ሓጸርቲ ርእይቶታትን ሕቶታትን ኣስተማቐርቲ መጽሓፍ “ማህደር ኑረነቢ”ን መልሲ ተስፋዬ ገብረኣብን

ሰሎሞን በርሀ

ርእይቶ፥ “ማህደር ኑረነቢ” ታሪኽ ሓደ ዘመን ህዝብታት ዞባና ዛንታ ኣርባዕተ ወለዶታት ኣብ 400 ገጻት እተዘንቱ ኣብ ብዙሕ መጻሕፍቲ ታሪኽ ዝሰፈረ ጭብጥታት ብምውህሃድ፡ ታሪኽ ንምኩሕሓል ዝተደፍነ ወይ ክርሳዕ ዝተመርጸ ሓቅታት ዕርቃኑ ብምውጻእ ኣንባቢ ውድዓዊ ግንዛበን ኣናብባ ታሪኽን ክህልዎ እተኽእል ኣደናቒት መጽሓፍ’ያ። ተስፋዬ ገብረኣብ ብዙሕ ዘንበበ ደራሲ ምዃኑ ዘመስከረላ፡ ርክብ ዘለዎም ዘይመስሉ እልቢ ፍጻሜታት ናይ ምትእስሳር ልዑል ዓቕሙን ክእለቱን፡ ምስሊ (imagination) ወይ ቅጀላ ናይ ምፍጣር ስነ-ጽሑፋዊ ብልሑን መሃዝነቱን ዘጉልሓላ ሓንሳብ ምስ ገንጸልካያ ከተቐምጣ ዘይትኽእል መሳጢት መጽሓፍ’ያ።

ሕቶ፥ ካብ’ቶም ኣብ’ታ መጽሓፍ ኣስፊርካዮም ዘሎኻ ሰብ ታሪኽ (ገጸ-ባህርያት) ከም ደራሲ ዝያዳ ንመን ተድንቕ?

መልሲ፥ ንገብርኤል ኤድሞንዶ አድንቘ እየ። ንገብርኤል ዘድንቐሉ ምኽንያት ንጹር ዕላማ ስለዝነበሮ ጥራሕ ዘይኮነ፡ እንተላይ ብወዱ መኰነን ኣቢሉ ጌጋኡ ክእርም ብምኽኣሉ እዩ። ንደቁ፡ እንተተኻኢሉ ኣብ ፖለቲካ ከይኣትዉ፡ ናብ ፖለቲካ ክኣትዉ እንተወሲኖም ግና ክሳዕ ናይ ሂወት መስዋእቲ ክኸፍሉ ድሉዋት ክኾኑ ከም ዘለዎም ይምዕዶም ነይሩ። ካብ እያሱ ያዕቈብን ገብርኤል ኤድሞንዶን ከወዳድር እንተኾይነ ግና፡ ናብ እያሱ ገጸይ እየ ዝዘዙ። ካብ ናይ ገብርኤል ህድኣት፡ ናይ እያሱ ቁጥዐ እዩ ዝብርሃኒ። እያሱ ተባዕ’ዩ። ራእዪ ነይርዎ። ጨካን ይመስል። ኣብቲ ቅንዕና ከም ዕሽነት ዝረኣየሉ ዝነበረ እዋን፡ ጨካን ክኸውን ኣገዳሲ ነይሩ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣብ ንቕሓት እንተመጺእና’ውን እያሱ ንገብርኤል ይቕድሞ’ዩ።

ኣለምሰገድ ተስፋይ

ርእይቶ፥ “ማህደር ኑረነቢ” ዘረጋገጸትለይ ነገር እንተሎ፡ ከም ደራሲ ምስ ግዜ እናበሰልካን እናበልጽካን ትኸይድ ምህላውካ እዩ። ንቐጻሊ ጽሑፋትካ ብሃንቀውታ እጽበ።

ሕቶ፥ ሓንቲ ብፍላይ ብመንእሰያት ትቐርበለይ እሞ ብቑዕ መልሲ ዘይረኽበላ ሕቶ ክሓተካ። ሓደ ሰብ “ደራሲ እየ” ኢሉ ቅድሚ ምእማኑ፡ ከማልኦ ዘለዎ ነገራት ኣሎዶ? እንታይ ዝገበረ እዩ ደራሲ ዝበሃል?

መልሲ፥ ብዛዕባ’ዚ ኣልዒልካዮ ዘሎኻ ኣርእስቲ ኣብ ሬድዮ ቃለመጠይቕ ክትገብር ከሎኻ ሰሚዐካ ኣለኹ። እቲ ጉዳይ ኣሻማዊ እዩ። ደራሲ ኣብ ዝብል ቃል ክንዛረብ እንተዄንና፡ ነዊሕ ልብወለድ፡ ድራማ፡ ታሪኽ፡ ወልቀ ታሪኽ፡ ዛንታታት፡ጽውጽዋያት፡ ግጥሚ ወዘተ ዝጸሓፈ፡ ናይ’ቲ ዝጸሓፎ ደራሲ እዩ። ኣብ መዝገበ-ቃላት እንተተመልከትና’ውን ደራሲ ንዝብል ቃል ከም ጸሓፊ፡ ወራቢ፡ ወራቒ ኢሉ’ዩ ዝገልጾ። ልክዕ ከም’ቲ ነዳቓይ፡ ጸራባይ… ናይ ስራሕ ወይ ሞያ መጸውዒ እምበር፡ መዓርግ ኣይኮነን። ብልምዲ ግና ናብ መዓርግ ገጹ ዝማዕበለ ይመስል። መዓርግ’ዩ ክንብል እንተዄንና፡ ዝህብን ዝኸልእን ኣካል ክህሉ ነይርዎ። ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ረፍዲ ብድድ ኢሉ ናይ ጀነራል መዓርግ ክረክብ ኣይክእልን’ዩ። ደራሲ ክኸውን ግና ይኽእል’ዩ። ፍሉይ ዝኸውን እቲ ስራሕ ክምዘን ከሎ ኮይኑ እስመዓኒ። ደረሰ ማለት ጸሓፈ ማለት እንተኾይኑ፡ ኩሉ ዝጸሓፈ ደራሲ ናይ’ቲ ዝጸሓፎ እዩ። “ድኹም ደራሲ” “ንፉዕ ደራሲ” ኢሉ ዝመዝን ግና እቲ ኣንባቢ እዩ።

