ሓቀኛ ታሪኽ ዘርኣይ ደረስ

እስቲፋኖስ ገብረሚካኤል ሃንችባክ
ነዚ ጽሑፍ’ዚ ንኣንበብቲ ከቕርቦ ካብ ዝሓስብ ዳርጋ ልዕሊ 26 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ገለ ካብቶም ተንብቡዎ ዘለኹም ኣይተወለድኩምን ኔርኩም ትኾኑ። እዚ ኣብ ሓሶት ዝተመርኰሰ ታሪኽ ብመጽሓፍ መልክዕ ክወጽእ ከሎ ድማ ዳርጋ ዝበዛሕኩም ብርግጽ ኣይተውለድኩምን ኔርኩም። ኣነ ንባዕለይ ጎመራው ዘርኣይ ደረስ ዝብል ናይ ሓሶት መጽሓፍ ተሓቲሙ ኣብ ዝወጽኣሉ እዋን ገና ወዲ 14 ዓመት ቈልዓ ነይረ። እቲ ዘገርም ዳርጋ ዝኾነ ኤርትራዊ፡ “ዘርኣይ ደረስ እንታይ ዝገበረ እዩ?” ኢልካ ክትሓቶ ከለኻ፡ ካብቲ ኣብ ጎመራው ዘርኣይ ደረስ ዘርእስቱ መጽሓፍ ዘሎ ትሕዝቶ ብዘይፍለ፡ “ኣብ ሮማ ባንዴራ ኢትዮጵያ ክትርገጽ ምስ ረኣያ ነቶም ዝረገጹዋ ኢጣልያውያን ብሴፍ ዝቐተለ፡” ዝብል መልሲ እዩ ዝህበካ። ካልእ ዘገርም ነገር ሓደ ናቲ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ኤርትራዊ ኣብ 2008 ኣብ ኣስማሪኖ፡ ነቲ ኢትዮጵያውያን ዘውርዩዎ ታሪኽ ከም ዘለዎ ብጽሑፍ ምድጋሙ እዩ። ታሪኽ ከም ጸሓፊኡ ስለ ዝኾነ ጥንቃቐ ኣገዳሲ እዩ። ዝወዓለ ይንገርካ ከም ዝብሃል ድማ እቲ ሓቀና ታሪኽ ዘርኣይ ደረስ ከምኡ ከም ዘይነበረ ንምብራህ ካብ መሰረቱ ከዕልለኩም።

ስርዓት ሃይለስላሴ፡ ንግስነቱ ንምስፍሕፋሕን ነቲ ዓባይ ኢትዮጵያ ዝብል ፖሊስኡ ንምስፍሕፋሕን፡ ነቲ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ኣይኮነትን ዝብል ናይ ኤርትራውያን መትከል ንምብራዝን፡ ኤርትራውያን ንባንዴራ ኢትዮጵያ ተሰዊኦምላ ዘስምዕ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ንታሪኽ ዘርኣይ ደረስ ጠማዚዙ ከም ሕሱም ተጠቒሙሉ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ፡ ዙሓት ኤርትራውያን ይኹኑ ኢትዮጵያውያን፡ “ጅግና ዘርኣይ ደረስ ዝብሃል ካብ ሃዘጋ ዝውለድ ጅግና ኢትዮጵያዊ፡ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኢጣልያውያን፡ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ልዕሊ ባንዴራ ኢትዮጵያ ከላግጹን ከባጭዉን ምስ ረኣዮም፡ ንባንዴራ ኢትዮጵያ ካብ ዝነበሮ ጽኑዕ ፍቕርን እምነትን ደሙ ስለ ዝፈልሖ፡ ኣብ ማእከል ኣደባባይ ሮማ ሴፉ መዚዙ ነቶም ዘባጭዉ ዝነበሩ ኢጣልያውያን ክሳውዶም ክቘርጾም ውዒሉ፡” ዝብል ታሪኽ ንዓይ ወሲኽካ ከም ሓቂ’ዮም ዝወስዱዎ ነይሮም። ብፍላይ ኣብቲ ገሞራው ዘርኣይ ደረስ ዝብል ብሓደ ኢትዮጵያዊ ዝተሓትመ መጽሓፍ፡ “ሴፍ ዘርኣይ ደረስ ብክሳድ ኢጣልያውያን ክትጻወት ውዒላ፡” ዝብል መቃምምቲ’ውን ኣለዎ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ታሪኽ ኣብ ሓሶትን ናይ ፖለቲካ ሃልክን ዝተመርኰሰ ስለ ዝኾነ፡ “እቶም ኢጣልያውያን ኣብ ልዕሊ ባንዴራ ኢትዮጵያ ስለ ዘባጨዉ ዘይኮነስ፡ ኣብ 1937 ኣብ ሮማ ኣብ ዝተገብረ ሂትለር ከይተረፈ ዝተሳተፎ ሃገራዊ በዓል፡ ኢጣልያውያን ኣብ ልዕሊ እቲ ካብ ኢትዮጵያ ሰሪቖም ዝወሰዱዎ፡ ኣቦታቱ ኣቦሓጎታቱን ንዘርኣይ ደረስ ዝኣምኑሉን ዘኽብሩዎን፡ ሓወልቲ ኣንበሳ ዘእመነገደ ይሁዳ ከባጨዉሉን ጡፍ ክብሉሉን ምስ ተዓዘበ፡ በታ ዘይትምሕር ሴፉ ሓሙሽተ ኢጣልያውያን ክቐትል ከሎ ብዙሓት ድማ ኣቝሲሉ፡” ዝብል ካልእ ታሪኽ’ውን ኣሎ። ኣብ መዝገብ ታሪኽ ሃገረ ኢጣልያ ግን ከምዚ ዝብል ታሪኽ የሎን።

