ምስላታትና። ምንጪ ዓሞቝቲ ሓሳባትን መስትያት ኣመለኻኽታናን

ተስፋጊዮርጊስ ሃብተ

“ዘይምስል ኣብዲ። ዘየዀምስዕ ኣድጊ” ካብ ዝበሃል ክንደይ ዘመናት ኮን ሓሊፉ ይኸውን? መልሱ ‘ኣዝዩ ብዙሕ’ ከም ዝኸውን ኣየጠራጥርን፣ ልዕሊ ዕምሩ ግን መልእኽቱ ይዓቢ፤ ሕብረተ-ሰብና ኣብ ምስላ ዝነበሮ ተገዳስነት ኢዩ ድማ ኣጕሊሑ ዘርኢ፣

ምስላታት። ናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ኣተሓሳስባ። ኣረኣእያ። እምነት። ፍልስፍና። ርእዮተ-ዓለም ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት የንጸባርቑ፣ እዞም ምስላታት። ዋላ’ኳ ነናቶም መበገሲታት ዝህልዎም እነተኾኑ። ንነዊሕ ዘበናት እናተመመዩን እናተመሓየሹን ዝመጽኡን ነዊሕ ሰረት ዘለዎምን ኢዮም፣ ምስላታት ናይ’ቲ ዝውንኖም ሕብረተ-ሰብ ክብርታት የንጸባርቑ ኢዮም፣ እንተኾነ ግን እወታዊ ጐድኒ ጥራይ የብሎምን፤ ገሊኦም ንተራ። ኣበርክቶን ህላወን ገለ ክፋል ሕብረተ-ሰብ ዝጐስዩን ዘነኣእሱን ኢዮም፣ ብሓፈሻ ክርአ ከሎ ግን ብውርጹጽን ውዱንን ኣቀራርባ ንዅሉ ክፋላት ህይወት ደቂ ሰብ ዝገልጹ። ብዛዕባ ዝሓለፈ ተመክሮ ዘቕስሙ። ብዛዕባ ዝመጽእ ዝንበዩ ዓሚቝ ፍልስፍናዊ ትሕዝቶ ይሓቝፉ፣ ኵለን ብሄራትና። ኣብዚ ንእሽቶ ዓንቀጽ ጽሒፍካ ዘይውዳእ። ካብ ነንሕድሕዱ ዘይበላለጽ ኣዝዩ መሃርን ጠቓምን ምስላታት ይውንና ኢየን፣ ኣብዚ ዓነቀጽ’ዚ ግን ኣብ ምስላታት ትግሪኛ ኣተኵረ ገለ ክብል ክፍትን’የ፣ እንተኾነ። ናይዚ ዓውዲ ክኢላ ስለዘይኮንኩ። ብዙሕ ክጐድለኒ ይኽእል’ዩ፣ ‘ከይጋገ’ ኢልካ ትም ምባል ግን ፋይዳ ስለዘይብሉ። ከምቲ ኣበው ዝብልዎ። “ይጽናሓለይ ስራሕ መበስረዊ፤ ይጽንሓለይ እንጌራ መዋሕለሊ” ኢዩ’ሞ። ካብ ‘ይጽንሓለይ’ ርሒቐ ገለ ክብል፣

ምስላታት። መስትያት ናይቲ ዝነብሮም ሕብረተ-ሰብ ኢዮም፣ ምስላታት ኣኪብካ ክትምርምሮም ኣብ እትጅምረሉ ግዜ። መኣስ ግዜን ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታትን ፈሊሞም ክትፈልጦም ብዙሕ መጽናዕቲ ዝሓትትን ዝተሓላለኸን ድኣ ክኸውን ይኽእል ኢዩ’ምበር። ኣብቲ ዝበቘልሉ እዋን ዝነበረ ኣተሓሳስባ። ኣረኣእያ። ኣመለኻኽታን እምነትን ናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበረ-ፖለቲካዊን ቍጠባዊን ጉዳያት ከም ዘንጸባርቑ ይገሃደልካ፣ ገሊኦም ኣተሓሳስባታት። ኣረኣእያታት። ኣመለኻኽታታትን እምነታትን ምስ ግዜን ደረጃ ንቕሓትን ናይ’ቲ ሕብረተ-ሰብ ይበልዩ ኢዮም፣ ገሊኦም ግን ብዝህልዎም ዕምቈት ትሕዝቶን ኣድማሳዊ ሓቅነትን ተቐባልነትን ቀጻልነት ይህልዎም’ሞ ነበርቲ ኮይኖም ድማ ንረኽቦም፣ ከምዚ ምስ ዝኾኑ። ብኻልኦት ባህልታት ተራዒሞም ክዝውተሩ’ውን ይስምዑን ይረኣዩን ኢዮም፣