ብዛዕባ ተውህቦ ክንዛረብ እንተዄንና ግና ዝተፈልየ እዩ። ተውህቦ ስነጽሑፍ ዘይብሎም ሰባት፡ መጽናዕታዊ ጽሑፋት፡ ታሪኽ፡ ውልቀታሪኽ ክጽሕፉ ይኽእሉ’ዮም። ደራሲ ወይ ደረስቲ ተባሂሎም ድማ ይጽውዑ። ከምዚኦም ዓይነት መጻሕፍቲ ምድቦም ምስ ስራሓት ስነጽሑፍ ኣይኮነን። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መጻሕፍቲ ንምጽሓፍ ተውህቦ ክህሉ ግድን ኣድላዪ ኣይኮነን። ኣብነት፥ ኣለምሰገድ “ኣይንፈላለ” ንኽትጽሕፍ ተውህቦ ግድን ኣድላዪ ኮይኑ ኣይስመዓንን። “ወዲ ሓደራ” ግና ፍርያት ተውህቦ እዩ። ብኸምዚ ፈላሊና ክንርእዮ ዘሎንና ኮይኑ እስመዓኒ።ሕቶኻ ብቐጥታ ንምምላስ፥ ሓደ ሰብ ናብ ድርሰት ስነጽሑፍ ቅድሚ ምእታዉ ተውህቦ ከም ዘለዎ ኣርጊጹ ክፈልጥ ኣለዎ። ተውህቦ ስነጽሑፍ ዘለዎ ሰብ፡ ኣብ ሓደ ርእሰ ጉዳይ ክጽሕፍ ብርዕን ወረቐትን ኣልዒሉ ከም ልቡ ክጋልብ ኣይጽገምን እዩ። ቃላትን ዓረፍተነገራትን ከጋጥም ኣይጽገምን። ተውህቦ ዘለዎ ደራሲ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ፈጠራዊ ጽሑፍ ይስሕቕ፡ ይበኪ’ዩ። ተውህቦ ስነጽሑፍ ዘለዎ ሰብ ብጠባዩ ዝዓግብ ኣይኮነን። መንፈሱ ረቂቕ’ዩ። መጽናዕቲታት ከም ዝሕብርዎ፡ ተውህቦ ስነጽሑፍ ዘለዎም ደረስቲ፡ መራሕትን ተመራሕትን ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም። ፌንጠጋራት’ዮም።ተውህቦ ፍልጠት ኣይኮነን። ተውህቦ ዘለዎም መንእሰያት፡ ተውህቦ ከም ዘለዎም እንተፈሊጦም፡ ንተውህቦኦም ዘዕቢ ፍልጠት ክህልዎም ክጽዕሩ ኣለዎም። ከንብቡ፡ ክመሃሩ፡ ክመራመሩ ኣለዎም። ቃላት ክፈልጡ ኣለዎም። ብዙሕ መጻሕፍቲ ናይ ዘንበብካ ጥራሕ’ውን ንፉዕ ደራሲ ኣይገብረካን’ዩ። እቲ ምስጢር ኣብ ሕርያን ዕምቈት ኣናብባን እዩ ዝምርኰስ። ብሓጺሩ፡ ሓደ ናብ ዓለም ድርሰት ስነጽሑፍ ቅድሚ ምእታዉ፡ ኣቐዲሙ ተውህቦ ከም ዘለዎ ክፈልጥ ኣለዎ። ድሕሪኡ ብትግሃት ክሰርሕ ትጽቢት ይግበረሉ። ንፉዕ ደራሲ ክትበሃል ግና እቲ ፍርዲ ናይ ኣንባባይ እዩ።

ተኪኤ በየነ

ርእይቶ፥ ታሪኽ ኣርባዕተ ወለዶ ኑረነቢ! ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተወራረሰ ክሳዕ ናጽነት ዝቐጸለ ታሪኽ! ዋላ ኣብ ልብወለዳዊ ትረኻታት ከማን ክርከብ ዘይከኣል ሓቀኛ ጉዕዞ ሂወት! ደራሲ ነዚ ኣገዳሲ ገጸበረኸት ጆባእ! ኢሉና ኣሎ። ነታ ነዚ ኹሉ ሰነድ ኣብ ሳንዱቕ ሓጺን ዓቂባ ኣብ ዘበንና ዘብጽሐት ኣደ (ወይዘሮ ሉላ እዮስኣብ) ድማ ክብሪ ይግበኣ።

ሕቶ፥ እያሱ ዝበሃል ኣሎ ኣብ መጽሓፍ “ማህደር ኑረነቢ”። ስድራቤቱ ኣብ ሕርሻ ዝነጥፉ፡ ከንሻ’ዮም ነይሮም። እቶም ስድርኡ እንታዎት’ዮም፧ እቲ ሂብካዮም ዘሎኻ ስማት ናይ ብርዒ ስም ድዩ ወይስ ናይ ሓቂ እዩ ከተነጽረልና።

መልሲ፥ ኣብ መዘክራት ገብርኤል፡ ታሪኽ ውልቃዊ ሂወት እያሱ ያዕቈብ ረኺበሉ’የ። ካቫሌር እያሱ፡ ኣብ ሱዳን ንዝወለዶ ወዱ ተጋዳላይ ኮይኑ፡ ሓደ ካብቶም ብ1991 ኣስመራ ብሂወት ዝኣተዉ እዩ። ረኺበ ብዛዕባ ኣቦኡን ኣባሓጎኡን ክሓቶ ሓሲበ ነይረ። ታሪኽ ኣቦኡን ኣባሓጎኡን ክጸሓፍ ዘይክደሊ ይኽእል እዩ ካብ ዝብል ስክፍታ ስምን ቦታን ቀይረ ክጽሕፎ መሪጸ። እቲ ታሪኽ ሓቂ ክነሱ፡ እቶም ሰብ ታሪኽ ናብ ገጸባህርዪ ተቐይሮም ኣለዉ።

መኩርያ ወልዱ

ርእይቶ፥ ኩለን መጻሕፍቱ አድነቐን እኳ እንተኾንኩ፡ ኣይከም “ማህደር ኑረነቢ”ን። “ማህደር ኑረነቢ” ዝበለጸት መጽሓፉ’ያ። ኤርትራውያን ኣብ ታሪኽ ናይ ኢትዮጵያ ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ጽልዋ ከም ዝነበሮም ትገልጽ’ያ። ብዛዕባ ዘበነ ኣካሒዳ ብዝሰፍሐ ገሊጽዎ’ሎ። ኣውዓሎም ሓረጎት ኤርትራዊ ምዃኑ ኣነጺሩልና ኣሎ። ብሓበሬታ ዝተጠርነቐት መጽሓፍ’ያ።

1ይቲ ሕቶ፥ ኣብ መእተዊ ናይ’ዛ ሓዳስ መጽሓፍካ፡ “እዛ መጽሓፍ ብዛዕባ ጉዕዞ ሂወቶም ክጽሕፉ እናደለዩ ገና ክጽሕፉ ንዘይጀመሩ ናይ ዘመንና ሰራሕቲ ታሪኽ መዘከርታ ትኹነለይ” ምባልካ እንታይ ማለትካ ምዃኑ ክተብርሃለይ ምደለኹ። ብወገነይ ሕጫጨ ኮይኑ’ዩ ተሰሚዑኒ። ምናልባት “… ታሪኽ ጽሒፎም ንዘሕተሙ ” ክትብልዶ ኣይምሓሸን?

መልሲ፥ ሕጫጨ ኣይኮነን። መጽሓፍ ክጽሕፉ ግዜ ረኺቦም ዝጸሓፉ፡ ሓላፍነቶም ገይሮም ስለዝኾኑ፡ መዘክር ዘድልዮም ኣይኮነን። ነቶም ዘይጸሓፉ ምዝኽኻርን ምጉስጓስን ግቡእ ኮይኑ እስመዓኒ። እቶም ሰራሕቲ ታሪኽ ታሪኾም ከይነገሩና’ዮም ዝሓልፉ ዘለዉ። ኣነ ብወገነይ ሓደ ሰራሕ ታሪኽ መዘክሩ ከይጸሓፈ ወይ ከየጽሓፈ እንተሓሊፉ፡ ሓደ ዓቢ መጽሓፍ ከም ዝኸሰርና ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ። ስለዚ ሕጫጨ ኣይኮነን። ኣኽብሮታዊ መዘኻኸሪ እዩ።

2ይቲ ሕቶ፥ ሃጸይ ሚኒሊክ ኣብ ኣርሲ-ኣኖሌ ኣጥባተን ንዝተቘርጻ ኣዴታት ንምዝካር ኣብ’ዚ እዋን ሓወልቲ ተሰሪሕሎም ኣሎ። ብተመሳሳሊ ሃጸይ ሚኒሊክ ኣብ ዓድዋ ኢደእግሮም ንዝቘረጾም ኤርትራውያን’ውን ሓወልቲ ክስረሓሎም ነይርዎዶ ትብል?