እሞኸ ደኣ እዚ ታሪኽ’ዚ ሓቂ ከም ዘይኮነ ብኸመይን መዓስን ክትፈልጥ ክኢልካ ዝብል ሕቶ ክቐርብ ባህርያዊ እዩ። ኣነ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ተጋዳላይ ኮይነ ኣብ ዓረርብ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ንማእከልነትና ኣስመሮም ገረዝግሄር (ሓዊ ብጭር) ኣቦኡ ኣቦይ ገረዝግሄር ካብ ዓዶም ተማጅላ (ከባቢ ድባርዋ) ንወዶም ክበጽሑ ኣብ 1990 መጺኦምና ነይሮም። ሓደ መዓልቲ ናይ ሓባር ምሸት ጌርና ስዋ ንሰትየሉ ኣብ ዝነበርና እዋን ዓበይቲ ኣቦታትና መኽዘን ተሞክሮ ምዃኖም ስለ ዝፈልጥ ኣብ ዝኾነ ውራይ ምስ ሰብ ዕድመ ጽግዕ ኢለ ኮፍ ምባል’የ ዝፈቱ። ናይ ኣጋጣሚ ጕዳይ እንተ ዘይኮይኑ ኣብ ዕስክርና ጥልያን ከም ዝነበሩ ኣፍልጦ’ኳ እንተ ዘይነበረኒ፡ ብዕላል ዕላል ኣብ ጕዳይ ታሪኽ ዕስክርና ጥልያን ኣልዓልና። በጋጣሚ ጕዳይ ዕስክርና ጥልያን ምስ ተላዕለ ዘገደሰኒ ታሪኽ ዑመር ሙኽታርን ጕዳይ በጦሎኒ ሰቲሞን’ዩ ነይሩ። ባሻይ ገረዝግሄር ብዛዕባ’ዚ ምስ ሓተትኩዎም ከምዚ ክብሉ መለሱለይ፡ “ኣነ ክዕስከር ከለኹ፡ ዕላማይ ከምዚ ክትብሎ ዝጸናሕካ ናብ ሊብያ ክኸይድን ነቶም ቀዲሞምኒ ዝኸዱ ደቂዓድና ከርክቦምን’ዩ ነይሩ። ወተሃደራዊ ታዕሊም ምስ ወዳእና ግን ኣንጻር ድሌተይ እቲ ዘመሓድረና ዝነበረ ማጆር እከለ (ስሙ ረሲዐዮ) ንዓይን ንዘርኣይ ደረስን ምስ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ብጉብዝናና መሪጹ ናብ ኢጣልያ ክንከይድ ምኳንና ይሕብረና። ሓቂ ዘረባ ኣይተሓጐስናን። ድሌትና ከም ኣሕዋትና ናብ ሊብያ ዘሚትና ባልያ ክንሰድድ’ዩ ነይሩ፡” ዘርኣይ ደረስ ዝብል ቃል ምስ ሰማዕኩ ብቕጽበት ሓደ ዓቢ ሕቶ ቅጅል በለኒ። ንዘረባኦም ኣቋሪጸ ድማ፡ “ዘርኣይ ደረስ እዚ ክንደይ ኢታልያውያን ኣብ ማእከል ኣደባባይ ሮማ ብዙሓት ኢጣልያውያን ቀቲሉን ኣቝሲሉን ዝብሃልስ ምሳኹም ነይሩ?” ክብል ተወከስኩዎም ዝያዳ ርግጸና መታን ክኸውን።
“ዘርኣይ ደረስ ክሳድ ኢጣልያውያን ቈሪጹ ዝብል ደኣ መን ኮይኑ? ካብ ንዕስከር ክሳብ ዝመውት ብሓደ ኢና ኔርና፡ ዘርኣይ ከኣ ንዝኾነ ሰብ ኣይቀተለን፡” ክብሉ መለሱለይ። ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘስፈርኩዎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዘርግሖ ታሪኽ ምስ ገለጽኩሎም፡ “እዚ ትብሎ ዘለኻ ጌጋ እዩ። ታሪኽ ዘርኣይ ደረስ እንተ ደሊኻ ክገልጸልካ ህ! በል፡” ኢሎም መግለጺኦም ጀመሩ።