ናብ ዘልዓልናዮ ኣርእስቲ ክንምለስ፣ ምስላታት ትግርኛ ከም ኣብነት እንተ ወሰድና። ብዙሓት ካብ ሃገራውያን ክብርታትና ሓቝፎም ይርከቡ፥ ርእስኻ ምኽኣል (ርእሰ-ምርኮሳ)። ርእሰ-ምትእምማን። ጽንዓት። ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን። መሃዝነትን ተበላሓትነትን። ፍቕሪ ስራሕን ሓቅን። ሓድነት። ማዕርነታዊ ምሕዝነት። ተወፋይነት። ምኽባር ሕጊ። ምኽባርን ምሕጋዝን ሰባት/ዓበይቲ። ወዘተ፣ በንጻሩ’ውን ሰባት ካብ ነውርታት ክርሕቁ ብዕምቈት ዝምዕዱን ዘጠንቅቑን ትሕዝቶታት ንረኽበሎም ኢና፣ ገለ ካብ’ቶም ነውርታት፥ ሓሶት። ኣድልዎ። ውልቃውነት። ትህኪት። ስርቂ። ዘይናትካ ምድላይ። ሕሜት። ወዘተ፣ ኣስዒብና’ምበኣር ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተላዕሉ ነጥብታት ዝምልከቱ ገለ ቍንጣሮ ካብ’ቶም ካዕቦ ምዕሮ ምስላታት ክንርኢ ክንፍትን፣ ትርጉም ናይ መብዛሕቲኦም ካብ’ዞም ምስላታት ካብ ንባቦም ርዱእ ስለዝኾነ። ምግላጾም ብዙሕ ኣይተራእየንን፣ በቲ ሓደ ወገን ድማ። ምትርጓሞም ብዙሕ ጥንቃቐን ክእለትን ስለዝሓትት። ‘ኣንባቢ ኣንቢቡ እሂን ምሂን ክበሃለሎም ይሓይሽ’ ዝብል እምነት ኣሎኒ፣ ብዘይካ ‘ዚኦም። ምስላዊን ግጥማዊን ዝተሓናፈጸ ኣቃውማ ዘለዎም። ዓሚቝ መልእኽቲታት ዝሓዘሉ። እና’ዛነዩ ዝምህሩ ኣበሃህላታት ኣበው ብዙሓት ኢዮም፣ “ሓቢርካ ዝመኸርካዮ። ኣድቂቕካ ዝመተርካዮ። መጺጽካ ዝሰተኻዮ፤ እቲ ኣይሓምቕ። እቲ ኣይሓንቕ። እቲ ኣይስርንቕ” ዝብል ኣገላልጻ ሓደ ኣብነት ኢዩ፣

ነዚ ጽሑፍ ንምድላው ምርኩስ ዝኾነትኒ መጽሓፍ ‘ናይ ኣቦታት ጥንታዊ ምሳሌ‘ ዘርእስታ ብሊቀ መዘምራን (መ.ገ.) ሞገስ ዑቈበጊዮርጊስ ዝተጻሕፈት ኢያ፣