መልሲ፥ ኣብ ዓድዋ ኢደእግሮም ንዝተቘርጹ ኤርትራውያን ሓወልቲ ምስራሕ ዝግባእ ኮይኑ ኣይስመዓንን። ምኽንያቱ፡ ሽሕ ግዜ በስገዳድ ይኹን’ምበር፡ እቶም ኤርትራውያን ኣጀንዳ ጥልያን ከተግብሩ ዝተዋግኡ እዮም። መስዋእቶምን ስንክልናኦምን ክሳራ’ምበር ዘነይት ኣይኮነን። ታሪኽ ኣርሲ ኣኖሌ ግና ዝተፈልየ እዩ። ኣብ ኣኖሌ ግፍዒ ዝወረዶም ኦሮሞታት መሬቶም ንኸየተንክፉ ብዝገበርዎ ቃልሲ እዩ። ዝተሰውእሉ ቦታ’ውን ኣብ ገዛእ መሬቶም እምበር፡ ኣብ መሬት እንዳማቶም ኣይኮነን። ስለዚ ነንበይኑ እዩ። ኣብ ዓድዋ ብዛዕባ ግፍዒ ዝወረዶም ኤርትራውያን ክንገር ዝተደልየሉ ምኽንያት፡ ታሪኽ ስለዝኾነ ጥራሕ እዩ። ድሑር ኣገባብ ኣቀጻጽዓ ሃጸይ ሚኒሊክ ንምቅላዕ እውን’ዩ። ሃጸይ ሚኒሊክ ኣብ ወራር ንዝተሳተፉ ጸዓዱ ብኽብሪ ሒዙ፡ ንኤርትራውያን ብሕጊ ኦሪት ምቕጽዑ ድሕረት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ልቦና ምስኣን እውን’ዩ። ዘሕንኽ ታሪኽ እዩ። ኣብ ውግእ ዓድዋ ካልእ ተወሳኺ ጸሊም ነጥቢ’ውን ኣሎ። ሰራዊት ሃጸይ ሚኒሊክ ኣብ ዓውደ ውግእ ንዝሞቱ ክርስትያን ኦርቶዶክስን ጥልያንን ብክርስትያናዊ ኣገባብ ከም ዝቕበሩ ክገብር ከሎ፡ ክርስትያን ንዘይኮኑ ፈረሰኛታት ኦሮሞ ግና ሬሳኦም ንኣሞራ ራሕሪሕዎ ምኻዱ፡ ዘሕንኽ ታሪኻዊ ፍጻመ እዩ። ዓወት ዓድዋ ኩርዓት ኣፍሪቃ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ጸሊም ነጥቢ ክንገረሉ’ውን ግቡእ ኮይኑ እስመዓኒ።

ኣማኑኤል ልጃም

ርእይቶ፥ ቋንቋ ኣምሓርኛ እንተላይ ኣብ ሜዳ እሰርሓሉ ስለዝነበርኩ በቲ ሓደ፡ ቅዲ ኣጸሓሕፋኡ’ውን ስለዝስሐበኒ በቲ ኻልእ፡ ኩሎም መጻሕፍቱ ኣንቢበዮም እየ። ብሕልፊ ድማ መጽሓፍ ማህደር ኑረነቢ ናይ ስለያን ጸረ ስልያን ትሕዝቶ ስለዘለዋ ብዝሓየለ ተምሳጥ’የ ኣንቢበያ። ልክዕ ከምቲ “ዘ ኦዴሳ ፋይል” ዝብል ዓቢ ናይ ስለያ መጽሓፍ ኮይና እያ ትስመዓኒ።

መብዛሕትኡ ሰብ ኣብ ንግስነት ኢትዮጵያ ዘለዎ መረዳእታ፡ ከም ገዛእትን ወረርትን ጥራሕ’ዩ ዝፈልጦም። እዛ መጽሓፍ ግና ኣዝዮም ብኽፋእ ዝተባዕጡ ኣመና ውዲታውያን ምንባሮም ኣጉሊሓቶ ኣላ። ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣንቢቡ ሓቅታት ክፈልጥን ከገናዝብን ምእንቲ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ብቛንቋታት ኤርትራ ተተርጕማ ክርእያ እትስፎ። መንእሰያት ኣብ ጸጥታዊ ንቕሓት ዘለዎም መረዳእታ ኣብ ምዕማቝ ዓብዪ እጃም ክህልዋ ስለዝኽእል፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ኮለጃትን እውን ከም ግብራዊ መወከስን መምሃርን ኮይና ከተገልግል እትስፎ።

ሕቶ፥ ኣብ መወዳእታ መጽሓፍ “ማህደር ኑረነቢ” ሰብ ተሃንጥዩ ክፈልጣ ዝደሊ ሓንቲ ሓበሬታ ተሓቢኣ ኣላ። ንገብርኤል ኤድሞንዶ ኣሕሊፉ ዝሃበ በዓል ስልጣን መን ምዃኑ ክግለጽ ኣይተደልየን። ገብርኤል ክነግር ስለዘይደለየ ተባሂሉ ኣሎ። እዛ ሓበሬታ እዚኣ ንደራሲ ብርግጽ ተሓቢኣቶ ድያ፧ እዚኣ ኣብ ሓያል ምንጥልጣል ኣእትያትና ኣላ’ሞ፡ ብንጹር መን ምዃኑ ክትነግረና።

መልሲ፥ ብዙሓት መንነት ናይ’ቲ ሰብ ክፈልጡ ክሓቱኒ ጸኒሖም እዮም። ደበሳይ ገብርኤል ስም ናይቲ ደጃዝማች ክቃላዕ ስለዘይደለየ ኣይተገልጸን። ስሙ ክገልጽ ዘይተደልየሉ ምኽንያት፡ ኣቦሓጎታቶም ብዝፈጸምዎ ጌጋ ዕዳ ናይቲ ህሉው ወለዶ ንኸይከውን ብምባል እዩ። ንዓይ ግና ነጊሩኒ እዩ ብርግጽ።

ዱጋሳ በከኮ(ካብ መሪሕነት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ OLF)

ርእይቶ፥ መጽሓፍ ተስፋዬ ኣንቢበዮ። ዕዉት ስራሕ’ዩ። ኤርትራ ካብ ዝሕለፈቶ ሓሳረመከራ ብዙሕ ተማሂረ እየ። ኣብቲ ዘመን ንቕሓት ኑረነቢን ቃልሱን፡ ገብርኤል ተሓላቒ ኢትዮጵያ ምንባሩ፡ ጽንዓትን መትከልን እያሱ፡ ዘይፈልጥ እናመሰለ ጊላጊ ዝዛረቦም ቁምነገራት ደንጽዩኒ እዩ። ብተደጋጋሚ ኣብ ህዝቢ ዝወርድ ዝነበረ መከራን ህልቂትን ኣዝዩ ኣሕዚኑኒ። ብመስዋእቲ ዝመጸ ናጽነት ምስ ረኣኻ ግና ትጸናናዕን ትደዓዓስን። መኰነን ናተይ ወለዶ እዩ። ስድራቤት ደበሳይ ኣብ ፈላምን ዛዛምን ቃልሲ ንናጽነት ክሳተፉ ብምኽኣሎም ዕድለኛታት እዮም። ተስፋዬ ነዚ ዘደንጹ ታሪኽ ክትጽሕፍ ምኽኣልካ ዕድለኛ ኢኻ።

ሕቶ፥ ንገብርኤል ክልተ ግዜ ዘእሰረ ደጃዝማች መን’ዩ?