“ኣነን ዘርኣይ ደረስን ኣብ ሮማ ምስ ኣተና ከም ተለኣኣኽቲ ኢና ንሰርሕ ኔርና። ዝያዳ መታን ክርድኣካ፡ ኣነ ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ቦታ እንተ ነይረ፡ ዘርኣይ ድማ ካባይ ቍሩብ ፍንትት ኢሉ ኣብ ዝርከብ ቤትጽሕፈት ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ስራሕ መዓልታዊ ርክብ ኣለና ብሓደ ኢና ድማ ንነብር ኔርና። ዘርኣይ ከማይ’ኳ እንተ ዘይኮነ ሰብነቱ ምሉእን ደልዳላን’ዩ ነይሩ። ጠባዩ ግን ኣይንርኣዮ፡ ዓኮ! ኵራ ኣብዛ ኣፍንጫኡ እያ ነይራ። ኮታ ብዝጠቅምን ዘይጠቅምን ክሓርቕ እዕዘቦ ነይረ። ምናልባሽ ባህሪኡ ኮይኑ ድዩ እቲ ናፍቖት ከምኡ ይገብሮ ነይሩ ክፈልጥ ኣይክእልን። ብዝኾነ እቲ ስራሕ ቀሊል’ዩ ነቶም ኣሕሉቕና ምልእኣኽ ጥራይ’ዩ ነይሩ። ጽቡቕ ንበልዕ፡ ጽቡቕ ንሰቲ ድማ ኔርና። ሓደ መዓልቲ ሓለቓኡ ዝነበረ ካፒታኖ . . . ስሙ ኣይዝክሮን ሕጂ፡ ንዘርኣይ ‘ነዛ ጉራዴን ነዛ ዋልታን ናብ እከለ ዝብሃል በዓል ስልጣን ኣብጽሓሉ’ ኢሉዎ ከም ዝገሸ ዘርኣይ ባዕሉ ሓቢሩኒ። ዘርኣይ ግን ኣብ ክንዲ ዘብጽሓ ትም ኢሉ ይቕኒ’ሞ፡ ኣነ ድማ ‘ኣንታ ዘርኣይ፡ እዚ ሰብኣይ ነዘን ንብረት ከየብጻሕካየን ደበኽ እንተ በለስ እንታይ ክትብሎ ኢኻ? በጃካ ኢለካ ዝተባሃልካዮ ግበር፡’ ኢለ እገንሖ። ንጽባሒቱ ነተን ንብረት ሒዙወን እናኸደ ከሎ ኣብ መንገዲ ሓደ ኢጣልያዊ ተኔንተ (ሓለቓ ሚእቲ) ምስ ስበይቱ ናብቲ ሽዑ ዝነበረ በዓል እናኸዱ ከለዉ የጓንፉዎ። በዓልቲቤቱ ነቲ ቴነንተ፡ ‘እውይ! እዚ ኣፍሪቃዊ እንታይ እዩ ሒዙ ዘሎ?’ ትብል ብምግራም። በዓልቤታ ድማ፡ ‘እዚ ኣፍሪቃውያን ንመዋግኢ ዝጥቀሙሉ መሳርሒታት’ዩ፡ ኣብ ውግእ በዚ እዮም ዝቃተሉ፡’ ድሕሪ ምባል ብኣካል ከርእያ ግዲ ደልዩ ንዘርኣይ፡ ‘ንዓ’ታ ኣፍሪቃዊ!’ ኢሉዎ ብዓውታ። ዘርኣይ ድማ ኣብ ክንዲ ምቕልል ኢሉ ዝቐርቦ ከም ኣመሉ መልሲ ኣይሃቦን ትዕንን ጥራይ ኢሉ፡’ ሽዑ እቲ መኰንን ክረስን ብምጅማር፡ ‘ቬኒኳ ብሩቶ ኔሮ!” ኢሉዎ ሓይሊ ቃል ሓዊሱ። እዚ ኵሉ ክኸውን ከሎ ኣብቲ ጐደና መኦኣት ሰብ ነይሩ። እቲ መኰንን’ውን ሽጕጥ ኣለዎ። ከምኡ ምስ በሎ ዘርኣይ ሓሪቑ በቲ ጉራዴ ወስ ኢሉዎ ምሃረሞ’ውን ነይሩ ይኸውን። ብኡንብኡ በቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣኽበርቲ ጸጥታ ተታሒዙ ድማ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። ሽዑ ሓደ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ንሓደ ኢጣልያዊ መኰነን ብጉራዴ ክሃርሞ ፈቲኑ ተባሂሉ ኣብቲ ከተማ ኣዝዩ ዓቢ ዜና ብምዃን ከም ቅጽበት ተላቢዑ። ነቶም ከም ተለኣኣኽቲ ንሰርሕ ዝነበርና ኣፍሪቃውያን ብምሉኣትና ድማ ‘ብቕጽበት ናብ ዓድኹም ተመለሱ’ ዝብል ህጹጽ ትእዛዝ ተዋሂቡና። ሃንደበት ክንብገስ ስለ ዘይንኽእል ግን ኣቕሑትና ክንጠራንፍ ዕድል ሃቡና ኢልና ክንልምኖም ተገዲድና። 24 ሰዓት ሂብናኩም ኣለና ምስ በሉና፡ ሓንቲ ሰፋይት ክዳን ገዚአ ክሳብ ሕጂ’ውን ኣላ። ንዘርኣይ ድማ ሽዑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ዳጐኑዎ ኣይጸንሑን ንሞት ፈሪዶም ቀቲሎሞ። ታሪኽ ዘርኣይ ጀሚሩ ክውድኣ እዚ’ዩ። ዘርኣይ ግዳይ ሕርቃኑ እዩ ኾይኑ። እዚ ዝበልካዮ ታሪኽ ግን ንመጀመርያ ግዜ ካባኻ እሰምዖ’ለኹ፡” ኢሎምኒ።