  1. ርእስኻ ምኽኣልን ፍቕሪ ስራሕን፥ እዘን ሎሚ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወተን (ማሕበራዊ። ቍጠባዊን ፖለቲካዊን) ደንፊዐን። ብኽልተ ኣእጋረን ደው ኢለን ዘለዋ ሃገራት። ንርእሰ-ምርኮሳ ከም መትከል ስለዘርዓምኦን ስለዝሰርሓሉን ኢየን፣ ህዝቢ ኤርትራ። ካብ ጥንቲ ርእስኻ ምኽኣል እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ መርሓ ህይወት ምዃኑ። ነዚ ንምትግባር ድማ ፍቕሪ ስራሕ መሳርሒኡ ምኳኑ ተገንዚቡ ይነብር ከም ዝነበረ ምስላታቱ ህያው ታሪኽ ኢዮም፣ በንጻሩ። ትህኪትን ዘይናትካ ምድላይን ነውሪ ጥራይ ዘይኮኑ። ኣልመስትን ሰብኣዊ ክብረትካ’ውን ከም ዘጕድሉ ካብ ፍጥረቱ ኢዩ ተረዲኡዎም፣ ገለ ካብ’ቶም ምስላታት፥
  • ኣብ ቅድሚ ስራሕ ኣይትጽናሕ። ኣብ ቅድሚ ኣንበሳ ኣይትግናሕ
  • ተመርኰስ ዘንግኻ። ተኣንገብ ዋልታኻ
  • ሕማቕ ናትካ ወሆይ ይብለካ
  • ሰብ ይነብር ከም ቤቱ። ኣይከውንን ከም ጐረቤቱ
  • ብዕላል ኣይንገስ። ብዀኵዓዳ ኣይሕረስ
  • ዘየሓኻ ነየቒሓኻ
  • ግዜ ከሎካ ግዜ ኣየትጸበ
  • ፈታው ስራሕ። ተጸልኣኒ ኢልካ ኣይትፍራሕ

 

ትህኪት። ዘይናትካ ምድላይን ስርቂን  

  • ሰሪቕካ ካብ ምሕሳብ። ኢድካ ምእካብ
  • ሰራቒ መደቀሲኡ መሬት። መእሰሪኡ ሰንሰለት
  • ስሱዕ ኪበልዕ ይሕነቕ። ሓሳዊ ኪዛረብ ይስርነቕ
  • ብዘይ ክዳንካ ወለል። ብዘይ ጠስምኻ ጸረር
  • ዘይናቱ ዝደሊ ከም ስእኒ ይበሊ
  • ሃበኒ ህበይ ይገብር
  • ካብ ሰብ ዚደሊ። ከም ሳእኒ ይበሊ
  • ዓሳ ጐርጓሪ ተመን የውጽእ። ዘይናቱ ዝደሊ ሰበብ የምጽእ

 

  1. ሓድነት ምህላውን ሓድነት ምስኣንን፥ ሓድነት። መሰረት ሓባራዊ ህላወን ዓወትን ኢያ፣ ዝሰመረ ሓፋሽ ዓጋቲ ከም ዘይብሉ። ዓወት ሰውራ ኤርትራ ህያው ኣብነት ኢዩ፣ እዚ። እናተወራረሰ ዝመጽአ። ካብ ጥንቲ ዝሰረተ ርድኢት ምዃኑ ዝስዕቡ ምስላታት ብውሕዱ የርእዩ፣ ውልቃውነትን ስስዐን ድማ ኣዕነውትን ረብሓ ከም ዘይብሎምን ሓተታ ብዘየድልዮ መገዲ ቀሪቦም ንረኽቦም፣
  • ስኒት ዘለዎም ኣናህብ መዓር ይዅለሱ። ስኒት ዘይብሎም ጸናጹ ገንቢ ይልሕሱ
  • ሃመማ እንተበዝሑ መኽደን ኣልባ ነይከፍቱ
  • መእሰሪ ዘይብሉ ማእዶ። ተዘርዚሩ ይስንዶ
  • ኣሕዋት ብምስማር። ዕንጸይቲ ብምጥማር
  • ኣሕዋት ምስ ዚሰምሩ። ጸላእቲ የባርሩ። ከውሒ ይሰብሩ
  • ኣፍትልቲ ምስ ዝሓብራ። ኣንበሳ ይኣስራ
  • ዓዲ ምስ ሰመረ። ንህቢ ምሰ’ምዓረ። ይሃብካ እምበረ

ስስዐን ውልቃውነትን

  • ንስሱዕ ሓደው ይወድቆ። ሓደው ይሓንቆ
  • ሓባእ ቍስሉ። ሓባእ ፈውሱ
  • በይኑ ዝበልዕ። በይኑ ይመውት
  • ንህሩፍ ሰብ ፍትፍት ኣርኢኻ ዒባ ኣዀልሶ
  • ኣነ እንድሕሪ ሞይተላ። ዳንዴር ኣይትብቈላ
  • ኮፍ በለለይ ክብለጸልካ
  • ክልተ ዚርኢ ሓደ’ኳ ነይረክብ
  • ዝምድና ኣድገ በቕሊ ኣብ ሰውሒ
  • ፍትፍት ዝረኣየ ስሱዕ። ስቡር ሒላብ እንተ ርኣየ ይስዕስዕ