መልሲ፥ እዚ ሕቶ ቀዲሙ ተመሊሱ ኣሎ።

ተስፋኣለም ገብረስላሴ (ጫረ)

ርእይቶ፥ ተስፋዬ ገብረኣብ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ዝተፈጥሩ ሓያላት ጋዜጠኛታትን ተባዓት ደረስትን ዘስምዮ ስራሕ ዘቕርብ ዘሎ ጸሓፊ እዩ። ነቲ ኣብ ጋዜጣ፡ ብዓቢኡ ድማ ካብ’ታ ያልተመለሰ ባቡር’፡ ‘የቡርቃ ዝምታ’፡ ‘ተራሮችን ያንቀጠቀጠ ትውልድ’ (ብፍላይ ኣብ ቅጺ ክልተ፡ ‘የሙሴ ገድል’ን ‘የህወሐት ሰው በኣዲስ ኣበባ’ን) ‘የጋዜጠኛ ማስታወሻ’፡ ‘የስደተኛ ማስታወሻ’፡ ‘የጀሚላ እናት’ን እዛ ናይ መወዳእታ ‘የኑረነቢ ማህደር’ ዝብላ መጽሓፍቱ ኣንቢበሉ። ብዙሕ ጸብለል ዘብሎ ብልጫታት ረኺበሉ። ከም ጋዜጠኛ (ንዓይ) ዳህሳሲ፡ ፈታሺ፡ ኳዓትን ፈርፋርን ሓቅታት እዩ። ነቲ ሓበሬታ ከም ጽሓፊ ብኹሉ ዓይነታት ድርሰት፥ ስእላዊ፡ ገላጺ፡ ተራኺ፡ ኣመዛዛኒ፡ መጓቲ፡ ኣእማኒ ከምኡ’ውን ብኣሳታፊቅዲ ከቕርቦ ኣይሽገርን። ንደረቕን ንቑጽን ፍጻሜ ብኣዝዩ ውሕሉል መገዲ፡ ልክዕ ከም ከይተሓየኸ ዝውሓጥ ፍትፍት ቅጫ ጠስሚ ይቕይሮ። እዚ ብቓላት ክጻወት ዝኽእል መላኺ ቋንቋ፡ ካብ ጽሑፋቱ ተበጊስካ በዓል ብዙሕ ሞያ ክትሰምዮ ትድረኽ። ተስፋይ፡ ኣንባቢ፡ ሓያል ዘካሪ፡ ተማራማሪ፡ ኣዋሳብን ኣተኣሳሳርን እዩ። እቲ ንባብ ጀሚርካ ብዘይምቑራጽ ዝቐጽል ዋሕዚ ኣዘናትዋኡ፡ ንታሪኽ ጥበብ ኣብ ታሪኽ ጥበብ ከም ዘሎ የንጸባርቕ። ብዘይካ እዚ ከም ወሓለ ተቓናያይ (ገጣማይ) ንግዙፍን ሰፊሕን ሓበሬታ ክጭብጥ፡ ንደቂቕን ውሱንን መበገሲ ክዝርግሕን ከዕሙቕን ምኽኣሉ’ውን እቲ ካልእ መለለዪ ይመስለኒ። ብሓጺሩ ተስፋይ፡ ‘ንጽባቐንሓቅን ኣብ ጽሑፍ ዝተፈጥረ ሕሩይ ሰብ እዩ” ምባል ምግናን ኣይከውንን። ካብዚ ብምብጋስ ተመክሮኡ ዓቢ ትምህርቲ ክኸውን ከም ዝኽእል እኣምን።

1ይ ሕቶ፥ ስለምንታይ ኢኻ ትጽሕፍ?

መልሲ፥ ክጽሕፍ ስለዘለኒ እየ ዝጽሕፍ። መጸዋዕታ’ዩ።

2ይ ሕቶ፥ ቅድሚ ምጽሓፍካ ክሳብ ክንደይ መጽናዕታዊ ምርምር ተካይድ? ንልክዕነት ሓበሬታኡ ብምንታይ ኣገባብ ተረጋግጾ? ንኣብነት፥ ኣብ መጽሓፍ “ማህደር ኑረነቢ” ሓደስቲ ትረኻታት ኣሎ። ደርቅን ጥሜትን፡ ንጊላነትን፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለምን፡ ስለያ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያን ካልእን ሕድስ ዝበለ ሓበሬታ ሰፊሩ ኣሎ። ንመወከሲኻ መረጋገጺኻ እንታይ ጌርካ?

መልሲ፥ ከም’ቲ ዝበልካዮ ኣብ ማህደር ኑረነቢ ሓደስቲ ዝምስሉ ሓበሬታታት ኣለዉ። እቶም ሰነዳት ዝነበሩን ዝጸንሑን እዮም። ኣብ ኣጸሓሕፋ’የ ቅሩብ ጉልሕ ኢሎም ከም ዝወጹ ገይረ። ምርግጋጽ ይሓትት’ዩ ብርግጽ። ሰነዳት ክትርኢ ኣሎካ። ኣብ ማእከል ስነዳን ምርምርን ብዙሕ ሰነዳትን መጻሕፍትን ኣሎ። ብወገነይ ተጠቒመሎም እየ። ንስለ ፖለቲካዊ ሃልኪ ዝተደብኑ ጽሑፋት ምፍታሽ ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት፥ ኣብ ከረን ብዛዕባ ምስ እንግሊዝ ዝተዋግኡ ኣምሓሩ ሪቻርድ ፓንክረስት ኣብ መጽሔት ጽሒፍዎ ኣሎ። ኣብ መጻሕፍቱ ግና ኣይጠቐሶን። ኣብ መጽሔት ወይ መጽሓፍ ዝረኸብካዮ ሓበሬታ ኩሉ ቅኑዕ’ዩ ማለት ኣይኮነን። ክተረጋግጽ ኣሎካ። ዝተዘለ ታሪኽ እንተሃልዩ ስለምንታይ ክዝለል ተደልዩ ከተረጋግጽ ኣሎካ። ጥበብ፡ ነቲ ቀንዲ ጉዳይ ብዓቕሊ ምንባብ፡ ምፍታሽን ምምስኻርን እዩ።