በቲ ዝገለጹለይ ታሪኽ ኣመና ስለ ዝተመስጥኩ፡ “እዚ ታሪኽዚ’ ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ ኣብ ድምጺ ሓፋሽ ቃለመሕትት ክትገብሩ ኣለኩም፡” ኢለዮም ነይረ። ንሶም ግን፡ “ናብ ዓዲ ክምለስ ምዃነይ ክትፈልጥ ኣለካ። ሎሚ ድምጺ ሓፋሽ ኵሉ ሰብ ስለ ዝሰምዓ ብድምጸይ ከለልዩንን ክነግሩለይን ስለ ዝኽእሉ ይፍትሓላ፡” ዝብል መልሲ ስለ ዝሃቡ ግን ኣይተኻእለን። ድሕሪ ናጽነት ብዙሕ ግዜ ምስ ገለ ኣባላት ዜና ተሓባቢረ ናብ ድባርዋ ብምኻድ ቃለመሕትት ከካይደሎም እሓስብ ነይረ፡ እንተኾነ ኣብቲ ፈለማ ብሰንኪ ስራሕ ድሒሩ ድማ ብሰንኪ ማእሰርቲ ክሰለጠኒ ኣይከኣለን። በዓልቲቤቱ ነስመሮም ገረዝግሄር ዓዚዛ ጣህር ትኹን፡ ኣስመሮም ባዕሉ ነቲ ታሪኽ ይፈልጡዎ ስለ ዝነበሩ ግን ቃለመሕትት ከም ዝካየደሎም ክገብሩ ንኽልቲኦም ዝቐለለ ነይሩ እብል።

  • Anonymous

    This is a great fabricated and false story of Zeray Deres. you have written this article with full of ignorance and backward EPLF mind.