 

  1. ፍቕሪ ሓቂ፥ ሓቂ ኣብ ሕምብርቲ ባህሊ ኤርትራውያን ቀንዴል’ያ፣ ቈልዓ ካብ ህጻንነቱ ብሓቂ ኢዩ ተኾስኵሱ ዝዓቢ፣ ኣብ ባህልና ከም ሓሳዊን ሓሶትን ጌሩ ዝጽላእ የለን፣ ገለ ካብ ምስክራቱ።
  • ሓቂ ይጸንሕ ንደቂ። ጽቡቕ ግብሪ ይኸውን ንጽድቂ
  • ሓቂ እናሓደረ ይኹላዕ ከም ወርቂ
  • ሓቂ ብርእሳ እንተ ቐበርካያ ብእግራ ትወጽእ
  • ሓቅን ወጋሕታን እናጸንሐ ይግለጽ
  • ብሓቂ ምጻእ። ብኣፍ ደገ ውጻእ
  • ንሓቂ ዓድጋ`ምበር ኣይትሽጣ
  • ዘንጊ ሓቂ ትቐጥን እምበር ኣይትስበር
  • ጉድለትካ ንዚነግረካ። ርኣዮ ክንዲ ሓውካ
  • ምስክር ንነብስኻ። ዕላል ንሻራኻ

 

ሓሶትን ሕሜትን

  • ሓሳውን ስንቅን እናሓደረ ይፈዅስ
  • ሓሲኻ ኣይቅያሕ። ኣብ እምኒ ደይብኪ ኣይንዋሕ
  • ሓሶት ንሓደ ስዓት ኣሶት (ዋጋ)። ንዘለኣለም ፍዅሰት
  • ሓሜትን መላለስን ድሕሪት ምዓሎም
  • ክልተ ሳዕ ተዛረብካ ከፋእካ። ክልተ ሳዕ በላዕካ ተፋእካ

 

  1. ምኽባር ሕጊን ፍትሒን፥ ሓደ ካብ ደገ ዝመጽአ ጋሻ። ኣብ ዓድታት ኤርትራ ፖሊስ ከም ዘየለዉን እቲ ህዝቢ ካብ ጥንቲ ብዘተኣታተዎ ስርዓተ-ሕጊ ከም ዝነባበርን ምስ ነገርክዎ። ‘እቲ ህዝቢ ብኸመይ ብሰላም ይንብር’ ኢሉ ስለዝሓሰበ ደንጽዩዎ፣ ባህልናን ኣነባብራናን ስለዘይፈልጥ ጥራይ ኢዩ’ምበር ህዝቢ ኤርትራ ኣኽባሪ ሕግን ፈታዊ ፍትሒን ምዃኑስ። መዋእል ዘቝጸሩ ምስላታቱ’ካ ይምስክሩሉ፣ ብኡ መጠን ከኣ ኣድልዎን ምጥፋእ ሕግን ፍትሒን ይጸልእ፣
  • ሕጊ ይነብር ተተኺሉ። ስርዓት ይነብር ተዛዊሩ
  • ሓወይ ኢልካ ኣይትህቦን ዘይናቱ። ጓና ኢልካ ኣይትኸልኦን ናቱ
  • ምጽላእስ ንጸላእ። ፍትሒ ግን ኣይንከላእ
  • ስርዓት የናብር። ዕርቂ የካብር
  • ስነ-ስርዓት ዘይብሉ ህዝቢ። ጨው ከም ዘይብሉ መግቢ
  • ሰማይ ኣይምለጥ። ፍርዲ ሰለስተ ኣይግልበጥ
  • ንብረት የነባብር። ሕጊ የከባብር
  • ነገር ወዲእካ ፈጽሚ። ስጋ ወዲእካ ዓጽሚ
  • ካብ ብፍትሒ ዝኸደት በቕለይ። ብዘይ ፍትሒ ዝኸደት ቆሎይ
  • ጸላእና’ሞ ፍትሒ ነይከላእና
  • ፍትሒ ኣይጥፋእ። ዝሰተየ ኣይትፋእ
  • ፍትሒ ኣይጠፍእን። መጥፍኢ ፍትሒ’ምበር
  • ቃል ህዝቢ። ቃል ኣምላኽ`ዩ ቃል ረቢ

 