ደበሳይ ወልዱ

ርእይቶ፥ ተስፋዬ ናይ ኣጸሓሕፋ ክእለቱ ዘደንጹ እዩ። ካብኡ ናብኡ ኸኣ መጽሓፍ ማህደር ኑረነቢ ሒዛቶ ዘላ ታሪኻዊ ሓበሬታታት ማእለያ የብሉን። ንኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ እንተላይ ንሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘገድስ ብዙሕ ምስጢራትን ሓቅታትን ብመሳጢ ኣገባብ ኣስፊራትልና ስለዘላ፡ ንደራሲ ልባዊ ኣድናቘተይ አቕርበሉ።

ሕቶ፥ ኣብ መጽሓፍ ማህደር ኑረነቢ ዘሎ ሓበሬታታትን ምስጢራትን ክሳብ’ቲ ዝደቐቐ ንምእካቡን ምስናዱን ኣብ መወዳእታ’ውን ብተነባቢ ኣገባብ ብመልክዕ መጽሓፍ ከም ዝቐርብ ምግባሩን ዝሓቶ ግዜን ጻዕርን ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ እተካይዶ ኩዕታ፡ መጽናዕትን ሓቅነቱ ኣብ ምርግጋጽን ካብ ተሞኩሮኻ ከተካፍለና ምደለኹ።

መልሲ፥ መጽናዕቲታት ካብ መጽሓፍ ናብ መጽሓፍ ይፈላልዩ እዮም። ኣብነት፥ ቀዳማይ ምዕራፍ መጽሓፍ ማህደር ኑረነቢ ክንርኢ ንኽእል። ኑረነቢ ንበዓልቲቤቱ ዛህራ ኣበይ ከም ዝቐበራ ክፈልጥ ንዓይ ኣጸጋሚ ነይሩ። ኑረነቢ ካብ ገዝኡ ክወጽእ ከሎ ገጹ ናብ ሮራ መንሳዕ እዩ ኣቕኒዑ። እሞ ሮራ መንሳዕከ በየን ሸነኽ’ዩ? ሽዑ እዋን መንገዲ ኣይነበረን። ኣቐዲመ ኑረነቢ ብሸነኽ ሓጋዝ ኣቢሉ ናብ ከረን መጺኡ ድሕሪኡ ናብ ዓዲ ዓተከሌዛን ከም ዘይከደ ኣረጋጊጸ። ኣብ 1980 ሓረስቶት በየናይ ኣንፈት እዮም ናብ ባጽዕ ዝኸዱ ነይሮም? ንሽማግለታት ዓዲ ዓሸራ፡ ፋናን ግላስን ሓቲተ። ዝመስሎም ነጊሮምኒ። በቲ ዝተሓበረኒ መስመር፡ ክንደይ ኣብያተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ከምዝነበረ ክፈልጥ የድልየኒ ነይሩ። ነዚ ጉዳይ ምስ ተክኤ በየነ ኴንና ፈቲሽናዮ። ተክኤ ኣብ እዋን ቃልሲ ነቲ ከባቢ ግርም ገይሩ ይፈልጦ ስለዝነበረ፡ ኑረነቢ ንዛህራ ዝቐበረሉ ቦታ ኣብ ደብረሲና ክኸውን ከም ዝኽእል ግምት ወሲደ። እዚ ቀሊል ኣብነት’የ ዘቕርበልካ ዘለኹ። ኑረነቢ ሻማል ምስ ዝተባህለት ግመል ዝገበሮ ዕላል ደራሲ ብስእለ-ኣእምሮኡ ወይ ብምናቡ ዝፈጠሮ እዩ። ካብ ሓቂ መስመር ግና ኣይወጻእኩን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መጽሓፍ ደራሲ ብምናቡ ክጥቀም ኣገዳሲ እዩ። ኑረነቢ ነታ ግመል፡ “ንስኺ ኢኺ ኣምላኸይ” እዩ ዝብላ። ኑረነቢ ካብ ረድኤት ኣምላኽ ተስፋ ኣብ ዝቘረጸሉ ሕሱም ዘመን ክስምዖን ክብሎን ንዝኽእል ነገር፡ ደራሲ ብምናቡ ክሰምዕ ክኢሉ። ኣብ ከምዚ ደረጃ ንኽበጽሕ ግና ብርግጽ ምምሳጥን ምጥሓልን ይሓትት’ዩ።

ደጀን ኪዳነ

ርእይቶ፥ ቅዲ ኣጸሓሕፋኻ ኣዝዩ ዝድነቕ እዩ። ትሕዝቶ መጻሕፍትኻ ሓደ ተመራማሪ ወይ ጸሓፊ ታሪኽ ዘዳለዎ እዩ ዝመስል፤ ኣብ ዋሕዚ ኣዝዩ መሳጢ ስለዝኾነ ግን ፍሉይነት ትርእየሉ። ኣብነት፥ ኣብዛ ናይ ሕጂ መጽሓፍካ፡ ንኸም በዓል ባህታ ሓጎስ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ሰብ ታሪኽ፡ ክስሕቁ፡ ክሓርቁ ትርእዮም። ልክዕ ከምኡ ጌርካ ኸኣ ኣብ ኣእምሮኻ ትቐርጾም።

1ይቲ ሕቶ፥ ገጻዊ መገለጺታት (facial expressions) ናይ’ቶም ዓበይቲ ሰብ ታሪኽ ካበይ ኢኻ ተምጽኦ?

መልሲ፥ ኣብ ከምዚ ዝበለ መጽሓፍ፡ ደራሲ ምናባዊ ትረኻ ክጥቀም ይፍቀደሉ እዩ። ይኹን’ምበር ካብ ሓቂ ክርሕቕ ከኣ የብሉን። ካብ ሓቂ ንኸይርሕቕ ከመይ ክግበር ይከኣል? ኣብነት፥ ብዛዕባ ኣከዳድና ባህታ ሓጎስ ዘርእዩ ስእልታት ኣለዉ። ባህርዪ ባህታ ሓጎስ ዝገልጹ ጽሑፋት ኣለዉ። ባህታ ቁጡዕን ስምዒታውን እዩ። ንወዲ ራእሲ ኣርኣያ ፊተውራሪ እምባየ ብነድሪ ሃንደበት’ዩ ቀቲልዎ። ጸጽቡቓተን ኣዋልድ ኣከለጉዛይ ክምልምል መምርሒ ምስ ተዋህቦ ቁጠዐኡ ኣንጸባሪቕዎ ነይሩ እዩ። ኣማሓዳሪ ሰገነይቲ ንዝነበረ ጆቫኒ ሲንጉኒቲን ብቡኛ ሃሪሙ ኣብ ምድሪ ጸጢሕዎ’ዩ።ባህርያት ባህታ ኣጸቢቐ ምስ ፈለጥኩ፡ ክዛረብ ከሎ፡ ክንድር ከሎ፡ ክስሕቕ ከሎ ከም ድላየይ ክገልጾ እኽእል’የ። እቲ ቀንዲ ጉዳይ ምፍላጥ’ዩ። ንባህታ ሓጎስ ከኣ ጽቡቕ ገይረ ፈሊጠዮ እየ።

2ይቲ ሕቶ፥ ተስፋዬ ገብረኣብ ብኣምሓርኛ እትጽሕፍ ኤርትራዊ ዝመበቘልካ ዜጋ ኢኻ። እቲ ንስኻ ትጽሕፎ ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ ምድቡ ምስ ናይ መን’ዩ? ምስ ናይ ኤርትራ ስነጽሑፍ ድዩ ወይስ ምስ ናይ ኢትዮጵያ?