  • Anonymous

    Atum sebat entay aynet tarik ekum hizkum tegeazu zelekum betami bezi natkum poletic nehazen tarik tewekesu ab Italy mexhafty tewekesu denkurena neyew belewo

  • Anonymous

    ኣብዛ ኣዘትካ’ያ ዘለካ ታሪኽ ብዛዕባ ዘርኣይ ደረስ፡እቶም ሰብኣይ ክሳብ ክንደየናይ ሓቀኛ ምኻኖም ተረጋግጽ፡፡ከም ኻልኣይ ዉልቃዊ ጽልኢ’ዉን ክነብሮም ይክእል፡ስለዚስ ኻብ ሓደ ሰብ ዝበሎ ጥራይ ሰሚዒና ዘይ ናቱ ጅግንነት፡ወይ’ካኣ ዘይ ናቱ ሕመቅ ክንቦ ዝግባእ ዝለ ዘይ መስል’የ፡፡ ኣነ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ናይ ዘርኣይ ደስረ ኣብ ዓገብ ትብል ብምስማይ ገብሪሂወት ዝተጻሕፈት መጽሓፍ እንቢበያ ነይረ ግን ኣብ’ቲ መጽሓፍ ከምዝብሎ ግን ኣብ ልዕሊ ገዛእቲ ኤርትራ ዝኮኑ ጥልያናዉያን ብዝፈጠሩሉ ጽልኢት ተደሪኩ ኤርትራዊ ጅግንነት ፈጽሙ ከም ዝሞተ የዘንቱ፡፡

  • Habtom Habtemicael

    ኣብዛ ተጠቂሳ ዘላ ዓዲ ተማጅላ እየ ተወሊደ ዓብየ ካብ ክልተ ሕጅ ኮ ሰለስተ ሚእቲ ገባር ዚኸዉን ህዝቢ ዚነብረላ ንእሽቶ ዓዲ እያ ብርግጽ ኣስመሮም ገረዝጊሀር ዚበሃል ኣሎ ግን ሓረስታይ ደኣንበር ተጋዳላይ ኣይነበረን ምናልባት ሓፋሽ ዉዱባት እንተነሩ ዝያዳ ኩሉ ዚገረመኒ ግን ሰበይቱ ዓዚዛ ጣህር ዝብል እዩ ኣብ ዓድና ዘላ ምዕራፍ እያ ትበሃል ። ጻሓፊ ታሪኽ ናይ ዛ ጽሕፍቲ ዓዲን ስም ናይቲሰብን ኣይተጋገየን እንተ ቲ ቢዛዓበኦም ተባሂሉ ዘሎ ግን እዝ ኩሉ 26 ዓመታት ተጸቢካ ከተጽፍፋ ኔሩካ ወድሓንካ ምስ ሙሉእ ኣኽብሮት።

    • እስጢፋኖስ ገ/ሚካኤል ተሞልሶ

      ሃብቶም፡ ኣስመሮም ገረዝግሄር ሓው ብጭር ትፈልጦ እንተኼንካ ኣነ ተማጅላ ስለ ዝብል ዓሰርተ ግዜ ዕዱ ኣብኡ ኮይኑ እዩ ዝስሞኣኒ። ብዝኾነ ድባርዋ ከባቢ እዩ። ኣቦኡ ድማ ባሻይ ገረዝግሄር ገባራይ እዮም። በኦኣልቲቤቱ፡ ተጋዳሊት ዓዚዛ ጣህር (ጓል ጣህር) ትብሃል። ካብዚ ወጻኢ ብዙሕ ዘረባ ምውሳኽ ዘድሊ ኣይመስለንን። ንኣስመሮም ገረዝግሄር ዘይፈልጥ ሰብ ድማ የሎን።

  • Anonymous

    እዞም ነዚ ዛንታ ዘዘንተዉ ሰብኣይ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተጻሕፈ ዛንታ ኣየንበብዎን ክንብል መቸም ከቢድ ኢዩ። ዓስከር ጣልያን ዝነበሩ እሞ ብገለ ክፋሉ እቲ ዛንታ ዝምልከቶም ክሳብ ካብዚ ጽሓፊ ዝሰምዑ ብዛዕባ ዘርኣይ ደረስ እንታይ ይብሃል ከይፈለጡ ኢዮም ዝነብሩ ኔሮም ኢልካ ክትኣምን ብወገነይ ሲ ይኸብደኒ ኢዩ። ድሕሪ እዚ ኹሉ ናጽነት መጺኡ እሞ ከኣ ኣብቲ በረኻ እኳ ንቓለ መጠየቕ ዝዓደምካዮም ኣብ ዓዲ እንታይ ክብደት ኔረዎ ቃለ መጠየቕ ከተግብሮም፡፡ ክንጠራጠረሉ ዘለና እምበኣር እቲ ዝቐደመ መጽሓፍ ዘይኮነ እዚ ዛንታ እዚ ኢዩ። ብሰንኪ ተገራጫውን ኣእማንን ዘይኮነ ኣቀራርብኡ።