ኣድልዎን ህውከትን

  • ህውከት ይሰድድ በረከት
  • መዳለዊ ዳኛን። ገጻብ መጽዓኛን የጥፍእ
  • ዳኛ እንተ ‘ዳሎ ናብ ሰንሰለት። ሚዛን እንተ ‘ዳሎ ናብ እሳት
  • ቈሪሶም ዘብልዕዎ። ኣሚቶም ዝኸደንዎ። ንምስክር ኣይጸውዕዎ
  • ብሕማቕ ጓሳ ላም ትውቃዕ። ብሕማቕ ዳኛ ቅኑዕ ይርታዕ
  • ክልተ ሳዕ ዝፈርዱ። ግናይ ይወልዱ
  • ሕነ ቀራናት ንጓዕማማት። ሕነ ሃብታማት ንዘኽታማት

 

  1. ፍቕሪን (ኵለንትናዊ ፍቕሪ) ይቕረ ምባልን፥ ፍቕሪ። መሰረት ምርድዳእን ሰላም ዝዓሰሎ ህይወትን’ያ፣ ጽልኢ ግን ካብ ምዝራጋ ዓዲ ኣይትውዕልን፣ ሳላ ይቕረ ምባል ግን ፍቕሪ ተሓፊራ ትነብር፣
  • ምስ ህዝብኻ መዓት። ዳርጋ ገዓት
  • ምስ ህዝብኻ ጸበባ። ኣስትያ ጸባ
  • ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ
  • ቅንኢ ምስ ፍቕሪ። ስዓል ምስ ፍግሪ። ዘይሰልጥ ግብሪ
  • ብሽማግለ ዝተዓርቀ። ብሰሚንቶ ዝተነድቀ
  • ዘይበኣሱ መላእኽቲ። ዘይተዓረቑ ኣጋንንቲ
  • ጻላእ ሃገር ሽፍታ። ጸላእ ገንዘብ መሸታ
  • ፍቕርን ጥቕምን። ጸሓይ ዝወቕዖ ጠስምን ሓደ

 

  1. መሃዝነትን ተበላሓትነትን
  • ሙያ ብግብሪ። ዕድል ብፈጣሪ
  • ምህሮ ምስ ኣእምሮ። ጠስሚ ምስ ሽሮ
  • መዓር ርኸብ’ምበር ግድን ቅርቅረ እንታይ ሸገረ
  • ምቕዳም’ምበር። መልክዕ ጉያ’ዶ ኣሎ!
  • ዓወት ብሙያ። ቅድድም ብጉያ
  • ካብ ጕይይ ምዓል። ክሳድ ምሓዝ

 

  1. ትዕግስቲን ጥንቃቐን፥ መቐረት ፍረ ትዕግስትን ጥንቃቐን። ብእአን ዝሓለፈን ንዕአን ዝውንንን ዝይዳ ይፈልጥ፣ ብዘይ ብእአን ዝሓልፍ ሽግርን ዝብዳህ መኸተን ዕዉት ኣይከውንን፣ ስለዝኾና ኢዮም ድማ ኣበው ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ብምስላታቶም ገይሮም ዘስተምህሩና፣
  • ትዕግስቲ ርእሰ-ሃብቲ
  • ህዉኽ ዝብኢ ቀርኒ ይነክስ
  • ሓደ ግዜ ካብ ምዝራብ። ኣርባዕተ ግዜ ምሕሳብ
  • ልሳን ዓጽሚ የብሉን። ግን ዓጽሚ ይሰብር
  • መለበሚ ኣይግበርካ። መለበሚ ኣይኽላእካ
  • ምስጢር ካብ ቤት። ምኽሪ ካብ ጐረቤት
  • ካብ ምስ ተወቕዑ ምንጽርጻር። ከሎ ገና ሓጹር ምሕጻር
  • ምስ መሰረት ኣይትጻላእ ንጥንቲ ዝኾነካ። ኣብ ኳና ኣይትጸጋዕ ፈሪሱ ከይጸቕጠካ
  • መስተ። ቅድም ኣንበሳ። ድሓር ከልቢ ይገብረካ
  • ማይ ከይመጸ። መገዲ ማይ ጽረግ
  • ሰለስተ ግዜ ለክዕ። ሓደ ግዜ ቅደድ
  • ሰያብ ኣይትጸውዕ። ለባም ጸውዕ
  • ቀደም ነበረ’ምበር ቀልጢፍካ ምስላፍ። ሎሚ እንታይ ይዓብስ ተኣሲርካ ምልፍላፍ
  • ቈልዓ ብንእሱ። ቈርበት ብርሕሱ
  • ባዕላ ሰቒላቶ ርሓቐ። ባዕላ ሰንኪታቶ በሓቘ። ቀደም ከይትሕዞ ብጥንቃቐ
  • ብእዋኑ ከይሕሉ። ‘ዋይ ኣነ ሽእ!’ ይብል ይህሉ
  • ብዙሕ ካብ ምዝራብ። ብዙሕ ምሕሳብ፤ ብዙሕ ካብ ምሕሳብ። ቍሩብ ምዝራብ (ይሓይሽ)
  • ተሃዊኾም የፍስስዎ። ኮፍ ኢሎም ይሓፍስዎ
  • እንዳ ዕኮት ኣይትተንኪ። ድሓር ከይትበኪ
  • ከይኮነ ወግን። ከይተሰብረ ጸግን
  • ክልተ ባላ ትኸል። ሓደ እንተ ወደቐ ኣብ’ቲ ሓደ ተሰቐል
  • ካብ ፈታውየይ ባዕልኻ ሓልወኒ። ካብ ጸላኢየይ ባዕለይ እሕሎ
  • ዋልታ ኣይትርአ። ትሕቲ ዋልታ ርአ
  • ዋና ተወከስ። ባላ ተመርኮስ
  • ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ
  • ጻህያይ ክጅምር ከሎ። ተሎ ኢልካ ንቐሎ

