ልደተ ኤርትራ ካብ ማህጸን መግዛእቲ ኢትዮጵያ!

ምብዓል ናጽነት ይግባእዶ?

ወድ ስእላይ 24 ግንቦት 2016

ጥንሲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ማህጸን መግዛእቲ ኢትዮጵያ ተስእሎ መልክዕ ረኪቡ ክነሱ፡ ብቅልጽም ሓያላን ተነጺሉ ወይ ብውሽጣዊ ሕማም ቆሊዑ ከይመውት ዋናታቱ እናሞቱሉ፡ 30 ዓመታት ከም ሓደ መቀን ጊዜ ጥንሲ ጸብጺቡ፡ ኣካል ገዚኡ ደረት ፈልዪ ቅንያት ማርያም ግንቦት፡ ኪዳነ ምሕረት መዓልቲ ተወልደ። ሸብዓተ ሳዕ ሰብዓ ተዓለለ። ጥጥቖ ዕንበባ ተነጽገ። ነዚ ንስኩም እትርእዎ ዘሎኩም ክርእዩ ብዙሓት….ተባህለ።

ልደተ ሃገርን ልደተ ሕጻንን ብብዙሕ መገዲ ከነመሳስሎ ንኽእል። ሕጻን ምስ ተወልደ ብልደቱ ወለዱ ከም ዝሕጐሱ ዋናታት እታ ሃገር ዝኾኑ ሕዝባ ድማ ምሕጓሶም ዘይተርፍ እዩ። ዝተወልደ ሕጻን ግና ኣብ ዕብየቱ ካብ ሕማም ዝከላከለሉ ክታበት ኣብ ማህጸን እንከሎ ኣይወሃቦን። ተራ ክታበት ድሕሪ ልደት ንሓከምቱን ወለዱን ዝግደፍ እዩ። ሕማቅ ዕድል ኮይኑ እቲ ሕጻን ብከቢድ ሕማም እንተ ሓመመ ወይ እንተሰንከለ ዕለተ ልደቱ ኣይትረግምን። ሃገር እውን ልክዕ ከም ሕጻን ድህሪ ልደታ(ናጽነታ) ብፎኪስን ከቢድን ሕማማት ክትጥቃዕ ባህርያኣዊ እዩ። ገለ ገለ ሰባት ነዚ ተፈጥሮኣዊ ሓቂ ካብ ዘይምርዳእ ልደት ሃገርን ሕማም ሃገርን ፈላሊኻ ምርኣዩ የጸግሞም። ከም ጻድቅ ኢዮብ ድማ ዕለተ ልደተ ሃገሮም ክረግሙ ይስምዑ።እታ መዓልቲ እቲኣ ጸልማት ትኹን፡ አምላክ ከኣ ይረሰዓያ፡ ብርሃን ከኣ ኣብኣ ኣይንበርክብሉ ይስምዑ። ክሓዝኑለንን ክምህለሉለንን ዝኽእሉ 364 ዕለታት እንከለዋ፡ ነታ መበል 365 ዕለት ኣብ ክንዲ ኣብ ሓጐሳ ኣብ ምርጋማ ይውዕሉ።