    • ዛዕጐል

      እታ ጽሕፍቲ ደጊምካ ንበባ። ኣቡኡ ንኣስመሮም ገረዝጊሀር እያ ትብል ዘላ።

      • Anonymous

        ደጊምካ ኣንብባ ኣብ ክንዲ ንበባ

  • Anonymous

    ድግግብህብቭቭንንንክ

  • Yemane Johar

    Fabrication ala pfdj style! Spoon feed this garbage to the gullible and imbecile supporters of the mafia regime. For us, independent thinkers,this is an insult to our intelligence. Simply put it We were not born yesterday! Ezi ztefebreke tarik zEdgelkum beham seb entelo hases belu!

  • Mohamed

    Little evidences to believe the story.

  • Sam

    Selam Steve,

    A couple issue with this article.
    1. The title is a little bit heavy handed. When you say “HaqeNa” that is absolute term without providing any evidence. The story to be labelled “true story” there has to be more than just hear-say. The appropriate title might be “possible” “additional information” ….

    2. The narrator of the story (Aboy Gebrezgabher) is telling his version of the event in 1990, that is 53 years later after the death of Zeray Deres. At the same time, he claimed that he never heard the widely known story of Zeray Deres. For someone who has an intimate knowledge of Zeray to make that kind of assertion is hard to believe. Let alone him, even a kindergarten child know the story well.

    3. Major Gen. Asmerom G. is alive and well. He was one of the top leaders of EPLF and now high level PFDJ. It is unlike EPLF/PFDJ to sit in this kind of information. If it has any truth, I am sure it would have been out on the open long time ago.

    • እስጢፋኖስ ገ/ሚካኤል ተሞልሶ

      Hi Sam, I believe the story more than 100% because the man was almost my grandfather and he did not bring the story it came up randomly, and I saw him talking in a very natural way with simplicity and a natural flow. After all, Zerai was his friend, how come he tarnish his real history. He felt sorry for Zerai because he did something unnecessary as a result of his temper and he died. Bashai Gerezghiher vividly remembers that all the askaris were shocked when they were told to pack and leave Rome within 24 hrs. Finally, the man was a peasant and he could not could not have heard about Zerai’s popularity in Ethiopia, and if he did he would defenitely not come out and make a counter claim against the Ethiopian regime. Therefore, I stand by the story.

  • D.Mantai

    እዚ ብዛዕባ ዘራኣይ ደረስ ተጻሒፉ ዘሎሲ ሓሶት እዩ እሎም ዘዘንተዉ ሰብኣይ ኣነ ኣብ ግዜ ንእስነተይ ከሎኹ እኳ ”ዘርኣይ ክንዲ ኣንበሳ” ተባሂሉ ክድረፍ ከሎ እዞም ሰባኣይ ሽዑ እንታይ ኰይኖም ከምኡ ኣይኮነን ኢሎም ዘይተዛረቡ? ወይ እውን ንገለ ሰባት ዘይሓበሩ። ስለዚ ብዛዕባ ዝሓለፈ ክዝረብ እቲ ዘርኣይ ደረስ ዝገበሮ ኢትዮጵያውያን ተጠቒሞሙሉ እንተተባህለ እኳ ምሓሸ። ካብኡ ሓሊፉ ሳላ ግዜ ሎሚ ኣብ ዓዲ ጣልያን ዘይተሰደ ኤርትራዊ የለን እሞ ኣብኡ ዘሎ መዛግብቲ ታሪኽ ምግንጻል ዓራቒ ክኸውን ይኽእል እዩ። ካብኡ ብዝተረፈ ናይ ሎሚ ንግበር ሱቕ እልና ኣይንሃውትት።