 

  1. እምነትን ጽቡቕ ግብርን፥ ጽቡቕ ግበር። ንመን? ንማንም’ ይብሉ ኣቦታት፣ እምነት። ደቂ ሰብ ብሰላም ንኽነብሩ ካብ ዝሕግዙ ባእታታት ሓንቲ ኢያ፣ ስለዝኾነት ድማ ኣብ ኣንጉዕ ኤርትራዊ ባህሊ ሰሪጻ ንረኽባ፣ ጥልመትን ክፉእ ግብርን ከኣ ተኻዒበን። ንፈጸምተን ምስምዐን ክሳብ ዘሰቅቓ ሓሲረን ይነብራ፣
  • ሓላዊ ዘለዋ በጊዕ ኰልኰላ ደገ ይሓድር
  • ጽቡቕ ግብሪ። ንዘለዓለም ክብሪ
  • ቁም ከም ዕላማ። ቀጥ ከም ጫማ
  • ብልዒ ሓላፊ። ሽም ተራፊ
  • ኣቐምጥ ዝበልዎ ኣየጥፍእ። ኣጸብቕ ዝበልዎ ኣየኽፍእ
  • ጐይታኣ ዝኣመነት ክልቢ። ስብሕቲ ክትሕረድ ማይ ትወርድ
  • ጥዋፍ ንሰብ ተድርር። ንርእሳ ትሓርር

 

ምጉዳል እምነት

  • ምሒልካ ኣይትጥለም። ተመኪሕካ ኣይትህደም
  • ኣርእዮም ኣይኽልኡኻ። ኣስሚዖም ኣይጥለሙኻ
  • እተዃላለስካሉ ኢድካ ኣይትዋቓዓሉ። እተሰዓዓምካሉ ኣፍካ ኣይትጻረፈሉ
  • ክንዲ ዘዀለስኩ። ኢደይ ተነኸስኩ
  • ዘዕበኽዎ ከልቢ ነኸሰኒ። ዘንደድክዎ ሓዊ ኣንደደኒ
  • ዝኣመንክዎ ፈረስ። ኣውደቐኒ ኣብ ደንደስ
  • ጠላማይ ኣይኹን ኣማኒኻ

 

ክፉእ ግብሪ

  • ነገር ንመሃዚኡ። ተመን ንተሓዚኡ። እሾኽ ንሓጻሪኡ
  • ነገርካ ዝደለየካ ሹም። መንጕዳ ደርሆ ይእዝዘካ
  • ኣነን ዕንጸይቲ’ኣሪ መድረሪና። ንሳን ተመን ትሕዝ ቀታሊና
  • ከይሓሚ ጸውዓዮ። ከይበልዕ ድፍኣዮ
  • ክዳን’ምበር ሕማቕ ዘረባ ኣይበልይን’ዩ
  • ወኻርያ ጻድቕ ክትመስል ዝዋውዕ ትኣስር
  • ዘራጊት ዘላተን ኣሓ ጽሩይ ማይ ነይሰትያ
  • ጭርናዕ። ‘ንስዃሞ በል ጭጭ። ኣነ ግን እኳ ቅጭጭ’
  • ጸላኢ ጸለሎ ቀባኢ
  • ሕሱም ሓሙ ሰዊት ሓጋይ ይእዝዝ
  • ወዲ ድሙ። ኣይሓድግን ግብረ እሙ