መልሲ፥ መጻሕፍተይ ምድቦም ኣብ ከብሒ ናይ ኣፍሪቃ ወይ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ እዩ።

ሱሌማን ዑስማን ዓበ

ርእይቶ፥ ኩሎም መጻሕፍቱ ዓቕልን ተጻዋርነትን ዝሓቱ እዮም። ንዓቕሉን ተጻዋርነቱን አድንቕ።

ሕቶ፥ ኣብ ከመይ ኵነተ-ኣእምሮ ወይ “ሙድ” ኢኻ ክትጽሕፍ ኮፍ ትብል? እዚኣ ክፈልጣ ደልየ ኣለኹ፡ ንዓይ’ውን ክጥቀምላ ምእንቲ።

መልሲ፥ ብዙሕ እዋን ቀልጢፈ እየ ዝድቅስ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ሓለፈ ከባቢ ሰዓት ክልተ ምስ ተሳእኩ ክሳዕ እዋን ምሳሕ እሰርሕ። ድሕሪ ቀትሪ ድማ ናብ ካፈተርያታት፡ ባራትን ማእከላት መዘናግዕን ብምኻድ ኣብ ሓደ ኩርናዕ ኮፍ ኢለ እጽሕፍ። ከምዚ ክግበር ከለኹ ግና እንታይ ክጽሕፍ ምዃነይ ጽቡቕ ገይረ ምስ ፈለጥኩ እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መጽሓፍ ኣብ ርእሰይ እንተወዲአዮ፡ ከም ድላየይ ክገላብጦን ከጋልቦን ኣየጸግመንን እዩ።

ጴጥሮስ መንግስ

ርእይቶ፥ ዕሙቕ ዝበለ መጽናዕቲ ኣብ ምግባር ዝተመርኰሰ ኣጸሓሕፋኡን ፍጻመታት ናይ ምትእስሳር ክእለቱን ኣዝየ አድንቕ።

ሕቶ፥ መጽናዕቲ ኣብ ምክያድን ንፍጻመታት ኣብ ምትእስሳርን እትጥቀመሉ ሜላ እንታይ እዩ?

መልሲ፥ ኣብ ትረኻታት ታሪኽ ዝኾነ ተግባርን ፍጻመን ክተተኣሳስሮ ትኽእል ኢኻ። ክተተኣሳስሮ ኣብ ዘጸግም እዋን መተኣሳሰሪ ዝኾነ ጭብጢ ናይ ታሪኽ ክትፍትሽ ትኽእል ኢኻ። ካብ ህሉው ታሪኽ’ውን ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ብሕልፊ ኣብ ከም በዓል ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ታሪኽ ዝተወሳሰበ እዩ። እምነት፡ ውግእ ስደት፡ ኵነታት ኣየርን ባህልን የተኣሳስረና እዩ። ማህደር ኑረነቢ ክጽሕፍ ከለኹ፡ ናይ ምትእስሳር ጸገም ኣይነበረንን። በጋጣሚ ናይ’ቶም ቀንዲ ገጸባህሪ ናይ ኣርባዕተ ወለዶ ዘመን ዝገልጽ ዝተኣሳሰረ ታሪኽ ፍጻመ’ዩ ነይሩ። ኣብነት፥ ካብ ደቂ ገብርኤል ንመኮንን መሪጸ፡ መኮንን እንተዘይነብር ነይሩ፡ ምሕረተኣብ ምዕባይ ሓዉ ንመኮንን ምተክኦ ነይሩ። ሽሕ’ኳ ምስ ቃልሲ ኤርትራ ኣብ ዝተኣሳሰር ዝጥቀስ ተራ እንተዘይነበሮ ዕላማይ ብሓንቲ ስድራቤት ገይረ ታሪኽ ኤርትራ ምግላጽ ስለዝነበረ፡ ካብ ሓራካ ዝጅምር ታሪኽ ምሕረትኣብ ክዝርዝሮ ኣይተገደድኩን። ዓስከሬን ናይ’ቲ ታሪኽ ኣብ ምውጻእ፡ ንትረኻይ ዘዋጽኣኒ እየ መሪጸ።

ኣማኑኤል በርሀ

ርእይቶ፥ ናይ ሚእቲ ዓመት ታሪኽ፡ ኣብ ሓደ መጽሓፍ “ማህደር ኑረነቢ” ጠርኒፉ ክጽሕፎ ምኽኣሉን እቲ ዝተኸተሎ ቅዲ ኣጸሓሕፋን ኣዝዩ ዝድነቕ እዩ። እታ መጽሓፍ ሓንሳእ ምስ ጀመርካያ ክትውድኣ ምዃንካ ኣቐዲምካ ኢኻ ትፈልጥ፤ እዚ ድማ ምልከት ናይ’ቲ ሒዝዎ ዘሎ ስራሕ ዘጉልሕ እዩ።

ሕቶ፥ “የቡርቃ ዝምታ” ትብል መጽሓፍካ እየ ቀዲመ ኣንቢበያ፤ ኣብኣ ናይ ታሪኽ ጸሓፋይ ኴንካ ተሰሚዕካኒ። ድሒረን ኣብ ዝሰዓባ መጻሕፍትኻ ድማ ዋላ’ኳ ቅዲ ኣጸሓሕፋኻ ተሓዚ እንተኾነ፡ ናይ ጋዜጠኛ ሞያ ርእየልካ። ኣብዛ ናይ ሕጂ መጽሓፍካ ኸኣ ዝተሓዋወሰ ሞያ ዘለካ ትመስል። ኣብ ሞያኻ ወይ መዓርግካ ትፈራረቐኒ ኢኻ ንዓይ። ኣብ ሞያ ስነጽሑፍ ንነብስኻ ኣበይ ተቐምጣ?

መልሲ፥ ተወራረስቲ ኮይኖም ይስምዑኒ። ተውህቦ ዘለዎም ጋዜጠኛታት ዕድመ እናደፍኡ ብዝኸዱ ናብ ድርሰት ስነጽሑፍ ይሰጋገሩ እዮም። ተመራማሪ ታሪኽ ወይ ጸሓፊ ታሪኽ ክትከውን ንዕኡ ዝምልከት ትምህርቲ ክትወስድ ሓጋዚ እዩ። ብዙሕ ብምንባብን ብልምዲን እውን ንነብስኻ ከም ጸሓፊ ታሪኽ ክተዳልዋ ትኽእል ኢኻ። ኣነ ጸሓፊ ታሪኽ ኽኸውን ሓሲበዮ ኣይፈልጥን እየ። ኣብ ዒስራታት ዕድመ ኣብ ዝነበርኩሉ፡ ልብወለድ ምጽሓፍ ይብርሃኒ ነይሩ። ኣብቲ እዋን “የቡርቃ ዝምታ” ጽሒፈ። ድሒረ ዝጸሓፍክወን መዘክራት ድማ ፖለቲካዊ ቁምነገረን ይበዝሕ። ሕጂ ግዜ ዝበልዑ ታሪኽ ሓዘል ትረኻታት’የ ክሰርሕ ዝመርጽ።

ሶፍያ መንግስተኣብ

ርእይቶ፥ መጻሕፍትኻ ብምሉኦም ዝድነቑ እዮም፤ብሕልፊ ድማ መጽሓፍ ማህደር ኑረነቢ። ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ “ሳንድያጎ ከም ካራክተር” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ መጽሔት መንእሰይ ዝወጸት ቁምነገር ሓዘል ኮመድያዊ ትሕዝቶ ዝነበራ ጽሕፍትኻ’ውን ፍሉይነት ነይርዋ እዩ። ኣብ’ታ መጽሔት ተሳታፍነትካ ብምውሓስ ወይ ከም ናይ ሳንድያጎ ፍሉይ ዓምዲ ብምሓዝ ምስ ኤርትራውያን መንእሰያት ዘሎካ ምትእስሳር ክተዕብዮ እላቦ።

1ይ ሕቶ፥ ራእሲ ኣሉላ እንግዳ (ኣባነጋ) ትግራዋይ በዓል ተምቤን ምዃኑ’ዩ ዝፍለጥ። ኣብ መጽሓፍ “ማህደር ኑረነቢ” ፍሉይ ታሪኽ ኣቕሪብካ’ለኻ። ካበይ ኢኻ ኣምጺእካዮ?