    • Anonymous

      ሐቂ እባ ተዛረብካ ኢትዮጲውያን ስለ ዝተጠቀምሉ
      ታሪኽ ናብ ዝደለኻዮ ምጥውዋይ ዓገብ

  • Anonymous

    ኲንዮ ኣስመሮም ገረዝጊሄር(ሓው ብጭር) እውን ኣቶ ሙሳኤል ዘርኣይ ደረስ ብሂወት ዘሎ ይመስለኒ፡ ነቲ ቅኑዕ ዛንታ ናይ ዘርኣይ ደረስ ንምርካቡ ዘጸግም ኣይመስለንን። ማ ላኪን ኣገዳስነቱ ካብ’ቲ ካልእ ክብርበር ዘለ’ዎ ናይ ኤርትራውያን ጅግንነታዊ ታሪኽ ንላዕሊ ኣይረኣየንን እዩ፡ ወይ ዘርኣይ ደረስ ዝፈጸሞም ካልእ ዉሃ ዘበለ ታሪኽ ኣይፈልጥን እየ ማለት እዩ። ብዝኾነ…! ሃንቺባክ ዝብል ዘሎ «እቲ ታሪኽ ከምዚ ይመስል» ይብለና’ሎ። ግርም…! እቶም ኣሚንና ትም እንብል ትም ንበል፡ እቶም ንሓቅነት ናይ’ዚ ጽሑፍ ኣማዕዲና’ሞ ክንዲ ዕንቊ’ውን ዘይተራእየና ድማ ሃየ እነሆ ሜዳ እንሆ ፈረስ በብወገንና ነረጋግጾ’ሞ፡ ልክዕ እንተኾነ ምስ’ዚ ናይ ሃንቺባክ ግርም ጽቡቕ!፡ ጌጋ እንተረኸብናሉ ድማ ንሃንቺባክ እንዳነቐፍና መአረምታኡ ንህቦ። ብቕንዕና እንዳተኣራረምካን እንዳተናቓቐፍካን መሳልይቲ ብጻይ ኣይሰኣን ኣሕዋተይ። ሃንችባክ ንተበግሶኻ ግን ኣዝየ የመስግነካ። -ኣማን ብርሃነ/ኣማኒኖ/-

    • እስጢፋኖስ ገ/ሚካኤል ተሞልሶ

      ከም በዓል ኣማን ክከውን ኣለዎ ሰብ። ኣብ ላዕሊ ኣንቢብካዮ ትከውን ናይ ገለ ሰባት ጽሑፍ፡ ዘዘሊሎም ናብ ጸርፊ! ሓቁ’ንድዩ ሕብረተሰብና ከይምዕብል። ባህልና ንዝተጋገየ ኣርሞ፡ ንዝደኸመ ሓግዞ እዩ ዝብል። ገለ ሰባት ግን ኣበይናይ ሕብረተሰብ ከም ዝተፈጥሩ ኣይርድኣካን’ዩ። ሓደ ሰብ ወላ እንተ ጸረፈካ፡ ትጋገ ኣለኻ ክትብሎምበር ክትጸርፎ የብልካን። ምኽንያቱ ከምኡ ትጋገ ኣለኻ ማለትዩ። ኣብ ምዕቡል ዓለም እናነበሩ ናብ ጸርፊ ክጐዩ ከለዉ ይገርሙኒ። በሉ ብሩኽ መዓልቲ ርሑስ መስቀል ከኣይ ይግበረልኩም።

  • Anonymous

    Xehafay bzaaba zeray deres tariki hji kehmeka bzaaba ab hagerka ztegebre jignnet ztexelemka zdytgebr xlei ab Ethiopiazeleka keteghdo slezdeleka xray eu mhaferka tegadalay nere enabelka ezi ktzareb

  • fessehsye

    wey gud tegadelti nay eseyas detbliwo yeblkumun texeliekumo nseb lemtin mahaztin eku eti tarik nay zeray dihabeka nay merahti shim nkulu resiewo malet diyu mechem wedi berad dimaharekum hasot mihzo keltifkum ekum texniewo bejaka bejaka shimom defltom da kemey geru kisab italya keydu eti bal tarik 🙄

  • Dawiter

    Thanks Hatchback for sharing.
    This story sounds more authentic than the fictional Zerai Deres.
    Zerai was Eritrean after all and there is no wagon this good earth he can defend Ethiopian flag.
    Eritrean will not act even if his sister is raped in front of him.
    We are yet to see Eritrean with a pair of balls.