 

  1. ትዕቢትን ጃህራን ዘይንስኻ ክትመስል ምድላይን፥ ውጽኢት ትዕቢትን ጃህራን ውድቀት’ዩ፣ ኣብ ታሪኽ። ዝተጃህሩን ዘይንሶም ኪመስሉ ዚደለዩን ኵሎም ብናይ ጥፍኣት ገደል ክዕዘሩ ኢና ንሰምዕን ንርእን፣ ኣቦሓጎታትናን እኖሓጎታትናን ግን ካብዚ ክንጥንቀቕ መሲሎም ኢዮም ገዲፎምልና፣
  • ትዕቢት መቕድም ውድቀት። ትሕትና መቕድም ክብረት
  • ምስ ተሾመ ዚዀርዕ። ሰዓሩኒ ኢሉ ኪጠርዕ
  • ሳላ ሓምሊ ዝሓለፈ ጸገም። እንታይ የዅርዓካ ስገም
  • እንቍርዖብ ክንዲ ብዕራይ ክትኣክል ክትብል። ተነፊሓ ሞተት
  • ብስምዒ ዝተጣበቐ ስኒ ሓይኽካሉ ኣየድቅቕ። ስሒቕካሉ ኣየድምቕ
  • በቕሊ። ‘መን ኣቦኻ?’ እንተ በልዎ። ‘ፈረስ ኣኮይ’
  • ትበልዖ ስኢና ዝቐጠነት። ‘ኣነ ቀጣን ጓል’ ኢላ ኣዝመረት
  • ዝብኢ ኣብ ዘይፈልጥዎ ከይዱ ኣጐዛ ኣንጽፉለይ ይብል
  • ይብልዎ ኢላ ድሙ ተዃሒላ
  • ፈኸራ ሽሮ። ጣይታ ካብ ሞጎጎ ክሳብ ዝወጽእ

 

  1. ዋጋን ኣገዳስነትን ትምህርቲ፥ ሽሕ’ኳ ዘመናዊ ትምህርቲ ናብ ኤርትራ ድሒሩ እንተ ተኣታተወ። ትምህርቲ ብዝግባእ እንተ ተጠቒምካሉ ብኽብሪ ዝርአን ኣበርክቶኡ ዕዙዝን ዝኾነ ጸጋ ምዃኑ። ብንግሆኡ ኢዩ ብሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ኣስተብህሎ ረኺቡ፣
  • ትምህርቲ ናይ ዘለዓለም ርስቲ
  • ናይ ቃል በራሲ። ናይ መጽሓፍ ተወራሲ
  • ናይ ቃል ይርሳዕ። ናይ መጽሓፍ ይውሳእ
  • ሸውዓተ ዓመት ከይመሃሩ። ሰብዓ ዓመት ይድንቍሩ
  • ካብ ዘይተማህረ ጐበዝ። ዝተማህረ ሽማግለ
  • ዘይተማህረ ኣየድሕን። ዘይተወቕረ ኣየጥሕን
  • ፍልጠት የዅርዕ። ሃብቲ የብልዕ። ትህኪት የጠልዕ
  • ዝረገጽካዮ ለምለም። ዝተዛረብካዮ ቀለም (ይግበረልካ)
  • ተማሂሩ ዘይመሃረ። ዘሪኡ ዘይሓጸረ። ቍሩብ ተደረረ
  • ተማሂሩ ዘይጽሕፍ። ኣኽፊሉ ዘይገድፍ
  • ትምህርቲ ዘይብሉ ህዝቢ። ጨው ዘይብሉ መግቢ
  • ኣብ ከብዲ ዘሎ ትምህርቲ። ኣብ ገንኢ ዘሎ መብራህቲ
  • ካብ ዝተማህረ። ዝተመራመረ

 

 

 

Comments are closed.