ እምበር ምእታዋን ዘይምእታዋን ክቕበል ወይ ክነጽግ ንዘይምዃነይ ምርዳእ የድሊ። ሓደ እዋን ምስ ሓደ ጸሓፊ ዓርከይ እነዕልለሉ ኣብ ዝነበርና ግዜ ታሪኽ እዛ ደርፊ ብልክዕ ድማ ጒዳይ ሰዓት 7:40 ድ.ቀ ከዕልለኒ ይዝክር። ንዘረባ ዘረባ ኣምጸኦ ዕላል ምስ ምንባሩ ከመይ? ኣበይ? መዓስ? ብምሕታት ኣየጣለልኲዎን። ወትሩ እዛ ደርፊ ኣብ ዚሰማዕኲሉ ግዜ ግና እቲ ዕላል ይዝከረኒ። ከምቲ ንሱ (ዓርከይ) ዝብሎ እንተዀይኑ፡ ኣብ ሓንቲ መጽሓፍ ክዝንቶ ከምዝረኸቦ፤

” ኣብ ኣባሻውል ከም ሸየጥቲ መስተን ከረርትን ዝነበራ ኣዴታት ገዛውተን በቲ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ስርዓት ጃንሆይ ከም መተኣኻኸብን መዛተይን ብኡ ኣቢልካ እውን መለዓዓሊ ህዝቢ ብምዃነን ክፈርሳን ክእለያን ምስ ተወሰነን ምስ ፈረሳን፣ ሓንቲ ክፍሊ ገዛ ካብ ኣፍልጦ ምምሕዳር ከተማ ወጻኢ ብቕልጡፍ ክትህነጽን (ኣብ ሓደ ለይቲ) ስለዝተደልየ፡ በብእዋኑ ብስቱር ክእከብ ዝቐነየ ዘድሊ ነገራት ተዋዲዱ ሰዓት 7፥40 ድ.ቀ ቆጸራ ተገይሩ ምህላዉ ብሜላ ንምሕባር እያ ተሰሪሓ”

ዝብል ከምዝነበረ ኣዕሊሉኒ ብምንባሩ እዩ። ነዚ እየ ድማ ዛንታ እዛ ደርፊን ሰዓትን ዝተረጋገጸ ንምዃኑ ክሓትት መሪጸ። ከምኡ እንተዀይኑ ግና፡ ማለት ብልክዕ ከምኡ እንተዀይኑ፡ ዛንታ ዕላል ኣፍቃሪ ቅርጣሽን ቅርጣሽን ኪንዮ እቲ ጥበባዊ ጽባቔኡ ንምትእኽኻብን ናይ ምርኻብ መዓልቲ ንኽቀላጠፍ ዝጽውዕ ረቂቕ ምሳሌ ኰይኑ ክርከብ እዩ። ቅርጣሽን ኣፍቃሪኣን ካልኦት ተመሳሳሊ ዛንታ ዘለዎምን ተኣኻኺቦም ክርእዩ ድማ እምነ። አቐንየለይ።

ሽሻይ ሽመንዲ
ግንቦት 2017

ምሉእ ትሕዝቶ እታ ግጥሚ ስዒቡ ይቐርብ። ሰናይ ምስትምቓር!

ሃለው ቅርጣሽ

ቅርጣሽ ዓይነይ – ቅርጣሽ ሕያወይቲ
ከመይ ይሓልፈልኪ’ሎ ‘ቲ መዓልተ-ለይቲ?
ዘይፈልጦ’ኳ ኣይኮነን እቲ መልሲ
ከዛርበኪ’ለምበር – ከተተንፍሲ፣

ቅርጣሽ ናተይ ብኣይ ግን ቅሰኒ
ኣብ ዝኸድኩ ከይደ ኪዳነይ እመኒ!
ላምባ’ሎ፣ ባኒ’ሎ
ቢራ’ሎ፣ ኮካ’ሎ
ዘብረቕርቕ ገዛ’ሎ፣ ልስሉስ ፍርናሽ ኣሎ
ብዘይ ብኣኺ’ሞ ምልኣት ኣበይ ኣሎ!

ኣዒንትኺ እንተቖርቆረ
ገጽኪ ተቐምሰለ፣ ‘ተሓረረ
መዓጓጉርትኺ እንተነሃለ
ዛውያኺ ሓመድ ተመሰለ
ኣይግድሰንን’ዩ፣ ይኹን ደለ!
ሓንቲ ግን…

ካብቲ እኩይ ተጠንቀቒ ሓደራ!
ነቓዕ እንተረኺቡ መንፈስኪ ከይሰብራ
ወንጌል ኣረሲዑ ከይገብረኪ ኣረሜን
ከይማልኣና ናብ ሲኦልን ኩነኔን!
ንጽድቅና ዝተሰቕለ ክርስቶስ ብእኡ ይእከሎ
ሓንሳብ ሞይቱልና’ንድዩ ክንደይ ሳዕ ክንቀትሎ!

በሊ ቻው ቅርጣሸይ፣ ክሳዕ ሰንበት
ብሩኽ የውዕለና ሎሚ ዓርቢ ስቕለት።
ነፋስጋ ሰዲደልኪ’ለኹ ሰልዲ
ንዓይ ደስ ክብለኒ ወጠጦ ሕረዲ
ገስምዮ ስዋ፣ ገስምዮ ኣረቂ!
ኣብ ልዕሊ ሽግር ሳዕስዒ፣ ኣብ ልዕሊ ግዜ ሰሓቒ!

‘ኣባሻውል ዝባን ጨርሒ ተወሊዓ ወርሒ፣
ንሰዓት ሸሞንተ ዕስራ ጎደል ተጸበየኒ’ኻ…’
ናስትሮ ወሊዕኪ ናይ ጸሃይቱ በራኺ
ሰይጣን ደስ ኣይበሎ፣ ሽ….ሽ በሊ በይንኺ!

Yohannes Abraham
ዮሃንስ ኣብርሃም
18-04-2014

ገጣሚ ዮሃንስ ኣብርሃም

Comments are closed.