  • እስጢፋኖስ ገ/ሚካኤል ተሞልሶ

    ሓደ ዝገርመኒ ገለ ኢትዮጵያውያን ነዚ ነገርዚ ክቕበሉዎ ስለ ዘይሕሰብ ኣብ መንጎና እናኣተዉ ሕንፍሽፍሽ የእትዉልና ከም ዘለዉ ፍለጡ። ጥንቅቕ ምባል ጽቡቕ እዩ። ምግዳልን ዝሰማዕካዮ ምዝራብን ዘራኽብ የብሉን።

  • aziu des zebl medebat eu

  • እስጢፋኖስ ገ/ሚካኤል ተሞልሶ

    ኣብ ሮማ ከለኹ ነቲ ዘርኣይ ደረስ ክሳውዲ ኢጣልያውያን ዝብሃል ቦታ ስኢለዮ ኣለኹ፡ ኣብ ሚላኖ ድማ ዘርኣይ ኣብ ገዳም ካፑቺኒ ተመሃራይ ከሎ ዝተሳእሎ ምስ ካልኦት ብጾቱ ማለትዩ ረኺበ ኣለኹ። ዝያዳ ናይ ዘርኣይ ታሪኽ እናሰፍሐ ይኸይድ ኣሎ። ካብ ገለ ምንጭታት ዝረኸብኩዎ ግን ካብቲ ቅድም ዝበልኩዎ ብዙሕ ዘይፍለ መብርሂ ረኺበ ኣለኹ። ተወሳኺ ሓበሬታ እድህስስ ስለ ዘለኹ ድማ ደሚረ ከቕርቦ እየ። እቲ ሕቶ ዘርኣይ ጅግና ነይሩዶ ኣይነበረን ኣይኮነን፡ ከምኡ ገይሩ ድዩ ኣይገበረን? ብልክዕከ እንታይ እዩ ገይሩ ዝብል እዩ።

  • እስጢፋኖስ ገ/ሚካኤል ተሞልሶ

    ናብ ኢጣልያ ገይሸ ቀንየ። ኣብ ሮማ ዘርኣይ ክሳውዲ ኢጣልያውያን ቈሪጹሉ ዝተባህለ ቦታ ማለት ፒያሳ ቬነዝያ ተባሂሉ ይነብብ።

    • Anonymous

      ኣነውን ኣብ ጣልያን እየ ዝነብር ንገባሪ ክፍኦም
      ምናልባት እንኾይኑ ፒያሳ ዘርኣይ ክገብርሉ ኢልካ
      ኣይትጸበ ዝካአል እንተዘኸውን ከማን ታሪኹ
      ንምድምሳስ ድሕር ኣይምስበሉን ንምፍላጥ ትገብሮ
      ዘለኻ የድንቐካ ግን ንመጻኢ ጽሑፍካ ብዙሕ ተመራሚርካን ሓቲትካን ንኽትጽሕፍ እላበወካ
      ቀጽሎ ቀጽሎ በርትዕ

  • Anonymous

    ኣነስ ዝገርመኒ እዞም ስባት ዕቡዳትዮም መስለኒ ኣብ ክንዲ ምስጋናስ ጸርፊ

  • Anonymous

    The event happened in Italy. As Italy has many historians, I have yet to read any written historical document about Zerai Deres. If what we were told about Zerai Deres is true, this is a big historical event that could not escape the eyes and ears of a few “Honest Italian Historians” to document and write about it.
    Appreciate if any one could provide a reference about this story.

  • Anonymous

    A big historical event that of Zerai Deres’s could not escape the eyes and ears a few “honest” Italian Historians to document or discuss about this epoch event in the heart of Rome during one of the eras when a lot history has been documented – the era of Fascist Italy and Nazi Germany. I have yet to read any historical documentations. How come?

  • Anonymous

    A big historical event that of “Zerai Deres’s” could not escape the eyes and ears a few “honest” Italian or other Historians to document or discuss about this epoch event claimed to have had happened during a parade in the heart of Rome where “Adolf Hitler, Benito Mussolini and King Victor Emmanuel III” attended in one of the eras when a lot history has been documented about – the era of Fascist Italy and Nazi Germany. I have yet to read any historical documentations about this. How come?

  • Well done brother Stefanos. I appreciate your article. I strongly challenge those calling names, I you are civilized and did not agree with the writer, why don’t you dig out to find the truth. This article gives the readers a second thought and question the first history told by Ethiopians. Let’s do more researches and find out which one is true. Once again, thanks for the article and keep it up!