መልሲ፥ ቅድም ቀዳድም ስም ኣቦ ራእሲ ኣሉላ፡ “እንግዳ” ኣይኮነን። እንግዳ ዝብል ስምካበይ ከም ዝመጸ ፍሉጥ ኣይኮነን። ልክዕ ስም ኣቡኡ “ቁቢ” እዩ። ቁቢ ሳሆን ኦሮሞን እዩ።

ኣደ ኣሉላ ጓል ሓማሴን እያ። ንዓይ’ውን ክሳዕ ቅድሚ ቅሩብ ግዜ ስም ኣቦ ኣሉላ እንግዳ እዩዝመስለኒ ነይሩ። እቲ ሓበሬታ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ብ1961 ኣብ ዘሕተሞ ናይ ብላቴን ጌታማህተመ ስላሴ ወልደመስቀል መጽሓፍ እየ ረኺበዮ። ኣሉላ ዝብል ስም’ውን ኣብ ትግርኛትርጉም ኣይትረኽበሉን ኢኻ። ኣብ ሳሆን ኦሮሞን ግና ትርጉም ኣለዎ። ሃጸይ ዮሃንስንራእሲ ኣሉላ “ዓዲ ኣዴኻ ኣመሓድር” ኢሉ’ዩናብ ኤርትራ ሰዲድዎ። ገለ ተጋሩ ነዚ ብዛዕባ ኣሉላ ዝገለጽክዎ ሓቅታት ኣልዒሎም ኣብ ሶሻል ሚድያ መርገም ዝተሓወሶ ዘየድሊ ከም ዝተዛረቡ ሰሚዐ ኣለኹ። ዝተጋነነ ወቐሳ’ዩ። ክካትዑ እንተኾይኖም እውን ጭብጢ ክሕዙ ኣለኦም።

2ይ ሕቶ፥ ኣሉላ ካብ ሓማሴን ዝውለድ ምዃኑ ነዚ ወለዶ እንታይ ትርጉም ይህቦ?መልሲ፥ ምንም ትርጉም ክህልዎ ኣይክእልን እዩ። ራእሲ ኣሉላ በዲኡ ኤርትራዊ ስለዝኾነ፡ ኤርትራዊ ብኣሉላ ይኾርዕ እዩ ወይ ክኾርዕ ኣለዎ ማለት ኣይኮነን። ታሪኽ ንስለ ታሪኻውነቱ ኢልካ ስለትዛረበሉ ጥራሕ’ዩ ክግለጽ ተደልዩ። ራእሲ ኣሉላ ንመንን ንምንታይ ዕላማን ተቓሊሱ እዩ እቲ ዘገድስ። ኣሉላ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓለን ዓሰርተ ዓመታት፡ ግፍዒ ዝፈጸመ ክፉእ ሰብ ምንባሩ እዩ ዝፍለጥ። ተጋሩ ንኣሉላ ከም ናቶም ገይሮም ብምርኣዮም ተቓውሞ ክህሉ ዝኽእል ኮይኑ ኣይስመዓንን።

3ይ ሕቶ፥ ኣውዓሎም ሓረጎትከ?

መልሲ፥ ተመሳሳሊ እዩ። ኣውዓሎም ሓረጎት’ውን ኣብ ታሪኽ ኣሻማዊ እዩ። ኣብ ዓወት ውግእ ዓድዋ ልዑል ተራ ከም ዝነበሮ ዝነገረሉ ኣውዓሎም፡ መበቈላዊ ዓዱ ዓዲ ቘንጺ ኤርትራ እዩ። ኣብ ስግር መረብ ካልእ ታሪኽ ተዋሂብዎ ኣሎ። ኣውዓሎም ኣብ ዓድዋ ናይ ዝኽሪ ታሪኽ ክስረሓሉ ግና ዘግብኦ ኮይኑ እስመዓኒ።

ሙሴ ተስፋማርያም

ርእይቶ፥ ኣገባብ ኣጸሓሕፋኡ ኣዝዩ መሳጢ እዩ። ብሕልፊ ማህደር ኑረነቢ ሓንሳእ ምስ ጀመርካዮ ኣቋርጾ ኣይመጸካን’ዩ። ደራሲ፡ ስድራ ኑረነቢ መሰረት ወይ መንጸፍ ገይሩ፡ በቲ መሳጢ ኣዘናትዋኡ፡ ታሪኽ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጸባሪቕዎ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ በብእዋኑ ይገጥምዎ ንዝነበሩ ብድሆታትን ተጻብኦታትን ብጅግንነትን ተወፋይነትን ይስዕሮም ምንባሩ እዩ ዘዘንቱ መጽሓፍ ማህደር ኑረነቢ። ንተመሃሮ ካልኣይ ደረጃን ትካላት ላዕለዋይ ትምህርትን ዓብዩ መወከሲ መጽሓፍ ኮይኑ ከገልግል ምዃኑ ድማ እምነተይ እዩ።

ሕቶ፥ ነዚ ንማህደር ኑረነቢ መሰረት ወይ መንጸፍ ጌርካ ኣዳሊኻዮ ዘሎኻ ናይ ታሪኽ መጽሓፍ፡ ኣብ መጻኢ ዝያዳ ክተስፍሖን ክተዕብዮን ትሓስብዶ?

መልሲ፥ ማህደር ኑረነቢ ታሪኽ 100 ዓመት ዝሓዘ ሓደ መጽሓፍ እዩ። ንብድሕሪ ሕጂ ተመሊሰ ክርእዮ ኣይኮንኩን። ካልኦት ጸሓፍቲ ታሪኽ ከም መወከሲ ተጠቒሞም ካልእ ዝዓበየን ዝሰፍሐን መጽሓፍ ከዳልዉ ተስፋ ‘ገብር። ምሳይ ግና ተፈላሊና ኢና።ንጉዳይ ኤርትራ ዝምልከት ካልእ መጽሓፍ ክጽሕፍ ሓሳብ ኣሎኒ። ህዝቢ ኤርትራ ምስ ስርዓታት ሃይለስላሴን ደርግን ዝገበሮ ቃልሲ ገና ኣይተላዕለሉን’ዩ ዘሎ።

ኣኸደር ኣሕመዲን

1ይ ሕቶ፥ ሓቀኛ ጸሓፋይ ውጽኢት ሓባራዊ ንቕሓት እዋኑን ሕብረተሰቡን እዩ፡ ዝብል ኣበሃህላ ኣሎ። በዚ መንጽር እንክርአ፡ ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ጸሓፍትን ፖለቲካን ጥቡቕ ምጽልላው ጸኒሕዎም እዩ። ንጉጊ ዋትየንጎ ነዚ ክትሃድመሉ ዘጸግም ምትእስሳር’ዚ፡ ንተመኵሮኡን ተመኵሮ ዝተፈላለዩ ኣፍሪቃውያን ጸሓፍቲን ከም ኣብነት እናቕረበ ኣብ ጽሑፋቱ ብዕምቈት ገሊጹዎ እዩ። ንስኻኸ፡ ንጽሑፋትካን ተመኵሮኻን ምርኵስ ብምግባር ኣብዚ ነጥቢ’ዚ እንታይ ትብል? ብብርዕኻ ኣንጻር እንታይ ኢኻ ትቃለስ?