ኣብ ሓደ ዕለት ልብና ነቲ ዘኪሩ ክሕጐስ ነዚ ሓሲቡ ክጉህይ ኣንጻራውያን ወጥርታት ንመትንታቱ ካብ ዘላሕልሕዎ፡ ገጽና ሞሳ ሓርነታዊ ቃልሲ ዓወት ተደሪሩ ብትንሳኤ ተስፋና ክበርህን፡ ጸኒሑ ኣብ ግራት ውልዶ ዓመታት ናጽነት ብዝወረደ ኣስሓይታ ጥልመት ሰኪሑ ካብ ዝጽምሉን፡ ኮታስ ኩሉንትናና ተጻይ ፍቓዳት ካብ ዘእንግድ ነዛ ዕለት በቲ ጥንተ ዓወታ  ጥራይ እንተጸንበልናያ ይሓይሽ በሃላይ እየ። ካብ ዝተፈራረቀ ስምዒት ዝጽልምት ደመና የሎን። እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ምውጽኦም ዘኪሮም ዕለት ፈልዮም የኽብሩን ይጽንብሉን ነበሩ። ዕለተ ምፍራስን ምምራኽን ሃገሮም ድማ ታሽዓይ ወርሒ ኣብ ዝብሓቶ ዘኪሮም ክበኽዩ ይውዕሉ ነበሩ። ብዛዕባ ፍልሰት ህዝብናን ምዕናው ሃገርናን ድማ ካልእ ዕለት ፈሊና ከይንቁዝም ዝኽልክለና የልቦን። ስለዚ ዕለተ ናጽነት ልደተ ኤርትራ እዪ እሞ፡ ኤርትራ ተሓጕሳ ክትውዕል ንሕደጋ። ካልኣ ይኣኽላ። ዕለተ ናጽነት በቲ ናይ መጨረሽታ ደረት መግለጺ ፍቅሪ ዝኮነ ረዚን መስዋእቲ ዝተረኸብናያ ዕለት እያሞ ጽልእን ሓዘንን ካብኣ ንሓዋሩ ይርሓቑ። 

እዚ ዘሎናዮ እዋን ሽሕኳ ከም ሽደን ኣንበሳ ንዝራብዕ ተስፋታትና ይሰላልዖ እንተሃለወ ምእንቲ ርእሱ ኢሉ ክሓልፍ እዩ። ተባርዮ ወይ ለውጢ ምምጽኡ ዘይተርፍ እዩ። ጊዜ ጸቢቁ ኢሉ ኣይድንጉን፡ ጊዜ ሓሲሙ ኢሉ ድማ ኣይቅልጥፍን። ተሃዊኽካ ናይ ተስፋ ዝቖረጸ ሰብ ስጉምቲ ምውሳድ ኮነ ናይ ግዳይ ስምዒት ምሕዳር ግን ድርብ ክሳራ እዩ።

ሓደ ኣብ ልዕሊ ማይ ህዝቡ ጸብለል ናይ ምባል ዘይታዊ ባህርይ ዘለዎ ቀለም ቀመስ፡ ከመይ ኢልና ሕዝብና ብርሃንን ጸልማትን ኣብ ዘይፈራረቆ፡ ዓለመ ጽልመት ተኣሲሩ ከሎ ናጽነት ኤርትራ ነብዕል ኢሉ ምስ ተዛረበ፡ ሓደ ለባም ኣጆካ ኤርትራ መንፈስ ህዝባ እያ። ኤርትራ ሥጋኣ እምበር መንፈሳ ኣይእሰር ኣይመውት፡ ብምባል ስረ ከዕጥቆ ፈቲኑ። ኤርትራ ትንሳኤ ሥጋ ክትረክብ ግድን ክትመውት ኣለዋ። እቶም ጠቢቖማ ዘለው ቁርዲድ ኣብ መቃብር ምስ ተረፉላ፡ ኤርትራ ተሓዲሳ ክትትንስእ እያ። ምብዓል ናጽነት ንሓደ ጉጅለ ፈሪህካ እተቅርቦ ሞባእ አምልኾ ከምዘይኮነ ከረድኦ ብዙሕ ጽዒሩ። ዕለተ ናጽነት እቲ ናይ መወዳእታ ፍረ ናጽነታዊ ሰወራ ምዃኑን፡ ዓቅምን ኣፍልጦን እንተሃልይዎ ፍትሒ፡ መሰል ወዘተ ዝብሉ ሰውራታት ተወዲኦም ዘይውድኡ ስለ ዝኮኑ፡ ኣብዞም ሰውራታ ክዋሳእ ከምዝኽእልን፡ ከፊላዊ ዓወቶም ምስ ጨበጥካ ዕለተ ጽንብሎም ምክያድ ከም ዝከኣልን ገለጸሉ። ምብዓል ናጽነት ምስ ኤርትራውነት እምበር ምስ ስርዓተ መንግስት ከምዘይዛመድ እኳ እንተነገሮ፡ ዓንድሕቆ ውሽጣዊ ርድኢቱ ነዚ ሓድሽ ርድኢት ክስከሞ ዓቅሚ ኣይረኸበን።

  

Comments are closed.