መልሲ፥ ሕቶኻ ብግቡእ ከም ዝተረድኣኒ ርግጸኛ ኣይኮንኩን። ሓቀኛ ደራሲ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ሕብረተሰብ ንዘስተውዓሎም ገሊሁ ዘርኢ እዩ። እቲ ሕብረተሰብ ክዛረበሉ ንዘይክኣለ ነገር ልሳኑ ኮይኑ ይነግረሉ። ንኣተሓሳስባ ሕብረተሰብ ብዝግባእ ዘንጸባርቑ መጻሕፍቲ እናጸሓፈ መገዲ ይመርሕ። ክሳዕ ናይ ሂወት መሳዋእቲ ክኸፍል’ውን ትጽቢት ይግበረሉ።

ኣብዚ ጉዳይ ነብሰይ ክግምግም ሓቲትካኒ ኣሎኻ። ኣብነት፥ “የቡርቃ ዝምታ” ሕቶ ህዝቢ ኦሮሞ ዝሓዘት ብድፍረት ዝጸሓፍክዋ መጽሓፍ’ያ። ኣብ እዋኑ ክለዓል ዘይክእል ግና ኸኣ ሕቶ ናይ ህዝቢ ዝኾነ ጉዳይ እየ ኣልዒለ። ካብ ወያኔ ጥራሕ ዘይኮነ እንተላይ ካብቶም “የኣንድነት ሃይል” ዝበሃሉ ወገናት ምፍርራህን ምጉብዕባዕን ኣስዒባትለይ እያ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይነ ክጽሕፋ እንከለኹ ክመጸኒ ንዝኽእል መስዋእቲ ድሉው ነይረ። መጽሓፍ ማህደር ኑረነቢ’ውን ብዙሕ ክትንከፍ ዘይጸንሐ ጉዳያት ኣልዒላ ኣላ።

2ይ ሕቶ፥ ኣብ መጽሓፍ ማህደር ኑረነቢ ኣስፊርካዮ ዘለኻ መእተዊ፡ መበገሲ ናይቲ መጽሓፍ ዝዀነ ሰነድ ካብ ደበሳይ ዝተባህለ ሰብ ከም ዝተቐበልካ ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብ ኣጸሓሕፋ ወይ ነቲ ሰነድ ናብ ከምዚ ዝበለ ዓቢይ መጽሓፍ ንምቕያር ዝተጠቐምካሉ ጥበብ ወይ ቅዲ ኣይገለጽካን። እቲ መጽሓፍ ታሪኻዊ ይዅን እምበር፡ ካብቲ መሰረታዊ ዝበሃል – ኣብ ገለ ናይ ታሪኽ እዋን ዝተገብረ ሓቂ – ከይወጻእካ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኢማጅኔሽን፡ መጽናዕቲ፡ ስግረ-ወኸሳ (cross-refer- ence)፡ ቃለ-መሕትትን ካልእ ወሲኽካ ከም ዘዕበኻዮ ንምግማቱ ኣየጸግምን። ነዚ ዝምልከት ኣንባቢ ብሩህ ምእንቲ ክዀነሉ ኣብ መቕድም ብስፍሓት ክግለጽ ነይርዎ እብል። ስለዚ ብዛዕባ’ዚ እንታይ ትብል?

መልሲ፥ ኣብ መቕድም ዘይምውጽኡ ጉድለት እዩ። ክወጽእ ነይርዎ። ኣነ ግና መቕድምን ነዊሕ መእተውን ምጽሓፍ ኣይብርሃንን እዩ። ምኽንያት፡ ኣንባቢ ገና ምንባብ ክጅምር ከሎ ከሰልችዎ እዩ ኢለ ስለዝሓስብ መቕድምን መእተውን ኣብ ምጽሓፍ ትጉህ ኣይኮንኩን። ኣቕሪብካዮ ዘለኻ ርእይቶ ወይ ሕቶ ግና ቅቡል እዩ። እንተርኪበ፡ ኣብዘን ዝስዕባ ዘለዋ ናይ ትርጉም ስርሓት ብዛዕባ ዝተጠቐምክሉ ቅዲ ኣጸሓሕፋ ከእትወለን ክፍትን’የ።

ግርማይ ዮሃንስ (ሳንድያጎ)

ርእይቶ፥ ኣዋድቓ ብርዕኻ ጽቡቕ’ዩ። ሓጸርቲ ምሉእ ሓሳባት ትጥቀም፤ እቲ ዋሕዚ ኸኣ ተነባቢ እዩ።

ሕቶ፥ እዚ ናይ ኣዛናትዋ ይኹን ኣጠቓቕማ ቃላት ቅዲ ወይ ጥበብ ክትጥቀም ምኽኣልካ ናይ መን ጽልዋ እዩ? ናይ’ቶም ኣብ ዝዓበኻሉ ዓዲ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ጸሓፍቲ ድዩ ወይስ ናይ ካልኦት?

መልሲ፥ እቲ ጽልዋ ካብ ናይ ሓደ ደራሲ ዝረኸብክዎ ኣይኮነን። ናይ ብዙሓት’ዩ። ብዙሓት ዘድንቘም ደረስቲ ኣለዉ። ብዘይርደኣኒ ኵነት ካብ ናይ ብዙሓት ደረስቲ ተሞኩሮ ቀሲመ ክኸውን እኽእል’የ። ግሉጽነት ካብ ቱርጌነቭን ጎርኪይን፡ ዳእላ ካብ ቼኮቭ፡ ሓጸርቲ ዓረፍተነገራት ምጥቃም ካብ በዓሉ ግርማ ተማሂረ ክኸውን እኽእል’የ። ሄሞንግወይ እውን ጽልዋ ኣይገበረለይን ኣይብልን እየ። ናይ በዓል በርናንድ ሾውን ግብጻዊ ደራሲ ማሕፉዝን መጻሕፍቲ ደጋጊመ ኣንቢበዮም እየ። ናይ ቶልስቶይ ቅዲ እፈትዎ’የ። ሱዳናውያንን ብራዚላውያንን ደርስቲ’ውን ክጽሕፉ እንከለዉ ናብ ጽሉላት እዮም ዝቕየሩ። ስብሓት ገብረእግዚኣብሄር ብቕዲ ኣጸሓሕፋኡ መምህረይ ነይሩ ክብል እደፍር’የ። ካብ ዳኛቸው ወርቁ እውን ብተመሳሳሊ።

source

Qadie Manche

Comments are closed.